Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዕለት: 02/03/2018 ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 11 መጋቢት 2018 ካብ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝገበርናዮ ሥራሓትን፡ ንዝመጽእ

ዕለት: 02/03/2018

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 11 መጋቢት 2018 ካብ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝገበርናዮ ሥራሓትን፡ ንዝመጽእ ሒዝናዮም ዘለና መደባትን፡ ከምኡ`ውን ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ፖሊቲካ ሃገናን ክንድህስስ ኢና። ብተወሳኺ ድማ ሥነፍልጠታዊ ኣስተምህሮታት ዝህቡና ክልተ ምሁራን ሰባት፥ ኣቶ ዩሱፍ መሓመድ ብርሃንን  ኣቶ ተስፋይ ገብረሚካኤልን  ክህልዉና እዮም። ኣብዚ ናይ ሓድነት ኣኼባ፥ ብዙሓት ኤርትራውያን፥ ካብ ኩሉ መዳያት ሕብረተሰብና፥ ንኽትሳተፉ ብትሕትና ንዕድም።

ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ እዚ ሎሚ አብ ሃገርና ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ አደራዕ፥ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ፥ ኣብ ዘሎ ይሃሉ ብሓቂ መሪሩዎ ኢዩ ዘሎ። ሕዝብና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጠፍእ ኣሎ። ሃገርና ሕዝቢ ዘይብላ መሬት ትኸውን አላ። እዚ ዘለናዮ ኩነታት ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፥ ኣብ ምንታይ ከምዝድምደም ብሩህ እዩ። ኣጸቢቕና እንተ ሓሲብናዮ ድማ፥ ኣብ ሕልናና ናይ ኣፈርክቡ ደወል ይቓጭል ኣሎ።

ነዚ ኣንጠጥዩና ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ሓደጋ፥ ክንብድሃሉ እንኽእል: ዘየወላውል መገዲ ሓቢርካ ምዝታይን ንናይ ሓባር ሽግር ናይ ሓባር ፍታሕ ምምጻእ ጥራሕ እዩ። ኩላትና ኤርትራውያን፥ ብዘይ ወዓል ሕደር፥ ተኣኪብና፥ እሂን ምሂን ምባል የድልየና ኣሎ። እዚ ንምስላጥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ቀጻሊ ሕዝባዊ ኣኼባታት እንዳ እካየድና ኣብ ሞንጎና ምትእምማንን ምርድዳእን ክፍጠር ንሠርሕ ኣሎና።

አሎና። ኩልኻትኩም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንእትፈልጡዎም ሰባት ክትዕድሙን; ክትሳተፉን፡ እጃምኩም ከበርክቱን፥ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ንዕድም። እዚ ጉዳይ ናይ ኩላትና ስለ ዝኾነ፡ ዓዳማይን ተዓዳማይን የብልናን። እዚ አኼባዚ ዕላምኡ ንኽወቅዕ ንእትገብሩዎ አበርክቶ ኣቐዲምና ነመስግነኩም።

ኣሕዋትኩም

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ዕለት፥ 11 መጋቢት 2018: ሰዓት 1:00 ድ. ቀ. ይጀሚር

ኣድራሻ፥ Initiatives of Change, 24 Greencoat Place, London, SW1P 1RD

ዝቐረበ ባቡር ጣብያ፥ ቪክቶሪያ (Nearest tube station: Victoria Station)

http://www.greencoatplace.org/

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Luwam T/lidet March 4, 2018

    Please also have Eritrean women speakers in your London seminar or meeting to attract women participants.

  • Haddnet March 5, 2018

    Dear Lucan,
    Any one who have good thing to share to our society is welcome. We would be very happy if a women come forward or you recommend for us to approach. Thank you for highlighting it.

    • Luwam T/lidet March 5, 2018

      Please get my name right, it is Luwam not Lucan, I don’t think we have Lucans in Eritrea.
      I recommend Tiblets Beyin (former wife of Gaim) and Tirhas Hagos Tela (gaul Hagos).
      Where is the brilliant sister Selam Kidane, as she lives in London you could contact her yourselves and sister Elsa Chirom may be too busy but you could still invite her as a speaker.

  • Kerri March 10, 2018

    Thank you so much! those aare amazing tips!

Post a Reply to Kerri Cancel Reply