Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውጹዓት ማናቱ – ፍሥሐየ መብራህቱ

ውጹዓት ማናቱ ፍሥሐየ መብራህቱ ኰነ ያኢ ኰነ ብዘበን ጥንታዊያን ክልተ ማናቱ ደቂ ኣረጋዊያን ኵሉ’ተጸበየን ውላድ መብጽዓ’የን ኣጋዕዝ ቀረበ መዓልታት ጸብጺበን ብሥራት’ውን ሃባ ኣደታት ዓሊለን ሕዮ ሕዮ በሉ ቆልዑ ተኣኪቦም ኣቦታት መረቐ በቲ ልዙብ ቃሎም ኣስማት ሓረዩለን ፋል ኪዀነሎም ጸብኢ ተወዲኡ ሰላም ኪሰፍነሎም ሕሰም ተቐንጢጡ ርትዒ ኪወጻሎም በደሎም

ውጹዓት ማናቱ

ፍሥሐየ መብራህቱ

ኰነ ያኢ ኰነ ብዘበን ጥንታዊያን

ክልተ ማናቱ ደቂ ኣረጋዊያን

ኵሉ’ተጸበየን ውላድ መብጽዓ’የን

ኣጋዕዝ ቀረበ መዓልታት ጸብጺበን

ብሥራት’ውን ሃባ ኣደታት ዓሊለን

ሕዮ ሕዮ በሉ ቆልዑ ተኣኪቦም

ኣቦታት መረቐ በቲ ልዙብ ቃሎም

ኣስማት ሓረዩለን ፋል ኪዀነሎም

ጸብኢ ተወዲኡ ሰላም ኪሰፍነሎም

ሕሰም ተቐንጢጡ ርትዒ ኪወጻሎም

በደሎም ሓዲጉ ኣምላኽ ኪሰርየሎም

ርሑሳትና በሉ ትወን ከምጽኣሎም።

 

ድሕሪ ቁሩብ እዋን ግና ወረደ መስደምም

ወዮም ኣረገውቲ መጺኡዎም ጸገም

ቆናጁ ወሊድካስ ኣበይከ ይቀሰን?

እግሪ ከይተኸላስ ኵሉ ኪምንጥለን

መን ይዝረየለን ኣያ ንዘይቢለን?

ኣረግቶት ወለዲስ መንከ ኪጥውሮም?

 

ክብራ ምስ ገሃሰ ሓደ መቕርብ ሰባ

ሰላም ተባረረት ብንግሆ ገሊባ

ኣበይከ ክትርከብ ፀሓይ ኣብ ምዕራባ?

ደንጋጺ ዘይቢላ ዝኽውል ጕልባባ

ብባህሊ ተወቕሰት ንሳ ኢሉ ዓጊባ

ርዝነታ ኣጕዲላ ባዕላ’ያ ቀሪባ።

 

ኵለን ሓመያኣ ሽግር ዘይጠዓማ

ፍላይ ማንታ ሰላም ብጓሂ ሓሚማ

ርትዒ ከይትምስክር ናይ ኃውታ ጸለማ

ፈለማ እንድ’ዩ ንኣኣ ዘሕሰማ

ጸገማ ፈሊጡ ሰኣን ዘሕክማ

ተለኺታ እምበሪ መኣስከ ጠሊማ።

“ሰላም እንተደለኹም ንፍትሒ (ንርትዒ) ጸዓሩ- If you want peace work for justice.” (ጳጳስ ጳውሎስ 6ይ/ Pope Paul

VI)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER December 13, 2014

    ሓው ፍስሃየ ፣
    እቲ
    ቆናጁ ወሊድካስ ኣበይከ ይቀሰን፧
    እግሪ ከይተኸላስ ኵሉ ኪምንጥለን
    መን ይዝረየለን ኣያ ንዘይቢለን፧
    ዝበልካዮ ኣብ ኣወዳትን ሰብኡትን ኤርትራውያን እውን ይምልከት እዩ ።ዕድመ ንመጥፍኢና ገድሊ ቆናጁ ኣወዳትን ሰብኡትን እውን በዕራብ ይዕመጹ ኣለዉ። ስለ ዘሕንኸና ኣብ ትሕቲ ታፔቶ ቀቢርና ክንርስዖ ንደሊ ።ግን ኣነ ኣየዕርፎን እየ።ብሰንኪ ተጋደልትን ብናተይ ዕድመ ዘሎ መጕሃርን ወድና ጓልና ውሽማ ናይ ሙዳዳ ኮሮኔላትን በደዊንን ኮይኖም።ብሓቂ ደመይ ዘፍልሓኒ ጉዳይ እዩ።

    • ፍረድ ንነብስኻ ብላዕ ንኸርስኻ December 14, 2014

      ኣንታ ንነብስኻ ኖብል እናበልካ ትጽውዕ ሰብ!
      ዓመጽ ኣብ ኩሉ ዘጋጥም’ኳ እንተኾነ ብዝያዳ ሕጂ ስለዝተቓልሐ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዘጋጥም ጌርካ ክተካፍእ ምፍታንካ ዘገርም ነገር ኢዩ።
      ብተወሳኺ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ነዚ ጽዩፍ ቃላት ብተደጋጋሚ ክተቃልሖ ትስማዕ ዘለኻስ እንበርዶ ነውሪ ዝብል ቃል ወለድኻ ክዛረቡ ሰሚዕካ ትፈልጥ ኢኻ። ዕላማኻን መንነትካን ብዘየገድስ ጽያፍ ዘረባ ክትደጋግም እንክትስማዕ ማዕበያ ዝበደለካ ምዃንካ የነጽር። ስለዚ ዓገብ፡ ዓገብ።

  • THE NOBLE TEACHER December 14, 2014

    ክቡር ፍረድ ንነብስኻ ብላዕ ንኸርስኻ,

    ማዕረ ክንደይ ከም ዝዝግንነካ ይርድ ኣኒ እዩ ፣ኣነ ክጽሕፎ ከለኹ ድማ የቃጽለንን ይዘግንነንን።ግን እቶም እዚ ግፍዒ እናተፈጸመ ክሰምዑዎ ዘይደልዩ ኣምስሉታት፣ብዓቢኡ ኣዋልድና ኣወዳትና በደዊን እንዳዓመጽዎም ጽያፍ ስለ ዝኾነ ክሰምዖ ዘይደሊ ዘሕንኽን ንኤርትራዊ ዘይሓልን ፣ናደው ይመስከር ሓሶታት ጥራይ ክሰምዕ ዝደሊ ርእሱ ብመቐመጭኡ ዝሓብኤ ሰብ ጥራይ እዩ።እቶም ዘዕበዩኻ ወለዲ ኣብ መገዲ ኣይሕራእንዩ ከይምሃሩ ስጊንጢር ኣብ መገዲ ኣይብላዕን እዩ ስለ ዝምሃሩኻ ኣይክሕዘልካን እየ።ኣብ ዓድና ዝዓመጸ ሰብኣይ ርእሱ ኣቕኒዑ ክኸይድ ከሎ እታ ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ ግን ሓኒኻ ርእሳ ኣድኒና ትኸይድ።እዚ ንምንታይ ከምቶም ወለድኻ ዝኣመሰሉ ጸያፋት ነቲ ነገር ክዓብጥዎ ስለ ዝደልዩ።ሰበይትን ኣድግን ኣይትንሓፍ፣ልቢ ጓል ክንዲ መርፍእ ፤ቲ ኣ እኳእንተስዓምካያ ትጠፍእ ዓይነት ጽያፍ ምስላታት ካብ ወለድኻ እናሰማዕካ ስለ ዝዓበኻ።ነቲ ጥቑዕ መሊሱ ዘሕንኽ ትምህርቲ ትምህርትን ሕልናን ዝጎደሎም ቤተሰብካ ምሂሮምኻ።ስድራኻ ለባማት እንተዝኾነ ከይወልዱ ኮንዶም ክጥቀሙ ኔርዎም።

    ምስ ኤርትራዊ ፍቕርን ክብረትን
    ምሕረቱ ሃብተ ጳውሎስ ቀሺ ምሕጹን ሰዓረ

  • FM December 16, 2014

    ክቡር መምህር ሽሕኳ ምትርጓ ሥነ-ጽሑፍ ናብ ኣንበብቲ ኪግደፍ ግቡእ እንተኾነ ናይዛ ቅኔ እዚኣ “ስምዑ” እምበር “ወርቁ” ኣየረኸብካዮን። ከም ጸሓፋይ መጠን ዘይኣንፈቱ ትርጕም ከይሕዝ ብማለት ድማ እየ ኣብ መወዳእታ ቃላት ናይ ካቶሊካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ጳውሎስ ሳድሳይ ዝጠቐስኩ። ስለዚ ትርጕም ናይ ግጥመይ ብተምሳል ግህሰት ጓል ኣንስተይቲ “ርትዕን ሰላምን” ምጥፋኡ ኢዪ ዘስምዕ።

POST A COMMENT