Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ- 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

  ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ 2ይንናይ መወዳእታን ክፋል ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም   ኣብቲ ናይ ትማሊ ጽሑፈይ፣ ጽማቝ ሕግታት ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራትን ()፣ ኣብቲ ኣኼባ ብመልክዕ ጭርሖ ዝቐረበ’ሞ፣ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፊልም () ዝተቐርጸ፣ ጥርዓናትን ኣቕሪብ ነይረ።

 

ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን

ኣብ ኢትዮጵያ

2ይንናይ መወዳእታን ክፋል

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

 

ኣብቲ ናይ ትማሊ ጽሑፈይ፣ ጽማቝ ሕግታት ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራትን ()፣ ኣብቲ ኣኼባ ብመልክዕ ጭርሖ ዝቐረበ’ሞ፣ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፊልም () ዝተቐርጸ፣ ጥርዓናትን ኣቕሪብ ነይረ። እቲ ትሕዝቶ ሓደን ተኣሳሲሩ ክኸይድ ዘለዎን ስለ ዝኾነን፣ ኣንባባይ ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ክህልዎን ድማ ኢየ ኣከታቲለ ዘቕርቦ ዘለኹ።

ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሪሽን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ብተለፎን ዝገበርዎ ብማስ-ሚድያ ዝተዘርግሐ ቃለ-መጠይቕ ጽማቑ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦

 

“ኣብዚ መደበር ካብ 6 – 12 ዓመት ዝተቐመጡ ስደተኛታት ኣለዉ። ሓደ ሰብ ጉዳዩ (process) ምስ ጀመረ ን4 – 5 ዓመት ይጽበ። መሪሩና፣ ግዜ ነዊሑና። ንደገ ናይ ምኻድ ዕድል ረኺቦም፣ ኩሉ ነገር ፈጺሞም (process ወዲኦም) እናተጸበዩ ከለዉ፣ ‘ጉዳይኩም ተዓጽዩ ኢዩ’ ተባሂሎም፣ ተስፋ ቆሪጾምን ኣንጸርጺሮምን ‘ሃጽ’ ኢሎም ንሊብያን ባሕሪ መዲተራንያንን ከይዶም ኣብቲ ባሕሪ ዝጠፍኡ ኣለዉ። ተስፋ ቆሪጾም ንሱዳን ገጾም እናኸዱ፣ ኣብ ከባቢ ተከዘን ሑመራን ከባቢ 20 ዝኾኑ ሰባት ብውሕጅ ተወሲዶም። ጉዳይና ኩሉ ሓደ ክንሱ፣ ቅቡልን ዘይቅቡልን ተባሂሉ ይፈላለ። ሕቶና ናብ ካልእ ሃገር ክንከይድ፣ ወይ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፋሕ ኢልና ክንጣየስ (integrate ክንከውን) ኢዩ።”

“ሰብ ዘጎዓዕዙ ደላሎ ኢትዮጵያውያን ባዕሎም ኢዮም፣ ዝተሓባበርዎም ኤርትራውያን’ውን ኣለዉዎም።”

 

“እቶም ወታደራት ብዘይ መጠንቀቕታ ኢዮም ተኹሲ ከፊቶም። ማልሻ፣ ፖሊስን ፈደራል ዝበሃሉ ወታደራትን ኣኽቢቦሙና ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ተሃሪሞሙና፣ ዝሞቱ’ውን ኣለዉ። ሓደ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ። እቲ ዝሞተ ወዲ 14/15 ዓመት ናይ ማ/ደረጃ ተማሃራይ ኢዩ። ሽጉጥን ብረትን ክምንጥል ዝኽእል ኣይኮነን። ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ’ውን ዓንዲ-ሕቖኡ ተሃሪሙ ኣሎ። ኣብ ዓዲ ሓርሽ 3 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብጥይት ተሃሪሞም። ብጥይት ዝተሃርሙ ግቡእ ሕክምና ኣይተገብረሎምን።”

 

“ኣብ ሽግር ኣለና። ዓለም ይስምዓና። ሰልፊ ኣለዓዒልኩም ዝተባህሉ ሰባት ተተኣሪዮም ይውሰዱ ኣለዉ። ‘ተዛሪቦም የስምዑ ኢዮም’ ሓቂ ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም’ ንዝበልዎም ሰባት ኣሲሮም ወሲዶሞም ኣለዉ። ነቶም ኮሚተታት ዝነበሩ’ውን ንኹሎም ወሲዶሞም ኢዮም። ሰብ ካብ ገዛ እናኣውጻእካ ምእሳር ጥራይ ኮይኑ። ነቶም እሱራት ናብ ማይ ጸብሪ ወሲዶሞም፣ ሕጂ መግቢ ክኣትዎም ኣይክእልን ዘሎ። መግቢ ከነብጽሓሎም እንተበልና ኣውቶቡስ ምስፋር ከሊኦሙና። ሕጊ ስኢንና መጺእና ሕጂ ድማ ብዘይ ሕጊ ንህረም ኣለና።”

 

“‘ሰለስተ ምርጫ ሂብናኩም ኣለና’ ይብሉና ኣለዉ፣- ወይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕረታ ሕተቱ፣ ወይ ናብ ሱዳን ክንሰደኩም ኢና፣ ወይ ድማ ናብ ሃገርኩም ክንመልሰኩም ኢና’ እናበሉ የፈራርሑና ኣለዉ። ንጠርዓሉ ቦታ የብልናን።”

“ንድሕነተይ፣ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢአ ኢየ’ ዝዛረብ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ይመጹኒ ኣለዉ! ይመጹኒ ኣለዉ! ደሓር ክድውለልካ … ።

ደቀ-ንስትዮ ሕጻናት ቆልዑ ደርብየናልና ተሓቢአን ይሓድራ። ሕጻናት ገዲፈናልና ይሃድማ ኣለዋ። ጅሆ ኢና ተታሒዝና ዘለና።”

 

“እዚ ዘለናዮ ከባቢ ወረዳ ጸለምቲ ኢዩ ዝበሃል። ነቲ ህዝቢ ብጌጋ ኢዮም ኣረዲኦሞም። ትማሊ መባልዕትናን መሳትይትናን ዝነበሩ፣ ሎሚ በባትር ይሃርሙና ኣለዉ። ‘ኣንጻር ልምዓትና ኢዮም፣ ነቲ መለስ ዝጀመሮ ልምዓት ክዕንቅፉ ኢዮም ደልዮም’ ኢሎሞም። እዚ ከኣ ‘ብስምና ኢትዮጵያውያን ይኸዱ ኣለዉ’ ስለዝበልና ኢዩ። ህዝቢ’ዚ ከባቢ ተደናጊሩ ኣሎ። ምስ ህዝቢ (ዓበይቲ ዓዲ) ኣራኽቡና’ ኢልናዮም፣ ‘ኣይነራኽበኩምን’ ኢሎሙና።”

 

“ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኢኹም ዘለኹም፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕረታ ሕተቱ’ ንበሃል ኣለና። ንሕና ፖለቲካዊ ሕቶ ኣየልዓልናን። ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን።ኣብዚ መዓስከር ዘሎ ብልሽውና ይተዓረ ኢና ዝበልና።  ኣብ መደበር ማይ-ዓይኒ ከባቢ 4000 ሰባት ኣለና፣ መዛግብቲ ናይቲ መዓስከር ግን ከባቢ 20,000 ከም ዘለና ኢዩ ዘርኢ።”

“ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝወደቐ ካሪክለም ስለ ዝመሃሩ፣ ተወዳደርቲ ኮይኖም ነጥቢ ከምጽኡ ኣይክእሉን።”

“ትካላት ው.ሕ. ሃገራት (UNHCR, SAVE THE CHILDREN) ካብዚ ቦታ ተሰጒጎም ኢዮም። ንዕኦምን ንኣራን (ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን) ዝምልከት ሕቶታት ፈለሊኹም ኣቅርብዎ’ ኢሎሙና፣ ፈላሊና ኣቕሪብናዮ … ክብሉ መረረኦም ኣስሚዖም።”

 

 

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፣ መሮን እስቲፋኖ’ውን፣ ልዕሊ 150 ሰባት ተኣሲሮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዘለዋን ካብኣቶም ናይ 47 ሰባት ስም ዝርዝር ከም ዝረኸበትን፣ 4 ሰባት ካብኦም ከም ዝተፈትሑን ትገልጽ። “እቶም ቃለ-መጠይቕ እነግብሮም ሰባት ስለ ዝፈርሑ፣ ‘ስምና ኣይትሕተቱና’ ኢዮም ዝብሉ” ድማ ትብል።

 

ድምጺ ኣመሪካ እውን ነቲ ኩነታት እናተኸታተለት ንሰማዕቲ ከተቕርቦ ቀንያ።

ካብ ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ኩነታት ትከታተል ዝነበረት ምንያ ኣፎርቂ ኢያ። ምንያ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ (voa) ግርማይ ገብሩን፣ ነቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ስደተኛታትን ብተለፎን እናረኸበት ከተዘራርቦም ቀንያ። ንሳ ወኪል ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራት (UNHCR) ሓደ ሰብ ተሃሪሙ ከም ዝሞተ፣ ከም ዘረጋገጸላ ገሊጻ። ኣብ ሽረ ዝርከብ ወኪል ናይቲ ኮሚሽን ድማ “እቲ ኩነታት ስለዘይረግአ ንድሕነትኩም፣ ናብቲ ቦታ ክትኣትዉ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከምዝተባህሉ፣ ኣባላት ጸጥታ ክትረክብ ፈቲና፣ ግን ከም ዘይተዓወተት ኢያ ትገልጽ። ኣባላት ኮምሽን ስደተኛታት (UNHCR) እውን ‘ኣብ ዘይተረጋግአ ቦታ ኣቲና ክንርእዮም ኣይከኣልና’ ከም ዝበልዋ ትገልጽ።

 

ክሱት ገብረእዝግኣብሀር ዝተባህለ ኣፈኛ ናይቲ ኣህጉራዊ ኮምሽን እውን “6 ስደተኛታት ተጎዲኦም ኣለዉ። ኣብ ዓዲ ሓርሽ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ክልተ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣራ ዝተባህለ ትካል’ውን ተጎዲኦም ከም ዘልዉ፣ ኣብቲ ብሰሉስ ዕለት 8 ጥቅምቲ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ይገልጽ። ኣብቲ ቦታ ኣቲኹም ከተተሃዳድእዎ ፈቲንኮም’ዶ? ንዝብለ ሕቶ “ኣብ ማእከል ረብሻ ክንኣቱ ኣይከኣልናን” ይብል። ኣቶ ክሱት ንሕቶ’ቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ከፊሉ የቕርቦ። ብኣገላልጽኡ

 

1.  ‘ሓለፍትና ይቀየሩልና’ ኢዮም ዝብሉ። እቶም ሓለፍቲ ባዕሎም መሪጾም

ዘደየቡዎም ስለዝኾኑ ድማ ንምውራዶም ጸገም ከምዘይብሉ ይገልጽ።

2. ‘ዳግመ- ምጥያስ ይገበረልና (integrate ንኹን)’ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ድማ

እተን ሃገራት ዝህብኦ ጠለብ እምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዝገብሮ

ኣይኮነን … ይብል።

ንሓቅነት መግለጺ ናይ ኣቶ ክሱት ምስቲ ክብ ኢለ ዘርዚረዮ ዘለኹ፣ እቶም ስደተኛታት ዘቅረብዎ ጠለባት ኣነጻጺርካ ክረአ ስለዝከኣል ንኣንባባይ እገድፎ።

 

ኣቶ ክሱት ኣብቲ ብረቡዕ ዕለት 9 ጥቅምቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ “ንሕና ዘለና ሪፖርት ውሑዳት ኣሸበርቲ ኢዮም” ዝብል ኢዩ፣ ካብኡ ዝሓልፍ ዝርዝር የብልናን” ይብል። ኣቲኹም ከተጻርይዎ ፈቲንኮም’ዶ? ንዝብል ሕቶ ድማ ‘በዚ ዘሎ ረብሻ ሰራሕተኛታት UNHCR ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ኣለዉ’ ይብል።  ኣቶ ክሱት ቀጺሉ “ዘዕቆቦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፣ UNHCR ኣይኮነን። ብፍላይ ንኤርትራውያን ፍሉይ ጠመተ ከም ዝግበረሎም ኢና ንፈልጥ” ክብል ይምልስ። እቲ ‘ውሑዳትን ኣሸበርትን’ ዝብል ቃል ኣቶ ክሱት ግን፣ ምስቲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ዝረአ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝበዝሕዎ፣ ኣብ ቃልዕ ድምጹ ዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ ዝጠዓዓም ኣይኮነን።

 

ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 10 ጥቅምቲ ዝገበሮ ቃለ- መጠይቕ እውን፣ እቶም ስደተኛታት ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሽግር የብልናን። ሽግርና ምስ ሓለፍቲ ናይዚ መዓስከር’ዩ’  ኢዮም ዝብሉ” ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ “ንሳቶም’ውን ተወከልቲ ኣራን ሰራሕተኛታት መንግስትን ምዃኖም ይገልጽ። ብዛዕባ’ቲ ‘ብስምና ኢትዮጵያውያን ንወጻኢ ይኸድሉ ኣለዉ’ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፣ possibility (ተኽእሎ) የለን፣ impossible  (ፍጹም) ዕጹው ኢዩ” ይብል። እቲ ስራሕ ብፎቶን ኣሰር ኣጻብዕትን (finger print) ዝተሰነየ ዳታ ቤዝ (data base) ከም ዝተሓዝን እቲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ድማ biometric ምዃኑን ክገልጽ ጸኒሑ፣ ኣብቲ መወዳእታ “ሓደ ክልተ ሰብ ክሰሉኽ ኣይክእልን፣ ፍጹም ቀዳድ የለን’ ኣይብልን፣ ግን ጸቢብ ኢዩ” ይብል። ኣቶ ክሱት ኣብቲ ብረቡዕ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፣ ኣብ ዓመት ካብ 200 ክሳብ 300 ሰባት ንደገ ንሰድድ ኢና” ኢሉ ነይሩ። እሞ ቀዳድ ክህሉ ከምዝኽእል ካብ ኣመነ፣ ካብቶም ንወጻኢ ይኸዱ’ኢዮም ዝተባህሉ ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም በቲ ቀዳድ ሓሊፎም’ ምጽራይ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኩሉ ነገር (process) ወዲኡ ሎሚ ጽባሕ ክኸይድ ክጽበ ጸኒሑ፣ ‘ጉዳይካ (case) ተዓጽዩ ኢዩ’ ክበሃል ግን ዓገብ።

 

ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሓያሎ ‘ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ኢና መጺእና’ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ንረክብ ኢና። እሞ ስም ናይቶም በቲ መዓስከር ኣቢሎም ናብ ሱዳንን ሊብያን ዝሓለፉ፣ ንብዝሒ ኣስማት ናይቲ መዓስከር ናብ 20,000 ኣደይቦሞ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓዙ ደኾን ይኾኑ? ወይስ ናይቶም ክጽበዩ ጸኒሖም ‘ጉዳይኩም ዕጹው ኢዩ’ ዝተባህሉ’ሞ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ?

እቶም ኣብ ናይ ትምህርቲ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ‘ግዝይኡ ሓሊፉ ኢዩ’ ኢሉ ብዝጎሓፎ ካሪክሉም ከም ዝመሃሩ ምግባር፣ ኣይቅኑዕን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ሕግታት ኢትዮጵያን፣ ምስቲ ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝሰማማዕ ኣይኮነን።

 

ኩልና ከም እንፈልጦ፣ እዞም ሰባት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዮም ዑቕባ ክህቦም ሓቲቶም። ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ መደበራት ሰሪሑ ዑቕባ ዝሃቦም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ። ኣብ መሬቱ ንዝመጽዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ግብጺ፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን፣ ኣብ መሬቱ ኣትዮም ክነብሩ ኣፍቂዱ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ጸኒሑን ኣሎን። ንገለ መንእሰያት’ውን ምስ ዩነስኮ (UNESCO) ብምትሕብባር ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩ ኣፍቂዱ። በዚ ተግባራት’ዚ ዘይተሓጎሰ ሰብ እንተነይሩ ውሑድ ኢዩ። ስለዚ ብፖሊሲ ደረጃ ኣህጉራውን ሃገራውን ሓላፍነቱ ተሰኪሙ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ዓቕሚ ውሱንነት።

 

ዑቕባ ምሃብን ጽቡቕ ፖሊሲ ምሕንጻጽን ጥራይ ንበይኑ ግን እኹል ኣይኮነን። ነቶም ዑቕባ ዝሃብካዮም ሰባት ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ መሰሎም ተሓልዩሎም ከይፈርሑ ከም ዝነብሩ ምግባር’ውን ካልእ ብድሆ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን። ስለዚ እቲ ‘ሰባት ይጭወዩ ኣለዉ’ ዝብልን፣ ‘ደቀ-ንስትዮ ሕጻናት ቆልዑ ገዲፈን ተሓቢአን ይሓድራ ኣለዋ’ ዝብልን ግን፣ ብዝኾነ መልክዑ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክከላኸል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ።

 

ከምቲ ኣብቲ ብተለፎን ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ዝበልዎ፣ ሕጊ ስኢኖም ናብ መሬቱ ዝመጹ ኤርትራውያን፣ ብጥይት ክቖስሉ፣ ዋላ’ውን ጥይት ክትኮሰሎም ቅኑዕ ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ‘ንጠርዓሉ ቦታ የብልናን፣ ብኢትዮጵያዊ እንተ-ተሃሪምካ፣ ብዝተሃረምካዮ ኢኻ ትኸይድ’ ዝብል መረረኦም ግቡእ ቆላሕታ የድልዮ ኢዩ። ከም ስደተኛታት መጠን ኣብቲ መደበራት ክሳብ ዘለዉ፣ ዝእለዩሉ ሕግን ዝዳነይሉ ቦታን ብግቡእ ክፈልጡ ግቡእ ኢዩ። ሕጊ UNHCR ይኹን ምስኡ ተዛሚዱ ዝወጸ፣ ዝእለይሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ክፈልጡ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝኾነ ስደተኛ ዝግበኦ መሰል ኢዩ።

 

እቲ ንብልሽውናን ኣስማት ምድንጋርን ዝምልከት፣ መንግስቲ ከጉድሎን ክቆጻጸሮን እምበር ከጥፍኦ ከም ዘይክእል ርዱእ ይመስለኒ። ሓደ ሕቶ ምስተላዕለ፣ ከጻርዮን ዝግባእ መዕለቢ ክገብረሉን ግን ግቡእ ኢዩ። እቶም ነቲ ጉዳይ ክቆጻጸሩ ዝተመዘዙ ሓለፍቲ፣ ኣካል ናይቲ ሽግር እንተኾይኖም ግን፣ እቲ ሽግር ስለዝተሓላለኽን፣ ነቶም ተበዲልና ዝብሉ ኣፎም ንምዕባስ ካልእ ሽርሕታት ስለ ዝመሃዘሎምን፣ እቶም ግዳያት ናብ ዝበኣሰ ግዳይ ተቐይሮም፣ ኣጸቢቖም ከይብደሉ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ጥንቓቐ ክገብርን፣ ኣተገባብራ ፖሊሲኡ ዳግማይ ክምርምርን ዘለዎ ይመስለኒ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ መደበራት ዘይርጉእ ኩነታት ክፈጥር ድሌት የብሉን ኣይብልን። ካብ ድሌት ሓሊፉ፣ ዶብ ሰጊሩ ዝናኸስ ኣስናን ከም ዘይብሉ ግን ልዕሊ ዝኾነ ወገን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ውልቀ-ሰባትን ሰለይትን ከስሉኽ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ዝረኣናዮ፣ ኣብቲ ሰልፊ ዝነበረ፣ ባዕሉ ‘ፎእ’ ኢሉዎ ዝሃደመ፣ ኣሽሓት ህዝቢ ከለዓዕል ግን ዓቕሚ የብሉን። ስለዚ ንሕቶ ናይቶም ሰልፈኛታት ‘ስደትን ሽግርን ዘስዓቦ ጸገም’ዩ’ ካብ ምባል ሓሊፍካ፣ ምስ ፖለቲካን ሽርሕታት ህግደፍን ምትእስሳሩ ግቡእ ኣይመስለንን።

ንነባሪ ናይቲ ከባቢ ‘ኣንጻር ልምዓትና ኢዮም፣ ሻዕብያ ዝለኣኾም ኢዮም’ ኢልካ ምጉስጓስን ግን፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ምስቲ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ፖሊሲታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፈጺሙ ዝጠዓዓም ኣይኮነን።

 

ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክነግርዎ፣ ሕጋዊ መሰል የብሎምን። ንሳቶም ንኣተገባብራ ናይቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ሕግታት ኢዮም ዝቆጻጸሩ። ጉድለታት እንተርእዮም ድማ ተመሊሶም ምስቲ ነቲ ሕግታት ዘወጽአ መንግስቲ ኢዮም ዝመኻከሩ። ዝጎደለ እንተሎ’ውን ብዓቕሞም ይተሓጋገዙ። ብኸምኡ ድማ ኢዩ እቲ ስራሕ ዝጸፍፍ። ሽግር ምስ ተፈጥረ ናብቲ ቦታ ከይኣትዉ ምኽልካሎም ግን ዝያዳ ምጥርጣር ዝፈጥር ኢዩ። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ድማ ነቲ ዑቕባ ዝሃበ መንግስቲ (መንግስቲ ኢትዮጵያ) ዝጠቅም ኢዩ። ዝተጻረየን ጋድማውን ሓበሬታ ዝህብዎ ንሳቶም ስለዝኾኑ።

 

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፣ ስለምንታይ ሽግር ተፈጢሩ ኣይኮነን። ኣፈታትሕኡ ግን ንሽግር ናይቶም ተሸጊሮም ሃገሮም ገዲፎም ‘ኣዕቁቡና’ ዝበሉ ስደተኛታት፣ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ክኸውን ንጽበ። ተመሊስካ ተሓተቲ ምግባሮምን ኣብ ውሽጦም ሰራዊት ኣእቲኻ ከም ዝፈርሑን ከም ዝርዕዱን ምግባር ግን፣ ነቶም ተሸጊሮም ዑቕባ ዝሓተቱ ዝያዳ ከም ዝሽገሩ ምግባር ኢዩ። ዝፈጥሮ ኣካላውን ኣእምሮኣውን በሰላን ስምብራትን ድማ ብዙሕ ኢዩ።

ተጨኒቁ፣ ‘መሰል ጎዲሉኒ ኢዩ’ሞ ዑቕባ ሃበኒ’ ንዝበለካ ወገን፣ ድንጋጸን ርህራሀን ዝዓሰሎ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ፣ ልዕሊ ሕግን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ዝኸይድ ሰብኣውነት ኢዩ። በባትርን ጠያይትን ክትምልሰሉ ግን ምስ ባህልን ስነ-ምግባርን ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢየ ዘለኒ ስኽፍታ ብጽሑፍ ክገልጽ ዝተበገስኩ። ነቲ እቶም ስደተኛታት ዘቕረብዎ ጥርዓናት ድማ ብርግኣት፣ ልዙብን ብሕጋውን መንገዲ ሕቶታቶም ክምለሰሎም ድማ ተስፋ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢዩ።

ታደሰ ኪዳነ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • HABTE October 28, 2013

    Mr Tadesse
    Hope you have learnt your lesson . The issue you raised was a very sensitive one which needs to be handled in way to bring about peace and get a legal resolution, and you were the first one to accuse Ethiopia before gathering all the facts. The report that is coming out from Shemelba refugee camp is absolutely different from what you wrote.
    Hope you learned your lesson before pointing your finger to one side try to get all the information from both side and you will have a wise and educational conclusion than what you have in your article.

POST A COMMENT