Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓዲ- ወደርኪ ብምልእታ ክትቅጻዕ ዝተፈርደት፡ ህዝቢ ንምጽናት ዝተወጠነ ስዉር መደብ ስለ ዘሎ ድዩ?

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com) ዓድሽ ዓመት 2017  ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ፡ ዝዓጠቑ ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ "ኮብሊልካ" ብዝብል ምስምስ ንመንእሰይ ጀማል ዓብዱልዋስዕ ካብ ዓዱ ዓዲ-ወደርኪ ብሓይሊ ሒዞም ንኽኣስርዎ፡ ብከውታ ለይቲ

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com)

ዓድሽ ዓመት 2017  ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ፡ ዝዓጠቑ ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ “ኮብሊልካ” ብዝብል ምስምስ ንመንእሰይ ጀማል ዓብዱልዋስዕ ካብ ዓዱ ዓዲ-ወደርኪ ብሓይሊ ሒዞም ንኽኣስርዎ፡ ብከውታ ለይቲ ንዝንብረሉ ዝነበረ መንበሪ ስድራ-ቤቱ ከቢቦም ብሃንደበት ንዕኡን ንስድራ-ቤቱን ሓደጋ ወዲቖሞም። እቶም ንመንእሰይ ጀማል ዓብድዋስ ክሕዙ ዝተልእኩ ኣባላት፡ ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰሉን መሰል ኣባላት ስድራ-ቤቱን ብጋህዲ ብምግሃስ፡ ካብ ሕቝፊ ወለዱን ካብ ማእከል ገዝኡን እናጋፍዑን እናዘለፉን ክጨውይዎ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ወለዱ ብዘርኣይዎ ተሪር ተቓውሞን ገረባብቲ ብዘስምዕዎ ኣውያንትን፡ ምሉእ ዓዲ ካብ ድቃሱ ብስንባደ ተበራቢሩ፡  “ኣብ ማክከል ዓዲ ናይ ለይቲ ጸልማት ተጐልቢቦም ሸፋቱ  ዝኣተዉ መሲልዎም”፡ እናተጓየዩ  ከድሕንዎም ናብ  ቤት ሰድራ ዓብድልዋስዕ ወሓዙ። ዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ነቲ ተጓይዩ ካበየ ገዝኡ ደቂ ዓዱ ከድሕን ዝተኣከበ ህዝቢ ዓዲ ዓዲ- ወደርኪ፡  ፋሕ ከም ዝብል ንምግባርን ንደቂ ዓዲ ተሓሊቑ ከይከላኸለሎምን ንሰማይ ብምትኳስ እናኣጋፍዑ ኣፈራሪሖሞ። እንተዀነ፡ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ “መንእሰይ ጀማል ከምዚ ትብልዎ ዘሎኹም ዋላ ይዀብልል፡ ኣብ ቅድሚ ወለዱን ኣብ ገዝኡን እናገርፍኩምን እንጸረፍኩምን ከተበሳብስዎ ቅኑዕ ኣይኰነን” ብምባል፡ ብትብዓት ንተግባራቶም  ኰኒኑ ፋሕ ምባል ስለ ኣበዮምን ዓገብ ብምባል ስለ ዝገሰጾምን፡ እቶም  ዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ ብቊጽሪ ውሑዳት ስለ ዝነበሩ፡ “ድሓን! ሕጂ’ኳ እንተዘቀንዓና፡ መዓልትኹም ተጸበዩ፡ ከነረኻኽበልኩም ኢና” ብምባል ኣብ ልዕሊኦም  ስጒምቲ ክውስዱ ክምለሱ ምዃኖም ብምፍላጥ፡ እናፈከሩን እናሓንሓኑን ዝመጽኡሉ ተልእኾ  ከይዓመሙ ተመሊሶም።

ይኹን’ምበር፡ እቶም ተሪር ህዝባዊ ተቓዎሞ ስለ ዝገጠሞም ተልእኾኦም ከይዓመሙ ዝተመልሱ ኣባላት ጸጥታ ህ.ግ.ደፍ፡ ከም ፈኸራኦም ድሕሪ ሳልስቲ፡ ካብ  ናይ ምድሪ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ዝተውጽአ፡  ከቢድ ብረት ዝዓጠቐ ብርክት ዝብሉ ወተሃደራት ዝሓዘ ሰራዊት  (ልዕሊ ሰለስተ ጋንታ ) ኣሰኒዮም ብምምላስ፡ ነታ ዓዲ ብምእልታ ኣብ ከበባ ኣእትዮም ድሕሪ ምስርጣይን ምስቓይን፡ ንጀማል ዓብድዋስዕን መላእ ስድራ ቤቱን ካልኦት ልዕሊ ሰብዓ ዝዀኑ ተቐማጦ ዓዲን — ቆልዑን ኣንስትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም–  ብድምር ልዕሊ ዕስራ ዝዀኑ ስድራ ቤታት ዓዲ ዓዲወደርኪ ኰብኪቦም፡ እናእወዩ ብዘይ ድልየቶም ብሓይሊ ኣገዲዶም ናብ ናይ ጽዕነት መካይን ብምጽዓን፡  መጀመርያ ናብ ዓደልገስ  ዝተባህለት ኣብቲ ከባቢ እትርከብ  ዓዲ ኣግዒዞሞም። ጸኒሖም፡ ናብ  ዓዲ ኣበይቶ  ብምምሕልላፍ፡ ናብቲ ኣብታ ዓዲ ኣበይቶ ዝርከብ ብምስቓይ እሱራት ዕሉል ዝዀነ ማዕቡስ ዳጒኖሞም። ብድሕሪ’ዚ፡  ብለይቲ ናብ ባርካ ኣሳግሮም ኣብዚኣ ኣተዉ ከይተባህሉ ሃለዋቶም ብምጥፋእ፡ ተሸሪቦም ከም ዝተርፉ ጌሮሞም ። ኣብ ባርካ ድሕሪ ምሽራቦም፡  ክሳብ ሕጂ ብህይወቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓዲ ዓድ-ወደርኪ ዘርኣይዎ ብርቱዕ ጽልእን ንዕቀንትን ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛን ኣብ ግምት ምብእታው፡  ብዘይ ገለ ርህራሀ ንብምሉኦም  ከይረሸንዎም ኣይተርፉን ኢዮም።

ንምዃኑ፡ ብሓደ ዝዀብለለ መንእሰይ ኣሳቢብካ፡ ብኣልማማ ንመላእ  ንጹሃት  ሰለማውያን ተቐማጦ ዓዲ  ወደርኪ ክትቀጽዖም ፍትሒ ድዩ? ህዝቢ በደል ንክፍጹሙ ዝረአዮም ገፋዕቲ  ዓገብ እንተበሎም፡ ብገበን የኽስሶን፡ ካብ ኲሉ ዝኸፍአ ኸኣ፡ የፍርዶን ዲዩ? “ብናይ ሓደ ሰብ በደል ወይ ጒድለት፡ ህዝቢ ብምልኡ’ዩ ዝቕጻዕ” ዝብል መንግስታዊ  ሕጊ፡ ብጀካ ኣብ  መንግስቲ  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡  ካልእ ኣብ ዓለምና ኣበየናይ ስርዓት’ዩ ዘሎ? ዓዲ ዓዲ-ወደርኪ፡ ብሰንኪ በደል  ወይ ጒድለት ሓደ ኣባላ፡ ተቐማጦኣ ብምሉኦም  ከም በደልቲ  ወይ ሰብ ገበን ተቖጺሮም ክቕጽዑ ዝተፈርዱ፡ ንህዝቢ ናይተን ንስርዓትካ ብትሪ ዝተቓወሙኻ ዓድታት ብናእሽቱ ውልቃዊ በደላት ወይ ጒድለታት  ኣመኻኒኻ ንምጽናት ስዉር መንግስታዊ መደብ ስለ ዘሎ ዲዩ? ስዉር መንግስታዊ መደብ እንተዘይሃልዩ፡ እንታይ ካልእ ንህዝቢ ብሰንኪ በደል ሓደ ውልቀሰብ  ዘቕጽዕ ብቑዕ  ምኽንያት ኣሎ?

ብዝዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ንድሕነትን ሓርነትን ህዝብና እንቃለስ ዘሎና ደለይቲ ፍትሒ ሃገራውያን ኤርትራውያን፡  ነዞም ብዓመጽቲ ዕሱባት ኣባላት  ክፍሊ ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ልዕሊ ዕስራ ስድራ ቤታት ዝዀኑ ንጹሃት ሰለማውያን  ኤርትራውያን ዜጋትት ተቐማጦ ዓዲ ዓድ-ወድርኪ፡  ድምጺ-ኣልቦን  ሓይሊ- ኣልቦን ስለ ዝዀኑ፡  ናይ ሞት ዕጫ ከይወረዶም እንከሎ፡ ኣብ ክንድኦም ስሙር ድምጺ ብምስማዕን ብትብዓት ንመሰሎም ብምጥባቕን፡  ወጽዓኦም ናብ መላእ ዓለም ብዓውታ  ከነቃልሖን ብህጹጽ  ከነዋዓውዖን ኣሎና። እዚ ብኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ህ.ግ.ደፍ. ኣብ ልዕሊ  ንጹሃት ዜጋታት ተቐማጦ ዓዲ ዓደ-ወርኪ ብጃምላ  ዝተፈጸፈመ ግፍዒ፡ ብጒድለት ወይ ሸለልትነት ናይ ሓደ ተቐማጢ ዓዲ ኣሳቢብካ ዝዀነ በደል ንዘይፈጸሙ ንጹሃት ተቐማጦ ዓዲ — ትሕቲ ዕድመ ንዝዀኑ ቆልዑን  ዘጥብዋ ኣዴታትን ዝሸምገሉ ዓበይትን  ከይተረፈ — ብኣልማማ ምቕጻዕ፡ ጭቡጥ መርትዖን ህያው ኣብነትን ናይቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ ዝፍጽሞ ዘሎ “ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስስ” ግፍዕታት ኢዩ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ንመሰል ዜጋታት ዘውሕስን ዝከልኸልን ቅዋሚዊ ሕጊ ስለ ዘየለ፡ ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ካብ ቤት- ፍርዲ ፍቓድ ከይወሰዱን  ንቤት-ፍርዲ ኣቐዲሞም ከየፍለጡን፡ ንዝዀነ ክኣስርዎ ዝደልዩ ዜጋ በደል ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡  ብሓላፍነት ዝሓቶም  መንግስታዊ ኣካል ስለ ዘየለ፡ ኣብ ዝዀነ ግዜን ኩነታትን  ዊን ዝበሎም  ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም።  ከምኡ’ውን ንዂሎም ዝኣሰርዎም እሱራት፡  ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከይተፈርዱ፡ ማለት ብዝዀነ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ከይሓለፉ፡ ብመግረፍትን ጥምየትን ሕማምን ብስጭትን ተሳቒዮም ከም ዝሞቱ ምግባርን፡ ኣብ ዕጽው ማዕጾ መስካርን ተዓዛብን ዘይብልካ ብኢደ-ወነንካ ባህ ዝበልካ ፍርዲ ኣሕሊፍካ፡ እናበሳበስካን እናከላበትካን ኣካላቶም ብመግረፍቲ ምስንካልን፡ ኣእምሮኦም ከም ዝስሕቱ ምግባርን፡ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ህይወቶም ብኸንቱ ምሕላፍን፡  ሓንሳእ እውን ይኹን ተሓቲቶምሉ ዘይፍልጡ፡ ንቡር ተግባራት ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢዩ።   ከምኡ ክንዲ ዝዀነ፡  እቲ  ኣብ ልዕሊ ጀማል ዓብድልዋስን ስድራ ቤቱን ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ መላእ ሓረስቶት ተቐማጦ  ዓዲ ዓድወደርኪ  ዝተፈጸመ ዓቢ ገበን፡ ጒሉሕ መርኣያን ህያው ኣብነትን ናይቲ ብኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ብቐጻሊ  (ብመንግስቲ እናተደገፈን እናተኣልየን) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘይ ንሕስያን ብዘይ ድንጋጸን  ዝፍጸም ዘሎ መዓልታዊ መንግስታዊ ግፍዕታት ኢዩ። ንኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መስላት ዝግህስ ተግባር ስለ ዝዀነ፡ ብዝዀነ መልክዕ ተቓውሞኻ ብጋህዲ ብምግላጽ፡ ብውልቂ ይኹ`ን ብሓባር ብትሪ ክዂነን ይግባእ።

ውልቀ-መልኺ  ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ክሳብ ንስልጣኑ ዘይተንከፍዎ፡ ንኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ዝደልይዎ ካብ ሕጊ ዝወጸ ስጉምታት (ምቕታል፡ ምእሳር፡ ምብስባስ፡…ወ.ዘ.ተ.)  ክወስዱ ምሉእ ስልጣን ሂብዎም ኢዩ።  ስለዚ፡ ነቲ  በዞም ሕልናኦም ዘዕረቡ ኣረመናውያን  ልኡኻትን ዕሱባትን ስርዓቱ ዝፍጸም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት፡  ብቐዳማይ ደረጃ ብሓልፍነት  ዝሕተተሉ ክፍሊ ጸጥታ ስርዓቱ ይኹን ድኣ’ምበር፡ ንባዕሉ እቲ ስርዓት (ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይተረፈ) እውን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ይፍጸም ስለ ዘሎ በዚ ገበን’ዚ ተሓታቲ ኢዩ።   ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደፍ. ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብጃምላ ዝምጸም ግፍዕታት ደው ክብል ስለ ዘይኰነ፡ ነዚ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ደለይቲ ፍትሒ ብቐጥታ ደው ንምባሉ ዓቕሚ’ኳ እንተዘይሃሎዎም፡ ብኡንብኡ ናብ መላእ ዓለም ብምቅላሕን ብምውዕዋዕን ኣብ ልዕሊ ስርዓቱ ልዑል ዓለማዊ ተጽዕኖን ኰነኔን ተነጽሎን  ብምፍጣር፡ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ንምግትኡ ኣቕሊልካ ዘይግመት እጃም ከበርክቱ ዓቢ ሓላፍነትን ዘይነዓቕ ሓይልን ኣሎዎም። በዚ መሰረት’ዚ፡     ደልይቲ ፍትሕን ተቓወምቲ ውድባትን እምበኣርከስ፡  ነቲ ወግሐ-ጸብሐ ብክፍሊ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደፍ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብንጽል ኰነ  ብጃምላ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ንምግታእ፡ ብውሕዱ ነዞም ዝስዕቡ ስጒምታት ክወስዱ ይግባእ፦

ንዝዀነ ዝተፈጸመ ግፍዒ ግዜ ከይወሰድካ ብምጽራይ፡ ብመን፡ ንመን፡ መዓስ፡ ከምኡ’ውን ኣበይ ከም ዝተፈጸመ ብእንብኡ ብዝርዝርን ብደቂቕን ምስና“ድ፣

ጭቡጥ ሓበሬታን መርትዖን መረዳእታን መሰኻኽርን ብምእካብ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንናይ ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራት — ንኣብነት፥ ” ንኣምነስቲ ኢንተርናሸናል” ወይ “ንህዩማን ራይትስ ዎች” — ብኣግኡ ምሕባር፣

ንናይ ሬድዮን ተለቪዥንን ማዕከናት ዜና  ብኣድማዕነት ተጠቒምካ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንህዝቢ ብውዑዩ ምፍላጥ፣

ብናይ ኢንተርነት ወብሳይትን ናይ ዮትዩብ ክሊፓትን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ  መርበባትን  ኣቢልካ  ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ምዝርጋሕ፣

ብጽሑፋትን መጽሄታትን ብሮሹራትን ፓምፕለትን ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ  ኣስፊሕካ ብምግላጽ ምቅላሕ፣

ኣብ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ፓልቶካትን ኮንፈረንሳትን ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ምቅላዕ፣

ንናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ምሉእ ጸብጻብ  ምሃብ፣  ከምኡ’ውን

ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ኤምባስታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብምክያድ፡ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ዘሎካ ተቓውሞ ብግብሪ ምግላጽ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde January 28, 2017

    This is the essence of HGDEF,this is how the party rules the land.It just happen to be they met some rare resistance from the locals there, normally this is how humans react to brutality,unlike the everyday phenomena we witness today back home predominantly- hush or flee.However,I give a lot of credit to these bold villagers for standing up against the repressive,bullying machine,the next time,they should use the rifles that has been issued to them by the regime and defend themselves,if every village and neighborhood can do that,Eritrea will be on its way of liberating herself from the grip of tyranny.I am not downplaying using the technological tools we have from social media to internet etc..to bring global awareness of what is going on back home,but there is no substitute of challenging this two headed monster tit for tat and decapitating his head and hoisting it with your hand like David did,that will have the world’s attention,that will go viral globally,that is the induction of revolution in our homeland.The rest,we being doing it for years with no result and the clown almost half drunk in the interview has been laughing at us sarcastically and saying,’HITO ABZIHKUMULEY’ toying with his timid interviewers.

  • Degoli January 28, 2017

    It is not only Adiwurki, many Eritrean kebesa villages had been destroyed and depopulated in the forty years thru’s Ghedli and Hgdefs’s round ups ግፋ of peasants, national service, villagaization of the Kebesa people. on top of this many Kebsa villages have witnessed the destruction of their villages, such as Adi Gebray, Daero Qawlos, Ade Qeyh and Korbarya including mass arrests.

POST A COMMENT