Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለቕ፥

ዓለቕ፥ ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ፡ ብመጀመርያ ካብ ኩሉ ሕማማት ናጻ ዚኾነ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃንካ እንቋዕ ኣሓጐሰካ’የ ክብለካ ዝደሊ። ከምቲ ኣብ ስሳታት ኣብ ኣዳል ብሓንቲ ጥይት ዝጀመረ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂውን ቃልሲ ንሓርነት

ዓለቕ፥
ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ፡ ብመጀመርያ ካብ ኩሉ ሕማማት ናጻ ዚኾነ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃንካ እንቋዕ ኣሓጐሰካ’የ ክብለካ ዝደሊ። ከምቲ ኣብ ስሳታት ኣብ ኣዳል ብሓንቲ ጥይት ዝጀመረ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂውን ቃልሲ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ለንደን 2013 ብሓደ ዘይሕለል ኣብነታዊ ዜጋ ኪፍልም ይኽእል’ዩ። “ግዱስ ኤርትራዊ እንተ ሰሪሕካ ባዕሉ’ዩ ሸቲቱ ዚመጸካ!” ከም ዝበልካዮ፡ ብርግጽ እቲ ቅኑዕን ግዱስን ኤርትራዊ፡ መንነትካ ብዘየገድስ፡ ፍርያትካ ርእዩ ይስዕበካ’ዩ። ሕቶኻ እንታዎት’ዮም ዘይኮነስ ዕላማኦም እንታይ እዩ ሰለ ዚብል፡ ንኹሉ ኣብ ሓንትን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣሚኑ ሕሰማ ኪኣሊ ዚቃለስ ሓርበኛ መርሓባ ምባልካ፡ ተግባርካን ስራሕካን ብቐጻሊ ስለ ዚምስክሮ ዘሎ ናተይ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይመስለንን። ሓንቲ ከዘኻኽረካ ዝደሊ ነገር ግን ንኹሎም ናተይ ናትካ፡ ውድበይ ውድብካ በሃልቲ ከይመሰልካ፡ በዛ ዘለኻያ መስመር ጥራይ ብምጓዓዝ፡ ክሳዕ ምሉእ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ምረሻኻ ኪትቅጽል ምልባው’ያ።
ንሰልፍታት ይኹን ንተቓወምቲ ጉጅለታት ንምንቃፍ እንተ ደኣ ተበጊስና፡ ብርግጽ ከምቲ ዝበልካዮ ቀውፍና ወይ ተቓውሞና “ነቶም ወደብቲ ዘይኮነስ ነቶም ተሳተፍቲ ከይሃሲ ክንጥንቀቕ ይግባእ’ዩ” እወ። ነቲ ዓይነትን ሕብርን ከይፈለየ ብስም ተቓዋሚ ጉጅለ ሕሰም ጥራይ ዝሳተፍ ዜጋ ክንሃስዮን ከነግሁዮን ኣይግብእን። ስለ ዚኾነ ኸኣ ብዚኾነ ይኹን መገዲ ተስፋ ዘቑርጽ ነገራትን መጥቃዕትን ክወርዶ ኣይግበእን። ምኽንያቱ፡ ንዚኾነ ኪቃለስ’የ ኢሉ ናብ ጉጅለ ሕሰም ጸጸር ዚድርቢ ሰብ ምትብባዕ ስለ ዝግባእ። እቲ ዚኾነ ይኹን ሕማምን ሕቡእ ኣጀንዳን ዘይብሉ ዜጋ ድማ’ዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዚሳተፍን እጃሙ ዘበርክትን።
ሓው ኣማኑኤል፡ “ኣጋምሸት ካብ ድቃሶም ስለ ዝተበራበሩ ‘ንግሆ’ዩ ዘሎ’ ብምባል፡ ንቓልሲ ካብቲ ንሳቶም ዝጀመሩሉ ዕለት’ዮም ዝቖጽሩዎ!” ኢልካ ከተነጽሮ ከም ዝፈተንካ፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ዓማጺ ጉጅለ ኢሳያስ ብርግጽ ሕጂ ኣይኮነን ተጀሚሩ፡ ካብ ሰብዓታት ሰማንያታት ዝጀመረ ቃልሲ’ዩ። ክሳዕ ሕጂ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተኻይዱ ዘይምዕዋቱ ግን ብርግጽ እቲ ቃልሲ ኣይፈለመን ዘብሎ ኣይኮነን። ስለምንታይ እዩ እዚ ቅድሜና ዝጀመረ ቃልሲ ዘይተዓወተ ኢልካ ብዛዕባኡ ኪትማራመርን ኪትመሃረሉን ግን ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረታዊ እውን’ዩ። እዞም ንነዊሕ ግዜ ቅድም ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር፡ ደሓር ድማ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ሰባት ከኣ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ዚኾነ ይኹን ለውጢ ወይ ምዕባለ ከምጽኡ ዘይከኣልሉ ምኽንያት፡ ብወገነይ ቅድም ቀዳድም ነብሶም ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ናጻ ስለ ዘይገበሩን ካብ ኩሉ ድሑርን ጸቢብን ኣተሓሳስባታት ናጻ ስለ ዘይኮኑን ጥራይ እዩ ዓወት ተሓሪሙዎም ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘሎኒ። በዚ መገዲ’ዚ ዚጓዓዝ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ድማ ተዓዊቱ ሓርነት ከምጽእስ ይትረፍ ህላወኡ ከውሕስውን ኣይክእልን’ዩ።
“ብሕልሚ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ብድኻማትና ኢና ክንጭነቕ ዘለና!” ብምባል፡ መንእሰያትና ብዛዕባ ጸግዒ ኢትዮጵያ ሙዃንን ዘይሙዃንን ብዙሕ ዘካትዕን ዘፈላልን ነገራት ከም ዘሎዎምውን ሓው ኣማኑኤል ኣብ ጽሑፍካ ገሊጽካዮ ኣለኻ። ኣብዚ ብናተይ ዓለቕ (ርእይቶ) ምንም ዘካትዕን ዘዛርብን ነገራት የብሉን’የ ኢለ’የ ዝኣምን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሃገርና መንግስቲ ንምትካል፡ ናይ ዚኾነ ይኹን ወገን ሓገዝ ክንጥቀም ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ እውን’ዩ። ንሰላሳ ሓምሳ ዓመታት ብምቅላስ፡ ኣእላፍ ህይወት ከፊልናን ብዙሕ ተንከላቢትናን ዝወነንናያ ሃገር፡ ክሳዕ ሎሚ ን22 ዓመታት ዚኣክል መንግስቲ ከነቑመላ ዘይምኽኣልና ኸኣ ከም ህዝቢ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ስለዚ፡ ሕጂ ብዘይ ወዓል ሕደርን ብዘይ ዚኾነ ይኹን ቅድመ ኩነትን ክንገብሮ ዘሎና ነገር፡ ናይ ፈታዊ ይኹን ናይ ጸላኢ ሓገዝ ተጠቒምና፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ፡ መንግስቲ ከቕውም ዘይደለየን ዘይከኣለን ፋኖ (ብዊንታኡ ዚኸይድ ቀይዲ በተኽ፡ ሽፍታ) ጉጅለ ኣሊና፡ ናይ ብሓቂ ሕግን ፍትሕን ዘሎዎ ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ተኸልና፡ ሽዑ ነቲ ብድሕሪኡ ኪመጸና ዚኽእል ስግኣታት ምግጣም ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ ሓጀትና (ውራይና) እየ ዝብል።
“ኢሳያስ ንኤርትራ ኣይኮነንዶ ሲንጋፖር ክገብራስ፡ ምስተን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃውን ክሰርዓ ኣይከኣለን” ኢልካና ሓው ኣማኑኤል፡ ኣማን ብኣማን ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ካብዘን ኣብ ዓለም ዘሎዋ ሃገራት እታ ዝጋዕዘየትን ዝደኸየትን’ያ ኮይና ዘላ። ናይዚ ህያው ምስክር ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምስቶም መንግስቲ ዘይብሎም ሶማላውያንን ምስቶም ሕጂ ብውልቀ መላኺ ዝደሃኹ ዘለዉ ሶርያውያንን ኣብ ዝርከቡለን መዕቖቢ ካምፕታት ኣዕለቕሊቑ ይርከብ ኣሎ። ምናልባት ኣብዚ ገለ ሰባት ጃንዳ ህግደፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ብዘቕርቦ ጥራሑ ብኾንቱ ዚኣርግ ዘሎ ስእሊ ህንጻታት ሕክምናን ቤት ትምህርትን ርእዮም፡ ከም ምዕባለ ዝቖጽሩዎ የዋሃት ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሃገርና ነቲ ካብ መግዛእቲ ዝወረሰቶ ዝርካቡ ትሕተ ቅርጺ’ኳ ትስእኖ ከም ዘላ ግን ዘይረኣዮም፡ ብዓይኖም ዘይኮነስ ብኣእዛኖም ዝርእዩ ልበ ስውራን ከም ዘለዉ እውን ዝከሓድ ነገር ኣይኮነን።
ነቲ መሬቱ ብሰንኪ ፈንጊ (ጉጅለ) ህግደፍ ንምርጋጻ እሾኽ ኮይናቶ፡ ከይፈተወ ራሕሪሑዋ ምስ ጠፍአ፡ መጻወቲ በደዊንን ካልኦት ነገድቲ ደቂ ሰባትን ተበለጽትን ኮይኑ፡ እምብዛ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ኤርትራዊ ግን ዘስተብህልሉ ዘለዉ ኣይመስለንን። ከም ህግደፍ ንወያነን ንኣመሪካን ከሳብብሎም እንተ ኾይኖም ከኣ ነቲ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዝበሎ፡ “ናትና ናይ ኤርትራውያን ጸገም፡ ንነብስና ዘይንጥምት ምዃና’ዩ!” ዚብል ዘረባ’የ ክደግም። ‘ብሰንኪ ኩስቶ፡ ብሰሪ እከለ ወዘተ. እናበልና ናይ ገዛእ ርእስና ስንፍና ንኻልኦት እናጠቀንና ምንባር ኣቋሪጽና መዘንቲ ነብስና ብምዃን፡ ንምንታይ? ስለምንታይ? እዚ ኹሉ ጸገም ኣብዛ ብመስዋእቲ ኣእላፍ ሰማእታት ዝመጸት ሃገር? ኢልና ክንሓታ ይግባእ። መልሱ ኸኣ ባዕላ ክትገልጸልና እያ’ሞ ልብና ከፊትና ጥራይ ጽን ኢልና ንስማዓያ እብል።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ብሓቅን ብቅንዕናን ብልቢ፡ ነቲ ከይፈርሀ ነቲ ከይደፈረ ንሃገሩን ህዝቡን ብትብዓት ዚቃለስ ዘሎ ዘይሕለል ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ እናኣመስገንኩ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ኪህቦ እምነየሉ።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 09/09/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA September 9, 2013

    Mr. Truly Truly …(ነበረኝ ኣምቼው)

    Quoting Truly Truly….እምበኣርከስ ቀዳማይ እቲ ኤርትራዊ ኢትዮጵያዊነት ስምኢት ንክሃድሮ ኮን ኢሉ ብምደይ ዝተገበረ ጉርሂ ክኸውን እንከሎ፣ አቲ ቁጽሪ 9 ከኣ ነቶም 9 ናይ ኤርትራ ብሔራት ንምምልካት ነሩ። ካልኣይ እቲ ኣወት ብ ኢትዮጵያ ሰዓሪነት ንክድምደም ብመደይ ከምዝተሰረሃሉም በቲ ካብ ኣምላኽ ብዝተገለጸለይ ጥበብ አቲ ሚስጥር ከምኡ ምኳኑ ክህብረካ ይፈቱ።” END OF QUOTE

    ትሩሊ፣
    ናትካ ኣምላኽሲ ንበይኑ እዩ።ኣብ ባድመ ኣትዩ ዘይተቐትሉ ጀነራላት ኤርትራ ብሓሶትን ምህዞን ___ወያነ ቀቲሎሞም ይብል።እቲ ናይ ሃጠውቀጠው ኣምላኽካ__ሕጂ ድማ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣትዩ ዓጀውጀው ቀይር።ኣምላኽ ቀይር።እቲ ኣነ ዝፈልጦ የሱስ__ነቶም ዝጸልእኹም ባርኹ ፣ጸላእትኹም ፍተዉ ዝብል እምበር___ዓጃው፣ ብሓጥያትና ንብከ እናበለ ከም ኩዕሶ ዝነጥርን___ብሕልሚ ጎይታ ኣርእዩኒ እዩሞ ንማራዖ ዝብል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ኣይኮነን።ኣብ ፖለቲካ ጨምለቕለቕ ኢሉ ዘይፈልጦ ጥቕሲ ጥራዝ ነጠቅ ኣይኮነን
    YOU NEED A NEW gOD BRAZER !!!

POST A COMMENT