Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሎናዮ ኩነታት ጸላእቲ ዝፈጠሩልና ድዩ ናትና ጸገም፡

ደቂ ሰባት ከም መጠን ብዝሖምን ብቕዓቶምን ነገራት ብዝተፈላለየ ኩርናዕን በብዓይነቱ ግራዲ ዘለዎ መነጸር ጠሚቶም፡ነናቶም ግምትን ሚዛንን'ዮም ዝህብሉ። ዘሎናዮ ኩነታት ከኣ ቅድም ፖለቲካ ህግደፍ ዞኣብለሎ'ዩ።ቀጺሉ ከኣ ምስ ህግደፍ ዘሎና ርሕቀትን ቅርበትን መሰረት ገይርና ግምትን ሚዛንን ንህበሉ።ገለ ኩነታት

ደቂ ሰባት ከም መጠን ብዝሖምን ብቕዓቶምን ነገራት ብዝተፈላለየ ኩርናዕን በብዓይነቱ ግራዲ ዘለዎ መነጸር ጠሚቶም፡ነናቶም ግምትን ሚዛንንዮም ዝህብሉ።

ዘሎናዮ ኩነታት ከኣ ቅድም ፖለቲካ ህግደፍ ዞኣብለሎዩ።ቀጺሉ ከኣ ምስ ህግደፍ ዘሎና ርሕቀትን ቅርበትን መሰረት ገይርና ግምትን ሚዛንን ንህበሉ።ገለ ኩነታት ሃገርና፡ጸላእትና ማለት ኤሜሪካ፡ወያነ ካል እን ዝፈጠሩዎ ኢልና ነማርር።

ገሌና ከኣ ኩነታት ሃገርና ናይ ባዕልና ግስርጥናዩ ንብል።ኣነውን ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዳም ዘይመጸ ልክዕ ጸገምና፡ጸገም ቀናፍዝዩ ዘመሳስል ይብል።

ታሪኽ ቀናፍዝ፡

ሓደ ለይቲ መግቦም ክምእርሩ ዝኸዱ ቀናፍዝ፡ከይተረደኦም ናብ ዘይፈልጡዎ ቦታ የምርሑሞ፡ኣብ ቲ ከባቢ ከለው ወጊሑ ኣብኡ ውዒሎም ይሓድሩ።ዝሑል ቦታ ስለዝነበረ፡ነቲ ቁሪ ምጽዋር ሲኢኖም ምስተጣርዑ፡ምእንቲ ትንፋስ ንትንፋስ ተወሃሂቦም ክማሙቑ እክብ ይብሉ፡።ኣጋጣሚ ግን እቲ ምቅርራብ ስለዘይተኻእለ ይረሓሓቑ።ቁሪ ስለዝበርተዖም ከኣ ክቀራረቡ ይፍትኑ።ሕጂውን ኣይኮነሎምን።እቲ ጸገም ስለዘይተረደኦም ከኣ እንታይ ኮይና ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ክጠማመቱ፡ግደ ቁርን ኣስሓይታን ይኾኑ።

ናብራ እንስሳ ኮይኑ፡እቲ ኣብ ዝባኖም ተሰኪሞሞ ዘለው ካብ ጸላኢኦም ክከላኸሉ ፈጣሪ ዘዕጠቖ ም መስተር ነንሕድሕዶም ስለዝወጋግኦም ምቅርራብ ስለዝኸልኦምዩ።

ብመንጽዚ ጽዋዚ፡ንሕና ኤርትራውያን፡ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳይ ክንዝቲ፡ዘጋጠሙ ጸገማት ክንፈትሕ እክብ ንብልሞ ፋሕ ንብል።ካብ ግዜ ፈደረሽን ክሳብ ልሞ ጸገማት ንምፍታሕ ክንደይ ኣኼባ ዋዕላ፡ምንቅስቃስ፡ብረታዊ ቃልሲ ተጀሚሩ።ድሕሪ ናጽነት ከኣ ናብ ሰላም ዝወስድ ዋዕላ ቅዋምን ካልእን ተገይሩ።ድሕሪኡ ኣብ ዘሎናዮ ኩነታት ከኣ፡ዋዕላታትን ምንቅስቃስን፡ምውዳብን ምክርኻርን ተጀሚሩ።ኩሉ ካልእ ፋሕን ዘይምስምማዕን ፈጢሩምበር፡ናብ ሓደ ውሱን ኣገባብ ኣይማዕበለን።ስለዘይማዕበለ ከኣ ጸገም ይፍጠሩሞ ንዝነበረ ኩነታት መመሊሶም ኣኸሲዖሞ።ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ብገበናት ቀምበው ኢሉ፡ንምውዳቑ ቅሩብ ኣብዘድልየሉ እዋን፡ተቃወምቲ፡ሲቪክ ማሕበራት፡ዜጋታት ብውልቂ ነንሕድሕዶም ክወቃቀሱን ምትእምማን ዘይምፍጣሮም፡ተሓቓ ቒፎም ጸገሞም ክፈትሑ ዘይምኽኣሎምዩ።

ስለዚ፡ንሕና ሽግርና ከይንፈትሕ እንታይዩ ጸጊሙና ?

ጸገምና፡ከምቶም ቀናፍዝ ኣብ ዝባኖም ዘሎ ዝጸገሞም፡ንሕና ከኣ ኣብ ርእስና ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ንነዊሕ ኣብ ኣኣምሮና ዝቐረጽናዮም ምእንቲ ጸላኢ ክንስዕር ኢልና ዘተኣታተናዮም ኣገባብ ኣወዳድባ፡ሽዑ ዚተጠ ቀምናሎም መልእኽቲ ዝሓዙ ናይ ብደዐን ናይ ጃህራንቃላትን ዚዓጠቕናዮ መሳርሕንዮም ጸገምና ከይን ፈትሕ ኣሸጊሮምና ዘለው።ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝወረስናዮም ኣብ ነጻነት በጺሕና፡ብምዕቡል ኣረኣእያ ተኪኣና ክነልግሶም ኣይከኣልናን፡ካብ ባህርና ካብ ኣተዓባብያና ዚወርስናዮም ኣብዚ ሕማቕ እዋን ፍጹም ክነልግሶ ም ወይ መተካእታ ክንረኽበሎም ኣይከኣልናን።እቶም ነድምጾም ቃላት ከኣ ንባህርና፡ንግብርና ስለዝጸልዩ ብኡ መሰረት ከኣ ዕድልን ኣዚ ኮይኑ ተሪፉ።

ንሕና ደቂ ሰባትምበር እንስሳ ኣይኮናን።እቲ ኣብ ኅልናና ዘሎ ዘይጽልጸል ኣይኮነን።ምስ ኩነታትን ሓቅን ዝመሓየሽ ዝምዕብልዩ።ከም ኩሎም ደቂ ሰባት ከኣ ጸገምና መርሚርና ናይ ምምሕያሽን ኣተሓሳ ስባና ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣሎና።እዚ ኩሉ ግን ብፍላይ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ፍጹም ኣይተጠቀምናሉን። ስለዘይተጠቀምናሉ ከኣ፡ዚመጹ ጸገም ኣብ ውሽጥና ወይ ኣብ ርእስና ከይህሉ ምምርማር ወይ ጸላእቲ ርእስና ዝኾኑ ሓሳብ ነፍሪ ምህላውና ኣብ ክንዲ ነቭስና ምግምጋም ኩሉ ግዜ ናይ ግዳም ጸላእቲ ይኹኑ ናይ ውሽጢ ኣናዲና፡ጸላእትና እከለን ኣከለንዮም ክንብል ኮለል ንብል ወይ ኢሕ ንብል።እዚ ባህሊዚ ዝወረሰ ዳሕራዋይ ወለዶ ከኣ፡ውሽጡ ገዲፉ ግዳም ጥራሕ ኪጥምት ካብ ድኽነት፡ካብ ድንቁርናን ጽልእን ሓራ ኮይኑ ክምዕብል ኣይክእልን።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ኩሉ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ኩሉ ካብ ሕመቕ ኣተሓሳስባና ዝፈረዩ ባዕልና ዝፈጸምናዮዮም።ዝኾነ ጸገም ካብ ግዳም ኣይመጽእን፡እንተመጸ ከኣ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ህዝቢ እንተ ኾይኑ ብፍጹም ነቲ ናይ ግዳም፡ነቓዕ ክህቦ ኣይክእልን።ሎሚ፡ኣብ ስደትን ከርተትን ምውዳቕና፡ናይ ኤሜሪ ካ ወይ ወያነ ኣይኮነን፡እንተ ብንጽል ወይ ብጥርኑፍ ኣብ ተግባር ዘውዓልናዮም ሓደገኛ ታት ሓሳብን ምኽርን ቅድም ንርእስና ቀጺሎም ከኣ ከባብና ኣብ ረጽሚ ዘእት ው ብምኳኖምዮም።ሓደ ሰብ ብሰላም ናይ ምንባር መደብ ዘለዎ እንተኾይኑ ናይ ሰላም መንገዲ፡ሓንቲ ሰላምን ቅንዕና መንገዲ ምስዓብያ።ነዚኣ ዘይስዕብ ካልእ ኣንጻር መንገዲ ዝሓዘ እንተኾይኑ ነታ ነቭሱ ጸላ ኢ ይዕድመላ ኣሎ ማለትዩ።ብሃገር ደረጃውን ከም ኡ ንከባቢኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ሰላም ከባቢ ዝሕሉ ነታ ንርእሱ ሰላም ይረክብ፡እዚ ምሕላውዚ ፈሪሁ ብስኽፍታ ዘይኮነ ምእንቲ ሰላም ሸለል ክብሎም ዝግበኦምን ክገብሮም ዘለዎም ሕድገታት ኣለው።ሓደ ሰብ ወይ ናይ ሓንቲ ሃገር መራሕቲ ዚያዳ ካልእ መናውራቶም እንተብዚሖም ብኩሉ ጸላኢ ተቃዋሚ ክፈጥሩ ግድንዩ።

ስለዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም፡ናይ ግዳም ኣይኮነን ናይ ውሽጢዩ።ኩናት ባድመ ክጅመር፡ህግ ንምብ ታን ዝፈታተን ዘሎ ተቃውሞ ውሽጢ ንምግታእ ዚተወስደ ዒላማዩ።እቲ ዝተወስደ ኣተሓሳስባ፡ስልጣን ን ምሕላው ዝተገብረ ሜላዩ።እምበኣር ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጽልግልግ ዝብል ዘሎ ኩነታት ኣውዲቑ ዎ ዘሎ፡ናይ ግዳም ጸላእቲ ኣይኮኑን፡እቲ ሜላ፡እቲ ዝተወስደ ኣተሓሳስባን ምኽርንዩ።እቲ ሜላ‘ ቲ እንተዘይ ወስዱ ህግደፋውያን፡ነቲ ሽዑ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ ዲሞክራስን ትግባረ ቅዋምን ብግቡእ መሊሶም እንተዝ ኾኑ ጸገም ኣይምተወልደን።

ስለዚ ጸገምና ከይንፈትሕ ዘጸገመና ይኹን ኩሉ ግዜ ኣደዳ ጸገም ክንከውን ዝገብረና ዘሎ ከምተን ቀናፍዝ ተሓቛቒፈን ጸገመን ከይፈትሓ ዘሸገረን ተሸኪመነኦ ዘሎ መስተር፡ኣብ ውሽጥና ዘሎ፡ቅድሚ ሕጂ ዚተጠቀምናሎምን ናብ ጸ ገማት ዚመርሑ ኣተሓሳስባን ባህርንዩ።ኣብ ገሊኡስ እቶም ቀደም ናብ ጸገም ዚመርሑና ሰባትውን እቲ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ሒዞም ብኣካል ይዋስኡ ስለዘለውዩ።ነዚ ግደ ጸገም ዚገ ብረና ዘሎ ኣተሓሳስባ ሎሚ ፈሊጥና ክንፍውሶ እንተዘይኪኢልና፡ንገብሮን ንሓስቦን፡ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጸገም ፍታሕ ዝህብ ምስ ግዜ ዝማዕበለ ናትና ሓሳብ ምዃን ተሪፉ፡ናይ ቀደም ኣዘራርባ እንተተጠቂምና ወይ ናይቶም ዚተፈላለዩ ዘይረኣዩ ሚስጢራት ዝሓዙ ግኑናት ሰባት ኣረኣእያን ኣዘራርባን እንተስዒብና፡እቲ ምስሕሓብን ፋሕ ምባልን ባህሪ ኮይኑ ንዳሕረዎት ወለዶ ክጸንሖምዩ።ልምዲ ኮይኑ ስለዝጸንሖም ከኣ፡ንሳቶም ብከምኡ፡ብባእሲ ብምትህልላኽ ክቅጽልዎዮም።

ቀናፍዝ ብተፈጥሮ ዚተዓደሉዎ ስለዝኾኑ ካልእ ክገብሩዎ ዝኽእል የለን።

ንሕና ግን ጸገም ናይ ምልላይን፡ጸገም ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ ኣሎና።እቲ ጸገምና ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ዝከል ኣና ዘሎ ኣተሓሳስባ ከኣ ዝንጸግ ዝመሓየሽምበር ልጉብ ያዕ ክበሃል ዘይከኣል ኣይኮነን።ከምቲ ኣቦታትና ንዝተበላሸወ ጉዳይ ዓዶም ተሰማሚዖም ነቲ ጠንቒ ኣለልዮም ባዕላቶም ዝሕክምዎ፡ንሕና ከኣ ጸገም ኣለሊና፡ጸገም ናይ ምፍታሕ ዓቕምና ክብ ክነብሎ እንተኾይና ጸላኢ ኣብ ግዳም ምንዳይ ገዲፍና ኣብ ውሽጥና ክንደልዮ ይግባእ።ኣብ ግዜ ቃልሲ እቲ ዝዓበየ ጸላኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ብምሕሳብ ንቕድ ሚት ጥራሕ ይርእዩ ኔሮም ኤርትራውያን።እቲ ኣብ ውሽጦም ሰፊሩ ዝነበረ ዘይምትእምማን ምጥርጣር፡ኣንጻር ፍትሒ ዚነበረ ኣገባብ ኣይረኣዩዎን።ምኽንያቱ ኣዒይንቶም ናብቲ ናይ ግዳም ጸላኢ ጥራሕ ይጥ ምታ ኔረን።ሽዑን ሎምን ግን ዚተፈላለየ ኢዩ።ሎሚ ብናተይ ኣረኣኣያ፡ጸላኢና ፍጹም ምስና ክዕረቕ ዘይክ እል፡ድሕረት፡ድንቁርና፡ድኽነት፡ስስዕቲ፡ንፍግን በለጽንዩ።እዚኦምዮም ጸገምና ከይንፈትሕ ዘሸገሩ፡እቲ ካልእ ጽገምን ጸላእን ንብሎ ዘሎና ግዚያዊዩ።እቲ ንቀጻሊ ጸገም ዝኾነ ግን፡ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣተሓሳስባን ባህ ርንዩ።ኣዚ ቀልጢፍካ ምትዕርራይን ፈውሲ ምድላይ ዘድልዮ፡ጽባሕ የርክበሉ ዘይበሃል ስለዝኾነ ነቶም ጸገ ም ዝኾኑ ጉዳያት ምንጽር የድሊ።ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሰኩዎም ጸገም ኅብረተ ሰብ ሓሊፉ፡ከም ህ ዝቢ መጠን ካልእ ጸላእቲ ዘይብልና ኢና።ናይ ግዳምን ጸላእቲ ከኣ ባህርናን ኣተሓሳስባናን ዝፈረዮም ኢ ዮም።ስለዚ ናይ ግዳም ጸላእቲ ምልላይ ንጸገምና ኣይፈትሖን።ናይ ውሽጥና ጸገም ዚኾኑ ምሳና ብቀሊል ክዕረቑ ዘይክእሉ ናይ መዋእል ጸላእቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ንድሕሪ ሕጂውን ንመዋእል ክጸንሑ ዝኽእሉ ኣብ ሓንጎልና ዘለው ኣተሓሳስባ እንተፈዊስና ዚመጹ ወለዶ ቅሳነት ይረኽቡ።ስለዚ ጸገምና ልክዕ ከምቶም ጸገም ቀናፍዝ ስለዝኾነ ካልእ ጸገም ዝፈጥር ግዳምዊ ጸላኢ ዘይምንዳይ።

ተወልደመድኅን…. 19/03/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • sebhat March 23, 2014

    what a funny poem but substantial.you made me and my wife laugh all day long.the contents of your truthful poem virtually is dwelling upon peace loving eritreans at last long.the “HILALA YEDUG”dichotomically hate you for you showed them the mirror of their true mental identity.because they don’t know their elellll… is acrually ha..ha……

POST A COMMENT