Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕብዳንን ሓቅን ገጽንገጽ ክፋጠጣ

ዕብዳንን ሓቅን ገጽንገጽ ክፋጠጣ   ህግደፍ ነታ ትልኽ ትብል ዘላ ሕይወቱ ትንፋስ ንምስኳዕ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ፡ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሽም ሰማእታትን ብሽም ምድምሳስ ናደውን ውቃውን እትን እናበለ ፌስታቫል ኣዳልዩ፡ደረፍትን ሳዕሳዕትን ብምውዳብ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ብዙሕ ፈቲኑ’ዩ። ኣብ ወጻኢ  መሳርሒ ብዝኾኑ

ዕብዳንን ሓቅን ገጽንገጽ ክፋጠጣ

 

ህግደፍ ነታ ትልኽ ትብል ዘላ ሕይወቱ ትንፋስ ንምስኳዕ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ፡ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሽም ሰማእታትን ብሽም ምድምሳስ ናደውን ውቃውን እትን እናበለ ፌስታቫል ኣዳልዩ፡ደረፍትን ሳዕሳዕትን ብምውዳብ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ብዙሕ ፈቲኑ’ዩ።

ኣብ ወጻኢ  መሳርሒ ብዝኾኑ ሰባት ተማእኪሎም ኣብ ስዊድን።ኣብ ስዊስ ፡ሳዕሳዒትን ዳንኬራን፡መዓልቲ ናጽነት፡ሓዲሽ ዓመት ብምባል ከኣ ነቶም ባሕርን ምድረበዳን ኣቋሪጾም ዚመጹ ንምኽሳብ ዘይገበሮ ፈተነን ዘየዳለዎ ዳንኬራ የለን።ዳንኬራን ሳዕሳዒትን ንሓድነት ህዝቢ  ዘይኮነ፡በዚ ተሳሒቡ ዚተኣከበ መንእሰይ ገይርካ ንምንቅስቃሶም ንምብታን’ዩ።

ገና ነቲ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ኣትዩ ዝፍሕቖ ዘሎ ስዕረት ስለዝይተራእዮ ህግደፍ፡ኣነሆ ሎሚ ብሽም  40 ዓመት ፌስትቫል ኤርትራ ቦሎኛ ብምባል ምድላዋት ገይሩ፡ሰባት ኣብ ቦሎኛ ኣኪቦም፡ናቶም ፕሮፖጋንዳ ክነፍሑን፡ኣሎና ንምባል ዘሎ ዝኾነ ምውዳብ ኣካይዶም ካብ ኣዋርህ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን እዝኒ ሰብ ኣጽሚሞም።መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝበሃል ከኣ እታ ዕለት ንባዕላ ክትብል ደበኽ ኢላ፡ዕብዳንን ሓቅን ገጽንገጽ ኣፋጢጣተን።

ኣብ ውሽጢ ሓጹር ተሓጺሩ ብስለያን ብጸጥታን ረቂቅ ቁጽጽር ዚተገብረሉ ምልክነትን ፍርህን እንታይ ምኳኑ ዘይፈልጥ ኅልና ዘይብሎም፡  ናይ ሃገርን ህዝብን ይኹን ፖለቲካ ግድስ ዘይብሎም ወይ ዘይብለን ምስ ሰባት ክራከብሉ ዝኽእሉ ፍሉይ ዕድል ገይሮም ዚመጹ፡ገለ ከኣ ኣብ ከምዚ ዚመሰለ ጉዳይ ወዛሕዛሕ ምቁናን ዘፍትወለን ዘፍትወሎም ኢዮም።ከምቲ ሓንቲ ሓውቲ፡( ምእንቲ ተቖኒና ተኾሓሒልና፡ዘሎና ዝኾነ ስልማትና ኣውጺኢእና ክንረኣየላ ብባህጊ ኢና ንጽበያ ንመዓልቲ ናጽነት  ) ዚበለቶ፡ናይ ዝኾነ ይኹን ኣምር ዘይብለን ንክረኣያ ዚመጻ፡ንክመ ርጻ ይኹን ክምረጻ ዚመጹ ወይ ዚመጻ ካልእ ብንኺድ ንኺድ ዚተኣከበ ምስቲ ታሪኽ ቦሎኛ ዚተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ ዘይብሎም ቃልሲ ወይ ኣመራርሓ ህግደፍን ጭቆናን ስእነት ፍትሒ እንታይ  ምዃኑ ዘይፈልጡ ኩነታት ኤርትራ ብገንዘቦም’ምበር ፍጹም ኢዶም ዘይሓወሱ ተበለ ጽቲ’ዮም።

እቲ ምእንቲ ፍትሒ፡ምእንቲ ሓቂ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ተቃዋሚ ግን ንምውዳቡ ባጀት ዚሰላዓሉ ኣካል ዘይብሉ፡ሕሰምን ጸገም፡ኩናትን ስእነት ፍትሒ እንታይ ምኳኑ ብኢዱ ዝተንክፈ ሃዲሽ ወለዶ:ገሊኦምስ ኣብ ናጽነት ዚተወልዱ ደቂ 18፡19፡20 ዓመት መናእሰያት ኢዮም።ከምቲ ድሌት ህግደፋውያንን ኣሳሰይቲ፡ረበሽቲ ፈጠርቲ ሽግር’ውን ኣይኮኑን።ወዛሕዛሕ ዘይብሎም ዚተቖነናን ዚተከሓሓላ ሃረምቲ ኮቦሮ ዘይብሉ’ዩ።

ኣብ ቦሎኛ ሃደ ህዝቢ ክልተ ኣረኣእያ፡ንህግደፍን ምልክነት ዚድግፍን ናይ ኣረገውትን ናይ ተበለጽትን።በቲ ሓደ መዳይ ነዚ ዚቃወምን ናይ ንእሽቶ ሓይሊ’ዩ።እዚኦም ዚተሓወሱዎ፡ሓዲሽ ወለዶ ዚተዋሳኣሉ ጉዳይ ከኣ ኩሉ ግዜ ዕዉት፡ቀልጢፉ’ዩ ሽቶኡ ዝወቕዕ እቲ ዕላማ።ኣዚ ስለዝፈለጠ’ዩ ከኣ ስሮኣት ህግደፍ ካብ ጽባሕ ምፍርራም ውዕሊ ኣልጀርስ ጀሚሩ መናእሰያት ካብ ሃገር ዚርሕቅሉ ብውሽጢ ውሽጢ ጥበብ ኣብ ምንዳይ ዚኣተወ።ከምቲ ድሌቱ ከኣ ሰላም ኣይህቡንን ዚበሎም ኣጥፊኡ፡ነቶም ምእዙዛት ዚበሎም ንምሓዝ ዚተለሞ ዒላማኡ።ግን ከምቲ ዚደለዮ ኣይከደን፡ኩሎም ብሓደ ወጺኦም እነሆ ሎሚ ኤርትራ ዓዲ ኣረገውቲ ጥራሕ ኮይና ተሪፋ።

ስለዚ ህግደፍ ንረብሃ ፖለቲካኡ ክብል ኣዛዊሮም ዘይሃስቡ ሰባት ኣኪቡ ዘዳለዎ ጉዳይ ከምቲ ዚደልዮ ኣይከደን።ከምቲ ትምኒቱ ከይከይድ ዚገበሮ ብዙሕ ረቛሒታት፡ኣብ ግዜ ቃልሲ ዚካየድ ዚነበረ ፌስትቫል ናይ ኣሸሃት ኤርትራውያ ምሁራትን ኪኢላታት ኣእምሮ፡ናይ ብዙሓት ጉልበትን ምትሕግጋዝን ዚነበሮ’ዩ።ብዘይካኡ እቲ ናይ ሽዑ ኣተሃሳስባ ሃገራዊ ስሚዒት ዝሓዘ’ዩ።እቲ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ፌስትቫል ግን ረብ ሃታት ኣምር ዚገበረ፡ናይ ውሑዳት ሰብ ጠቕሚ ጉልበት’ምበር ኣእምሮ ኪኢላታት ዘይነበሮ ናይ ገይርና መበሊ’ ዩ።እዚ ስለዝኾነ፡እንታይ ከ ጋጥመና ይኽእል፡ህዝቢ ኤርትራ ኣበይናይ ኩነታት ኣሎ፡ተቃውሞ ከጋጥመና’ዶ ይኽእል ዘይብሉ፡ገሊኦም እዙዛትን፡ተበለጽትን ጥራሕ ተኣካ ኺቦም፡ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዓለም ዘስምዕ ብርቱዕ መራሒ ጸግዒ ኣሎና ብምባል ተዓሚትዮም ኣትዮሞ።ጉዳዮም ከኣ ረኣዩልና ስምዑልና፡ኤርትራ ትምዕብል ኣላ፡ኣብዚ ዲጋ ኣብቲ ዕዳጋ፡ኣብቲ ጽርጊያ፡ኣብቲ ተመሃሮ ተመሪቖም ……ወዘተ ዓጀውጀው…..።

እምበኣር ቦሎኛ ዘመስከረቶ እንተሎ፡ጽባሕ ጽባሕ ኣብ ገማግም ሜድተራንያን ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ዓለም ዘይፈልጦ ሕቡእ ጉዳይ ገይሮም ሓሲቦሞ፡ንሕሶቶም ዝፈልጥ ዘየሎ፡ዘስተውዕለሎም ዘየሎ፡ንሳቶም ጥራሕ ኪኢላታትን በላሕትን ብምህሳብ ፌስትቫል ቦሎኛ  ከደናግረልና ትኽእል ብምባል ተሃንዲዱ ይኹን ተወዳዲቡ ዚመጹ ልኡኽ ርእሱ ኣድኒኑ፡ብፍላይ ንመናኣሰያት ዘይጠርነፈ ኣረገውትን መበለታትን ጥራህ ዚኣከበ ናይ ብሪቕሪቕን ገየጽየጽን ሳዕሳዒትን ኮይኑ ፡እቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ተቃውሞ ግን ርጉጽን ርኡይ ቃላት ዘድምጽ ናይ ንእሽቶ ሓይሊ ነቲ ናይ ኣዋርሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ጸለል ኢሉዎ ረኺቦም።

ስለዚ ቦሎኛ ንዕብዳንን ሓቅን ገጽንገጽ ኣፋጢጣተን ሕቂ ከኣ ጸለል ኢላ ተራእያ፡ቦሎኛ ታሪኽ ተቃውሞ ዝተሰረተላ ምኳና ኣመስኪራ።ተሃንዲዶም ዚመጹ ልኡኻትን ወደብትን ትን ከኣ ብዘይ ምስምስ ኩነታቶም ኣበይ ከምዘሎ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ፈንፊኑዎም ከምዘሎ ምስክር ኣብ ኢዶም ኣረኪባ ብዓይኖም ክዕዘቡ ገራቶም።

ክብረት ይህበኩም ብዘይ እዚን ከምዝን ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣካኺብኩም ነዚ ታሪኻዊ ሓቂ ግሁድ ዚገበርኩም መናእሰያት ኤርትራ።ብዘይ ብኣኹም ኤርትራ ክትህሉ ከምዘይትኽእል፡ኣብቲ ዚድለ ሽቶ ክብጻሕ ከምዘይከኣል ኩሉ ዚፈልጦ’ዩ።ሓይልኹም፡ክትሰርሕዎ ትኽእሉ ብዙሕ ቕያን ታሪኽን ከምዘሎ ስለዝፈለጠ’ዩ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ብንጉሁኡ ንምጥፋእኩም ዝሰርሐ።

 

ተወልደመድህን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT