Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) – ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥ “እዋእ! እንታይ ክገብሮ ደኣ ምስ ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ሓደ ባር ጸወታ ኩዕሶ እናረኣዩ ከለዉ መጺኡስ፡ ነታ ኩዕሶ ዝሪኡላ ዝነበሩ ተለቪዥን ‘ክወስዳ’የ’ ኢሉ ብሓይሉ ሓፍ ምስ ኣበላ፡ እዚ ወዲ ወደይ

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ)
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥
“እዋእ! እንታይ ክገብሮ ደኣ ምስ ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ሓደ ባር ጸወታ ኩዕሶ እናረኣዩ ከለዉ መጺኡስ፡ ነታ ኩዕሶ ዝሪኡላ ዝነበሩ ተለቪዥን ‘ክወስዳ’የ’ ኢሉ ብሓይሉ ሓፍ ምስ ኣበላ፡ እዚ ወዲ ወደይ ከኣ ከምቱ ዝበልኩኻ ጠንቃም’ዩ። ካብ ኮፍ መበሊኡ ብድድ ኢሉ፡ ‘ኣታ ሓወይ፡ ሕራይ እታ ተለቪዥንስ ውሰዳ፡ እቶም ተጻወትቲ ኩዕሶ ጊን ግደፈልና?’ ምስ በሎ፡ ብጽፍዒት ኣላሂሙ ቀቲሉዎ ነሩ።” ምስ በሉኒ ብሰሓቕ ክርትም በልኩ’ሞ፡ “ኣንታ ወደይ እዚይዶ የስሕቕ’ዩ የብኪ’ምበር! ኣቦታትካ ክምስሉ እንታይ ይብሉ ይመስለካ፥ “ዓሻስ ወርዊሮም እንተ ሰሓቱዎ፡ ዘይወግኡዎ ይመስሎ!” ይብሉ። ከምዚይ ዝበለ ሓደገኛ ፈተነታት ምስ በዝሐ፡ ብድሕሪኡ ሞት ከም ዘሎ ኣይተረድኦን ዝወደይ” በሉኑ ርእሶም ብኣሉታ ንየማነ ጸጋም እናነቕነቑ።
‘ስምዑ’ንዶ ግን ክሓቶኩም ኣቦ’ በልኩዎም ድፍረቶም ገሪሙኒ።
“ሕራይ ሕተተኒ ዝወደይ”
‘ከመይ ጌርኩም ኣሚንኩሙኒ ኢኹም ደኣ እዚ ኹሉ ዘረባ ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ!?’ እንታይ ከም ዝብሉኒ ናብ መልሶም እናተሃንጠኹ።
“ሓቂ ንምዝራብ፡ እንታይ ምእማንን ዘይምእማንን ኣድልዩኒ! ብእምሆይ እንዶ ግዳ ካብ ማሕቡስ ከውጽኡኒ ከለዉ ኣብ ኣፎም እንታይነቶም ኣይነገርኩምዎምን!” ምስ በሉኒ፡ ‘እንታይ ኢልኩም?’ በልኩዎም ህውኽ ኢለ።
“ኤህ! መስጣና መስጣ’ዞም ወለዲ ስውኣት የውርደልኩም! ብኣኻትኩም ትጽልምት’ምበር ብኣኻትኩም ትወግሕ ለይቲ የላን!’ ኢለ እንተ ረገምኩዎምስ ዝምርቖም ዘለኹ ግዲ መሺሉዎም እናሰሓቑ ኣፋኒዮሙኒ! ሙዃን እዚኣቶም እንታይ ፈሪሃ እግዚኣቢሄር ኣሊዩዎም እሞ መርገመይ ክስምዖም! እምነቶም ኣብ መራሒኦም እምበር ኣብ ኣምላኽ መዓስ ኮይኑ!” ብምባል ርእሶም ብምግራም ነቕነቑ።
“ሓቁ እኮ’ዩ እዚ ወደይ ‘እዚኣ ጸሓይና ኣይኮነትን ጸሓይ ይግደፍ’ያ!’ ክብለኒ!” ኢሎም እንደገና ዝን ምስ በሉ፡ ‘ከመይ ማለቱ’ዩ ደኣ ጸሓይና ኣይኮነትን ኢሉኩም?’ በልኩዎም ቅልጥፍ ኢለ።
“እዋእ! ትማሊ ምሸት ካብ ስራሕ ናብ ገዛይ ቅድሚ ምእታወይሲ እዞም ደቀይስ ከይረኣኹዎም ቀኒየ፡ እስከ ሕጂ ንእግረመገደይ ደሃዮም ገረ ክሓልፍ ኢለ፡ ናብቲ እንዳ ወደይ ይእለየልካ። እዚ መከረኛ ወዲ ወደይ ከኣ ኣብ ደገ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ይጸንሓኒ’ሞ ኣነ ኸኣ ምስ ስድራኡ ዝተባኣሰ መሺሉኒ ስንብድ ኢለ፡ ‘ኣታ እንታይ ትገብር ለይቲ ምድሪ ንበይንኻ ኣብ ግዳም?’ እንተበልኩዎስ እናሰሓቐ ‘ወርሒ ይጽሎ ኣለኹ ኣቦይ’ ኣይብለንን፤”
“እዋእ! ጸሓይ ገዲፍካስ ወርሒ ክትጽሎ?’ ኢለ ዘረባኡ ኣስደሚሙኒ እንተ ሓተትኩዎስ፡ ‘ኣየነይቲ ጸሓይ?’ ኢሉ ተገምጢሉ ንኣይ ሓቲቱኒ። ‘ኣየነይቲ ጸሓይ ደኣ እዛ ጸሓይና’ምበር ይብሎ ኣለኹስ፡ ‘ኣየ ኣቦይ እዛ ንሳ ከክትበርቕ ዝሕበኣላ ዘለኹ ጸሓይስ ጸይሓካ ትብለኒ ኣለኻ!’ ምስ በለኒ፡ ነቲ ሃንደበት መጺኦም ከይወስዱዎ ንኽሕባእ ዘሕልፎ ምሽቑራር ዘኪረ፡ ከብደይ በሊዑኒ ዝወደይ። ‘ሓቅኻ ኢኻ፡ ጸሓይናስ ቅድሚ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት ምስ ኣዕረቡዋ ክሳዕ ሕጂ ኣይተመልሰትን! ኣይበረቐትን’ወ!’ ብምባል፡ ነዞም ርጉማት ሃገርና ኣጸልሚቶም ዘለዉ ፋኖታት፡ እቲ ኹሉ ዚከኣሎ ልዑል ፈጣሪ፡ ካብዛ ብርኽቲ መሬትና ብተኣምር ክኣልየልና ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ለሚነ። ሰማዕ ድማ’ዩ ክሰምዓኒ’ዩ!” ምስ በሉኒ ናብቲ ናሕሲ ማኪናኦም ኣንቃዕሪሮም እናጠመቱ፤
“በሉ ክቡር ኣቦ፡ ኣብታ ዝደለኹዋ ቦታ በጺሐ ኣለኹ’ሞ ክወርድ ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም። የቐንየለይ። ሓደራ ግን ክብለኩም፡ ዋርድያ ክትሓድሩ ከለኹም፡ ከየዕረፍኩም ማለት፡ ከይደቀስኩም ናብ ስራሕ ኣይትውፈሩ ኢኹም?’ ምስ በልኩዎም። “ከመይ ገረ’ሞ ክድቅስ ኣታ ወደይ? “ደርሆ እንተ ዘይጻሕተረ፡ ድኻ እንተ ዘይዞረ፡ እንታይ ምተደረ!’ ይብሉ ወልድኻ ክምስሉ፡ ኣነ እንተዘይ ወፊረ ደኣ’ሞ ስድራ እንታይ ክትዕንገል!? ብኣምሆይ ስራሕ ሰሲዐ ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዘብኮርኩ’ንድዮም ነታ ብግዲ ዘሐንገጡኒ ብረት መንጢሎም፡ ሰሙን ምሉእ ኣሲሮሙኒ! ስድራ ጫቚጫቚ ኢለን። ‘ካልኣይ መዓልቲ እንተደጊምካ ክትጠፍእ ኢኻ!’ ብምባል ከኣ ኣጠንቂቖም ሰዲዶሙኒ። ከም ሰበይ ንሓዋሩ ከየሕቕቑኒ ፈትየ ከይፈተኹ ክኸዶም ኣለኒ’ምበር። “ብዘበን ገበል ዝሃቡካ ተቐበል’ዩ” ዝወደይ” ምስ በሉኒ ኣስናኖም እናሓርቀሙ፡ በዚ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ሓዚነ፡ ሕሳቦም ክልተ ሚእቲ ናቕፋ ጌረ ምስ ሃብኩዎም፡ ካብ ማኪናኦም ወሪዶም፡ ሰፍ ዘይብል ምርቓ መሪቖም ኣፋነውኒ።
እቲ ‘ብዙሕ ድቃስ’የ’ ዝፈቱ’ ብምባል፡ ከም ቁስጣንጌ (ኣርጊት ከልቢ) ክድቅስ ዚውዕል ጋኔን መራሒ ህግደፍ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ልቡ እናደቀሰ፡ ንወለዲ’ቶም ኣብቲ ንሱ ህዝቢ ዝረግጸሉ ዘሎ ኮረሻ ስልጣን ንክሓኩር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ድማ ኣብ ሽምግለናኦም ምጥዋር እንተ ተረፎምስ ሰለይ እናበሉ ሰሪሖም ንኽነብሩውን ዕድል ብምኽላእ፡ ኣብ እርጋኖም ብረት የሐንጊጡ፡ ብለይቲ ‘ዋርድያ ውጹ! ብቐትሪ ዲጋ ስርሑ’ እናበለ ድቃስ ከሊኦዎም ከም ዘሎ ብዓይነይ ምስ ተዓዘብኩ፡ ኣብቲ መላኺ ዝነበረኒ ጽልእን ንዕቐትን መሊሱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ፍጹም ፈንፈንኩዎ! ነዚ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጭልጥ ዘሎ ኣሰለት ከኣ ብዝሓየለ ቃልሲ ንኽምክቶን በጃ ህዝብን ሃገርን ከምቶም ቀዳሞት ኣሕዋተይ መስዋእቲ ንኽከፍልን ምስ ነብሰይ ቃል ኣተኹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣስመራ ናብቲ ተሰዲደ ዝነብረሉ ዘለኹ ዓዲ ተመሊሰውን ነዛ ትስዕብ ንሃለዋት ወለድና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ እተንጸባርቕ ናዕታ ክጽሕፍ ተገዲደ።
ጠወርቲ ስኢኖም መሳኪን ወለዲ
*ኲስሒ ተመን ኮይኑ መንእሰይ ኣብ ዓዲ  *ቀልቀል
መርዑ ክሕጸና ንበይነን ኣብ ንእዲ
ኣብ ዘበነ ህግደፍ ንቡር ኮይኑ ልምዲ!
መሳኪን *እቤራት እናተሳለዩ         *ሽማግለታት
ናብ መሮር ወፊሮም ኣሓ ክጓስዩ
ግራቶም ሓሪሶም ዘሪኦም ከፍርዩ
ምስ ደበናን ቁርን ወትሩ ክጓየዩ
ዝናብ የጀብጅቦም ኣብ ነብሶም ጽሕዩ!
ክሳዕ ሕልፈት ኮይኑ ብሞት ዝስወሩ
ምስቶም ደቂ ደቆም ንሽቕለት ክወፍሩ
መሳኪን ወለዲ እንታይኮን’ዮም ክገብሩ
ኣብዛ ሓላል መሬት ሰይጣን ተፈጢሩ
ወለዲ ዘዘኽትም ደቆም ኣባሪሩ!
ዘይኢዶም ረኺቦም’ወ ወለዲ ጀጋኑ
ደምበኦም ዝኸፍት ምቕሊ ተሳኢኑ
ንበይኖም ተሪፎም ከምዛ ዝመኸኑ
እዚ ርጉም *ደማሒ እምብዛ ሰይጢኑ   *መላኺ
ብዶብ ኣመኽንዩ ኪዕቅብ ስልጣኑ
እዚ ኹሉ በጽሒ ድራር ዓረር ኮይኑ
ሓድጊ ከይገደፈ ሓመድ ተደቢኑ!
እዞም ወለድና’ወ ተጻወርቲ ጸገም
ዕረፍቲ ዘይብሉ ናብራኦም ገልጠምጠም
ናጽነት ኮይኑዎም ኣይምርቓ ኣይመርገም
ዘለውዎ ህይወት መሊሱ ከይድገም
ጠንቂ ናይዚ ሕሰም ተመርሚሩ ይገምገም!
እዛ ተፈታዊት ሃገርና ኤርትራ
ካበይ እዩ መጺኡዋ እዚ ኹሉ መከራ?
መኣውይትን ቀብርን ኮይኑ’ቲ ሓዳራ
ጸላም ንኽትክደን ኣዒንታ ዘዕውራ
*ኣብሊስ ነጊሱዋ ፈላላዪ ስድራ!       *ድያብሎስ
ሰላም ንኽሰፍና ነዛ መሬት ሕድሪ
እቲ ጽልእን ቅርሕንትን ክትካእ ብፍቕሪ
ወለዲ ምስ ደቆም ክነብሩ ብኽብሪ
ድያብሎስ ኪእለ ርጉም ክፉእ ግብሪ
ይኣክል ይበለና’ወ እቲ ልዑል ፈጣሪ!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • ERITRAWIT March 2, 2014

    Dear Mesinas
    It is very nice of you u pay double from the price. people are living on diaspora it doesn’t mean everyone can afford to sort out people problem Everyone is poor at this time in Eritrea how many people are begging their children are in Sinai? how many people they can’t even have breakfast tea and bread for their children? I am sure in Eritrea you spend more than what you can afford. My Brother keep it up expose this Devil man he is the responsible for all this mess you are great!!!!!!!!

  • Zufana March 2, 2014

    Haw Mesinas.
    I sympathize with the whole sad story. Again, the contribution of the writer is excellent
    and should be encouraged. One question though all this story in a short journey to shuk!
    and also for only 100 nakfa! However, well done brother Mesinas.

POST A COMMENT