Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፣ ንኹሉ መዳያዊ ውድቀት ሃገርና ኤርትራ ናብ ካልኦት ብምጽጋዕ፣ ኣብዚዓመት ‘ዚ ኩነታት ክቕየር ምዃኑ ከም ኣመሉ ኣጉል መብጽዓ ኣመሓላሊፉ።

  ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ድቅስ ወሪሑ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፣ ነቲ ብሰንኪ ብልሽውን ገባትን ምሕደራኡ ንሃገርና ናብ ፍጮ ሃገር ለዊጡ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ምረት መነባብሮን

 

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ድቅስ ወሪሑ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፣ ነቲ ብሰንኪ ብልሽውን ገባትን ምሕደራኡ ንሃገርና ናብ ፍጮ ሃገር ለዊጡ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ምረት መነባብሮን ስደትን ብምሽማም ዝፈጠሮ ኩሉ መዳያዊ ውድቀት ናብ ካልኦት ብምጽጋዕ፣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ናጽነት ብተደጋጋሚ ከዘውትሮ ዝጸንሐ፣  ኣብዚዓመት ‘ዚ ‘ውን ኩነታት ክቕየር ምዃኑ ከም ኣመሉ ኣጉል መብጽዓ ኣመሓላሊፉ።

ንሱ ኣብ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ጸዓት፣ መጓዓዝያ፣ ኣባይቲ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከምዘየለዉ ብምእማን፣ ህዝቢ ኤርትራ ብክብደት መነባብሮ ተወጺዑ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ይኹን’ምበር፣ እቲ ን 25 ዓመታት ብኢደ ወነኑ ዝፋን ገቢቱ ዝጸሐ ወቀመልኺ ኢሳይያስ፣ ማዕረማዕረ ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ኣመሪካ ሎሚ ዘበን ከምዝተመርጸ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ባዶነት ምሕደራን ኣገግሎትን ከይሓነኸ ካብ ምውርዛይ ሓሊፉ ሓላፍነት ክስከም ትብዓት ኣየርኣየን።

ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ፣ ክሓብኦ ዘይክእል ርእይ ፍሽለት ካብ ምቕባል ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ስለዝሰኣነ ኢዱ ኣልዒሉ ክእመነሉ ‘ኳ እንተተገደደ፣ ንቅልውላው ጸዓትን መጓዓዝያን ኣብቶም ታሕተዎት ሓለፍቲ፣ ንሽግር ኣባይቲ ናብ ኣካረይቲ፣ ንውድቀት ባጤራ ናቕፋ ናብ ሓወልትን ተምየንትን፣ ንሽቕለት ኣልቦነት ናብ ኣመል ዘወንወን መንእሰያት፣ ንስደት፣ ጸጋ ሰብ ኤርትራ ንምጽንቃቕ ከምዝተዋደደ ሽርሒ ኤውሮጳ፣ ንኣጠቓላሊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፍሽለቱ፣ ንኤርትራ ንምምብርካኽ ከምዝተኣልመ ውዲት ኣመሪካን ምዕራብን ኣጸጊዑ ብኣተሃድማ ዕቡያት ካብ ሓላፍነት ከምልጥ ፈቲኑ።

ካብ ኩሉ ዘሕንኽ፣ እቲ ብብዝሑ ከንቲባታት ማእከሎት ከተማታት ካብ ዘመሓድሩዎ ቁጽሪ ዘይበዝሕ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝምእዘዝ ምስኪን ህዝቢ ምንባይ ስኢኑ ብዘውረደሉ ፖለቲካዊ ዓመጽን ኣደራዕ ምረት መነባብሮን ናብ ስደት ፋሕጭንግራሕ ኣቢሉ ዝበታትን ዘሎ ፍሹል ኢሳይያስ፣ ንርእሱ ብናይ ሓዋላ ቁጠባ እናተስልየ፣ ቁጠባዊ ፍላስፋ ያኢ ኮይኑ፣ ነቲ ትሪልዮናት ባጀት ዘለዎ ቁጠባ ኤውሮጳ “ናይ ሕሸሻ ቁጠባ ‘ዩ” ኢሉ ብምንእኣስ፣ ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራኡ ከይተገደሱ ድላዩ ክገብሩሉ ዝተቐረቡ ቻናውያን ዝመርሑዎ ቁጠባ ምንኣዱ እዩ። “ህዝቢ ቻይና ፍርቂ ናይቲ ዘፍርዮ ኣየህልኽን እዩ” ኢሉ፣ ነቲ ኣብ ሃገሩ ድራር ዕለት ከፍሪ ዘይከኣለ፣ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ብዝልእኩዎ ገንዘብ ትንፋሱ ዝሕሉ ዘሎ ህዝቢ “ገንዘብ ኣዋህልል” ክብል ተገቢዙሉ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንፖለቲካዊ መዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልስታት፣ ከም መተካእታ ናይቲ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ተነዲፉ ዝጸደቐ “ሞይቱ ‘ዩ” ዝበሎ ሃገራዊ ቅዋም፣ “መርሓ ጎደና” (road map) ተዳልዩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ህግደፍ ዝመርሖ መስርሕ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ። ኢሳይያስ፣ ኣብ ዘረብኡ፣ “ቅዋም ኣይብሎን ‘የ” ኢሉ፣ ኣብቲ ኣምር ዘለዎ ጺንታ ብምጥቃስ፣ እቲ ብ 1997 ዝጸደቐ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ዘካተተ ሃገራዊ ቅዋም፣ ምስቲ ስልጣን ንምግባት ዘለዎ ጥሙሕ ስለዘይቃዶ ገና ኣብ ከብሒ ተቐሚጡ ክንሱ ክሳብ ክንደይ ቃንዛ ዝፈጥረሉ ሰነድ ምዃኑ ክሓብእ ኣይከኣለን። በንጻሩ፣ በቲ ዝፈልጦ እንኮ ወተሃደራዊ ቋንቋ፣ “ናይ መኸተ ግንባር” ምዃኑ ገሊጹ፣ ብዘይተሳታፍነት ህዝቢ፣ ነቲ ንቐጻልነት ግበታ ስልጣን ከገልግል ተሊሙዎ ዘሎ ስልቲ ብደረጃ መምርሒ ኣብ ህዝቢ ኣስገዲዱ ከተኣታትዎ መደብ ከምዘለዎ ኣውኪኡ።  እቲ “ካበይ፣ ኣበይ ናበይ” ካብ ዝብል ኣርእስቲ ጽውጽዋይ ሓሊፉ፣ ትሕዝቶኡን ቅርጹን ብጋህዲ ዘይተዛረበሉ፣ ልዕሊ ኹሉ ነጻ ተሳታፍነት ህዝቢ ዘየውሕስ መስርሕ ግን ሕጋውነት ክህልዎ ከምዘይክእል ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብ ዲፕሎምስያዊ መዳይ፣ ከምቲ ንዝሓለፉ ሓያለ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝበሎ ንእዝኒ ህዝቢ ኤርትራ ዘረብረበ ኣበሃህላ፣ ምዕራባውያን ሃገራት ብቐንዱ ኣመሪካ ናይ ምቕርቃር (Containment) ፖሊሲ ሓንጺጾም ከንበርክኹና ዝገበሩዎ ፈተነ በርዒኑ፣ ናብ ጽምዶ (Engagement) ተሰጋጊርና ኣለና ክብል ክጅሃር ፈቲኑ። ይኹን’ምበር፣ እቲ ወትሩ ናብ ምዕራብ ዝዝርግሖ ክሲ መሸፈኒ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ፍሽለቱ ከም ምዃኑ መጠን፣ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ህዝቢ ኤርትራ ካሳብ ዘይተፈትሐ፣ ዋላ ኣብቲ ሃረር ዝብሎ ዘሎ ዘበነ “ጽምዶ” ‘ውን፣ ካብቲ ኣብ ዘበነ “ምቕርቃር” ዘማዕበሎ ናይ ምዕዝምዛምን ምኽኒትን ኣመል ክናገፍ ኣይክእልን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfatsion February 2, 2017

    He said nothing new and I do not expect him to say any thing new. I am not stupid anymore as Iseya is always the same liars from day one he joined the ELF.

  • Berhe Tensea February 18, 2017

    This dictator, has nothing to offer. His administration corrupt and he is as always misleading the people.
    Eritrea under PDJ is only producing refugees, and prisons. only. In Eritrea the economy is in total ruin and people are suffering day in and day out.
    This dictator is only interested in looting the country and as long as he stays in power the misery of the people will continue.

POST A COMMENT