Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕርቂዶ?….. መን ምስ መን?

ዕርቂዶ?

ዕርቂዶ?….. መን ምስ መን?                                01-06-14፡

ሎሚ ቅነ መንግስትና ሓድሽ ቅዋም ክነድፍ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን ሓዲሽ ዲፕሎምሲያዊ ዜና ዕርቂ ድማ ንሰምዕ ኣለና። ከምዝፍለጥ ፊንላ ንድ ንሓቐኛ ብኡሳት ዝኸውን ፈውሲ ከምዘለዋ ይንገረላ ኢዩ። እሞ’ዚ ክታብ’ዝስ ነዚ ንመራሒና ዘሽከርክሮ ዘሎ ናይ ስንብታ ዛርቲ ዶኾን ይ ጠቕሞ ይኸውን? ምስ ኤርትራውያንንሲ ቀቀሊሉ ስልጣን ዓባይ ኢቲዮጲያዶ ተሕቑፎ ትኸውን? ትግበረሉን ትግበረልናን!!

እንተ ኣነ ከምቲ ኩሉግዜ ዝመስለንን ዝዛረበሉን ፖለቲካዊ ስራሓት ዋላ’ዃ በቢብልዕቱ ብዲፕሎማሲ ብጸጥታ…ብቑጠባ…  እናተባህለ ይጉጀል እንተኾነ፡ ዝግበር ርክባት ጭብጥ እንታይነቱ ከይግለጽን ከይርከብን ይኽእል። ዘክርዎ’ንዶ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ውዕሎም እንታይ ነይሩ ይኸው ን? እዚ ሎሚ ንፍደዮ ዘለናስ ሽዑ ዝተኣለመዶ ኣይከውንን ትብሉ? ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ርሱን ቃልሲ ንለውጢ ኣብዘለናሉ’ውን ንሳቶም ድማ ‘ብብልጸቶም’ ነታ ናይ ለውጢ ቴርሞሜተር ጨቢጦም ሙቐታ ክብርኽ እንከሎ ኣብዛሕሊ፡ ኣመና ክትዝሕል እንከላ ኣብ ዋዒ እናደርገ ሙ መስርሓ ተቖጻጺረሞ ስለ ዘለዉ፡ ቅዋም እንተነፊሳ ከምደለይቲ ቅዋም የኹድዱ፡ ጠለብ ህዝባውነት እንተዓሚራ፡ ከምዝያዳ ደለይቲ ህዝባ ዊ መንግስቲ ክሰራሰሩ፡ ብዛዕባ ዕራርቦ ተዛሪቦም ክንሶም ብብርቀት ጸሓይና ከምዝተመያየጡ ይደጉሕልና’ሞ “መጸት ሰላም፡ መጸት፡መጸት” ኢ ልና ተረጋጊእና ኩድም ክንብል ወትሩ ዝሓልምዎ ብሉጽ ናይ ኣገዛዝኣ ስልቲ ኮይኑ ይረባረቡሉ ኣለዉ።

“እቲ ሓቂ ተደፊኑ’ምበር ርክባቶም ድኣ መዓስ ንሰላምን ፍታሕ ዘናድን ነይሩ” ዝብል ትንተና ምስዝስማዕ ልቢ ይድፈን፡ ከምሓድሽ ሸረቕረቕን ምግንፋልን ኣብዝረኣየሉ ድማ ገይሮም ከምዘይገበሩ “ከምኡ ኢያ ዓለም ውሓጥዎ ጥራይ” ዝብሉ ሽዩጣት መዳኽርቲ ፈቐዶ ሰሚናራት ይከዓ ው’ሞ ድሕሪ ውዕል ሕድር ብኡ ኣቢሉ’ቲ ትጽቢት’ውን ይተርፍ ገዛእቲ ድማ ይረግኡ። በቃ ከምኡ ኢዩ ዲፕሎማሲ ገዛእቲ። መራሒ ኤርትራ ድማ ሎሚ’ውን ከምቲ ኣቐዲምና ከም ልኡኻት የመን፡ ሱዳን፡ ቐጠር ወዘተ እናተባህለ ዘረብረበና ርክባት የጋውሕ ንራኢ እነና።

“ብዛዕባ እንታይኮን ይዛረቡ ይህልዉ” ብዝብል ትንተና ነቲ ዝዕበጥ ጭቡጥነት ንእዋኑስ ይጋርዶ ይኸውን። ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ዕርቂ ካብ ተዘ ርበ ዕርቂ ምስመን? ከየዛረበ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ቅድሚ ብዛዕባ ሰላምን ልዝብን ምዝራብሲ “ምስ ኣየናይ መባእስቲ ኢዩ ዕርቂ ተደልዩ?” ምባል ይቐልል እብል ኣነስ። እቲ ብ”ፎርም ጣዕሳ ምልኡ” ዝተበከለ ኣእምሮ ኢሳይያስ ሎሚ ናብልቡ ተመሊሱ ምስ ህዝቡ ንምዕራቚ ዶኾን ይኸው ን? ህዝቢ ምእንቲ ሰላም ኢሉ ነዛ ብሕጂ ትዳሎ ቅዋም ክቕበላ ክጽበ፡ ዶስ ከምዛ ናይ ቃዛፊ ቀጠልያ መጽሓፍ ልምዓትዶ ኣዳልይልና ኮይኑ?….

ኦ ህዝቢ ኤርትራ! ከምዚ ናይ የማነ ህበይ እንተኾይኑ፡/ኦይ! የማነ ማንከይ ማለተይ ኢየ/ ነገር ብዘመን ውበ ዝጸመመ፡ “ወያነ” እንዳበልካ ዕንክ ሊል እንድዩ፡ ብድሕሪ’ቲ ንኤርትራ ከምዘነጸላ እናተጎጠየን ከም ሓቀኛ ጸላኢ ኢቲዮጲያ እናተመሰለን ዝሓለፈ ጠ/ሚኒስተር መለስ ዜናዊ’ውን ክልቲኦም ህሉዋት መራሕቲ ህዝቢ ኢቲዮ-ኤርትራ ተሰማሚዖም ፍታሕ ከምጽኡ ኣይተራእዩን። ፍታሕ ድኣ ኣበይ፡ ገና’ኮ እታ ዓላማ ኣይተበጽ ሐትን’ሞ ደጊመ ቅድሚ “ዕርቂ ምስመን?” ምባል መን ኢዩ ሓቀኛ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምንጻር ይሓይሽ እብል። በዚ ከሀውትተና ዝለ መደና ዕንኪላሎ መደናገሪ ፖለቲካዊ ስራሓት ግዜና ኣይነጥፍእ። ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ዘነዓዕብ ገለውዕይዕይ እንተነፊሱ ንምዕባጡ ዝግበር ወደኽ ደኽ ተቕልብሉ ኢኹም። ብቃልሲ ወዲባካሮ ዝተተስፈወ ኣእምሮ እንታይ ይመስል ነይሩ? ብኡን ክንድኡን ዝተሻቐለት ልቢ መራሕትና ከይቀ  ሰነት ሎሚ ድማ በቲ ሓደ ምጥርናፍ መንእሰያት ይስማዕ ኣሎ፡ በቲ ካልእ እዋኑ ኮይኑ ድምጺ ደወል ቅዋም ይቓጭልን፡ ዝኸፍአ ምስምስጢራ ቱ ዝወጸ ሕዩር ፓይሎት ደጀን ኮነ መሰሉ ካልኦት ኩሉ ቅልውላው ፈጢርሉስ ኣቓልቦና መታን ኣጸቢቑ ክስረቕ ከኣ ጻዕሪ ፊንላንድ ተሓዊስዎ ዜና ከበሮ ዕርቂ ይድሰቕ ይርአ። ንምዃኑ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተቐናበረ ስራሓት መንን ንምንታይን ይገብሮ ኢልኩም ትሓስቡዶ?

ኩሉ ሓራይ’ኮ ኢልና ግን እንታይ ኢና ንጽበ? እታ ሕቶ ኣይተመለሰትን ኣይክትምለስን’ውን ኢያ። ጸላኢኻ እንተዘየለሊኻዮ ዓይነት ቃልሲ ኣይ ምረጽን ጥራይ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ምበር ባእስን ዕርቅን’ውን የለን። ከምዚ ነዞም መዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያት ኣደናጊሮም ቁጠባዊ’ምበር ፖለ ቲካዊ ጸገም ከምዘይብሎም ክምስክሩ መዓዒዶም ኢዶም ዘውህብዎም ዘለዉ መሲልሎም ዝሓልፍ ክመስሎም ክትርኢ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ድኽነት ፖለቲካ ከምዘሳጸዮ ኣብዝተጋህደሉ እዋን ኢሳይያስ ሽማግለ ዕርቂ ካብተቐበለ ብርግጽ ጸላእቲ ኣለውዎ። መን ኢዮም ግን ጸላእቱ? ወያ ነ….ጥሩፋት እስልምና…. ሕሉፋት ሃገራውያን ኤርትራውያን?….መንእሰይ ኤርትራ?….’ታ ሃገር ብሃገራ ምዃናስ መን ይፈልጣ? ንመንከ ትጠፍኦ?

ንነገሩ ኢሳይያስ መን ኢዩ ብቀንዱ? እቲ ኣመሪካን መሰልታን ከምጸላእቲ ኤርትራ ንምምሳል ዝግበር ውዲቱ ገዲፈ ከምብውልቀይ ኢሳይያስ’ኮ ነቶም ናጽነት ዘምጽኡ ህዝብን ተጋደልትን ኣጽኒቱ፡ ሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ብሰበብ ቁጠባዊ ማሕንቖ ርእስና ከምዘይንኽእል ንዝመስል ሰብ-ሰርሖ ብሉይ ታሪኽ ኣሐዲሱ ነታ መግዛእቲ ናብ ዝነበረቶ ክመልስ ዝጋደል ዘሎ ዋና ደመኛ ኤርትራን ህዝባን ኢዩ። እሞ ልኡኽ ፊንላንድ ንኢ ሳይያስ ዝሑል ማይ ኣፍሲሶም ምስዛርቱ ድዮም ክዓርቅዎ ወይስ እዚ ክሽየጥ ክልወጥ ዝውዕልዘሎ ህዝቢ ኢዩ ፎሩም ጣዕሳ ክመልእ ከሰማም ዕዎ? ሎሚ ክቡርን ክቡራትን ዘወርትን መንግስቲ ኤርትራስ ቅዋም ክወልዱልና፡ ሰላም ከምጽኡልና ክደልዩን ከኽእሉን ንጽበ ዲና?

“ከም ኢሳይያስ ናይ ፖለቲካ ደንቖሮ ኣይተፈጥረብ። ብናጽነት ኤርትራ ተመጒሱን ተወዲሱን ከብቕዕ ሕጂ ድማ ሓርበኛታት ኣጽኒቱ ጸባ ኣንድ ነት ክልሑኽ ዝጽበ ካሕዳይ!  ‘ደው በለለይ ክብለጸልካ”………’ካ በለኒ መንፈሰይ ብሕሹኽታ!!!!!!

ክሳዕ መዓስ?

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER June 2, 2014

    “ዋእ፣ዓጋቢ ህግደፍ እምበር__ሻዕብያ ድኣ ጀግናን ሕያዋይን ንህዝቢ ዝቖመን ገድሊ እንድዩ ኔሩ”——————
    ትርጉሙ—(ወይዞም ደንቆሮታት ሃገረሰባት ኤርትራን መታሕትን,ሂወቶም ምስቲ ሂወትን ስቅያትን ናይ ወዲ ኣስመራ ጻዕዳ ክዋዳደር ከሎ ዋጋ ዘለዎ ይመስሎም)!!!

    ምስኪኖት ሓረስቶት ሃገረሰብ ኤርትራን መታሕትን__እዞም ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ኣስመራ ¨ጻዕዳ¨__¨ሻዕብያ ቅኑዕን ጅግናን ሓላይን¨ ከም ዝነበረ ክገልጽዎ ክትሰምዑ ከለኹም፣ከምዚ ኣነ ልበይ ዕግርግር ዘብለኒ ንዓኹም እውን ብዕጽፍጻፉ ከም ዘቃጽለኩም ኣይስሕቶን።ሂወትኩም ካብቲ ናቶም ናይ ከተማ ሂወት ከም ዝትሕትን ዋጋ ከም ዘይብላን እዩ ዘመልክት።ኮነ ኢሎም እኳ እንተዘይበልዎ፣ በቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኣትሒቶም ዝርእዩኹምን ንሂወትኩም እውን ፣ክንዲ ናይ ቁንጪ ከም ዘይዓጅቦም እዩ ዘመልክት።
    ኣንታ ባርካ ትርከብ ህዝበይ፣ኣብ ናይ ባህሊ ደርፍታት ጥራይ ሓንቲ ደርፊ ጥብ እንተበሉ፣ዝሓክለዩልካ ዝመስሎም ኣይትግራዎት ኣይ ኣዕራብ ፣መንነቶም ዘይፈልጡ ፣__ንስኻ ሰብኣይ ሰብኡት ስለ ዝኾንካ፣ሻዕብያ ኣብ ሓደ ከባቢኻ መጺኦም፣ደቀንስትዮ ዘሪፎም ፣በቲ ንስኻ ትጽየፎ ኣልኮላዊ መስተ ኣዳናጊሮም ሰውራውያን ኣመንዝራታት ክገብርወን ደልዮም ከነጋድለን ኢና ምስ በሉኻ__ኣበደን ኢልካ ምስ ተላዓልካ ምሉእ ቁሸትካ ሙዳዳ ሻዕብያ ዝረሸኑኻ__ነዞም ደቂ ኣስመራ ¨ጻዕዳ¨ ኣይበጽሖምን__ስለዚ ሻዕብያ ንዓታቶም ሕሱም ኣይኮነን።
    ኣንታ ሃገረሰብ ኤርትራ ትርከብ ህዝበይ__ኣብ ዘይብልካ ምግብኻ ወዲኦምሲ፣ እቲ ደርጊ ህዝበይ ኢሉ ዝለገሰልካ ስርናይ እውን ፣ካብ ኣፍ ደቃውትኻ መንጢሎም፡ ምግቢ ኣልቦ ኣትሪፎምኻ ክበቕዑ__ነቲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዘይመልኤ ጥጡዕ ውላድካ በጺሑ እዩ፡ከነቃልሶ ኢና ኢሎም ናብ ሞቱ ዝሰድዎ፣ነታ ካብ ንእዲ ሕጽኖታ ኣውሪዶም፣መጻወቲ ድሙ ድሙ ዝገበርዋ ጓልካ ፣ድሓር ካብ ሾውዓተ ቀቢላ ሾሞንተ ቆለውዕ ሒዛ ኣስመራ ምስ ኣተወት ፣ከም ናይ ትማሊ ፒሳ ዝድርብይዋ__እቶም ደቂ ኣስመራ እዚ ኩሉ ግፍዒ ብሻዕብያ ዝበጽሔ ንዓኻን ነቶም ¨ጸፋራት ኣንሶላ ዝቐዱን¨ቤተሰብካን ስለ ዝበጽሖም፣ደቂ ኣስመራ ¨ጻዕዳ¨__ሻዕብያ ንህዝቢ ከም ዝቖመ ክገልጽዎ ክት ሰምዕ ከለኻ ካብቲ ናይ ኡጋንዳ ዝብርትዕ ሕማም ዓሶ ከም ዘምጽኣልካ ክግምት ጥራይ እየ ዝኽእል።
    ርኤኻ ህጉሬ__ወዲ ኣፎም ናብ ኢሳያስ ምስ ተቐየረ__ማለት ኣስመራ ምስ ኣተወ ፣ሻዕብያ ናብ ህግደፍ ዝብል ሽም ምስ ተቐየረ__ንደቂ ኣስመራ ንባድመ ሰዲዱ ነዋልድ ኣስመራ ኣብ ሳዋን ድፋዕን ክዕምጸንን ከዔምጸንን ምስ ጀመረ፤ደቂ ከተማ ብሰንኩ ባሕርታት ክጥሕሉ ምስ ጀመሩ፣ብሙዳዳ ንበደዊን ተሸይጦም ኣዋልድ ኣጥባተን ክሓራ፣ ኣወዳት ተጎምቢሖም ክዕመጹ ምስ ጀመሩ__ሽዑ እዩ ሕማቕን ጨቋኒን ዝኾነ እምበር__ንስኻ ድኣ ህጉሬ__ትግርኛኻ ከም ናይ ደቂ ኣስመራ ሕብራዊ ኣይኮነ ስፓጌቲ እንተር ኣኻ ፣ሓሰኻ ይመስለካ__ንፒሳ፣ኦቲ ኩማደረን ኣጅቦን ዘለዎ ጎጎ__ኢልካ ስለ ትገልጾስ ከምቲ ቀደም ተጋሩ ድኻታት ከለዋ ዘይፈተናየን ንዓኻ እውን__ማለትሲ፣ካልሲ ኣይትገብር__ሙታንታ ኣይትፈልጥ_ግን ኣብ ጭርሖታትናን ደርፍታትናን ኣለኻ ።ግን ኣይትረስዕ እቲ ንዓኻ ፣ንጸፋር ሃገረሰብ ደፋእ ኣድግን__ ነቶም ጎረባብትኻ ፣ሰሓብቲ ገመልን ዘሕረረ ሻዕብያ ናትና ናይ ደቂ ከተማ እዩ ፣ሕማቕ ህግደፍ እዩ።ብጀካ ናይ ሽም ናይ ካልእ ፍልልይ እኳ ዘይብሎም፣ ከመይ ኢሉ እዩ ነቲ ንዓይ ዝገፍዔን ሕያዋይ ዝግለጽ_ነቲ ን ኣኻትኩም ዝገፍዔን ከም ሕሱም ኣይትበል__ዘይነቕሔ ህጉር__ካን ደቂ ኣስመራ ትፈልጥ ጌርካ ከተቕርባ ደሊኻ ንነብስኻ ያቢላሂ__ማ ዶና__ባባ ፋሽሽቲ razza speciale/SPECIAL BREED ዝበለ እኮ ንዓና ንደቂ ኣስመራ ጻዕዳ እዩ። brutto razze ምስ በለና ,ማቫይ ኬ ተስታ ዲ ጋሊና ሃገረሰብ!!!

    UNCLE SYE
    TRUTH SURGEN /NO ANASTHESIA

  • hayelom June 3, 2014

    Wey halewlew Sarah misian kitiem

  • abeba June 3, 2014

    wey halewlewwwwwwwwwwwwwwww beynu zigoyi qedami neyeblu hawtutu belu

  • ttuto June 4, 2014

    THE NOBELTEACHER, emo ezi wedi asmera do wedi hagereseb do harestay do metaht do tblo zeleka felalay sltka zdenager yelen mknyatu hzbi eritrea kulu bmaere u tekaliasun hageru zhans zelon sala shaebya zamn ka shaebet wsuetu renayo ena ezi tblo zeleka halewlew baka zdenager yelen kulu maere eu go to hell your Tigray adka tetekemelu bota yeblun ab eritrea inforerity problem aloka ab adka gbero

  • Asghedom Woldeghiorghis June 4, 2014

    Anta ttuto entay eka tebel zeloka, E nusu ziblo sle zeirdaka eyu.
    Kirdaka ecco kab shamunay kifli nilaeli kitmahar aloka.
    ttuto temherti yedili ezi hawei

  • solomon June 4, 2014

    @ the Nobel & @ asgodom weledukum eyom bedilemukum & nay assenna/emma/ melekiti eyu eti tihizitokum halewlew tiray

  • Tesfu Kbrom June 5, 2014

    EZI NOBLE TEACHER ABHAL SEB SRAH YEBLUN DYU? MAI CHELOT ZWESDO ZEMED DO TESAINU DEQEY. QUM NEGER ZEYXHIF IYU GN HATEW TEW TRAY ZXHIF. MESKINAY! ADEKA AYTR’E IYU ZBHAL!!

POST A COMMENT