Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብ ንበል ህዝቢ ኤርትራ!

ዓገብ ንበል ህዝቢ  ኤርትራ! ኣብ ሃገርና ቐሲናን ከቢርናን ክንነብር ረዚን ዋጋ ኢና ኸፈልና:: ድሕሪ ዓወት ኣብ ዓውደ ኲናት  ንናጽነት ሃገር ግን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ  ዘሎ ዓንዳርን ኢሰብኣውን ኣመሓዳድራ ኣደዳ ሞትን፣ ማእሰርትን፣ ምብትታንን፣ ሽቝረራን ኰና

ዓገብ በል ህዝቢ  ኤርትራ!

ኣብ ሃገርና ቐሲናን ከቢርናን ክንነብር ረዚን ዋጋ ኢና ኸፈልና:: ድሕሪ ዓወት ኣብ ዓውደ ኲናት  ንናጽነት ሃገር ግን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ  ዘሎ ዓንዳርን ኢሰብኣውን ኣመሓዳድራ ኣደዳ ሞትን፣ ማእሰርትን፣ ምብትታንን፣ ሽቝረራን ኰና ከምዘሎና ንማንም ስዉር ኣይኮነን:: ንዓሰርተታት ዓመታት ንናጽነቱን፣ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ መሰላቱ ንኸረጋግጽ ኣንጻር ሓያላን መኪቱ ዝተዓወተ ህዝቢ፣ ሎሚ ኣንጻር ትጽቢቱን ቃልሱን ካብ ዘቤታዊ መንግስቱ ነዚ ምርካቡ ኸኣ ንህዝቢ ዓለም እውን እንተኾነ ገሪምዎን ኣዛርብዎን ኣሎ::

ዓቕሎም ዝወድኡ ገለ ዜጋታትናውን እንተኾኑ ካብ ዘሎናዮስ ኢሎም እቲ ቕድሚ 60 ዓመታት ኣቢሉ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ዝተኣመመ እማመ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ዝሓሸ መኾነ ነይሩ ኣብ ምባል በጺሖም ይርከቡ:: ከበሳዊ ክፋል ሃገርና ምስ ኢትዮጵያ መታሕታዊ ክፋላ ድማ ምስ ሱዳን ተመቕሪሑ እንተዝኸውን ሎሚ ብተዛማዲ ካብ ዝሎናዮ ዝሓሸ ህይወት መስተማቐርና ማለቶም እዩ:: ልዕሊ ኩሉ ግን እቶም ንስለህዝቦምን ሃገሮምን በጃ ንዝሓለፉ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣሕዋትና ኣይመሰኣናዮምን ነርና እውን ይብሉ:: ገለ ካልኦት እውን ብኻባ ኣንድነታዊ ወስታ ኢትዮጵያ ውን ኣሳልጦ ረኺቡ ይብሉ:: እዚኦም እውን እንተኾነ እታ ሃገረ ኤርትራ እትበሃል ድኣ ኣብ ካርታን መዝገብን ዓለም ኣይመተርኽበትን እምበር፣ ንዓናስ እንተግደደ እንተገደደ ኢትዮጵያዊ ህይወትን ኢትዮጵያዊ መሰላትን ክነስተማቕር መኻኣልና ማለቶም እዩ::

መደብ እንግሊዛውያን ኮነ ባህጊ ኢትዮጵያውያን መንግስታት ብመትከል ዝተቓወምናዮን ንምምካኑ ዋጋ ከፊልና ዝተዓወትናሉን እንክንሱ፣ ዋላ ኣብ ኣእምሮ ገለ ውልቐሰባት እውን እንተኾነ ባህጊ ካብ ኮነ ዘገርም ዘይኮነስ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ ኢልካ ዝግለጽ እዩ::  ብኻልእ ኣዘራርባ ውን ንህዝቢ ኤርትራ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘቤታዊ ስርዓት ብ10ተ ኢድ ይበልጽዎ ማለት እዩ::

እቲ ሓቂ ኸኣ ንሱ እዩ::. ሎሚ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ናይ ኤርትራ ዝሓሸ ኩነታት ሃልይወን ኣማዕቆብትና ንሳተን ካብ ኮና ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕልምታት ሓዲኡ ትግባረ እንተዝረክብ ነይሩ ዝብል ሕልምን ባህግን ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ቦታ ንኽረክብ ናይ ግድን እዩ:: ወዮ ድኣ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለምን ኣብ መዝገብ ዓለምን ኣይመተረኸበትን እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ካብዚ ዘለዎውን ኣይመሓሰሞን፣ ክንድዚ ድማ ኣይመኸሰረን::

እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን መግለጺ ባህጊ መግዛእታዊ ምሕደራ ዘይኮነስ፣ ካብ ዓቕሊ ጽበትን ካብ ቐቢጸ ተስፋን ዝነቐለ ምዃኑ ርዱእ እዩ:: እንተኾነ ገለ ከፋላትና ኣብ ሰሃራ ሲናይ ብዙሕ ከበድትን ፈታንን ናይ ህይወት ጸገማት ክሕልፉ ጽኒሖም ኣብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ማለት ኣብ ክምሕሮም ዘይክእል ኣፍ ሓርገጽ ኣትዮም እንዳሃለዉ እዚውን ክሓልፍ እዩ ኢሎም ንህዝቤ ኤርትራ ካብ ቐቢጸ ተስፋነት ክርሕቅን ንብሩህ መጻኢኡ ሰሚሩ ክቓለስን ከምዘለዎ ተላቢዮም ሓሊፎም::

ንስለ ፍትሒ ኢልና ዋጋ ዝኸፈልና እንክንስና ፍትሒ ብዘይምርካብና በንጻሩ ኳደኣ ኣደዳ እዚ ኩሉ ወሪድና ዘሎ መዓት ምዃና ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ዘናወጸኳ እንተኾነ፣ ነገሩ ንእመትሲ ስድሪ ኣላታ ስለዝኾነ፣ ነቶም ህይወቶም ንስለ ህዞምን ሃገሮም ወፍዮም ን10ታት ዓመታት ኣብቲ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቃልሲ ብምስታፍ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ፈኲስን ከቢድን ስንክልና ተቀቢሎም ንናጽነት ክርእይዋ ዕድል ዝረኸቡ እንተኾነ ግን ነዚ ድሕሪ ናጽነት ህዚቢ ኤርትራ ረኺብዎ ዘሎ ኣደራዕ ብኣካል ዝዕዘቡ ዘለዎን ሓቢሮም ግዳይ ኰይኖም ንዘለዉን እዩ:: ነቶም ንስለ ህዝቦምን ሃገሮምን ስንክልና ተቀቢሎም እንክንሶም እንደገና ኣብ ሃገረ ስደት ንዝርከቡ ኸኣሞ ዝበኣሰ:: ኣብ  ልዕሊ ስንክልናኦም ምእንቲ ምንታይ ኢና ሰንኪልና ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ ሓንጎሎም ከምዘሳቕዮም ርዱእ እዩ::

ንሕና እቶም ዘይተቃለስናን ኣካላዊ መስዋእቲ ዘይከፈልናን ዜጋታትከ ነዞም ኣካለ ሰንኩላትና ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሊዕሊ ስንክልናኦም ኣብ ስደት ዝርከቡ ዘለዉ ዜጋታትና ኣጆኹም ኣይትጕሃዩ እዚውን ክሓልፍ እዩ፣ ንስኹም ዝግበኣኩም ኣበርኪትኩም ኢኹም፣ ዝተረፈ ድማ ንዓና ይምልከት ንብሎምዶ፧ ንምዃኑ ደሃዮምከ ኣሎና ዶ፧ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ሃልዮም ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ናይ ምንግስቲ ዘለዉ ይዕበ ይንኣስ ገለ ቆላሕታ ህዝብን መንግስትን ከምዘለዎም ኣይጠራጠርን:: እቶም ኣብ ሃገረ ስደት ዘለዉን ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘይኮነስ ኣብ ውድባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንዝሰንከሉ ኣብ መደበር ስንኩላን ከሰላ ስዳን ንዝርከቡ ግን መን ኩን ይኸውን ኣላዪኦም::

ኣብ መደበር ስንኩላን ከሰላ ንስለና ሰንኪሎም ጠዋሪ ዝሰኣኑ ውጹዓት ወገናት ኣለዉና፣ እሞ ሃየ ዓገብ ንበል ዝብል ጻውዕት ኣብ መርበባትና ንነውሕ ግዜን ብተደጋጋሚ ክልጠፍ ጸኒሑ ኣሎን:: እቲ ዝተረኽበ ህዝባዊ መልሲ ግን ኣይከም ዝድለን::  መንቀሊ ናይዚ ጽሑፈይ ዝኾነ ብዕለት 30 ነሓሴ 2013 ዝተኻየደ ኣኼባ ኩነታት ኣካለ ስንኩላን ባጀቶም ዝዛዕባኡ ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ይገልጾ::  ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ስንኩላን ዝኾነ ብጻይ ተስፋይ ተኽለ ካብ ፈረንሳ ንኹነታት ባጀቶም ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ  ባጀት ኣካለስንኩላን ኲናት ኤርትራ ካብ 2008 ኣትሒዙ ክሳብ 2013 በቢ ዓመቱ እንዳ ወሓደ ብምምጻእ ካብ 29000 ዶላር ናብ 20000 ዶላር ኣንቆልቊሉ ከምዘሎን ብምምልካት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ካብዚ ንታሕቲ ውን ከይንኪ ዘለዎ ስኽፍታኡ ገሊጹ:: ንሱ ብተወሳኺ ናይ 2013 ጠቕላላ ዓመታዊ ባጀቶም 20000 ዶላር ኣመሪካ እኳ እንተኾነ ካብኡ ኣስታት 80% ተረኺቡ እቲ ዝተረፈ  ኣስታት 20% ግን ኣብ ትጽቢትን መሰርሕ ምእካብን ከምዝርከብ ሓቢሩ:: ምስዚ ብዝተኣሳሰር ብጻይ ዑስማን ካብ መደበር ኣካለ ስንኩላን ከሰላ ብቀጥታ ንኩነታቶምን ብዝሖምን ብዝምልከት እቶም ክሕገዙ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ናይ ኲናት ኣካለ ስንኩላን ብቁጽሮም 34 እንክኾኑ ብሰንኪ ዕጽረት ባጀት ግን ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ህዝቦም ናይ መቅነን/ራሽን ሓገዝ ዝረኸቡ ዘለዉ 16 ጥራሕ ምዃኖም  ሓቢሩ:: እቶም ዝተረፉ 18 ግን ከም ንቤተ ሰቦምን ንስድራቤታቶምን ዝሰንከሉ ሸኸም ናይ ቤተሰቦም ኰይኖም ኣለዉ ማለት እዩ::

እሞ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቦምን ሃገሮምን ዝሰንከሉ ኤርትራውያን ጀጋኑ ካብ ዝሰንከሉሉ ህዝቢ ድራር ዕለት ዘይምርካቦምን፣ ዓመታዊ መቅነኖም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳ ነከየ ክመጽእ ከሎን፣ ገሊኦም ድማ ከም ንስድራቤታቶምን ቤተሰቦምን ዝሰንከሉ ሽኸም ናይ ስድራቤታቶም ክኾኑ ከለዉ፣ እዚውን ንባዕሉ ፍትሒ ምጉዳል እዩ፣ ካብ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ብዓብዩ ካባና ካብ ህዝቢ ኤርትራ.

መወዳእታ ጽሑፈይ እምበኣር ከምቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ዓገብ ንበል ህዝቢ ኤርትራ ኢለ ክዛዝሞ እፈቱ::

መድሃኔ ሃብተዝጊ

ካብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Deki adi September 23, 2013

    Dear Reader
    The real history of Tigray Tigrigna is clearly indicates ታሪክ ራሱን ይደግማል እንዲሉ ከአፄ ዮውሓንስ ሞት በኋላ ግማሽ አካለችን የሆነው ከምጽዋ እስከ መረብ ያለው አገር ዳግም ላይመለስ ተቆርሶ ሂዷል:: ጣልያኖች እና ምኒሊካውያን ኢትዮጵያን ማሸነፍ የሚቻለው የትግራይን ህዝብ እርስ በራሱ በማጣላት ካለሆነ በጦርንት እንደማይሆንላቸው በማወቃቸው ጥንታዊት ኢትዮጵያን ለሁለት በመገዝገዝ ግማሹን በጣልያን እጅ የተቀረው ደግሞ በሸዋ እጅ እንዲሆን የተሳካ ሴራ ጠንስሰው ኣሳክተዋል:: ከአድዋ ድል በኋልም የድሉ ባለቤቶች የነበሩት ራስ አሉላ አባነጋ: ራስ ሓጐስ ምርጫ (የኢሳያሰ አፈወርቂ ቅድመ ኣያት) እርስበርስ ተባልተው በመሞታቸው እነዲሁም ራስ መንገሻ ዮውሓንስ ወደ ሸዋ ተወስዶ ባልዋለው ውንጀላ በመገደሉ ምክንያት ትግራይ ያለ ተቆረቋሪ ኣባት (በዘይ ኣያ) ቀረታለች:: ይህንንም ተከትሎ በሸዋ ሰዎች አሻሸጭነት ሰራየ እና አካለ ጉዘይ በ 5 ሚሊዮን ሊሬ እንደተቸበቸበ ታሪክ አንብበን እብረዳ:: የሽሬ ኣካል የነበረው የአሁኑ ባርካ: የኣጋመ ኣካል የነበረው ደንከል ከትገራይ ተቆረጠው ወደ ትግራይ የነፍጥ መተላለፍያ ቀዳዳ ለመዝጋት በምስጠራዊ ውል ያለ ትግራይ መሳፍንት እውቅና ለጣልያን እንደተሰጡ እንረዳ:: ወልቃይት: ፀለምቲ: ፀገዴ: ታሕታይ አርማጭሆ: ሰቲተ ሑመራ: ጋሽ ሰቲት: ተሰነይ: ከሰላ ግማሹ ለጣልያን የተቀረው ከተከዜ በስተደቡብ ያለው ምንም ታሪካዊ ትስስረ ወደ ሌለው የቤገምድር ግዛት እንደተጠቃለለ ኣንርሳ:: እንዲሁም ከመስዋእቲ እስከ አለዋህ ያለው የትግራይ መሬት በወሎ ክፍለሃገር ስር እንደተደረገ እናስታውስ:: ውንድማችን የሆነው የዋግ ህዝብ ቋንቋውን እና ብሄራዊ ማንነቱን ትቶ ሳይሆን ኣማራ የሆነበት ሰበብ እናሰተውል:: ልብ እንበል እውነት ለመናገር እኔ ከአሉላ በስተቀር ከላይ የተዘረዘትን የትግራይ መሳፍንት በእኔ እበልጥ ለጠላት ስላጋለጡን ኣልወዳቸውም: ኣለከብራቸወም:: በእርግጠኛነት የምናገርው ግን መንገሻ ዮውሓንስ በህይውት እያለ ወንሞቻቸን የሰራየ እና አካለ ጉዘይ ሰዎች ኣይሸጡም:: ባይሳካ እንኳ ሙሉ በሙሉ በጣልያን እጅ ወድቃ ኣንድነትዋን ጠብቃ ነፃ ትሆን ነበር:: ቀድመው በውጫሌ ውል ኣንቀፅ 3 መሰረት ለጣልያን የተሰጡት ሓማሴኖችም መጨረሻ ይመለሱ ነበር::
    ስለዚህ በኛ መካከል ለሚፈጠር አለመስማማት እዳው አንተም እኔም እንደምንሸከመው አንርሳ:: ስለዚህ ቢቻል የአንድ ሸሕ ዘመን የባርነት ዕዳ ያራገፈልንን ህዝባዊ ተጋድሎ ከንቱ እንዳይቀር ጠንቀቅ መሪዎቻችንን እንምከር:: በመጨረሻ የእስራኤል መሪ ቤነጃሚን ኔትንያሁ ባለፈው ዓመት የዒራን ሐገረ ፋርስ የኒኩሌር ውጥን ኣስመልክቶ በተመድ ጠቅላላ ጉባዔ ያለውን ላስታውሳችሁ “history will not give second chance to the Jew people; this is a chance that we have gotten in 2000 years, therefore we should not let the Iranians possess the devastating weapon” ብተመሳሳሊ ትግራይውን ታረክ ኣብ ሓደ ዘመን (1000 ዓመት) ዝረኸበቶ ዕድል ብከንቱ ከይኣጥፋእና ኣብዙርያ ጥንክርቲን ምዕብልቲን ትግራይ ንሓገረ ኢትዮጵያ ዳግም ንሀድሳ እብል:: ትግራይ ምስትደክም ኢትዮጵያ ሓቢራ ትደኽም: ትግራይ ምስትጥንክር ኢትዮጵያ ብምልእታ ትነቓቓሕ::
    ————————————–ወስብሐት ለእግዚአብሔር

    • ቐኒናስ ዘይንሰምዖ የሎን September 24, 2013

      ዋላ ሓንቲ መረጋገጺ ዘይርከቦ ሓበሬታ ድብልኹም እዚ ወዲ ኸምዝን እዩ.( ላግጺ )

  • eritrean September 27, 2013

    This is not the reality. This is weyane’s dream. Just a dream! You do all the evil, then you blame it on isaias. Liars.

POST A COMMENT