Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድል ኣይንሃቦም!

ካብታ ማሙቕ ቤትና በረኻ ወጺእና ህይወትና ወፊና ናጽነት ኣምጺእና ክንዲ ዝሓልፈልና ድኽነት ቀቢርና ብኩፖን ክንምጽወት ሪጋ ተሰሪዕና ፍረ ጻማናድዩ ዓስቢ ሓርነትና!? ምኩሓት ገጢምና ምስ ምዕቡል ኣጽዋሮም ሓደ ድሕሪ ሓደ ኣምኪንና ወራሮም በብዝመጹዎ ጸፊዕና ክንስዕሮም ሞይቶም እናበሉና ተንሲእና ክንቀብሮም መስዋእቲ ከፊልና ስልጣን ከነሕኹሮም *ፈንኪና ረሲዖም’ዞም ጠለምቲ

ካብታ ማሙቕ ቤትና በረኻ ወጺእና
ህይወትና ወፊና ናጽነት ኣምጺእና
ክንዲ ዝሓልፈልና ድኽነት ቀቢርና
ብኩፖን ክንምጽወት ሪጋ ተሰሪዕና
ፍረ ጻማናድዩ ዓስቢ ሓርነትና!?
ምኩሓት ገጢምና ምስ ምዕቡል ኣጽዋሮም
ሓደ ድሕሪ ሓደ ኣምኪንና ወራሮም
በብዝመጹዎ ጸፊዕና ክንስዕሮም
ሞይቶም እናበሉና ተንሲእና ክንቀብሮም
መስዋእቲ ከፊልና ስልጣን ከነሕኹሮም
*ፈንኪና ረሲዖም’ዞም ጠለምቲ ሕድሮም!?       *ኢድ ምምላስ፡ ጽቡቕ ምፍዳይ፡ ንዝገበልካ ምግባር
ክቡርን ሕፉርን ኤርትራዊ ዜጋ
ልቡ ምስ ኩሊቱ ኪትመን ብዋጋ
ከም ጤለ-በጊዕ ኪሽየጥ ወሪዱ ዕዳጋ
ብሰንኪ መላኺ ወዲቑ ኣብ ሓደጋ!
ኣብዚ ምዕቡል እዋን 21 ክፍለ-ዘመን
ወዲ ሰብ ኪሽየጥ ብገንዘብ ኪትመን
ተኣምር ኮይኑና ፈጺሙ ዘይእመን
ኣደታት ኤርትራ ሓዚነን ቆዚመን
ብግፍዕታት ህግደፍ ማድየን ጸሊመን!
ኣብ እዋን መኸተ መሬት ጽልምት ክብሎም
ወትሩ ይማጻደቑ ስም ስውእ ኣልዒሎም
ስልጣኖም ከውሕሱ ብኣና ኣሽካዕሊሎም
ዕድል ኣይንሃቦም ዝሓለፈ ይኣኽሎም!
ኣብ ዝባንና ዘሎ ብረት ምስ ዝናርና
ንሱ’ዩ መድሃኒት ፈታሒ ሽግርና
እዚ ለዋህ ህዝቢ ክጥዕሞ ድሕሬና
ሽዳ ምስ ጋምባለ ወድዩ እግርና
ሸፋቱ ቀጺዕና ክንመልስ ክብርና
ኣብ ኢድና’ዩ ዘሎ በትሪ ሓርነትና!
በጃኦም ክንሓልፍ ጸላኢ ከይጥሕሮም
ሹማምንቲ ህግደፍ ረሲዖም ተኾይኖም
ደቂ ህዝቢ ምዃንና መታን ክስቆሮም
በቲ ዝርደኦም ብታንኪ ክንነግሮም
ከም ናይ ወዲ ዓሊ ዳግም ነባህርሮም!
ሓሪስና ከይንበልዕ *ሽዕበት ዚሃበና       *ማይ ዚጸገበ ረጒድ መሬት ሕርሻ
ወፊርና ከይንኣቱ *መጒረብ ዝኾኑና     *ኣብ ማሕረስ ዚዕንቅፍ ሱር ወይ እምኒ
ምህርትና መንዚዖም ጾምና ዘሕድሩና
ኣብ ሰላምን ራህዋን ክንነብር ቀሲንና
መስተርሆ ክንረክብ መታን ክርህወና
*ንፋኖታት ህግደፍ ንቕበሮም ሓቢርና!   *ሸፋቱ፡ ቀይዲ በተኻት፡ ከም ድላዩ ዚኸይድ
ህዝቢ ብጥልመቶም ልቡ ብሕሩሩ
መላኽን ሰዓብቱን ኣብ ሕልሚ ክነብሩ
ብናዶው ብፈንቅል ወትሩ ክዝምሩ
ንህልው ቀቢሮም ሕፍ እናፈሓሩ
ክሳዕ መዓስ ህግደፍ ህዝቢ ከሸግሩ
ሓግሒግና ንጽረጎም ሓንሳብ ንሓዋሩ!

ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 26-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • belay nega March 27, 2013

    MESINAS

    “ዕድል ኣይንሃቦም!”

    WRONG CABINET PICTURE BECAUSE :

    AHMED HAJI ALI [THE SHORT SIGHTED] AND

    ALI ABDU [THE DOG]

    THEY ALREADY USED THEIR CHANCE NO MATTER WHICH DIRECTION

    WITH ALL RESPECT BROTHER MESINAS

  • wedi aman March 27, 2013

    yehwat dekna ab asmera zelkum wea ab kulu sfra eritra hagerna etrkebu zelekum nay dekukum (hiwets) wes (timhirti) zbl or (life or school) e u slezkone dekukum timihrti zkedulu ewan aykonen emo a dgi zkonolu ewan eu emo haderakum kblekum zdely dekukum timhrti aytlaku adgi mukan yehaysh kab muhuran mukanab ab eritra nay timhirt ewan aykonen nay sawa mengedi e u (4.4) four point four zey bulu ab sawa eu zterf eti menesey wey temaharay malet. slzy ezi kulu temaharay ab a eu zterf wetahader eu zkewn ezi ka kab 1991 ametemhret ztezarebulu eyom( sbhat afremn—-and—aseyas afewerki ztezarebu eu 1991–ni menesey kab wedi 20 amet ksab wedi 50 amet zkewn t hizom zbl neru zerebom slezi ewan timhirty aykonen ab eritra hagerna ewan dunkuruna eu……. ewan dukurna eu……hiwetkum …adhnu

POST A COMMENT