Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውራይና ጓኖት ክዕጠቁሉ ኣይግባእን

ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እንተስ ብስሙር ቅልጽም ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ኣብ ውሽጡ ብዝፍጠር ውድድር ስልጣን ወይ’ውን ብግዳማዊ ድፍኢት፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ብሰላም ወይ ብጎንጺ ሓደ መዓልቲ ምልካዊ ምምሕዳሩ ከምዘኸትም ፍሉጥ’ዩ። ህግደፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቐኛን ግናይን

ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እንተስ ብስሙር ቅልጽም ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ኣብ ውሽጡ ብዝፍጠር ውድድር ስልጣን ወይ’ውን ብግዳማዊ ድፍኢት፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ብሰላም ወይ ብጎንጺ ሓደ መዓልቲ ምልካዊ ምምሕዳሩ ከምዘኸትም ፍሉጥ’ዩ። ህግደፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቐኛን ግናይን ባህርያቱ እናተኾልዐን ህዝባዊ ተቃውሞ እናሓየለን ይመጽእ ስለዘሎን ድማ፡ ንህላወኡ ክብል ዓቅሊ ጽበታውን ዘይልሙድን ተጻብኦታትን ሜላታትን ከምዝጥቀም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ መድረኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ረብሓኡን መጻኢ ዕድሉን ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ከይኣቱን መዕንደሪ ባዕዳውያን ሓይልታት ከይከውንን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ትኩርነትን ጥንቃቀን የድልዮ። ከምቲ ኩሎም ገዛእቲ ስርዓታት ዕምሮም ንምንዋሕ ዝጥቀምሉ ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሰንካም ሜላታት፡ ቀዳማይ ዕላማ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ከምዝናቆትን ከምዝከፋፈልን’ዩ። ህግደፍ ሰንካም መደባቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኣማኢት ሚልዮናት ገንዘብ ብምስላዕ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ስለያዊ ንጥፈታት ምክያድ፡ መሳርሒ ዝኾንዎ ኤርትራውያን፡ እንተላይ ገለ መቁሽሽ ዝተዋህቡ ወጻእተኛታት ምዕሳብ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ልቢ ሰብ ምስላብን የዋሃት ምድንጋርን’ዩ። እቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ርዱእ ስለዝኾነ ንጉድኒ ገዲፈ፡ ካብ ቀቢጸ ተስፋ ተንኮላት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ናይ ደገ ጣልቃ ምእታውን ጥንቃቀ ዘድልዮ ጉዳያት ከትኩር።

ሜላ ገረብ ብሓኽላ፡ ኣብ ገለ ክፋል ኤርትራ፡ ሓሓሊፉ “ብኤርትራውያን ተቃወምቲ” ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ድብያታትን ብረታዊ ጎነጻትን ይርአ’ሎ። እዚ ክስተት’ዚ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዕንወትን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ; መንዳዓትን መንሽሮን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ብዘይ ውዓል ሕደር ክሕግሐግን ኣብ ቦታኡ ህዝባዊ ስርዓት ክትከልን እንኮ ምርጫ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሕድ ምንቋትን ደም ምፍሳስን ዝኸትል ግን ክኸውን የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ብምህልላን ጸሎትን ክእለ ከምዘይክእል ፍሉጥ’ዩ። እንተኾነ እቲ ቅድሚ ሎሚ ብሰሪ ግዳማዊ ምትእትታውን ውሽጣዊ ድኻማትናን ኣብ መንጎና ዝተራእየ ሓድሕድ ደም ምፍሳስን ሞትን ዕንወት ንብረትን ግን ክድገም የብሉን። እቲ ብኤርትራውያን ተቃወምቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ይበገስ ካብ መሬት ኤርትራ ብዘየገድስ፡ እቶም ግዳይ ሞትን ስንክልናን ዝኾነ መንእሰያት ኤርትራ፡ ደቂ ሓንቲ ኣደን ረብሓ ዘይብሎምን እምበር፡ ደቂ ወይ ቤተሰብ ናይቶም ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ብምቾት ዝነብሩ ዘለዉ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣይኮኑን። እቲ ስጉምቲ ብቀጥታ ኣብ ልዕሊ’ቶም ጠንቂ ሞትን ስደትን ህዝብና ኮይኖም ዘለዉ ስሱዓትን ጸይቀ ዕሉላትን ክኸውን ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጠር ተቃውሞ ንምድቋስ፡ “ብግዳም ተወረርካ ወይ ብኸድዓት ጠፋእካ፡” ኢሉ ንኤርትራዊ ዜጋ ብረት ብምዕጣቅ መዝሓል ጥይት ክገብሮ ድሕር ከምዘይብል ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ህግደፍ ንምፍልላይና ዝጥቀመሉ ዘሎ ኩሉ ሜላታት ክንነቅሓሉን ክንብድሆን ኣሎና። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቅጽል እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱን ጸገማቱን ኣድህቦ ከይገብር ካልእ ኩነት ክፈጥር ኣለዎ። ህግደፍ እዚ ንዓመታት ሓንሳብ “ዶብና ኣይትሓንጸጸን፡ ዓለም ትዘርየና ኣላ” እናበለ ቅዋማዊ መንግስቲ ንኸይትከልን ስልጣኑ ንህዝቢ ከየረክብን ዘቅርቦ ምስምስ ድማ ገለ ኣብነት’ዩ።

ብጽገናዊ ለውጢ ምህማልን ዕድመ ምንዋሕን፡ ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብእከይ ተግባራቱ ምስተዋጠረን ምስልይነቱ ምስተፈልጠን፡ ናይ ሓሶት ጽገናዊ ለውጥታት ከተኣታቱን ስልጣኑ ከናውሕን ይህቅን ኣሎ። ኩሉ ፈተነታትን መደባትን ህግደፍ ግን ብዘይካ ቃላት ምቅይያር፡ ንህሉው ጸገማትን ሃንቀውታን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትሕ ኣይኮነን። ዋጋ ዕዳጋ ዘይብሉን መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራን፡ እቲ ብኢደ-ዋኒኑ ኣብ ስልጣን ደይቡ ህዝብና ዘንብዕ ዘሎ ውልቀመላኺ ሰርዓት ህግደፍ፡ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝውክሎ ስርዓት ክመርጽን ኣብ ጉዳዩ ዋና ተዋሳኢ ክኸውንን ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ህግደፍ ደረትን ስልጣንን ዝቅልስ ቅዋም ተሓሲሙ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣሽሓት ዜጋታት ኣሲሩ ኣናኣሳቀየ፡ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ሓሪሙ፡ ናጻ ብሕታዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ከልኪሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ረሚሱን እንከሎ፡ ኣብ ጓል-መንገዲ እንተለፍለፈ ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ኤርትራዊ መሰረታዊ መሰላቱን ጠላባቱን ክሳብ ዝፍታሕን ብሽሕጣን ህግደፍ ከይተሃመለን ቃልሱ ኣወሃሂዱ ከሕይል ኣለዎ። ህግደፍ ስጋና በሊዑ፡ ደምና ሰትዮ፡ መንነትና ክሒዱን ንብረትና ኣዕንዩን ክስውድን ክቅጽልን ዕድል ክንህቦ የብልናን። ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ገበነኛ ምዃኑ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታትን ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝተፈጸመ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ ዓመጽን ጭፍለቃን ንዓለም ከነፍልጥን ከነአምንን ኣለና።

ግዳማዊ ምትእትታው፡ ብርእይቶይን እምነተይን፡ ኤርትራውያን ቀዳምነታትና ሰሪዕናን ሰሚርናንን፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ወጊድካ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍልልያትን ንምውጋድን፡ ግዳማዊ ሓይሊ ወይ ኣህጉራዊ ጸቅጥን ኣየድልየናን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን፡ ዘለዎ ጸጥታዊ፡ ወተሃደራውን ገንዝባውን ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣቃሊልካ ዝርአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጥና ጥምረትን ምጽውዋርን እንተዝህሉ፡ ዕድመ ህግደፍ ኣይምቀጸለን። ምስ መርዛም ሜላታት ህግደፍ፡ ጉዳይና ካብ ኢድና ወጺኡ መዕንደሪ ግዳማዊ ሓይልታትን ምትሕልላኽን ከይፍጠር ውን ሻቅሎት ዝፈጥር’ዩ። እዚ ኣብ ዒራቅ፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታንን ካልእ ቦታታትን ዝርአ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ፡ ህልቂትን ዕንወትን ድማ፡ ውልቀ መለኽቲ ናይተን ሃገራት ዝፈጠርዎ ጋሕማጥ ኣሰራርሓ፡ ጣልቃ ካልኦት ሃገራትን ህዝብታት ናይተን ሃገራት “እምቢ ንጓና” ኢሎም ጉዳያቶም ባዕሎም ክፈትሑ ስለዘይክኣሉን’ዩ። ኣብ ጎርባብትና ዘለዋ ሃገራት፡ ምሕብሓብን ምምዋልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቃወምቲ ህግደፍ፡ ዘይርጉእን ተገላባጢን መርገጺ መንግስቲ ሱዳን፡ ኮሽምሸም ህግደፍ ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን፡ ስቅታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሃነፍነፍ ዝበልጸጋ ሃገራት ባህርያዊ ሃብትና ንምግሓጥ፡ ሕሱር ጉልበትና ንምጥቃምን ጽልዋታተን ንምዕባይን ዝካየድ ቅድድም ድማ ስለምንታይን ናበይ ገጹ የምርሕን ብዓይንና ንዕዘቦ ዘሎና’ዩ። ዝኾነት ሃገር ረብሓታታ ኣቀዲማ እትፍጽሞ ምትእትታው እምበር፡ ጉዳይና ንምፍታሕ ልዑል ተገዳስነት ስለዘለዋ ኣይኮነትን። ብፍላይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ “መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝኾነ ክእለ ኣለዎ’’ ብዝብል ጉልባብን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ህግደፍ ንተቃወምቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዛት፡ ንገለ ክፋል ህዝብና ብረት ብምዕጣቅ ኣብ ልዕሊ ወገኖም ሞትን ዕንወትን ምፍጻም፡ ንመንነትና፡ ክብርናን መሬታዊ ሓድነትናን ዝጻረር ስለዝኾነን፡ ነቲ ኣንጸር ህግደፍ ዝግበር ኤርትራዊ ተቃውሞ ስለዝሓላልኾን፡ ዝሓለፈ ይኣክል ክብሃል ኣለዎ፡፡ ኤርትራውያን ኣብ መንጎና ነቃዕ ከየእተና ወሰንቲ ጉዳይና ከምዝኾና ድማ ብተግባር ከነመስክር ኣሎና። ውሳኔ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ነቶም ካብ ዓለም ተሓቢኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ጥሜትን ዓፈናን ዝፍጽሙ ዘለዉ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣጫፈርቱን፡ ገበን ኣንጸር ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ኣረጋጊጹ’ሎ። ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ቅዋማዊ መንግስቲ እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኢሳያስን ስዓብቱን ብመሰረት ሕግና ኣብ ባይቶና ምተፈርዱ ነይሮም። ውሳኔ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚትን ፍረ ቃልስናን ምዃኑ ተገንዚብና፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ፡ ሰላምን ምጽውዋርን ክነግስን ሕነ ምፍዳይ ተወጊዱን ኩሉ ገበነኛ ከከም ኣበሳኡ ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ክንኣምንን ቀንዲ ተዋሳእቲ ጉዳይና ንሕና ኤርትራውያን ክንከውንን ኣለና።

               ጽላል፡ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (9 ሰነ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • mutiple lences June 10, 2016

    LEBAM,BELIH,HAYAL,ATEHASASBA,thank you.

POST A COMMENT