Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ማንቸስተርን ሊድስን

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ማንቸስተር  ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ማንቸስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 19 የካቲት 2017 ካብ ሰዓት 02:00 ድ.ቀ ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ፥

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ማንቸስተር

 ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ማንቸስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 19 የካቲት 2017 ካብ ሰዓት 02:00 ድ.ቀ ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ፥ ዕላማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍርትሒ እንታይ ከምዝኾነ ክንገልጽ ኢና፡፡ እዚ ኮሚቴና ብከመይ ምስተን ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝተመዘዙ ኮሚቴታት ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክሰርሕ እዩ፣ እንታይ ዓይነት ሥራሓትከ ክዓምም እዩ፡ ዝብሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ክንዘራረበሎም ኢና።  እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ንኩላትና ዝምልከት ስለዝኾነ፥ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንዕድም ኣሎና።

ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዙ ኢዩ ዝስጉም ዘሎ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ዓድሙልና።

 

ቦታ፦ The Eritrean Community Association in Greater Manchester

46-50 Oldham road Green Fish Resource Centre

Manchester

M4 1EL

 

ዕለት፥ 19 የካቲት 2017 ..

ሰዓት፥ 2 . . ይጅምር።  ግዜኻ ምኽባር ጭውነት እዩ!

 

 

ብደሓን ምጹ!

አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ –  ማንቸስተር

 

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሊድስ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን እትነብሩ ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 19 የካቲት 2017 ካብ ሰዓት 05:00 ድ.ቀ ስጋብ 07:00 ድ.ቀ  ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ፥ ዕላማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍርትሒ ክንዝቲ ኢና። ስለዚ እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ንኩላትና ዝምልከት ስለዝኾነ፥  ኣብዚ ኣኼባ መጺእኩም ርእይቶታትኩምን ሓሳባትኩምን  ብምክፋል ቅዱስ ኣበርክቶ ክትገብሩ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ዓድሙልና።

ግዜኻ ምኽባር ጭውነት እዩ!

ኣዳራሽ፦      One Community Centre,

Cromwell Street Lincoln Green,

Leeds

LS9 7SG

 

ዕለት፥ 19 የካቲት 2017 ዓ.ም.

ሰዓት፥ ካብ 17:00 ክሳብ 19:00  

ብደሓን ምጹ!

አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ –  ሊድስ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mussie February 12, 2017

    Good luck and best wishes for all deki Erey attending the public meeting of Manchester & Leeds in UK.
    Unity is strength and with unity and strength complete victory is possible and imminent real soon.

POST A COMMENT