Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘየቃርጽ ኣውያት

ናይ ኤርትራውያን ዘየቃርጽ ኣውያት ሎሚ ብእዋን ምምሕዳር ህግደፍ ኣይኮነን ጀሚሩ። ገዲዱ እንተበልና ግን ዘየማትእ ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ምንታይሲ ናይ ወጻእቲ ዓመጽትን ገዛእትን ንጥቅሞም ክሕልዉ ነቲ ዘይናቶም ዝኾነ ህዝቢ እንተገፍዑ ሐደ ካብቲ ናይ መግዛእቲ ባህርይ ኢዩ።

ናይ ኤርትራውያን ዘየቃርጽ ኣውያት ሎሚ ብእዋን ምምሕዳር ህግደፍ ኣይኮነን ጀሚሩ። ገዲዱ እንተበልና ግን ዘየማትእ ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ምንታይሲ ናይ ወጻእቲ ዓመጽትን ገዛእትን ንጥቅሞም ክሕልዉ ነቲ ዘይናቶም ዝኾነ ህዝቢ እንተገፍዑ ሐደ ካብቲ ናይ መግዛእቲ ባህርይ ኢዩ። እንተኾነ ብኣንጻሩ ነቲ መግዛእትን ጭቆና ህዝቢ መደምደምታ ክገብረሉ ዝነቐለ ቃልሲ ወላ ነቲ ናይ መግዛእቲ ሃጸይ ኃይለስላሴን ብድሕሪኡ ንዝመጸ ናይ ደርግ መግዛቲ ካብ ሃገር ኣውጺኡ ነጻ መሬት ይግበር እምበር፣ ነቲ ግፍዕን ጭቆናን ብዝገደደ ካብ ወዲ ሃገር ብዘይተጸበዮ መልክዑ ክቕጽሎ መሪጹ። ህግደፍ ነቲ ገዛእቲ ዝጥቀሙሉ ሕግን ስርዓትን ኣልጊሱ ብናይ ካብ ሜዳ ዘእተዎ ሕገ ኣልቦ ስርዓት ን26 ዓመታት ንህዝቢ ይረግጽን የጽንትን አሎ።

ኣውያትን ብኽያትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ብግዜ መግዛእት ዝነብሮ ብተዓጻጻፊ ገደደ። ብሰንኩ ከአ ህዝቢ ክበታተንን፣ ዝፈትዋ ዓዱ ጠንጢኑ ናብ ስደት ከምርሕ ተገደ። ኣብ ዓድኻን ብመንግስትኻን ዘይተረኽበ መሰል ውሕስናን ክብረትን ኣብ ስደት ክማላእ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ኢዩ። ጠንቂ እዚ ኩሉ ውርደትን ስደትን ግን ካብ ርእሲ መራሕቲ ህግደፍን ብዙሓት ኣጫፈርቲ ሰዓብቶምን ሓላፊነት ኣይወርድን። ህግደፍ ወላ ብዜግነት ኤርትራዊነት መበቆል ይሃልዎ እምበር ካብቶም ብኣረማዊነት ዝልለዩ ግፍዐኛታት ገዛእቲ ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ኣይፍለን። ናይ ህዝቡ ስቓይ፤ ናይ ህዝቡ ምጽናት ዘሕጉሶን ኣዝዩ ዝሰርሓሉ መላ ካብ ምእላም ደቂሱ ኣይሓደረን። እቲ ዝገደደ ኣተሓሳስባ ከአ ኩሉ ዝፍጸም ግፍዒ ናብ ሐደ ሰብ መራሒ ህግደፍ ንምጥቃዕ ዝግበር መጎቶ ጌጋ ኢዩ። ኢሳያስ መራሒ ህግድፍ እምበር ህግደፍ ከም ስርዓት ናይ ምጽናት ህዝቡ ዘሓለነ መምርሒ ፖሊሲ ዝኽተል ጉጅለ እከይ ኢዩ። ንእሳያስ ኣሊኻ ዝመጽእ ለውጢ ኣብ ኤርትራ የለን። ነቲ ስርዓት ኣሊኻ ግን ለውጢ ብህዝቢ ክመጽእ ይኽእል።

ልወጢ ብህዝቢ ክመጽእ ክንብል ከለና ግን ከምቲ ደርግ ንኹሎም መሓውርን ምምሕዳር ሰበ ስልጣን ኣገልገልቲ ሃጸይ ኃይለስላሴ ኣልጊሱ ብናቱ ዝመስሉ ብጾቱ ዝተከኦ ኢዩ። ወላ እቲ ለውጢ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ብህዝቢ ናዕቢ ይንበር እምበሪ ዝተዳለወ ሓይሊ ብእዋኑ ስለ ዘይነበረ ደርግ ክምንጥሎ ኪኢሉ። ካብኡ ዝውሰድ ትምህርቲ እንተሎ ህዝቢ ብኣግኡ ተወዲቡን ተዳልዩን ክጸንሕ ክነቅሕ አለዎ። እንተዘይኮነ እቶም ብረት ዓጢቖም ሎሚ ህዝቢ ዘሳቕዩ ዘለዉ ህድገፋውያንን ደገፍቶምን ሽም ቀይሮም ንስቓይ ህዝቢ ከናውሑን ናይ ምጽናት መደቦም ክቕጽሉ ጸገም የብሉን። ብተቓውሞ ኣብ ወጻኢ ዝፍለጡ ባእታታት በሉዎም ሰልፍታት ወይ ጉጅለታት ካብ ናይ ፖለቲካ ደለልቲ ምኻን ክሓልፉ ኣይበቑዑን ኢዮም። ሽም ናይ ዝቐያየሩን፣ ናይ ፖለቲካ መርዓን ፍትሕን ክገብሩ ጊዜኦም ካብ ዝሕለፉ ንላዕሊ፣ እዚ ኣድማዒ ስራሕ ሰሪሒና አለና ኢሎም ንህዝቢ መድሓኒ ዘቕርብዎ ጭብጢ ዘእምን ኣየቕርቡን ኢዮም። ነብስኻ ምትላል ይከኣል ኢዩ። ህግደፍ እንዶ እንታይ ፍሉይ ሓጥያት ፈጺሙ ብዘይካ ነብሱ ምትላልን ንህዝቢ ምትላልን። ሃገር እንዳሞተት ኣብ ቃሬዛ ኣደቂሱ እንዳዓነወት፣ ህዝቢ እንዳጸነተን እንዳተዋርደን፣ ወግሐ ጸብሐ ምዕባለ ገይርና ካብ ምባል መኣስ ኣፉ ዓጽዩ ይፈልጥ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ እንተሎ ግና፣ ሕጂም ብፍላይ ከዘኻኽሮ ዝደሊ እቲ ግዳይ ህግደፍ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብስራሕ ባርነት ተጸሚዱ ዘሎን፣ እቲ ካብ ባርነት ህግድፍ ሰቲኹ ኣብ ወጻኢ ከርተት ዝብል ዘሎ ግዳይ ስደት መእሰይ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉ ክሓስበሉን፣ ንድሕሪ ዝመጽእ ወለዶ ዝሓሸ ተስፈ ዘለዎ ዓድን ሕብረተሰብን ከረክብ ኣዝዩ ክሓስበሉን ክሰርሓሉን ከም ዘለዎ ክላቦ ይደሊ። ነቶም ድሑራት ዝጥቀሙለን ናይ መፈላለይትን ኣዕነውትን ዝበተና ዘረባ ዓለታዊነት፣ ኣውራጃውነት፣ ሃይማኖትን፣ ምሁሩን ዘይምሁሩን እንዳበሉ ንህዝቢ ከገራጭዉ ዝጥቀሙለን መቓቐሊቲ ሓሳባት ምንጻግ ጥራይ ከድልየኩም ከይኮነስ ግቡእ ኣጠቓቅምኡ ክትፈልጥዎ የድለኩም። ሓንቲ ኤርትራ፣ ሐደ ኤርትራዊ ህዝቢ ዝገብረና እኩብ ድምር ውጺኢት ናቱ’ዩ። እዚ ኸአ ንሕብረትና መግለጺ ክንጥቀመሉ እምበር ሐደ ብላዕሊ ንሐደ ንታሕቲ ንምግባር ኣይነውዕሎ።

ነዚ ጽዩቕ ተግባር ዝጥቀምሉ ግና እቶም ጨቆንትን በዝበዝቲ ስሱዓት ህዝቢ መቓቒሎም ንምርጋጹ ክጥዕሞም ዘዋፍርዎ ኣጋንንታዊ ዕላማ ድሑራት ኢዩ። ኤርትራ ሐደ ብዘይ እቲ ሐደ ዝህልዋ ትርጉም የለን። ወላ ውሕጅ ክብርትዕ እንተኾይኑ፣ እታ ሓንቲ ንጣብ ማይ ምስቲ ካልእ ዝሃረመ ነጠብጣባት ማይ ምስ ሓበረን ምስተሓዋወስን ኢዩ። ጸላኢኹም እንታይ ከይብለና ኢልኩም መንነትኩምን መሰልኩምን ኣይተረክቡ። ኣብ ገዛኹም ንስድር ስድራ ዝገብራ ሐደ ሰብ ንበይኑ ኣይኮነን። ሃገርም ከምኡ ሃገር ዝገብራ ናይ ኩሉ ውልቀ ስብ ዜጋ ተኣኪቡ እምበር ናይ ሐደ ውልቀሰብ ኣይኮነትን። ነቲ ትርጉም ሃገር ዘይፈልጥ ሰብ ሰሚዕኻ ምእማን ግን ናብቲ ትሑት ናቱ ደረጃ ምውራድን ብኣተሓሳስባ ልሙስን ንነብስኻ ምግባር ጥራይ ኢዩ። ወዲ ሰብ ብዝገብሮ ግብሪ ይኽበር፣ ይናዓቕ፣ ይሙጎስ፣ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ከሎ ከአ ብዝገበሮ ጉዳዩ ተራእዩ ፍርዲ ይወሃቦ። ካብ ህግደፍ ግን ኣይትጸበዩ፣ ክሲ ዘይብሉ ፍርዲ የብሉን። ነዚ ዝድግፉ ሰዓብቱ’ውን ሕልና ዘይብሎም ብህያዎም ዝሞቱ ተንቀሳቀስቲ ካብ ባምቡላ ዘይፍለዩ ዓያሹ፣ ተበለጽቲ፣ ብዓብዩ ድሑራት ኣካል ሕብረተሰብና ኢዮም።

ዘየቃርጽ ኣውያት

ዘየቃርጽ ብኽያት – ዘይስማዕ ኣውያት

ተወልዱ ዓብዩ – ብስሱዓት ጨካናት

ኣብ ማእኸል ኣስመራ – ተኻሒዶም ብጠላማት

ብመራሕቲ ህድገፋውያን – ኣረመናዊ ስርዓት

ንሃገር ዘዕኒ – ንህዝቢ ዘጽንት

ዓፊኑ ሒዙዎ – ከየስምዕ ኣውያት

ረጊጹ ጨፍሊቑ – ከየስምዕ ብኽያት

ንሃገር ቀይሩዋ – ናብ መደብር ሓጥያት

ብኽፍኣት ብምስጢር – ዝሽቅጠላ ህይወት

ኣዛውንቲ ዊሒድዎስ – ይበልዕ ዕሸላት

ኣብ ኤርትራ ዘሎ – እኽብካብ ኣጋንንት።

 

መንእሰይ ተሳጊሩ – ክሃድም ብኣደዳ

ኣሕሊፎም ህቡዎ – ንድራር ራሻይዳ

ስቓዮም ከይኣክል – ንስድርኦም ዕዳ

ብዓመጽ ብመህረምቲ – ንገንዘብ ውለዳ

ደቂ ኣንስትዮ ክዕመጻ – ወርቂ ከምዝወልዳ

ብግፍዒ ሸፋቱ – መእሰያት ክግደዳ

ንዕዳጋ ወሪደን – ከም ስጋ ሉካንዳ

ደገፍቲ ህግደፍ ግን – የጣቕዓ ይዓብዳ

ሓፍተን እንዳ ተበደለት – ንሓለፍቲ ይሰግዳ

ሃገር እንዳ ጸነተት – ንሳሲዒት ኩዳ ይወርዳ

ህይወት ኤርትራውያን – እንዳ ተሸጠ ንባዳ

ንፍትሒ ሰማዒ ሲኢኑ – ሎሚ’ውን ብዝያዳ።

 

ኣውያት ኤርትራውያን – ንሰንዓ ተሰዲዱ

ተቐቢሎም በደዊን – ብዘይ ንሕስያ ዘዋርዱ

ኣሳቕዮም ዝብሉ – ንገንዘብ ውለዱ

መህረምቲ በብዓይነቱ – ኣብ ዝባኖም ወሪዱ

ሕሉፍ ሓሊፉዎም – ብኤለክትሪክ ዘንድዱ

ዓመጽን ምግሃስን – ከም ንቡር ተወሲዱ

ልብን ኩላሊትን ክሸጡ – ወዲ ሰብ ዝሓርዱ

ኣውያትን ብኽያትን ኤርትራዊያን – ሓሊፉ ገዲዱ

ተዓቢጡ ዝነበረ – ንህዝቢ ዓለም ተጋሂዱ

ህግደፍን ሰዓብቱን ግን – መሪጾም ክኽሕዱ

ሕልንኦም ሸፊጡ – ብደም ሰብ ሰዊዱ።

 

ንኣውያትን ብኽያትን – ማእኸላይ ባሕሪ ኣዝለሎ

ኣፉ ሃህ ኣቢሉ – ክውሕጦ ከጥሕሎ

ንምሳሕ ንድራር – ንዓሳሳቱ ክዕድሎ

ነደታት መንእሰያት – ንዕሸል’ውን ዘሎ

ከም ቅኑዕ ፈራዳይ – ዘይፈልጥ መድሎ

ኣውያቶም ዊሒጡ – ንብኽያቶም ተቐበሎ

ንሰማዒ ክገርሞ – ይመስክር ዝተረፈ እንተሎ

ብሰንኪ ግፍዒ ህግደፍ – ሰዓብቱን ዘንቀሎ

ኣብ ኩሉ መዳያት – ህዝብና ይጸንት ከምዘሎ

ሕጂም ተኻሒዶም – ደቂ ስውእትን ይከኣሎ።

 

ሕጂ ግና ገደደ – ሰማዒ ዘይብሎም

ኣብ ማእኸል ከተማ – ከምጎሓፍ ተደርብዮም

ነቲ ኩሉ ስቓይ – ከምዘይሓለፉ ኪኢሎም

ኣንሻብ ተረሲዑ – ደቂ ሰብ ምኻኖም

መነሃርያ ህግደፍ – ሮም ፈንፊናቶም

ወላስ ካልእ’ዩ ሳዕቤኑ – ሕጂ’ውን ኣውያቶም

ዓዲ ፍትሒ ሕጊ – ትነጽግ መንነቶም

ዘይሓልፈሉ ህዝቢ – ዘየብቅዕ ብኽያቶም

ስደት መሪር ምኻኑ – ደጊማ ኣዘኻኸረቶም

ኣብ ሃገር ዘይተረኽበ – መሰል መንነቶም

ሕልሚ’ዩ ክርከብ – መጺኦም እንዳማቶም

ዘላቒ ፍታሕ ዘይብሉ – መዕቖቢ ተመጽዊቶም

ቃልስና ንውሽጢ ነቕንዕ – ንዕንወት ጥፍኣቶም

ክሳብ ህግደፍ ዝጋሓፍ – ምስ ኩሎም ሰዓብቶም

ህዝብና ብሰላም ብፍቕሪ – ዝውስኑ ዕድላቶም።

 

ዘየቃርጽ ብኽያት – ዘስማዕ ኣውያት

ብደቂ ሃገር ተወሊዱ – ብስሱዓት ጨካናትን

ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ – ከም ሕማም መንድዓት።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብና፤

ምዕባለን ልእላውነትን ንሃገራ፤

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ህልና 08-31-2017”

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde September 1, 2017

    The secretive nation of the Horn,Hgdef can’t keep the lid anymore,their laundry is being aired in the refugee camps of Ethiopia and Sudan,holding slave like dungeons of Egypt and Libya,in the Sahara desert and turquoise waters of the Mediterranean sea,in make shift squatting encampments and parks of Italy and France,some wiggle out from suitcases,some squeeze themselves in the hood of a car and some latch on for their lives in the under carriage of an 18 wheeler like a spider…All this risk for one reason- to get the hell as far as they can from their tormentors who denied them to live.The irony is ,the brutal regime denies its relationship to them, calls them woyane,African nationals…..Solomon like you said,the rulers in Asmara are the worst that ever happened to the Eritrean people.Thanks.

  • shilan September 2, 2017

    The confused and alien identity ghedli inherited from colonial Italy and backward brutal Muslim Arabs is so belligerent, bogus and is culpable for the state of affairs we have been put through and the current realities of Eritrea. Poor Eritrean identity is shaped by colonialism, it was the major pulling factor in annihilating and/or denial of the original identities of the people lived in Eritrea. The poor children of the confused alien-loving old generation are sadly being punished and humiliated all over the world. Ghedli had been a nightmare to the Eritrean people but is a holy-grail for the elites and the opportunist losers that even a slight criticism of it is equated to blasphemy.

Post a Reply to shilan Cancel Reply