Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓባይ ብሪጣንያ ጸጥታ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤለምንደብ ንምቍጽጻር ነታ ዝማዕበለት ናይ ውግእ መርከባ ብሰላሕታ ኣዋፊራታ ምህላዋ oilprice.com ዝተባለ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ዓባይ ብሪጣንያ ጸጥታ ናይቲ መራኽብ ንግድን ነዳድን ዓለም ብጻዕቂ ዝመሓላልፋሉ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤለምንደብ ንምቍጽጻር ነታ ዝማዕበለት ናይ ውግእ መርከባ ብሰላሕታ ኣዋፊራታ ምህላዋ oilprice.com ዝተባለ መርበብ ዜና

ዓባይ ብሪጣንያ ጸጥታ ናይቲ መራኽብ ንግድን ነዳድን ዓለም ብጻዕቂ ዝመሓላልፋሉ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤለምንደብ ንምቍጽጻር ነታ ዝማዕበለት ናይ ውግእ መርከባ ብሰላሕታ ኣዋፊራታ ምህላዋ oilprice.com ዝተባለ መርበብ ዜና ንጋዜጣ The Times  ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ምዋፍር ናይታ HMS Daring ዝተባህለት መርከብ ውግእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ርሱን ግጭት የመን ዝካየደሉ ከባቢታት፣ ተኣፋፊ ከም ምዃኑ መጠን ህዝባዊ ክኸውን ከምዘይተደልየ The Times ከምዘብርሀ ‘ውን ተፈሊጡ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እታ መርከብ ነቲ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ዝነበራ መባእታዊ ተልእኾ ገዲፋ እያ ኣብቲ ኣገዳሲ መተሓላለፊ ኣህጉራዊ ንግዲ ዝኾነ መጻብቦ ባብ ኤለመንደብ ተዋፊራ።

እቲ ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓረብ ዘራኸብ መጻብቦ፣ እንደገና፣ ናብ መራኽብ ሓይሊ ባሕርታትን ንግድን ዝቐንዐ ናይ ሸፋቱ ባሕርን ምስ ግጭት የመን ዝተኣሳሰረ መጥቃዕትታን ዝረኣየሉ ከባቢ ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT