Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ን ምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መልስታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናይ ተደጋጊሞም ዝተሓተቱ ሕቶታት!

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ን ምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መልስታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናይ ተደጋጊሞም ዝተሓተቱ ሕቶታት! ታሕሳስ 25, 2016 ክቡራት ነበብቲ፡- ካብቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ድሮ መበል 25 ዝኽሪ ዓመት (23 ግንቦት፡ 2016) ``ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ን ምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

መልስታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናይ ተደጋጊሞም ዝተሓተቱ ሕቶታት!

ታሕስ 25, 2016

ክቡራት ነበብቲ፡-

ካብቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ድሮ መበል 25 ዝኽሪ ዓመት (23 ግንቦት፡ 2016) “ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን“ ዘውጻእናሉ፡ ሓያለይ መተባብዒ መልስታት ረኺብና ኢና። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣዝዮም ብሓት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተጸንበሩ ምህላዎም ሕጉሳት ኢና፤እቲ ቍጽሪ ኸኣ መዓልታዊ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ዋላ`ኳ ዝበዝሕ መልሲታት ዘተባብዕ እንተ ኾነ፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ሕቶታትን ስክፍታታትን  ዘልዓሉ  ውሑዳት ኣለዉ። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብቲ ኣብ ሃገርና ምልኪ ናይ ምኽታም ዕላማኡ ኪዕወት እንተ ኾይኑ፡ እዚ ተበግሶ`ዚ ብኹሎም ኤርትራውያን ኪድገፍ ከም ዝግብኦ ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ስለዚ፡ ብምድግጋም ናይ ዝሕተቱ ሕቶታት መልሲታት ምቕራብ ግቡእ እመስለና። እዚ ዝያዳ ኤርትራውያን ኣብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ክጽንበሩ ከተባብዖም ተስፋ ንገብር። ዘይተመለሱ ካልእ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም፡ በጃኹም ርኸቡና፣ ክህልወኩም ንዝኽእል ዝኾነ ሕቶ፡ ብዝተኻእለና መጠን ብግሉጽነትን ብምልኣትን ክንምልሶ ኢና። ኣድራሻ ኢ-መይልና እዚ ዚስዕብ`ዩ፡- gieegm@googlegroups.com

ከምኡ`ውን፡ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ማዕከናት ኢንተርነት (ወብሳይታት) ዝወጹ ናይ ዓ.ተ. ሰነዳት በዚ ዚስዕብ፡- http://www.snitna.com/gieegm/gieegm.html. ክትነቡዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ብትግርኛን፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ኢዮም።

ናብ ዓረብኛ ኣብ ምትጓም ክተሓባበሩና ንዛኽእሉ ምስጋናና ነቐድም።

ነቶም ሕቶታት ኣብዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ኣርእስታዊ ጕጅለታት ሰሪዕናዮም ኣለና፡-

ጕጅለ 1 – ሕቶታት 1 ክሳብ 8 – ዓለምለኻዊ ተበግሶ: ሸቶን ዕላማን፤

ጕጅለ 2 – ሕቶታት 9 ክሳብ 11 – መስርሕ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መራሕቲ፤

ጕጅለ 3 – ሕቶታት 12 ክሳብ 14 – ምግላጽ ኣካባብን ምቛም ባይቶ ዓድን፤

ጕጅለ 4 – ሕቶታት 15ን 16ን – ኣባልነትን ብቕዓትን፤

ጕጅለ 5 – ሕቶታት 17 ክሳብ 20 – ዝምድና ምስ በርጌሳትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን

ጕጅለ 6 – ሕቶታት 21 ክሳብ 24 – ካልእ

 

ጕጅለ 1 – ዓለምለኻዊ ተበግሶ: ሸቶን ዕላማን:-

  1. መዓስ፡ ስለምንታይን ከመይን`ዩ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ተመስሪቱ?

ዓለምለኻዊ ተበግሶ  በቲ ብንጋባእ ዝበሃል ኣካል ኣብ  ለካቲት 27: 2016 ዝተዓደመ ኣኼባ ጀሚሩ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ናይ ቴለኮንፈረንስን ናይ ፓልቶክ ኣኼባታትን ቆይሙ።   እቲ ናይ ተለኮንፈረንስን ፓልቶክን ምይይጥ ን ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ኣባላት ድምጽና፡ ኣባላት ንጋባእ ብዝወከሉ ውልቀሰባትን፣ ነቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣገባብ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ዝድግፉ ካልኦት ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ኢዩ ነይሩ። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ነቲ ናይ ኣካባቢ፡ ዞባውን ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ትካላትን ንምምስራት ዝግበር ህዝባዊ ጻዕርታት ንምስላጥ ከም ጊዜያዊ ኣካል ኢዩ ቆይሙ፣ – ንገዛእ ርእሱ ወይ ንኣባላቱ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ናይ ምሓዝ  ትምኒት የብሉን።

ዓ. ተ. ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ካልኦት ዝገብሩዎ ምድራብ ዘይኮነ፡ ፍሉይን ቀንድን ቁምነገር ዘሎዎ ምዃኑ ምምልካት ልዑል ኣገዳስነት ኣሎዎ። ካብኡ ተረፈ፡ ነቲ ዕማም ንምፍጻም ኣዚዩ ብዙሕ ጊዜን፡ ጻዕርን ሃብቲታን ምውፋይ ትርጉም የብሉን። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ናብ ግብሪ ዝተበገሰሉ ምኽንያት፡ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ፡ እንወዳደረሉ ኣብ ኢድና ዋላ ሓንቲ ከይሓዝና፡ እምብዛ ምምቕቓል፡ ምረትን ንስልጣን ምግላብን ስለ ዝበዝሐ ኢዩ። እዚ ኣንጻር ምልካዊ ዝልመት/ስቓይ ኣብ ሃገርና ውጽኢታዊ ተግባር ክብ ከይነብል ንኽእለና ኣልሚሱዎ ኣሎ። ናይ ረብሓ ግርጭት ዘይብሉን፣ ንስልጣን ዘይምነ ወይ ዘይወዳደር፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዓለም ንኤርትራውያን መጻኢኦም ንኽውስኑ ከም ቀንዲ መራኸቢ ዝነጥፍ፣ ኣድላይነት ናይ ሓቀኛታትን፡ ውፉያትን፡ ዘይሻራውያንን ሰብ ክእለትን ኤርትራውያን ከም ዘሎ ንኣምን። እዚ ጐዲሉ ከም ዘሎ ኸኣ ንኣምን። እዞም ሕጂ ኣብ ዓ. ተ. ዘለና ነቲ መስርሕ ጀሚርናዮ ጥራይ ኢና፤ ንኹሎም ምስ ራኢና ዝሰማምዑ ካልኦት ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ምልኪ ናይ ሓሳብን ግብርን ውህደት ንምምጻእን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘባህርር ክፉእ ተመክሮ ሓራ ንምውጽኡን፡ ኣብቲ ተልእኾና ክትጽንበሩና ንዕድም። ካብዚ ዝተፈለየ ካልእ ዕላማ የብልናን።

 

  1. ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፖለቲካዊ ውድብ ዲዩ ወይስ በርጌሳዊ ውድብ?

ዓ.ተ. ፖለቲካዊ ዕላማ ዘሎዎ ዝተወደበ ኣካል`ዩ። ዓ.ተ. ነቲ ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ ኣገባብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምጥቃም፡ ንመስርሕ ምምራጽ ሕጋዊ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ንምስላጥ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ዓለም፡  ብግዱሳት ተንቀሳቐስቲ ኤርትራውያን ዝቖመ ጊዜያዊ ጕጅለ ኢዩ። ስለዚ፡ ዓ.ተ.  ንገዛእ ርእሱ ስልጣን ንምሓዝ ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ፡ ስልጣን ናብቲ ቅኑዕን ሕጋውን ዋናኡ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ  ዝዕላማኡ  ፍሉይ በርጌሳዊ ፖለቲካዊ ወድብ ኢዩ።

 

  1. ዓለምለኻዊ ተበግሶ እንታይ`ዩ ዕላማኡ?

ዕላማ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ኣብ ምምስራት ተሓታትን ነባርን ቁዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ብንጥፈት ንምብርካት፣ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣብ ምፍጣር ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝሳተፉሉ፣ ንኹሎም ኤርትራውያን መንገዲ ምጽራግ ኢዩ።  እዚ መስርሕ`ዚ ምቛም ናይ ኣካባቢ ባይቶን፡ ዞባዊ ባይቶን፡ ዓለምለኻዊ ባይቶን የድልዮ። ዓለምለኽዊ ባይቶ ንድሕነትን ልዙብ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝወስድ፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስትራተጂን ዘዐውት ንድፍን ይስእል። ዓለምለኻዊ ባይቶ ነቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስትራተጂ ናይ ምፍጻምን ምትግባርን ምሉእ ስልጣናት ዘሎዎ ፈጻሚ ኣካል ይመርጽ።

 

  1. ኣካል ዓ.ተ. ንምዃን ናይ ኣባልነት መለክዒታት እንታይ ኢዮም?

ኣባልነት ዓ.ተ. ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ክፉት`ዩ። ኣብቲ ኣድላይነት ህዝቢ ዝተመስረተ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ዝኣምን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣባል ኪኸውን ይኽእል። ኣብ ዓ.ተ. ክትጽንበር ትደሊ/ትደልዪ እንተ ድኣ ኴንካ/ኪ፡ ብኽብረትኩም ነዚ ናይ ዓ.ተ. ኢ-መይል ኣድራሻ ተጠቒምኩም ርኸቡና፡-gieegm@googlegroups.com

 

  1. ከም ኣባል ዓ.ተ. እንታይ ተራ ክጻወት እኽእል?

ዓ.ተ. ሓያሎ ጋንታታት ኣለዉዋ፣ ዝኾነ ሰብ ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘሎዋ ጋንታታት ከበርክት ዝኽእል ኣብ ዓ.ተ. ክጽንበርን ንዓወታ ከበርክትን ይዕደም።

 

ሀ)  ጋንታ ህዝባዊ ርክባት – ሓላፍነት እዛ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ ይኾኑ፡-

  • ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ኤርትራውያን ማሕበረሰባዊ ማእከላት፣ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ርክባት ምግባር።

2) ንኹሉ ዘሳትፍን ውሁድን ናይ ቃልሲ ሃዋሁው ምፍጣርን ምዕቃብን።

ለ) ጋንታ  ጎስጓስን፡ ሰሚናራትን ምይይጥን፡- ኣባላት ናይዛ ጋንታ ብደረጃ ከባቢ ኣብ ምልዕዓል ኤርትራውያን፣ ከምኡ`ውን ኣብ ነናይ ከተማታቶምን/ከባቢታቶምን፣ ናይ ምሉእ ሃገርን ዓለምለኻውን ንኩሉ ዘሳትፍ ኣኼባታት ኤርትራውያን ምውጣንን፡ ምውዳብን፡ ምክያድን ንጡፍ ተራ ኪጻወቱ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣባላት ናይዛ ጋንታ፡ ትምህርታዊ ዋዕላታት ናይ ምውዳብን፣ ንዓለምለኻዊ መራሕትን ተራኦምን፣ ናይቶም ኣብ ኩሉ ደረጃታት ከም መራሕቲ ዝምረጹ ንብቕዓቶም ዝምልከት  ሰሚናራትን ኣቢያተ ስራሓትን ናይ ምውዳብ  ሓላፍነት ይህልዎም።

ሐ)  ጋንታ ጸሓፍቲ፡-  ተራ ናይዚ ጋንታ ጸሓፍቲ  ምጽሓፍ ትምህርታዊ ዓንቀጻትን፣ ፈነወ ጋዜጣዊ መግለጽን ቡለቲንን፣ ንዓወት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣድለይቲ ዝኾኑ ካልኦት ነገራትን ምድላው ይኸውን። ኣባላት ጋንታ ጸሓፍቲ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግሪኛን ዓረብኛን፣ ወይ ካብ ትግሪኛ ናብ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ኣብ ምትርጓም ኪተሓባበሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

መ) ስነ-ጥበባውያን፡ ገጠምትን ሙዚቀኛታትን፡-  ኣበርክቶን ተራን ስነ-ጥበባውያንን ሙዚቀኛታትን  ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ከምኡ`ውን፡ ስነ-ጥበባውያን፡ ገጠምትን ሙዚቀኛታትን ኣብ ምውዳብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብቲ ምእላይ ውልቀምልክን፡ ልዙብ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕድራ ኣብ ሃገርናን ኣገዳሲ ተራ ዝጻወቱዎ ኣሎ።

ረ) ጋንታ መራኸቢታትን ርክብን፡- ተራ ናይዚ ጋንታ ምስ ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን ናይ ሬድዮ ፈነወታትን ብምትሕብባር፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታትን ንምትብባዕ ምስራሕ ይኸውን።

ሰ) ጋንታ ገንዘብን ስንቅን እዚ ጋንታ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ከም ካብ ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን፣ ለገሰቲ ውድባትን ምስ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጻ ሃገራትን ኣብ ምድላብ መሳርሒ ገዘብ ይሰርሕ። እዚ ጋንታ ግቡእ መዝገብ ሕሳብ ኣብ ምሓዝን ቍጽጽር ዝተገብረሉ ገንዘባዊ ጸብጻብ ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት ይህሉዎ።

ቀ) ጋንታ መጽናዕቲ፡ – እዛ ጋንታ ንዓወት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘበርክቱ ስነሓሳባዊ ወረቓቕቲ ከተዳሉ ትጽቢት ይግበረላ።

በ) ጋንታ ሕጋዊ ጉዳያት – ሓላፍነት እዛ ጉጅለ እዚኣ ከም ኣድላይነቱ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ሕጋዊ ረዲአት ምብርካት ይኸውን። ኤርትራውያን ናይ ሕጊ ሞያውያን ኣብዛ ናይ ሕጊ ጋንታ ኪጽንበሩ ንጽበዮም።

ተ) ጋንታ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፡- ተራ ናይ ኤርትውያን ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኩሉ መዳያት ህዝባዊ ንጥፈታት ዘመናዊ ተክኖሎጂ ንኺጥቀም ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ኣሎዎ።

 

  1. ኣብ መንጎ ዓለምለኻዊ ተበግሶን ህዝባዊ ምልዕዓልን እቲ ዝምድና እንታይ ኢዩ?

ህዝባዊ ምልዕዓል በቶም ኣብ ስሙር ምንቅስቓስ ናይ ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ዝኣምኑ ዝተጀመረ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ ምልዕዓል ምሉእ ስሙ “ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ “ ኢዩ።  ድሕሪ ናይ 2013 ዘሕዝን ፍጻሜ ላምፓዱሳ፡ ቁጡዓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታትን ኤውሮጳን ጕጅለታትን ሽማግለታትን ኣቖሙ። እቲ ብዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፡ ነፍሱ ይምሓር፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሕቡራት መንግስታትን ኤውሮጳን ብምብጻሕ ዝተገብረ ዘመተ፣ ከምኡ`ውን ብኣማኑኤል ኢያሱ ትካል ኣሰና፣ ንእወንታዊ ለውጢታት ኣብ ሃገርና ኣቃላጠፍቲ ንምዃን ኣብ ምልዕዓልን ምትብባዕን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንኣብነት፡ ሓያሎ ከተማታት ብ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ ዝፍለጣ ጕጅለታት ዛጊት ዘቖማን እናዓበያ ዝኸዳን ኣሎዋ። ኣብ ሕቶ #1 ከም ዝተጠቕሰ፡ ዓ. ተ.፡ ብዙሓት ሰረታት ኣካላት፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ዘሎዎ፡ ናይ ዝተሳተፉዎ ተኻታታሊ ኣኼባታትን ምይይጣትን ውጽኢት ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዓ. ተ. ዝቖመሉ፡ በቶም ኣብ መትከል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝኣምኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተጀመረ ስራሓት ንምሕያልን፣ ዓቕሙ ናብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ንምስፍሑን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣትኵሮ፡ ዞባዊ ባይቶ ንምምራጽ ወከልተን ዝሰዳ ምስ ናይቲ ከባቢ ኤርትራውያን ኮምዩኒታት ዝተኣሳሰር፣ ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ ዓለምለኻዊ ባይቶ መስሪቱ፡ ንኹሎም ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ዝውክሉ ናይ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ፈጻሚ ኣካል ዝመርጽ ሕጋዊ ኣካባቢያዊ ባይቶ ንምቛም ኢዩ።

ምንም`ኳ ምስቶም ዓ. ተ. ከም ተወዳዳሪ ምንቅስቓስ ገይሮም ዝኣምኑ ገለ ኣባላት ህዝባዊ ምልዕዓል ገለ ዘይምርድዳእ እንተ ነበረ፣ ተልእኾ ዓ.ተ.  ካብ መጀመርያ ነቲ ዛጊት ብኹሎም ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ኩሉ ክፍልታት ዓለም ዝተጀመረ  ስራሓት ንምሕያልን ንምስፋሕን ጥራይ ከም ዝነበረ ንኹሎም ዝምልከቶም ከነብርሃሎም ፈቲንና ኢና። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ፡  ንምርጫ ኣካባቢያዊ ባይቶ፣ ንኣካባቢያዊ ባይቶ ብምትእስሳር ዞባዊ ባይቶ ንምቛምን፣  ኣብቲ ደረጃ  ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዘሳትፍ ኣኼባ፣ ኣብ መወዳእታ ሕጋውያን ዓለምለኻዊ መራሕቲ ኣብ ምምራጽ ናይ ምስላጥ ድልየት ንዘለዎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኩሎም ኤርትራውያን ኣባልነት ዓ.ተ. ክፉት ኢዩ። ዕላማና ምስ ኣባላት ህዝባዊ ምልዕዓል ብምትሕብባር ምስራሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግን ከኣ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ካልኦት ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ነጠፍትን ንኽጽንበሩና ንምዕዳም`ዩ። እቲ ኣብ ፈለማ ምስ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝነበረ ዘይምርድዳእ በሪሁን መንፈስ ብጻይነት ይምዕብልን ኣሎ።

 

  1. ዓ. ተ. ብሓቂ ዓለምለኻዊ ዲዩ? ወይስ ንማለቱ ኢኹም ዓለምለኻውያን ኢና ትብሉ?

ዓ.ተ. ዓለምለኻዊ ኢዩ። ብባህሪኡ ዓለምለኻዊ ንምግባሩ፡ ብ 5 ጀመርቲ ዓ. ተ.፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውን “ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበተቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ንዝወጽእ መጸዋዕታ ብምፍራም፣ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝውክሉ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ንምምራጽ ዝዕላማኡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኽሳተፉዎ፡ ብሰለስተ ቋንቋታት ኣብ ግንቦት 2016 ጋዜጣዊ መግለጺ ወጺኡ ነይሩ`ዩ። ዓ.ተ. ናይቲ ህጹጽ  ጻውዒት  ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን“  ፈረምቲ ንምዃን ፍቓደኛታት ዝኾኑ ልዕሊ 100 ውልቀሰባት ተቐቢሉ ኢዩ። እቲ ህጹጽ  ጻውዒት  ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን  ብትግርኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ተጻሒፉ፡ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ንምምራጽ፡ ነቲ ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዓወት ንምስላጥ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዓ. ተ. ክጽንበር ዝዕድም ኣብ ሓያሎ ወብሳይታት ወጺኡ ነይሩ ኢዩ። ከም ውጺት ናይቲ መጸዋዕታ፡ ኣብተን ኣብ ውሽጢ ዓ. ተ. ዘለዋ ጋንታት ንኽጽንበሩ ተገዳስነት ናይ ዘርኣዩ ቍጽሪ ኤርትራውያን ብብዝሒ ወሲኹ`ዩ። ዝያዳ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ናብ ዓ. ተ. ክጽንበሩ ገና ንጽበ ኣለና። ዓ. ተ. ዝገብሮ ዘሎ ንኽትድግፉ ተገዳስነት እንተ ድኣ ኣሊዩኩም፡ በጃኹም ንኽትረኽቡና ኣይትወላወሉ። ዋላ`ውን ከም ኣባላት ናይተን ኣብ #5 ዝተጠቕሳ ጋንታታት ክትሰርሑ እንተ ዘይከኣልኩም፡ ን ዓ. ተ. ብገንዘብ ኮነ ብኻልእ መንገድታት ክትሕግዙ ትኽእሉ ኢኹም።

 

 

  1. ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ፡ ሕጋውያን ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብ ምምራጽ ንምትብባዕ ዓ. ተ. እንታይ ኪገብር ይኽእል?

ዓ. ተ. ኣብ ሓደ ኣካባቢ ምርጫ መራሕቲ፡ ኣብቲ ኣካባቢ ናይ ዘለዉ ኤርትራውንያን ሓላፍነት ምዃኑ ይግንዘቦ ኢዩ። እንተ ኾነ፡ ዓ. ተ. ምርጫ መሪሕነት ኣብ ናይ ሓደ ዝተዋህበ ኣካባቢ ንኹሉ ብዘሳትፍ ሓፈሻዊ ኣኼባ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን እቲ ኣካባቢ ከም ዝካየድ ንምርግጋጽ ሓገዙ ከበርክት ኢዩ። እዚ፡ ንኹሎም ኤርትራውን ኣብቲ ዝተዋህበ ኣካባቢ ንምብጻሕ ጽዑቕ ዘመተ ምግባር ኪሓትት`ዩ። ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ነቶም ናብ ኢንተርነት ወይ ኤርትራዊ መደብ ራድዮ መእተዊ ዘይብሎም ከምኡ`ውን ንውሑዳት ዓሌት ጕጅለታት ንምዕዳሞም ዕቱብ ጻዕሪ ኪግበር ኣሎዎ። መጸዋዕታ ንሓፈሻዊ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ ብትግርኛን፣ ብዓረብኛን ብእንግሊዝኛን፡ ወይ ዝኾነ ካልእ ኣብቲ ኣካባቢ ኤርትራዊ ኮምዩኒቲ ብሰፊሕ ዝጥቀሙሉ ግቡእ ቋንቋ ኪጸሓፍ ኣሎዎ። ዓ.ተ. እንተ ተሓቲቱ፡ ኣብ ምድላው ህዝባዊ መግለጺታት ብሓያሎ ቋንቋታት ኪሕግዝ ይኽእል`ዩ። እቲ  መግለጺ ብመልክዕ ጽሑፍ፡ ብናይ ተለፎን መልእኽታት፡ ብወብሳይታት፡ መደባት ረዲዮ፡ ሰሚናራትን ኣቢያተ ዕዮን ክሰራጮን፣ ብሰፊሕ ኤርትራውያን ኣብ ዝመላለሱሉ፡ ከም ኣቢያተ ክርስቲያን፡ መሰጊዳት፡ ማእከላት ማሕበረሰብ፡ ኣቢያተ መግብን ባራትን ኪዝርጋሕ ይግባእ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ምጽዋዕ ኣኻሊ ኣይኮነን፣ ሃገርና ንምድሓን፡ ተሳትፎኦም ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ህዝቢ ኪርድኡዎ ይግባእ። ብኹሎም ወገናት ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሳትፎ ንምትብባዕ ኣኼባታት ብናይቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝጥቀሙሎም ቋንቋታት ኪካየዱ ይግባእ። ዓ.ተ. ኤርትራውያን ማሕበረሰብ መስርሕ ምርጫ ንኸሰላጡሎም፡  ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ትምህርታዊ ጽሑፋት ኣብ ምቕራብ ኪተሓባበር ይኽእል`ዩ።

 

ጕጅለ 2፡- መስርሕ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መራሕቲ፡-

  1. እቲ መስርሕ ምምስራት ባይቶታትን ምምራጽ ዓለምለኻዊ መራሕትን እንታይ ኢዩ?

ከምቲ ኣብ ናይ ዓ. ተ. “መደብ ትግባረ“ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ኣብዚ መራኸቢ “http://www.snitna.com/gieegm/gieegm.html”  ዝርከብ፡ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን  ወብሳይታት ወጺኡ ዝነበረ፡ ብትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዝኛን ዝተጻሕፈ፣ እቲ መስርሕ ምምስራት ሰለስተ ደረጃ ባይቶታትን ምምራጽ ፈጻሚ ዓለምለኻዊ መሪሕነትን ክልተ ኣገደስቲ ገጻት – ምልዕዓልን ምውዳብን ዝሓዘ`ዩ።

ገጽ 1፡- ምልዕዓል ኩሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምስ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣገባብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝድግፉ ካልኦት፣ ንኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን፣ ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክኾኑ ከለዓዕል ኢዩ። ውጽኢታዊ መደብ ትግባረ ብምጥቃምን ተግባራዊ ጋንታታት ብምውፋርን፣ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ከም ኣብ ሕ. መ. ኣ.፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራሊያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍሊታት ዓለምን ከለዓዕል ኢዩ። እቲ ናይ ምልዕዓል ንጥፈታት ንትምህርቲ ህዝባዊ ሰረታት ሰነዳትን ዓንቀጻትን  ምድላውን ምሕታምን፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሰሚናራትን ኣኼባታትን ምክያድ፣ አለክትሪካዊ ህዝባዊ ርክብን ውጽኢታዊ ናይ መራኸቢ ስትራተጂ  ብምጥቃም ምስርጫው ሓበሬታን፣ ዘሎ ናይ ህዝባዊ ርክባት መራኸቢታት፡ ምስ ናይ ፓልቶክ ህዝባዊ ኣኼባት ብምጥቃም ርክባት ምግባር ዘጠቓለለ ኢዩ።

ገጽ 2፡- ምውዳብ ህዝባዊ ባይቶታትን ምምራጽ ዓለምለኻዊ ፈጸምቲ መራሕትን፡-

ሀ. እቲ ሰረታውን ኣዚዩ ኣገዳስን ባይቶ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ዓዲ ኢዩ። ናይ ነፍስወከፍ ኣካባቢ/ከተማ ዓቕሚ ኣዳምን ሀዋንን ዝበጽሑ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን  ኣባላት ናይ ኣካባቢ ባይቶ ኪኾኑ ብቑዓት ኢዮም። እቲ ባይቶ ዓዲ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ናይቲ ኣካባቢ/ከተማ ኣብ ናይ ፍትሕን፡ ደሞክራስን ሓርነትን ናይ ሓባር ዕላማ የስምሮም። ኣብ ርእሲ`ዚ፡ ንጡፋት ወነንቲ ዕድሎምን፡ ኣብ ምውሳንን ምትግባርን ሃገራዊ ጉዳያት ንጡፋት ተሳተፍቲ ንኪኾኑ መድረኽ ይፈጥረሎም። እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማ ባይቶ ዓዲ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ብምዃን ኣብቲ ንሃገርና ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲያዊ ግዝኣት ዘሰጋግር መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ከም ኣቃላጠፍቲ ኪኾኑ ንምኽሳቦም ኢዩ።  ኣብ ሓደ ዝተዋህበ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ሓንሳብ ምስ ተመስረተ፡  ነዚ ዚስዕብ ክመርጽ ኢዩ፡-

  1. ኣፈኛ ን ኣካባቢ ባይቶ ዓድን፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ኣባላት ተቛጻጻሪ ሽማግለን። ቍጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ሽምግለን ተቛጻጻሪ ሽማግለን ብነፍስወከፍ ኣካባቢ ይውሰን።
  2. ወከልቲ ናይ ኣካባቢ/ከተማ (ወከልቲ ባይቶ ዓዲ) ናብ ዞብዊ ባይቶን፣ ናብ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ንምምራጽን።

ለ. ዞባዊ ባይቶ፡- ኤርትራውያን ኣብ ነፍስወከፍ ኵርናዕ ዓለም ሓንሳብ ናይ ኣካባቢ ወከልቶም ምስ መረጹ፡ እቲ ዝስዕብ ስጉምቲ፡ ምርኻብን ናይ ሃገሮም ወከልቲ  ምምራጽን፣ ካብኡ ቀጺሉ ብክፍለ ዓለማዊ ደረጃ ናይ ዞባ ወከልቶም ምምራጽ ይኸውን፤ እቲ ቀንዲ ዕላም ናይ ዞባዊ ባይቶ  ኣብቲ ዞባ ነተን ዝተፈላለያ ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ምውህሃድ ይኸውን። እተን ናይ ዞባ ባይቶታት  ኣብ ዞባዊ ደረጃ ናይ  ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ንጥፈታት ምውህሃድን ኣብቲ ዞባ ናይ ህግደፍ ንጥፈታት ንምድኻም ምስራሕን ይኸውን።

ሐ. ዓለምለኻዊ ባይቶ፡- እቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ካብ ነፍስወከፍ  ኵርናዕ ዓለም፡ –  ናይ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣመሪካን ካልእ ቦታታትን ዝመጹ ኤርትራውያን ፡ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ባይቶ ወይ ፈጻሚ ኣካል ዝሾሙ ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን ንምምራጽ፡ ናይ ወከልቲ ዞባዊ ባይቶታት ዓለምለኻዊ ኣኼባ ምክያድ ኢዩ። ዓለምለኻዊ ባይቶ ወይ ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን፡  ኣብ ወጻኢ ተባታቲኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ህዝቢ/ዜጋታት፡ ዝልመት/ስቓይ ህዝብና ንኸብቅዕን ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ንምምስራትን፡ ድምጾምን ጸጋታቶምን ዘስምሩሉ ዓለምለኻዊ ኣካል ናይ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ባይቶ ኢዩ።  እቲ ዝተመርጸ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንድሕነትን ልዙብ ምስግጋር ኤርትራ ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ዘዐውት ኣዚዩ ኣገዳሲ ስትራተጂን ውጥንን ኪስእል፣ ነቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስትራተጂ  ንምፍጻምን ንምትግባርን ምሉእ ስልጣን ዝህልዎ ፈጻሚ  መሪሕነት ከኣ ይመርጽ።

 

  1. ኣብ ርእሲ`ቲ ሓፈሻዊ ዕላማ ምሕጋዝ ህዝብና/ሃገርና፡ ንምውዳብን ምቛም ኣካባቢ ባይቶን ዘተባብዑ ነገራት እንታይ ኢዮም?

ናይ ኣካባቢ ባይቶ ከም በርጌሳዊ ሰረታት ማሕበረሰባዊ ማእከላት ከገልግል ይኽእል`ዩ። ከምቲ ኣብ ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኤርትራውያን  ዝተገልጸ፡ “ኤርትራውያን ብብዝሒ ቍጽሪ ኣብ ዝነብሩሉ፡ ኣድላይነት ማእከላት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ይርድኣና ኢዩ። ማሕበረሰባዊ ማእከላት ንስደተኛ ማሕበረሰባት ኣገደስቲ ኣገልግሎታት የበርክቱ ኢዮም። ቀዳማይን ኣውራን፡ ከም መኣከቢ ኤርትራውያን ምስ ብጾቶም ኤርትራውያን ዝራኸቡሉን ዘዕልሉሉን ቦታታት የገልግሉ ኢዮም። ማሕበራሰባዊ ማእከላት ንሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ኣብ መቐመጢ ገዛ ምርካብን፡ ናይ ስራሕ ዕድላትን ካልኦት ኣድለይትን ድጋፍ ይህቡ። ሓደ ኣገዳሲ ተራ ማሕበረሰባዊ ማእከላት፡ ንሓዘንተኛታት ኣባላት ምጽንናዕን ስርዓተ ቀብሪ ምስንዳእን፣ ኣብ መርዓታት፣ ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ንጥፈታት ሓገዛት ምብርካት ኢዩ። ማሕበረሰባዊ ማእከላት ከም ኤርትራውያን ቈልዑ ናይ ቋንቋኦምን ባህላዊ ውርሻታቶምን፡ ካልእ ንጥፈታትን ዝመሃሩሉ  ቦታታት የገልግል። ናይ ኣካባቢ ባይቶታት፡ በርጌሳዊ ማሕበረሰባዊ ማእከላት ብምምስራት፡ ንኣካባቢኦም ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝህብ ስፍሕ ዝበለ መደብ ይስእል።

 

  1. ኣብ ክንዲ ኣብ ካልእ ኣካባቢታት ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ኣካባቢኦም ባይቶታት ንኽምስርቱን ናይ ኣካባቢኦም መራሕቲ ኪመርጹን ምድፍፋእ፡ ከምቲ ዓ. ተ. ኣብ ቦስቶን ዘሎዉ ኤርትራውያን ብምብጻሕ ዝገበሮ፣ ኣብቲ ኣባላት ዓ. ተ. ዝነብሩሉ  ዘሎዉ ኤርትራውያን ብምልዕዓል፡ መጀመርያ ናይ ኣካባቢ ባይቶታት ብምምስራት ናይ ኣካባቢኦም መራሕቲ ንኺመርጹ ምሕጋዝዶ ኣይምሓሸን?

ሓይሊ ዕማም ዓ.ተ. ካብ ከተማታቶምን ስተይታቶምን ወጻኢ ቦታታት ኣኼባታት ከካይዱ ይኽእሉ ኢዮም። እንተ ኾነ፡ እዞም  ኣኼባታት ነቲ እማመን መደብ ትግባረን ናይ ዓ. ተ. ንህዝቢ ንምብራህ ጥራይ ዝዓለሙ ኢዮም። ከተምቲ ዓ.ተ.፡ ምስ ኤርትራውያን ነጠፍትን ደለይቲ ፍትሕን ብምትሕብባር፣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ናብቲ ንኹሉ ዘሳትፍ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኤርትራውያን ናይ ዝተወሰነ ኣካባቢ፣ ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ ኣኼባታት ኤርትራውያን ብምጽዋዕ፣ ንኣካባቢኦም ናይ ኣካባቢኡ ባይቶ  ኪመርጽ ናይ ምልዕዓል ተበግሶ ኪወስድ ትጽቢት ይግበረሉ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ፡ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ ናይ ምውጣንን ምውዳብን ሓላፍነት ዝተሰከመ ናይ ምርጫ ሽማግለ ንምምራጽ ኢዩ። ናይ ምርጫ ሽማግለ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣኼባ ጽዑቕ ናይ ምልላይ ስራሕ ምክያድ፣ ናይ ኣኼባ ቦታ ናይ ምርካብ፣ ንዓወት ናይቲ ኣኼባ ኩሉ ኣድላዪ ምቅርራብ ናይ ምግባር ሓላፍነት ይህልዎ። ከተምቲ ዓ. ተ. ፡ ኣብ ኣካባቢኦም ምስ ካልኦት ኤርትራውያን  ነጠፍቲ፡ ኣፈናዊ ናይ ምውጣን ኣኼባ ንምጽዋዕ ንጡፍ ተራ ኪጻወቱ ትጽቢት ይግበረሎም። እዚ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ኣካባቢታት ዛጊት ይትግበር ኣሎ።

 

ጕጅለ 3፡- ምግላጽ ኣካባቢነትን ምቛም ባይቶ ዓድን፡-

  1. ኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ኣኼባ ኤርትራውያን፡ ባይቶ ዓዲ ክምስርቱን ሕጋዊ መራሕቶም ክመርጹ ኣሎዎም ክትብሉ ከለኹም ንኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ከተማ ወይ ኣብ ዝተወሰነ ስተይት ወይ እንታይ ኢኹም  ተመልክቱ  ዘሎኹም?

ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዘለዉዎ፡ ከም ኣብ ደረጃ ከተማ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝርከቡሉ ዝተወሰነ ከተማ እንተ ድኣ ኾይኑ፣ ወይ ብደረጃ ስተይት ከም ናይ ሕ.መ.፣ ወይ ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ስተይታት፣ ንዕላማ ምምራጽ ባይቶ ዓዲ ኪራኸቡ ይኽእሉ ኢዮም። ሽዑኡ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ እቶም ዝተመስረቱ ባይቶ ዓዲ ናይ ኣካባቢ መራሕቶም ይመርጹ።

 

  1. ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ፡ ናብቲ ኣኼባ ከም ዝመጹ ከመይ ጌርኩም ከተረጋግጹ ትኽእሉ?   ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ ንምዕዳም ኩሉ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባር፣ ኣብቲ ማሕበረሰብ ወይ ኣካባቢ ዘሎዉ ኤርትራውያን ናብቲ ኣኼባ እንተ ዘይመጹኸ?

ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፡ ዕለትን ቦታን  ጽዑቕ ምልላይ ድሕሪ ምግባርን፣ ኩሉ ዝከኣል ናይ ርክብ መራኸቢታት ብምጥቃም፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ ንምብጻሕ ዕቱብ ጻዕሪ ድሕሪ ምክያድን፣ ምርጫታት በቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኪካየድ ኣሎዎ።

 

  1. ናይቶም ዛጊት ቆይሞም ዘለዉ ኤርትራውያን ማሕበራት ወይ ማሕበረሰባዊ ማእከላት መራሕቲ:  ሕጋውያን መራሕቲ ናይ ኤርትራውያን ኣብቲ ዝተወሰነ ኣካባቢ ኪቑጸሩ ይከኣልዶ? እንተ ዘይኮኑ፡ ስለምንታይ?

እቶም ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ማሕበራት ወይ ማሕበረሰባዊ ማእከላት ዘሎዉ መራሕቲ ምስ ምሉእ ተሳቶፎ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብቲ ዝተወሰነ ኣካባቢ ክሳብ ዝተመረጹ፣ ሽዕኡ ናይቶም ኤርትራውያን ኣብቲ ዝተወሰነ ኣካባቢ ሕጋውያን መራሕቲ ኢዮም፣ ባይቶ ዓዲ  ናይቲ ዝተወሰነ ኣካባቢ ኸኣ ይኾኑ። እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ ንዝነብሩ ኩሎም ጽላታት ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንምርካብ፡ ጽዑቕ ምልላይን ዘመተን ምክያድን፣ ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን ኩሉ ዝከኣል ናይ ርክብ መራኸቢታት፡- ምልክታታት፡ ናይ ተለፎን መጸዋዕታታት፡ ወብሳይታት፡ መደባት ራዲዮ፡ ወ.ዘ.ተ. ብምጥቃም ብዛዕባ`ቲ ኣኼባን ዕላማ ናይቲ ኣኼባን ከም ዝፈልጡ ምግባር`ዩ። ሽዕኡ፡ እቲ ኣኼባ ናይቲ ዝተወሰነ ኣካባቢ ባይቶ ኣቚሙ ኪህሉ ኢዩ፣ እቶም መራሕቲ ንኽኾኑ ዝተመረጹ፡ ኣብቲ ዝተወሰነ ኣካባቢ ናይ ኤርትራውያን ሕጋውያን መራሕቲ ይኾኑ።

ጕጅለ 4፡- ኣባልነትን ብቕዓትን፡-

  1. እቶም ኣብ ኣካባቢ፡ ሃገራውን ዓለምለኻውን ደረጃ ዝተመርጹ መራሕቲ፡ ዝበለጹ ብቑዓት መራሕቲ ምዃኖም ከመይ ጌርኩም ከተረጋግጹ ትኽእሉ?

ዓ. ተ.፡ ብዛዕባቶም ክምረጹ ዘሎዎም ዓይነት መራሕቲ ግንዛበ ንምፍጣር፣ ትምህርታዊ ነገራት ከውጽእ፣ ሰሚናራትን ኣቢያተ ስራሓትን ከካይድ ይሕልን። ዓ. ተ. እቶም ኣብ ዝተወሰነ ኣካባቢ (ባይቶ ዓዲ) ዝምረጹ ውልቀሰባት፡ ብንጽህናኦም፣ ብዉፉይነቶም፣ ብምስትውዓሎምን መጠነ-ክእለቶምን ዝተፈለጡ ኪኾኑ ይትስፎ። ዓ. ተ.፡ ዓለምለኻዊ መራሕቲ (ኣብ ላዕሊ ዝቕልቀሉ)፡ ኣበር ዘይብሉ ምስክር ናይ ንጽህና፡ ውፉይነትን መጠነ-ክእለትን ዘሎዎም ከም ዝኾኑ ይኣምን። ዓለምለኻዊ መራሕቲ  ነቶም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ተሓተትቲ ኢዮም፣ እቶም ነቲ ትጽቢታት ከማልኡ ዘይከኣሉ፡ ዝሓሸ ብቕዓት ብዘሎዎም ካልኦት ከም ዝትክኡ ርዱእ ኢዩ።

 

  1. ኣባላትን መራሕትን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣብ ናይ ኣካባቢኦም ማሕበረሰባት ምርጫታት ኪሳተፉ ይኽእሉ ዲዮም?

ከም ኤርትራውያን፡ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ነናቶም ባይቶ ዓዲ ምርጫ ናይ ኣካባቢ መራሕቲ ብንጥፈት ኪሳተፍ ይታባባዕን ትጽቢት ይግበረሉን ኢዩ። እዚ ድሕሪ ምባል፡ ናይ ረብሓ ግርጭት ንምውጋድ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት መራሕቲ ኣብቲ ናይ ኣካባቢኦም ባይቶ ዓዲ መሪሕነት ኪሕዙ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ። ምባሉ ዘየድሊ፡ ምስ`ዚ ዘሎ ግዝኣት ኤርትራ ዝትኣሳሰሩ ወይ ዝዳናጋጹ፡ ኣንጻር`ቲ ቃልሲ ዝቐንዕ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝተወሃሃዱ ኣካል ከም ምዃኖም መጠን፡ ብቕጽበት`ዮም ዝውገዱ።

 

ጕጅለ 5፡- ዝምድና ምስ በርጌሳውን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፡-

  1. ምስ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብሓፈሻን፣ ኣካል ባይቶ ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ወይ ገና ኣባላት ባይቶ ምስ ዘይኮና ፖለቲካዊ ጕጅለታት ርእይቶኹምን ዝምድናኹምን እንታይ ኢዩ?

ርእይቶ ዓ. ተ.፡ ናይ ኩለን ሰልፍታት ፖለቲካዊ ተቓውሞን በርጌሳዊ ሕብረተሰብ ኣብ ውጻኢ ተበታቲኖም ናይ ዘሎዉ ኤርትራውያንን እቲ ቀዳምነት ምእላይ ምልኪ ኣብ ሃገርና ኪኸውን ኣሎዎ። ኣትኵሮ  ዓ. ተ.፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምጥቃም፡ ምልዕዓል ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ሕጋውያን ዓለምለኻዊ መራሕቲ ንኺመርጹ ኢዩ። ዓ. ተ.፡ ዝተመርጹ ዓለምለኻዊ መራሕቲ፡ ምስ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ምስ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጥን ተሓባቢሮም ብምስራሕ፣ ንሃገርና ናብ ደሞክራሲ ንምቕያር፡ ውጽኢታዊ ናይ ስራሕ ስትራተጂ ክስእሉ ትጽቢት ይገብረሎም።

ዓ.ተ.፡ ኣስማቶምን ናይ ኢ-መይል ኣድራሻታቶም ክረኽቦ ዝኸኣለ ን 20 መራሕቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ብትግርኛን፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ውልቃዊ ደብዳበታት ጽሒፉ`ዩ። ዓ. ተ. ናብቶም ኣስማቶምን ወይ ኣድራሻታቶም ክረኽቦ ዘይከኣለ መራሕቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ  ዘቕነዐ ኸኣ፡ ኣብ ሓያሎ ወብሳይታት ቅሉዕ ደብዳበ ከም ዝወጽእ ገይሩ ኢዩ። ፍረ-ነገር ናይቲ ደብዳበታት፡ ናይ ዓ. ተ. ዕላማታት ንምግላጽን፣ ስቓይ ህዝቦም ኣብ ምኽታም ንኺሳተፉ፣ ንተበግሶ ምሕያል ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ውዕዉዕ ስምዒት ሓገዞም ንምንዳይ ኢዩ። ካብ ሒደትመራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ቅሉዕ ደገፍ ምርካብና ሕጉሳት ኢና፤ ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ደገፍቲ  ዓ. ተ. ኪኾኑ ኸኣ ንጽበ፤ ዓ.ተ. ዝገብሮ ዘሎ ነቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንዓመታት ንኽፍጹሙዎ ክፍትኑ ዝጸንሑ ንዓወቱ ንምንሃር ስለ ዝኾነ።

 

  1. ርእይቶኹምን ዝምድናኹምን ምስ መድረኽ እንታይ`ዩ?

መድረኽ  ዝተፋላለያ ፖለቲካዊ ጕጅለታት፡ ኣቓልቦአን ናብቲ ምእላይ ውልቃዊ ስርዓት ምእንቲ ከድህብ ንኸሕብረን ይጽዕር ኣሎ፣ . ዓ. ተ. ኸኣ ነዚ ጻዕሪ ይድግፎ። ዓ. ተ. ንሃገር ናብ ብዝሐሰልፋዊ ደሞክራሲ ንምስግጋር፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ምስማር ምዃኑ ይኣምን።

 

  1. ናይ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝምድናኦም እንታይ ኪኸውን`ዩ?

ዓ. ተ.፡ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ምድላው ውጥን ምስግጋር ሃገር ናብ ደሞክራሲ ኪተሓባበሩ ትጽቢት ይገብር።

 

  1. ኣብ ክንዲ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ክትመርጹ ምፍታን፡ ስለምንታይ ኣብ ዘሎዋ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይትጽንበሩ?

ዓ. ተ. ናይ ዝመርጾ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣካል ምዃን መሰል ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ምዃኑ ይኣምን። ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ንኽንዲ ሃገርና ትኣክል  እምብዛ ብዙሓት ዝኾና፡ ንምኽታም ምልኪ ኣብ ሃገርና ኪሓብራ ኣይከኣላን። ዓ. ተ. እቲ ኣትኵሮ ኣብ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ኪኸውን ከም ዘሎዎ ይኣምን። ነዚ ዕላማ፡ ዓ. ተ. ዝገብሮ ዘሎ፡  ኣብዚ እዋን ብዘስግእ ጐዲሉ ዝረአ፣ ህዝባዊ ትካላት/ህዝባዊ ባይቶ ብምምስራትን፡ ምእንቲ ኣብ ወጻኢ ተባታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ዝዛረቡን ዝትግብሩን ዓለምለኻዊ መራሕቲ ምምራጽ`ዩ።

 

ጕጅለ 6፡- ካል፡-

  1. ኣብቲ ህጹጽ  ጻውዒት  ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡  ዕለት ግንቦት 23፡ 2016  ከምዚ ኢልኩም፡- “እዚ ንወስዶ ዘለና ተበግሶ ብድልየት ናይ ዝኾነ መሪሕነት ተራ ዝተደረኸ ኣይኮነን። እቲ ኩሉ ንገብሮ ዘለና፡ ኣብ ውጻኢ ተበታቲኖም ንዘሎዉ ኤርትራውያን ኣብቲ ደረጃ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ንምእታዎም ኢዩ።“  እዚ ናይ ተበግሱዎ ዘሎኹም ምንቅስቓስ ናይ መሪሕነት ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ምምላጥ ዝእምት ይመስል። እዚ ትርጉም ኣይህብን።  ኤርትራውያን ኣብ ከባቢኹም  ንተራ መሪሕነት ብቑዓት ኴንኩም  እንተ  ረኸቡኹም፡ ምቕባል ክትኣብዩ ዲኹም? በጃኹም ኣብርሁዎ።

ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ግልጺ ንምዃን፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዋህበ ጥቕሲ ከነእቱ ዘገደደና ምኽንያት፡ ነቶም ነዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድርኺትና ብምጥርጣር ካብ መንገዱ ክኣልዩዎ ዝደልዩ ንምርግጋጽ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ፡ እቲ ህጹጽ ጻውዒት ካብ ዝወጽእ፡ እንተ ተመሪጽካ ምእባይ ሓላፍነትካ ምርሕራሕ ምዃኑ ዝሓበረ ሓያሎ ርእይቶታት ተቐቢልና ኢና። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ እንትርፎ ብዕብየት ዕድመን ብምኽንያታት ጥዕናን፡ እንተ ተመሪጽካ ምእባይ ጌጋ ምዃኑ ተሰማሚዕናሉ ኢና።

 

 

  1. ነቶም ኣብ ዓለማዊ መሪሕነት ኣትኵሮ ምግባርኩም ንገዛእ ርእስኹም ዓለምለኻዊ መራሕቲ ክትኮኑ ናይ ምምልማል ድርኻዊ ድልየት ኢዩ ኢሎም ዝጥርጥሩ እንታይ ትብሉዎም?

ዓ. ተ. ንምቛም ዝወሰድናዮ ተበግሶ ብናይ መሪሕነት ቦታታት ንምሓዝ ድልየት ዝተደረኸ ከም ዘይኮነ ኣብሪህናዮ ኢና። ኣካባቢያዊ መራሕቲ ኣብቲ ደረጃ ኣካባቢ ብተሳትፎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዮም ዝሕረዩ። እቶም ኣብቲ ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዝተመርጹ ኢዮም ዞባውን፡ ሃገራውን ዓለምለኻውን መራሕቲ ዝኾኑ። እዚ ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ ኣገባብ ምምራጽ መራሕቲ ኢዩ። ዓለምለኻዊ መራሕቲ ብመሰረቱ ብህዝቢ ኢዮም ዝምረጹ፡ ማንም ሰብ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መራሕቲ ከገድድ ኣይኽእልን`ዩ። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምቛም ዓ. ተ. ኣብ ወጻኢ ተባታትቲኖም ዘሎዉ  ኤርትራውያን፡ ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ ኣገባብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምጥቃም ዓለምለኻዊ መራሕቶም ምምራጽ ንኪኽእሉ ምዃኑ ዋላ ሓደ ክጥርጥር የብሉን።

 

  1. ናይቲ ስርዓት ሰለይቲ ነቲ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንጥፈታት ብናይ ምፍራስ ዕላማ ከም ዘይሰልኩዎ ብኸመይ ከተረጋግጹ ትኽእሉ?

ዓ.ተ.  ኤርትራውያን  ኣብ ነፍሰወከፍ ኣካባቢ ኣብ መንጎኦም ዘሎ መን መን ምዃኑ ከም ዝፈልጡ ይኣምን፣ ኣንጻር ሰልኵ ሰለይቲ ናይቲ ስርዓት ዝበለጸ ምክልኻል ከም ዘበርክቱ ኸኣ ተስፋ ይንበረሉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልእ ኣካባቢታትን ሃገራትን ዘሎዉ ኤርትራውያን፡ ፍሉያት ሰለይቲ ናቲ ስርዓት ናይ ምስላዅ ሓደጋታት ዘንጸላልዋ ባይቶ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ከበርክቱ ተስፋ ይግበረሉ። እዚ ሓበሬታ ኣንጻር ውልቀሰባት ሃሃዲንካ ንምጥቃዕ ከገልግል ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ ነቶም ናይ ባይቶ መራሕቲ ትኩራት ንኽኾኑን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ጕጅለኦም ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምውጋድን ኢዩ።

 

  1. ተራ ዓለምለኻዊ መሪሕነት እንታይ ኪኸውን`ዩ?

ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ምስ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ንምልካዊ ስርዓት ንምእላይ፡ ንሃገር ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር፡ ነቲ መሰረት ጽፉፍ ውጥን ንምድላው ውጽኢታዊ ናይ ስራሕ ስትራተጂ ኪስእል ትጽቢት ይግበረሉ። ሓላፍነት ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክልቲኡ ኣብ ዓድን ኤርትራውያን ተበታቲኖሞ ኣብ ዘሎዉሉ ወጻእን ተቐባልነትን ሓገዝን ምርካብ ኢዩ። ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኣብ ወጻኢ ንዝተበታተኑ ኤርትራውያን ንምውካል ከም ዝተመረጸ መጠን፡ ኣብ ዝኾነ መጋባኣያ ንኣብ ወጻኢ ዝተበታተኑ ኤርትራውያን ንምውካል ንኽዛረብን፡ ንኽሰርሕን ሕጋውነት ኪህሉዎ ኢዩ። ብውጽኢታዊ ጽዑቕ ዲፕሎማስን ዘመተን፡ እዚ ጕጅለ መሪሕነት ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዘልምስ ጽዑቕ ጸቕጢ ኪገብሩን፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎዉ ኣካላት ሞራልን ሓገዝን ብምሃብ እቲ ዝድለ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ከእምኑዎ ክኽእሉ ኣሎዎም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 30, 2016

    Here is a cure for our ailment, but nobody is taking or commenting on it. Unfortunately, throw a little tabloid news everybody is coming out of the woods.In the history of struggle for political change,nothing was achieved by aloofness or indifference.

POST A COMMENT