Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሕዝን ግፍዓዊ ፍጻሜ ኣብ ዓሻ ጎልጎል – ቅትለት መንእሰይ ማትያስ ስዩም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ብወልዱ ገብረክርስቶስ (ባርያ) ዝተፈጸመ ግፍዒ ህዝቢ ኣቖጢዑን ኣሕዚኑን ይርከብ። ኣባል ቤት ዕዮ ናይ ዓሻ ጎልጎል ምሉእ ስሙ - ማትያስ ስዩም ዕድመ - 34 ደረጃ ትምህርቲ - 12 ሞያ ስራሕ - ቶርኒቶረ ትውልዲ ዓዲ - ማይ ኣሓ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ብወልዱ ገብረክርስቶስ (ባርያ) ዝተፈጸመ ግፍዒ ህዝቢ ኣቖጢዑን ኣሕዚኑን ይርከብ።

ኣባል ቤት ዕዮ ናይ ዓሻ ጎልጎል

ምሉእ ስሙ – ማትያስ ስዩም

ዕድመ – 34

ደረጃ ትምህርቲ – 12

ሞያ ስራሕ – ቶርኒቶረ

ትውልዲ ዓዲ – ማይ ኣሓ ( ወረዳ መረታ ሰበነ)

መንበሪ ቦታ – ማይጭሆት (ኣስመራ)

ስራሕ ኣቦ  – ወናኒ ጽዕነት መኪና ዝኾነ መንእሰይ፡

ባትሪ ናይ ዓባይ መኪና ተሰሪቑ ካብ ዓሻ ጎልጎል ወጺኡ ብዝብል ምስምስ፡ “ብዝቐልጠፈ ኣምጺእኩም ኣብ ሓጺር እዋን መርሚርኩም ከምዝእመን ግበሩዎ” ብዝብል ትእዛዝ ናይ ወልዱ ባርያ ኣብ ውሑድ ሰዓታት ተደልዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብ ዓሻ ጎልጎል ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ምስ ኣተወ፡ “ዝገበርኩም ጌርኩም ኣለፋልፉዎ” ንዝብል ናይ ወልዱ ባርያ ትእዛዝ ተኸቲሎም ኣብ ውሽጢ ዓሻ ጎልጎል ኣብ ዝርከብ ናይ ወልዱ ባርያ  ቤትማእሰርቲ ኮንቴነራት መርመራ ከካይዱሉ ከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ብምኽንያት ከቢድ መግረፍቲ ብኡንብኡ ዓሪፉ።

ንሱ፡ መርመርቲ ወልዱ ባርያ ኣገባብ ብዘይብሉ ማህረምቲ ኣብ ርእሱ ብበትሪ ደጋጊሞም ብምቕጥቃጥ፡ ኣፍ ልቡ ብምዕባስ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኩሊቱ ብኸቢድ ስለዝሃረሙዎ ተዓቢሱ ወዲቑ ‘ዩ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓሪፉ።

ኣባል ቤትዕዮ ዓሻ ጎልጎል ዝኾነ ማቲያስ ብጠባዩን ስርሑን ኣዝዩ ምስጉንን ፍቱውን ስለዝነበረ፡ ኩነታቱ ኣብቶም ሽሕን ሓሙሽተ ሚእተን ኣባላት ሰራሕተኛታት ዓሻ ጎልጎል ሽዑ ንሽዑ ተወርዩ ዓቢ ቁጥዐን ሓዘንን ኣለዓዒሉ። በዚ ዝረዓደን ዓቕሉ ዘጻበበን ወልዱ ባርያ  ናብ ፖሊስ ብምኻድ፡ ነቲ ነገር ካብ ኢዱ ንምውጻእ ነቲ ጉዳይ ክርከቡዎ ምስ ሓተተ፡ “ ኣብ ቤትማእሰርትና መዓስ ዓሪፉ፡ እዚ ናትካ ጉዳይ እዩ፡ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን” ኢሎም መሊሶሞ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብምኻድ ንኢሳይያስ ምስ ሓበረ፡ ኮለኔል ተስፋልደት (ሓላፊ ኣሃዱታት ሓለዋ ፕረዚደንት) ከምኡ ‘ውን የማነ ገብረመስቀል (ሓላፊ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት) ነቲ ጉዳይ ክከታተሉዎ ኢሳይያስ መምርሒ ሃበ።

ስድራቤት መንእሰይ ማትያስ ሞት ወዶም ተነጊሩዎም። እንተኾነ፡ ሬሳ ወዶም ክምርመረሎም፡ ምኽንያት ሞቱ ክፈልጡ ከምዝደልዩ ሓቢሮም። እዚ መበሊኦም ድማ፡ ኣባላት ዓሻ ጎልጎል ወዶም ብ ኣገባብ ዘይብሉ መርመራ ከምዝተቐትለ ብስዉር ስለዝሓበሩዎም እዩ። ስድራቤት፡ “ወድና ብዘይወዓሎ ገበን ንምንታይ ተቐቲሉ”፡ ኢሎም ብትሪ ስለዝተኻትዑ፡ ወልዱ ባርያ ብኽቱር ፍርሒ ንየማነ ገብረመስቀልን ኮለኔል ተስፋልደትን ንኸገላግሉዎ ለሚኑ። ንስድራቤት መዋቲ ከይርእዮም ድማ ተሓቢኡ። ሽምግልና ተጀሚሩ የማነን ኮለኔል ተስፋልደትን ናብ ስድራቤት ምስ ቀረቡ፡ ስድራቤት መዋትን ኮለኔል ተስፋልደትን ቤተሰብ ኮይኖም ጸኒሖም። ከምዝብሃል፡ መዋትን ተስፋልደትን ደቂ ሓደ ከባቢ ምዃኖም ዝፈለጠ ኢሳይያስ ነቲ ኩነታት ንምዝሕሓል ኮነ ኢሉ ተጣቢቡ ዝሃቦ መምርሒ እዩ።  ስድራቤት ማትያስ ግን፡ “ ንሕና ምስ ቀተልቲ ወድናን ኣዛዚኦምን እምበር ምሳኹም ዘዛርብ የብልናን” ኢሎም ብትሪ ኳ እንተተኻትዑ፡ ቁጥዐ ብዝበዝሖ ትእዛዝ “ርክባትኩም ኩሉ ምስ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት እምበር ምስ ወልዱ ባርያ፡ ዘዛርብ የብልኩምን” ተባሂሎም ምፍርራሕ በጺሑዎም። ክልተ ሰለስተ ጊዘ ድማ ተስፋልደት ንወልዱ ሒዙ ክበጽሕ ኣብ ዳስ ሓዘን ተራእዩ።

ወልዱ ባርያ ካብዛ ዕለት ‘ዚኣ ኣትሒዙ ብፍርሒ ተዋሒጡ ብዙሕ ኣይረአን ዘሎ። ብልምዲ ንጉሆ ንጉሆ ካብቲ ብሓይሉ ሰይሩ ዝኣተዎ ዓቢ ቪላ ናይ ኣቶ ታረቀ ( ወናኒ እንዳ ወርቂ ዝነበረ) ድሕሪ ኣልቤርጎ ኢታልያ (ጣባ) ዝርከብ፡ ምስ ምሉእ ኣቑሑኡ ዝወረሶ ገዛ፡ ንዓሻ ጎልጎል ብናይ ኮርሶ ብሽግለታ፡ ናይ ኮርሳቶረ ልብሲ ወድዩ ምስ ሓደ ቀዲ ሸቃ ዝተባህለ ሓላዊኡ እዩ ዝወፍር ነይሩ። ካብዛ ፍጻሜ እዚኣ ንደሓር ግን ሓደ ሓደ “ወዲ ሰብ ቀቲልካ ኣይትደቅስ” ዝብል ናይ ተለፎን ምፍርራሕ ስለዝበጽሖ ኣሽንባድይ ዶ ብብሽግለታ፡ ምንቅስቓሳቱ ብመኪና ‘ውን ኣይረአን ዘሎ። ብዓል ኮለኔል ተስፋልደት ነብሱ ክሕሉን ክጥንቀቕን ከምዘለዎ ሓቢሮሞ ኣለዉ ‘ውን ይብሃል። ስድራቤት ማትያስን ኣባላት ዓሻ ጎልጎልን በዚ ጉዳይ ከምዘይደቀሱን ይሕንሕኑ ከምዘለዉን ሓበሬታ ‘ሎ።

ንኣመጻጽኣን መንነትን ወልዱ ባርያ ኣብ ቀጻሊ ብሰፊሑ ክንገልጾ ኢና።

ጉዱሳት ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Harnetna 2013 April 23, 2013

    Even it takes time, killers will get their hand back.
    Its writen by Jesus Christ. The blood will not leave them free. Its written !!

  • Haile Michael April 23, 2013

    ሰብ ዘይብሎምን ብዘይ ሰማዒን ብኢድ ክንደይ ሓልፍቲ ዝተቐትሉን ማእለያ የብሎምን። ክትሃድም ፈቲንካ፡ ብተደጋጋሚ ብምኹብላል( ናብ ዓዱ)፡ ብዝብልን ንሰራዊት መፈራርሕን መምሃርን ኽኾኑ ተባሂሎም ብእልፊ ደናቁር ሓለፍቲ ዝተረሸኑን ብዙሓት ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ 2000 ዓ ም እዚ ዘይበሃል መንእሰይ ቀቲሎም። እዚ ወልዱ ባርያ ዝበሃል ኣራዊት ድማ ብዙሕ ዘይተገልጸ ግፍዕታት ፈጺሙ እዩ። ክነግረኩም፡ ንዑኡ ዝፈቱ ሓላፊ’ውን የልቦን። ፍጥረት ሰብ የብሉን። ኣዝዩ ርጉምን ዝያዳ ስልጣንን ገንዘብ ንኽረክብ ክብል ንኽንደይ ሰብ ዝበደለ ዕሉል ጨካን ፍጥረት እዩ።ብጀካ ገለ ገለ ምስኡ ምትእስ ሳር ዘለዎም ንሳቶም’ውን ፈሪሖም’ምበር፡ ፈታዊ ዝበሃል የብሉን። እመኑኒ ብወገነይ ካብቲ ጽሉል መራሒ ኣትሒዝካ ክሳብ ወልዱ ባርያ ቀሲኖም ዝድቅሱ ወይ ድማ ሰላም ዘለዎ ድቃስ ዝድቅሱ ኮይኑ ኣይስመዓንን እዩ። ብዘይ መስተ( ኣልኮሆል) ክድቅሱ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ኩሉ ግፍዒ እንዳገበሩ ከመይ ግይሮም?

  • Ghenet April 23, 2013

    Haile,
    I do agree with you but I would like to add something that we all deliberately or unknowingly forget to mention. This is the unnamed murderers who committed the murder first hand. we always focus on people who give orders. But come to justice, there are first degree murders. You see, I am trying to stress how deep the social, political, and emotional corruption (we can also call it it bankruptcy)goes. This shows us how much work to do we have post DIA and PFDJ in order to restore our values.
    Just saying!

    • A.A Yassin April 25, 2013

      Values? Are you kidding? Which values? The values of awassa? antum tegombaHti keytwaredu afkum aytegfHu!!

      • Ghenet April 25, 2013

        AA yassinnnnn!
        Wow, so angry? There is no value to be sold in Awassa. But there are or were eritrean values for which eritreans were known around the world! values like compassion, respect for human life,earning (not stealing), all family values etc. If you don’t know are people around you.
        Maybe you are a PFDJ breed and you still do not know what value means yet! Your words say it all!

  • kifle April 23, 2013

    Well!!!… well!!!… well…..!.what can I say???. beyond blief!!!.Where are we heading?.

  • ahmed saleh April 24, 2013

    What we need inside the country is like GEDLI time ( FIDAEEN ) to assassinate them one by one .

  • ahmed saleh April 24, 2013

    What they need inside the country is like GEDLI time ( FIDAEEN ) to assassinate them one by one instead
    surrender in to their mercy .

    • A.A Yassin April 25, 2013

      Ahmed,

      nJohar Tsarnaevn Tamerlan Hawun zweredom ayre’aKayon diKa? sraH nay terrorist ms tgebr bezi lomi meHb’i ‘wn ayrkebn ‘yu:: ab ASMARA ‘mo ke’a gdefo ..sebat ‘kb ilom kemza anchiwa rgS rgS ‘yom zebluKa::

  • Shiam April 24, 2013

    The name of the victim is Tadios Sium

  • Kilite mot. April 24, 2013

    All the personals who bit him to death and weldu baria are red handed on these case.And family of Matias shouldn,t let these go as ease.Justice should prevail by hook or crook.

  • abraham April 25, 2013

    Seb atfieka dea nabey gunbuh gunbuh sidra mewti tiray zeykonu kulu hine kifedi kea gibueu eyiu.

  • ksanet msmen April 25, 2013

    lets go to bring justice and freedom.

POST A COMMENT