Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብቲ ኣኼባ ኢሳይያስ ዘተኮረሎም ጉዳያት፣

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣኼባ ኢሳይያስ ዘተኮረሎም ጉዳያት፣ ኩነታት ሰራዊትን ህሉው ኩነታትን ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ሓይልታት ምልክኻል ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ብዝሒ ምዅብላልን ብፍላይ ብወገን መንእሰያት ዘጋጥም ዘሎ ዕጥቅኻ ገዲፍካ ህድማን ሞራል ሰራዊት ካብ ምስባር ሓሊፉ፣ ተኽእሎ ምክልኻል ሃገር ኣብ ሓደጋ የእትዩ ከምዘሎ ብጋህዲ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ቅድሚ ሕጂ ካብ 250- 360 ዓቕሚ ሰብ ዝነበራ ቦጦሎኒ ሓይሊ ሰባ ናብ 30-50 ወሪዱ ከምዘሎ ብኣብነት ብምጥቃስ፣ እዚ ኩነታት ‘ዚ ብሰንኪ ጉድለት ቁጽጽርን ሸለልትነትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝሰዓበ ኣገንዚቡ። “ካብ ሕጂ ንደሓር መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ትመጣጣኒ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ኣዛዚ ክፈልጥ ይግባእ” ክብል ‘ውን ኣጠንቂቑ።

“በዚ ዘሎ ኣካይዳ ንቕጽል እንተደኣ ኴንና፣ እዞም ሎሚ ዝመረቕናዮም ‘ውን ከምቶም ቅድሚኦም ዝመረቕናዮም፣ ሰራዊት ራሕሪሖም ናብ ጸላኢ ብምስላም ብረትና ከረክቡዎም እዮም።” ድሕሪ ምባል ከኣ፣ ካብ ሰራዊት ዘምለጡ ኣባላት ናብ ጸላኢ ናይ ዘስተለሙዎ ብረት ይኹን ኣብ ኣሃዱታቶም ዘሎ ዕጥቂ ጸብጻብ ብዝርዝር ከቕርቡ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መደርኡ፣ እዚ ኣብ ሰራዊት ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብሓደ ለይት ዝተፈጥረ ኣይኮነን፣ ብዙሓት ካባኻትኩም ኣብ ውልቃዊ ናብራኹም ትግደሱ ስለዘለኹም ዝማዕበለ እዩ፣ ኢሉ ብምፍርራሕ ከኣ፣ ስግር ዶብ ብረት ዝሸጡ ኣዘዝቲ ከምዘለዉን ገለ ድሮ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡን ኣተንቢሁ።

ኣብቲ ናይ ሕቶን ርእይቶን ካብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ሓደ ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ ኣባላት ሰራዊት ነበር ካብ ኣገር ምስ ወጹ ካብተን ዝተሰደዱለን ሃገራት ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ናብ ሃገር ከም በጻሕቲ ይምለሱ ምህላዎም ኣብ ሞራል ሰራዊት ጉድኣት ካብ ምብጻሕ ሓሊፉ ኣተሓሳስባ ናይቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ መንእሰይ መሊሱ ናብ ስደት ከቕንዕ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ እዩ ከኸውን ከሎ፣ ኢሳይያስ እዚኦም ሃገርን ሰራዊትን ርሕሪሖም ዝኸዱን እቲ ዘዕጠቕናዮም ብረት ድማ ንጸላኢ ዝረከቡ እዮም፣ ናብ ሃገር ክምለሱ ይኽእሉ እዮም እንተኾነ በቲ ፈጸሙዎ ዓቢ ገበን ተሓተቲ እዮም። ስለዚ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ ኢሉ። ከምዚ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣ ቀይዲ ኣውዕሉዎም ብምባል ኣብ ርእሲ ‘ዚ መንግስቲ ነቶም ካብ ሰራዊት ሃዲሞም ዝኸዱ ኩሎም ዋጋ ብረት ምኽፋል ክጅምር ምዃኑ ‘ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ንብዝሒ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ኣሉታ ክህበሉ ዝጸንሐ ከሓዲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብኸምዚ ዝኣመሰለ እንጽርጽሮት ዝተሓወሶ ቃና ከማርርን ኣዘዝቲ ሰራዊት ክኸስስን ምጅማሩ፣ ተስፋ ቆሪጹ፣ ተጨኒቑ ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
60 COMMENTS
  • Kidan, Sudan July 21, 2014

    Issais must take his YPFDJ to sawa for traning, he knows that they will not turn up if he calls them. Many of them doesn’t know what is going on. They say it is mama’s country. It is not their country.

  • Debesay Hadgu July 21, 2014

    I have concrete information guys. The Eritrean active defence force reaches between 100 and 120 thousand. If you divide this number according to how many battalions Eritrea has, more or less one battalion is approximately between 100 and 150 personnel. But there are also reserved army which is mainly stationed in Asmara and Massawa. In this 2 brigades reserved army one battalion is less than 80. So the news seems exaggerated but it is more or less correct. Lets give you a rough estimation: there are 4 srhit x 27 divisions x 3 brigades/division x 3 battalions/brigade – this gives you 972 battalions. Now lets take the upper bound of the Eritrean defence force which is 120 thousand. If you divide 120,000/972 = 124 (to the nearest integer). So, what is wrong with the news. News has never been exact unless you count them yourself one by one which is impossible. Thanks.

    • Saba July 22, 2014

      Give us the source of your information, otherwise Selam is right!ናይ የለው በለው ጊዜ ኣብቂዑ እዩ።

  • selam July 21, 2014

    Hadgat kem shmka, tefer mwual mhasheka kab zwedeke kokob ktdeli tweel, bzhi ab eritrea zelo serawit demirka agudilka bzey welahade evidence ktzareb krub kthafr mtegebeaka, eti kunentat balu zmskro haki eyu, nska kemzi nay bado 03 were ketenaf gn nay hgdef wuhlul mesarhi mquanka yu

  • kibrom July 21, 2014

    amanuel ata wekariya 30-50 elka dea zeytkeyid zeytfitin atine abzea koynka tileflif zrug meanta

    • hatnokum Rigbe July 21, 2014

      ወደይ ሃብሮም ኣማንኤል ዶ በሉኻ ክንደይ ይልብሙ፣ ጥዋፍ የብርህ ስም ይመርሕ ይብሉ በዓል ኣቦይ፣ ንስኻ ከኣ ኣምላኽ ምሳና ኢዩ እንዶኾነ ትስምካ። ኣማን ብኣማን ንኣኻ ሒዝናስ ኣምላኽ ምሳና ኢዩ ብርሃን ዓይነይ። ንሓቂ ትገድፈላ መዓስ ኣልዩካ፣ ንፍትሒ ድምጽኻ ኣሎ ነጎዳ፣ ንዝርያ ዉጹዓት ባዕልኻ ዋናኣ ዝወደይ። ንደቂ ኤረትርያ ሓው ትኾኖም፣ ነቶም ዝተገርፉ ተእውየሎም፣ ነቶም ዝቐበጹ ተስፋ ትኾኖም፣ ንሕና ኣደታት ብኣኻ ኩሩዓት ኢና። ሎሚ ኢሳያስ ነቶም ምማት ዝኣበዩ ምጽዳፍ ዝኣበዩ ነቶም ነብሶም ምጥፋእ ዝተሓሰሙ ኩሎም ዓጢቑሎም እንሀልካ፣ በትሪ ጉሒላ ንመን ትምሕር ኢልካያ። እዚ ሽፍታ ዘይከብዱ መን ዘመድ ኣለዎ። ንወኻሩ ግዲ ኣይትግበረሎም፣ እንተዕለበጡ ተረፍ ራዕዶም ዩ፣ ሓሳዊ ጻሕጻሒ እንድዩ፣ ሓቂ ዝዛረብ መኣስ ይፍተዎ። ክቡር ኣቦ ደቀይ ጎበዝ ከለዉ ከማኻ ትኽ ዝበሉ ኢዮም ዝነበሩ፣ ክሳብ ሎሚ ስካኣ እንሀለዉ ብሓቂ ኢዮም ዝፍለጡ። እዚ ቖልዓስ እቲ ዘረብኡ ክንደይ ይጥዕም፣ ክንደይ ከ ይሕይል ምስ በልኩ ሓደ መዓልቲ ሓዲኡ ሕዚ ርግበ በሉኒ። እቲ ዘረባኡ ጥዑም እንተኾይኑ ከመይ ኣቢልኪ ኢኺ ክንደይ ይሕይል ትብልዮ በሉኒ። ዘይሰንበድኩ ኣይምሰልካ ግር ኢሉኒ ኢዩ። ኣንቱም ሰብኣይ እምበር ዶ ብድሓንኩም ኢኹም እቲ ዘረብኡ ጥዑም ኢዩ፣ ግና ኸ ሓያል ውን ኢዩ፣ መኣዝ ዳኣ ቁምነገር ዘይብሉ ኮይኑ በልኩዎም ከም ቁጥዕ ኢለ። ስምዕነ ሞ እምበይተይ በሉ ሽዑ ኣላጋጭ ተራእዩዎም፣ ኣነ ነዚ ወዲ ኮን ዶኾን ብማለት ገለ ዘይብርሃኒ እንተረኸብኩ ብደቂቕ ትዕዝብቲ ወሲደሉ ኢየ። ከምዛ ውላደይ እምበር ካልእ ኮይኑ ዘይስምዓኒ። ሳህለን ማሃንዘልን ክትሰምዒ ሓዳር ፈቲሕኪ ምውዓል ዘልመደለይ እሞ ንሱ ዘይኮነ ምሕረት ጓልኪ ኢያ። ነታ መዛረቢቱ ንሳ ተዘይትኸፍታ ባዕሉ ኣይምበይምኸፈታን ርግበ። ሕጂ ዘረባ ገዲፍኪ ንዒ እታ ጋብየይ ኣቐብልኒ ኢሎም ምርኩሶም ኣልዓሉ። ክወቕዑኒ መዓስ ኮይኖም፣ ኣዪ ካብ ቀደሞም ተዋቓዓይ ኣይነበሩን ናቱ ስ። በል ድሓን ሕደር ወደይ ኣማንኤል፣ ኣምላኽ ምሳና ምዃኑ ከዘክረካ ኢለ ዝሓሰብኩዎ ምስ ኣቦኻ ህብትዝጊ ባእሲ ከየምጽእ።

  • MightyEmbasoyra July 21, 2014

    ፕላን ናይ ኢሳያስ
    ቀዳማይ ገጽ:
    ከምዝመስለኒ, ተራ ሰራዊት ዓዲ ራሕሪሕዎ ከምዝኸይድ ምስ ገበርዎ፣ መንእሰያት በብመገዶም ሃጽ ኢሎም ጠፊኦም።
    ካልኣይን ናይ መውዳእታን:
    ሕጂ ድማ ናብ ሓለፍቲ ገጹ ኣቕኒዕዎ። መራሕቲ ሰራዊት ከምሰቦም ክሃድሙ ምስ ጀመሩ፣ ሓላፍነት ብደምሒት ክትካእ’ዩ። ብድሕሪኡ ህላውነት ናይ ኤርትራ ዳርጋ ከምዘየሎ ይኸውን።

  • wey Gud July 21, 2014

    it is always the same blame game. Azezti sera wit meAt weriduwom. Drar Eletom zeblom agelglot hizom n 10-15 amet intAi gberu yblom alo!
    Iti ab wiKAWi nabra mGdas intekone wn b 300 nakfa sdRa Ytref inwlQka win kINABI Kab zeyMkal iyu zbGes.

  • eriman July 21, 2014

    Unless the root cause of the problem, which is in establishing a constitutional government that guarantee human rights is affected, there will always be this problem of the young fleeing outside of Eritrea.

    Whatever, Isaias tries to do when not be a long term solution to this problem.

  • eriman July 21, 2014

    Unless the root cause of the problem, which is in establishing a constitutional government that guarantee human rights is affected, there will always be this problem of the young fleeing outside of Eritrea.

    Whatever, Isaias tries to do will never ever bring a lasting solution to this problem.

  • ERITREAN UNCLE July 21, 2014

    ኣብቲ ምንቅስቓስ ንምድሓን ኤርትራ ዝብል ዶኩሜንት ዝተመርኮሰ

    ይወልወል እቲ ሲማኑፍ______ ይዳሎ እቲ R.P.G
    ዝሞተ ሰብ ________________ኣይክውፍ ኣይጃጂ
    ኣይውዕል ኣይሓድር _________ከጅምዓሎም እየ ሕጂ
    ካብኡ ሰረረ ህዝቢ ዘይብለይ ክተርፍ ???ዘይቅበሎ ፍርዲ !!!

    ክበኪ ዶ ___________ደም ዘራዕራዕ ከብሎ
    ጸጕረይ ክቡንቁሶዶ______ ካብ ሱሩ ክቡጥቁሎ
    ጽሓይ ፋዱስ ዶ ክጽሎ____ ክሳዕ ዝመስል ጾሎሎ
    እናሰጎመዶ እቲ ኣእጋረይ ባዕለይ ክረግጾ ክሕምትሎ
    ፈራህ ኮይነ እምበር__ ደስ መለኒ ንነብሰይ ክቐትሎ
    ብዙሕ ዩ ሎምዘበን__________ ዘሻቕለኒ ዘሎ
    ተጽግበኒ ቅጫስ ይፈልጣ__ ገና እንከላ ኣብ ሞቕሎ
    ምንቅስቓስ ንምድሓን ኤርትራ___ ጉዳየይ ይወክሎ !!!

    ኣበይ ኣሎ__________ ነዚ ሓራዲ ዝዓልዎ
    ደስ ኢሉና __________ ብዶላራት ከነጸግዎ
    ኣበይ ኣሎ __________እቲ ንማንኪ ዘባላሽዎ
    ዋላ ይግበሮ ______ገንዘብ Motivate ጌርዎ
    ብማዕጾ ይኹን ብሞስኮት____ ቅሳነት ኣእትውዎ
    ምንቅስቓስ ንምድሓን ኤርትራውያን ሓደራና ኣለዎ !!!

    ኣብቲ ማዕዶ___________ ዘለኻ መን ኢኻ?
    ብኡ ኣይኮነን______________መንገዲ ጋጊኻ
    ሱዳን ሊብያ________ ኣዕራብ ካብ ዝወቕሩኻ
    ኢሳያስ ክግልበጥ እዩ________ ተመለስ ዓድኻ
    ብተንቃሳቐስቲ ሓርነት________ ትብሃል ኣለኻ
    መምርሒኦም ብሩህ__ ዘብቁል ከም መሬት ዋለኻ
    ህዝቢ ዘቐድሙ _______ናይ መጨረሻ ተስፋኻ
    ተወደብ ወይ ሃገርካ ከም ሽምዓ ክትመክኽ ተኺኻ
    CNN ክትርእያ _________CABLE ግዛእ ኢኻ
    ወይ CALIPHATE ነጊሱ____ ዝቖርጽ ርእስኻ
    ከይነገሰ ወንኖ__________ ኣድሕኖ መሰታኻ !!!

    ጥይት ካላሽን__
    ኣበሎም ርሽን,

    ቢ ኤም ክነጉድ_
    ዶሽካ ክሱጕድ፣

    ሲማኑፍ ድማ _
    እዚ ገሳሲማ፣

    ብጥይት ብቴን __
    ምስ ሸፋቱ ንፋተን፣
    እዘን ሃደምቲ _________ርእሰን ክብተን
    ኣደ ክትድንደን__________ ኣቦ ክህድን
    ኮፍ ኢለ ኣይርእን ______ኢለ እየ ኣበደን
    ንባራዩ ቃጣር ___________ንባራዩ ዓደን
    ንወረበላታት ሙዳዳ ____ብታንክ ከርዕደን
    ወሲነ እየ፣_______ ጀነራላት ይሃባ ኢደን
    ካብኡ ሰረረ፣ጉዳይ ትኹን ኮረሻ ኣቦይ ኣደም
    ኣነስ ክቃለስየ_______ ኣየድልየንን ክዕደም
    ምንቅስቓስ ድሕነት ኣነ እየ, ህግደፍ ዝጎዳድም !!!

    ካብ ዓይንኻ ምዕዋር ብሓደ ዓይኒ ምርኣይ ስለ ዝበልጽ ምርጫ መንእሰያት ሕጂ እዩ !!!
    ሕብረት መንእሰያት ዓወት መሳቱኦም እዩ !!!

  • Hadge'anbes July 22, 2014

    wey gud

POST A COMMENT