Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይተፈስወ ኣይጨኑን ኢዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ቦኽሪ ወዱ ንመለኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ልዑል መዝነት ተዋሂብዎ ዝብል ዜና ተዘርጊሑ ነይሩ፡፡እዚ ሓበሬታ’ዚ ቀዲሙ ኣብ ኣእዛና በጺሑ ነይሩ ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ንምእማኑ ፍጹም ኣጸጊሙና፡፡ብቐዳምነት ኢሳይያስ እምብዛ ጨኪኑ

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ቦኽሪ ወዱ ንመለኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ልዑል መዝነት ተዋሂብዎ ዝብል ዜና ተዘርጊሑ ነይሩ፡፡እዚ ሓበሬታ’ዚ ቀዲሙ ኣብ ኣእዛና በጺሑ ነይሩ ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ንምእማኑ ፍጹም ኣጸጊሙና፡፡ብቐዳምነት ኢሳይያስ እምብዛ ጨኪኑ እንተጨከነ ኣብ ውሉዱስ ኣይጭክንን ኢዩ ኢልና፡፡ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ምስኳዕ ኢድ ውሉዱ ኣብ ደም ንምጥማዕ ስለዝኾነ፡፡ከም ካልኣይ ባህርን ጠባይን እኒ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ፍሊጶስ ወልደዮውሃን ዝኣመሰሉ ጀነራላት ብቐረባ ንዝፈልጥ እቲ ሓበሬታ ክትኣምኖ ኣጸጋሚ ኢዩ፡፡እዞም ሰባት እዚአቶም ኢሳይያስ ከምዚ ዝኣመሰለ ቁሉዕን ሓደገኛን ስጉምቲ እናወሰደ ከመይ ኢሎም ስቕ ይብሉ ክንብል ተገዲድና፡፡ በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ ኢሳይያስ ኣይገብሮን’ዩ ዝበሃል ነገራት የለን፡፡ብፍላይ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ዕርብርቡ ከም ባህሪ ኩሎም ቶታሊተርያን መራሕቲ ዓለምና  ኣጥፊእካ ጥፋእ ስጉምትታት ክወስድ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡እዞም ጀነራላት እዚኣቶም ድማ ምሉኻቱ ኢዮም፡፡ ቀዲሙ ኣብ ዝወሰዶ በይንኣዊ ስጉምቲ ድምጾም ኣይሰማዕናዮን፡፡እቲ ግዜ በሊዑ ዝተረሰዐ ዝመስል ምርሻን ስንኩላት ተጋደልቲ ማይ ሓባር፡ኣድማ ተጋደልቲ 20 ግንቦት 1993፡ ምውላዕ ኲናት ምስ የመን ብደሴታት ሓንሽ፡ምብራዕ ኲናት ባድመ፡ ጃምላዊ ምእሳር ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፡ምድስካልን ምቅይያርን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ብዘይ ኣፍልጦኦም  ከም ቓሕትኡ ክገብር ከሎ፡ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ኣብ ከንተይነራት ማይ ስርዋ ዓዲ ኣቤቶ ትራክቢ ዊዓ ኣደርሳር …….ወዘተ ክእሰሩን ክጭፍጨፉን ኣንታይ’ዶ ኢሎም ኢዮም፡፡ትማሊ ትማሊ ድማ ናይቲ እሙን ዓርኩ ምንባሩ እንገረሉ ብጻዮም መጋድልቶም ሬሳ ሚኒስተር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ መሬት ዓዱ ንኸይቕበር ብጭካነ ክኽልክል ከሎ ድምጾም ድምጽማጾም ኣይሰማዕናዮን፡፡ኣብ ልዕሊ ሬሳ መጋድልቱ ዓርኩ ቂምትኡ ከውጽእ ስኽኽ ዘይበሎ ኢሳይያስ ሎሚ ኣይገብሮን’ዩ ዝበሃል ነገራት ፍጹም የለን፡፡ንኣብርሃም ወዱ ክሸሞ ዝለዓ ስልጣን ክህቦ ውን ዘጸግሞ ኣይኮነን፡፡ ጀነራላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና ካብ ምባል ሓሊፎም ዝፍይድዎ የለን፡፡እቲ ምንታይ ኣብ ኤርትራ ምልኪ ሓደ ገባቲ መራሒ ኢሳይያስ ካብ ዝነግስ ሓያለይ ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ፡፡

ብርግጽ ዘይተፈስወ ኣይጨኑን ኢዩ፡፡ነዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ክንከታተሎ ስለ ዝጸናሕና ድማ፡ገለ ተወሳኺ ጭብጥታት ወስ ከነብል፡፡ ኢሳይያሰ ዕዉራት ባዶሽ ሕልምታቱ ፈሺሎሞ እምበር፡ ነቲ ኣብ 1985 ዓ/ም ኣብ ማተርኒቲ ማእከላይ ሕክምና ዓራርብ ዝተወልደ ቦኽሪ ወዱ ኣብርሃም ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዘይኮነ ወራስ ዓራቱ ክኸውን’ዩ ዝሓልም ዝነበረ፡፡ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከም ዝበሃል እዚ ሕልሚ’ዚ ኣብ ኢሳይያስ ክሳብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝረኣይ ዝነበረ ተርእዮታት ኢዩ፡፡ሎሚ ግን እከይ ሕልምታቱ ክሰምር ኣይኮነን ኣሰራቱ ውን ንሓዋሩ ከምዘይህሉ ባዕሉ እሳይያስ ውን ኣዳዕዲዑ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡እቲ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክንድቲ ከም ዘይኮነ ዝንገረሉ ቦክሪ ውሉድ ኢሳይያስ ኣብረሃም፡ ድሕሪ ኣብ ማይ ነፍሒ ትምህርቱ ምዝዛሙ ግቡእ ምልመላ ብኢሳይያስ ክግበረሉ ጀሚሩ ኢዩ፡፡ሓደ ነገር ውን ካብ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ወሪሱ ኢዩ፡፡ንኢሳይያስ ብቐረባ ዝፈልጠዎ መጋድልቱ፡ ቀረብቱ ብተደጋጋሚ ካብ ዘዕልልዎን እንሰምዖ ባህርያቱ ሓደ፡ ኢሳይያስ ኣብ ዘበነ ገድሊ ክዛረብ እንተዘይደልዩ ወርሒ ክልተ ወርሒ ቃል ከየምሎቐ ስቕ ክብል ዝኽእል ፍጡር ምንባሩ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ሰንካም ሓደገኛ ባህርያቱ ድማ ሚስጢር ካልኦት ይወስድ እምበር ሚስጢሩ ዝርከብ ኣይነበረን፡፡ኣብረሃም ካብ መፋርቕ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ደርዘን ዓመታት ሚልየነም እዚ ባህሪ’ዚ ኢዩ ሒዙን ወሪሱን፡፡ካብቶም ናይ ቀረባ ኣዕርኽቱ ከም በዓል ራሚ ወዲ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ሙስጦፋ ኑር ሑሴን ተነጺሉን ሰማዒ እምበር ተዛራቢ ካብ ምዃን ፍጹም ተቖጢቡን ኢዩ፡፡ቀዲሙ ግን ባህርያቱ ከምኡ ኣይነበረን፡፡ኣብርሃም ሕዉስ ፈታው ጸወታ ዝዓይነቱ ኢዩ ዝነበረ፡፡

ካብ 2006ዓ/ም ኢሳይያስ ንኣብርሃም ወዱ ፍሉይ ስልጠናታትን ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ መገሻታትን ኢዩ ጸሚድዎ፡፡ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት 2006 ዓ/ም ኣብርሃም ናብ ሃገረ ልብያ ኢዩ ኣምሪሑ፡፡ምሰቲ ብጭካንኡ ልዕሊ ኣብኡ ሙዓመር ቀዛፊ ዝስራዕ ሴፍ ኣል ኢስላም ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገይሩ ተመሊሱ፡፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣረሜን ወዲ ሙዓመር ቀዛፊ እንታይ ዝዓይነቱ ምህሮ ከም ዝቐስም ርዱእ እመስለኒ፡፡ ቀጺሉ ኣብርሃም ናብ ሃገረ ግብጺ ኢዩ ተላኢኹ፡፡ኣብ ሃገረ ግብጺ ፍሉይ ጋሻ ወዲ ፕረሲደንት ነበር ሑስኒ ሙባረክ ኮይኑ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ቤተ መንግቲ ግብጺ ኢዩ ነይሩ፡፡ድሕረዚ ኣብርሃም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ናብ ሃገረ ቻይና ንትምህርቲ ተላኢኹ ኢዩ፡፡እዚ እቲ ብጭብጢ ዝፍለጥ ሓበሬታታት ኢዩ፡፡ዘይንፈልጦ ድማ ዕጽፊ ዕጽፍጻፉ ክህሉ ግድን ኢዩ፡፡ኢሳይያስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽዑቕ ምልመላታት ኣብ ወዱ ኣብርሃም ክገብር ከሎ እንታይ ሕልምታት ስለ ዝነበሮ ኢዩ፡፡እዚ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ሚስጢር እመስለኒ፡፡ኣብርሃም ወራስ ዓራቱ ክኸውን፡፡ነዚ ዋሕስ የግብእ ዘድልዮ ኣይመስለንን፡፡እዚ ባዶሽ ሕልሚ ኢሳይያስ ክዉን ከምዘይከውን ንባዕሉ ኣረጋጊጹ ፈሊጥዎ ኢዩ፡፡ብሰንኪ ሕሱም መሰክሕ ተግባራቱ ብምንሽራት ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ነበረያ ነበረ ክኸውን ኣብ መጠረሽታ መስርሕ ሰዓታት ዕርበቱ ኢዩ ዘሎ፡፡

ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2011 ዓ/ም ድማ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተመዲቡ ስልጠናታት ይወስድ ከም ዘሎ ሓበሬታታት ተዘርጊሑ ኢዩ፡፡ኣብቲ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2012 ዓ/ም ዝተገብረ ጽንብል ኣብ ኣዳራሽ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብርሃም ምሉእ ወተሃደራዊ ልብሲ ሓይሊ ኣየር ወድዩ ተራእዩ ኢዩ፡፡ኣብ ዝሓለፈ መጀመርያ ወርሒ ለካቲት ኢሳይያስ ንኣብርሃም ወዱ ኣምሲልዎ ዝብል ምስ ሰማዕና ብተመሳሳሊ ክንኣምን ኣይከኣልናን፡፡ኢሳይያስ እዚ ኢሳይያስ ንቦኽሪ ወዱ 300 ሰባት ጥራይ ዓዲሙ ኣብ ቁሸት ብሓውሲ ጭሉቕ ከመርዕዎ ዘይከውን’ዩ ኢልና፡፡ ትብጻሕኩም የብሉ ሕጽኡ ኣይተሰምዐ ከመይ ኢሉ ይኸውን፡፡እንተኾነ እቲ ዝተባህለ ሓቂ ኢዩ፡፡ ኣብረሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሳመሪ ተስፋይ ገብረመድህን ገዛ ባንዳ ጥልያን ተወሊዳ ማጭሆት ዝዓበየት ጓል ሄዋን ቃልኪዳን ኣሲሩ፡፡ኣብርሃምን ሳምርን ነዊሕ እዋን ፍቑራት ኣዕሩኽ ዝነበሩ ኢዮም፡፡ውልቃዊ ጉዳይ ስለ ዘኾነ ኣብ ዝርዘራት ሂወት እቲ ቤተሰብ ክኣቱ ኣይደልን፡፡ እግሪ እግሪ እዚ ናይ መርዓ ሓበሬታ ኣብርሃም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ልዑል መዝነት ተዋሂብዎ ስዒቡ፡፡ነዚ ክትኣምኖ ዘጸግም ሓበሬታ ከነረጋግጽ ውን ፈቲና፡፡

ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ቀዲሙ ኣብ ማሕዩር ብዝርከብ ብብርጋደር ጀነራል ሃብተጼን ሓድጉ፡ቀጺሉ ብብርጋደር ጀነራል ጸሃየ ካሕሳይ (ሂላል) ኣብዚ ዝሓለፈ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ድማ ብሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ኢዩ ክምራሕን ክእዘዝን ጸኒሑ፡፡እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረአይ ስእሊ ዋላኳ ከምዚ ይኹን  ቀጥታዊ  ኢድ ምትእትታው ቤ/ጽ ፕረሲደንት ካብ ምብጋሱ ጸኒሕዎ ኢዩ፡፡ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተመዲቦም ዝጸንሑን ዘለዉን ኣዘዝቲ ኣብ ብዙሕ ነገራት እኳ ወሰንቲ እንተኾኑ፡ኣብ ጉዳይ በረራ ነፈርቲ ግን ብዘይ ፍቓድ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኢዱ ዝመልስ ሓደ ኣዛዚ ኣይነበረን፡፡እተን ካብን ናብን ዝበራ ነፈርቲ እንተላይ ንልምምድ ሓዊስካ ብኣፍልጦን ትእዛዝን ኮለኔል ተስፋልደት ተስፋስላሰ ኢዩ ክካየድ ጸኒሑ፡፡ኮለኔል ተስፋልደት ተስፋስላሰ ሓደ ካብቶም እሙናት ሸውዓተ ኣዕሩኽ ኮለኔላት ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ኮለኔል ተስፋልደት ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ከይተረፈ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኮይኑ ቀጥታዊ ትእዛዛት ዝህብ ዝነበረ ኢዩ፡፡ሎሚ ኢሳይያስ እዚ ሓላፍት ናይ በረራ ነፈረቲ ናብ ኣብርሃም ወዱ ከየሰጋገሮ ኣይተርፍን ኢዩ ዝብል ሚስጢራት ተሰሚዑ ኣሎ፡፡ድሮ ውን እዚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኢድ ኮለኔል ተስፋልደት ዝጸነሐ ሓላፍነት ብቐጥታ ኣብ ኢድ ኢሳይያስ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ እዚ ሓላፍነት’ዚ ቀዲሙ ውን ኣብ ኢዱ ዝጸነሐ ኢዩ፡፡ሎሚ ኢሳይያስ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ተሸሚምሉ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ፡ ናብ ኣብርሃም ወዱ ከሰጋግሮ  ኣይክእልን’ዩ፡፡ ኣይ ውዕሎን ኢዩ፡፡ ኣይገብሮን ኢዩ ኣይንብልን፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • girmay March 29, 2012

    all essayas measures r ”running 4 zero”.down 2 pfdj.

  • Cambo March 29, 2012

    ከም ዓረባውያን፣ ሪባብሊካውያን ንግስነታውያን ስርዓታት ሶርያ ኢራቕ ግብጺ ሊብያ የመን ሱዑድያ ዮርዳኖስ ዝገብርዎ፣ ያኢ ስልጣን ብሕታዊ ቤተሰባዊ ንብረት ተቖጺርለይ እንድዩ ኣቶ ኢሳያስ ንወዱ ከረክብ ባይታ የጣጥሓሉ ኣሎ።
    ነዞም ኣብዚ ቕንያት እዚ ደስኪሎምን ተረፊቶምን ዘለዉ 300 ነበራት መኮንናት ኤርትራ ነዚ ሓቂ ዘራጉድ እዩ፤ ነዞም ነባራት ተጋደልቲ ብሓደስቲ መንእሰያት ክትከኦም እዩ። ከም ትጽቢት እምባገነናዊ መራሒ ድማ ያኢ ንወዱ ምእዙዛት ክኾኑ እዩ።
    ምናልባት ዶ: ካብ ጊላነት መስፍንነት ይሓይሽ ኢሉ ይኸውን? ከምኡ ተኾይኑ ግና ዋእ ምዕባለ እዩ። ኣንታ ሰብኣይሲ ደሓን እዩ። በዓል ኣሰና እናካፍእዎ እምበር፣ መራሕ ሃገርናስ እንካ ጭደድ እዩ።

  • ተወልደመድህን March 29, 2012

    ይገርመናሎ ጀነራላትን ኮነሬላት ኤርትራ። ሃንጎል ብስብሒ ከብዲ ንቕድሚት እንተኣምሪሑ፡ሕሉፍን ካልእ ቅያን ኣይዝክርን ነቲ ኩሉ ክሰርህ ዝኽእል ኣካል ኅሊና ብስብሒ ተሸፊኑ ይዕመት ኢዩ።እዚ ስለዝኾነ ኢዩ፡ክንደይ መስዋእቲ ዝረኣዩ ናይ ሎሚ ኮነሬላትን ጀነራላትን ንጸይቂ ኢሳያስ ስቕ ኢሎም ተቐቢሎሞ።ሓደ ሰብ ስቕ ኢልካ ክሳብ ዘይረኣካዮ ድልያኡ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ።ኢሳያስ ግን ነዚኦም ሒዙ ድላዩ ኢዩ ክገብር ጸኒሑ።ካብዚ ሃደ ኩናት ባድመ ክቃወሙ ኔሩዎም።ኣይገበሩዎን።ባተሃሳስባ ኢሳያስ ተሃኒጾም’ምበር፡ኣብቲ ግዜ ቅዋም፡ቅዋም ንምንታይ ኣድለየ ተባሂሉ፡ሃደ መራሒ ሃገር ብ ኢደ ወነኑ፡ህዝቢ ኣብዘከላብት፡ልዕላውነት ሃገር ዘድፍር5 ስራሕ ከየምርሕ ዝቕይድ ኢዩ ዝብል መግለጺ ተዋሂቡዎም ኔሩ።ግን ብዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውበ እናበለ ሞተ ይብሉዎ።ብ ኢሳያስ ስልታን ዝሃዙ ብናቱ ኣረኣእያ ዝበሰሉ፡ናይ ኢሳያስ ልሳንን ግብርን ዘለዎም ካብቲ ኢሳያስ ዝበሎ ካልእ ፈጺሙ ስለዘይርደኦም፡ቅድሚ ኦኣመት ዝተወሃቦም ኣስተምህሮ ግዲ ከይገበሩ ናብ ኩናት ኣምሪሖም።ረኺቦማ፡ህዝቢ ለኪሞም።ሎሚ ከኣ ኢሳያስ ንወዱ ኣብዝደለዮ ቦታ ክስኩዕን ስልጣን ክህብ እንታይ ኦኣይነት ጀነራላትን ኮነረላትን ኢዮም።

  • Truly,Truly i say to you March 29, 2012

    I am not a prophet but i would say, Isayas final fate just similar alike that would be like King Saul´s , as it is written in ( 1.st Samuel 31; 1-13.) This means if the war once brake with Ethiopia, or people uprising if once erupt, either by angered Eritreans uprisers, or by Ethiopian army action, no doubt, no one of from his children and others family members that would remain alive. Isayas after he causes for his all children lost and a lot of damage to our nation, no doubt too that he would took suicide like king Saul has done it. Realy It is a curse to be born from this cursed man and to be join through engagement with this cursed man´s son! I wish if not for the sake our nation and many innocent citizens life ,atleast for the sake of his children life safety, he got wisdom to ask repentance or resignation before everything is to let to him.

  • Samir March 29, 2012

    Men eu dea Abraham Isayas Mai Nefhi timhrti Wediuu elka ———-Aywedien ab mongo tetew elu Dekimu higi kea Baelika Degrre kithibo delika Aranshi—–kab withdrowal nab Vice nay Air force Deybu kem Abuuu isayas wun 2F miswesede eu ni Meda Keyduzibehal

  • Fessahaye March 29, 2012

    300 guests may have been at the bride’s family wedding celebrations; but at Esayas’s private wedding invitation for his son in a small location, there were only about 50 selected guests (close friends) excluding Alamin Mohammed Sa’eed, and many other high ranking officials. Someone said that evening was boring and tasteless.

  • SHINTI GHEMEL March 30, 2012

    እቶም ምስ ኣብርሃም ኢሳያስ አፈወርቂ ኣብ ሳዋ ዝነበሩ ከዕልሉ ከለዉ ኣብርሃም ለባም ፣ ዕጉስ፣ ኣርሒቑ ዝሓስብ ምዃኑ እዩ ዝንገር።ከም ፕረሲደንትና ኣብርሃም ፣ ክልተ ትምኒትና፣ ነቲ ህዝቢ ሕያዋይ ኮይኑ፣ ንወያነ ካብ መሬትና ኣውጺኡ፣ መሬትና ከሔንጽጾ እዩ። ብሓይሊ ኣየር ጥራይ እዮም ወያነ ዝበልጹና፣። መንግስትና ንሕና ኤርትራውያን ኢና ነውርዶን ነደይቦን ። መጀመርያ ንወያነ ዘይርስዕዎ ትምህርቲ ክንምህሮም ክንትሓባበር ኣለና። ቅድሚ ኩሉ መሬት እዩ። ወያነ ወርቅናን ፖታሽን ካብቲ መሬት ዓፋር ናይ ኤርትራ ይሰርቀና ኣሎ። ባዕሉ ቀቲልዎም ከማን ይኸውን ነቶም ቱሪስት

  • Cambo March 30, 2012

    1. ኣቶ የማነ ማንኪ ከምዝዝክሮ፣ ሰሎሞን ድራር ከምዝመስከሮ፣ ዓሊ ዓብዱ ከምዘዘንተዎ፤
    ቅድሚ 27 ዓመት ይኸውን፣ ኣብ ኣኽራናት ደንደን ክልተ መልኣኽቲ ብበርቅን ነጎዳን ተጎልቢቦም፤ ብኾኾብ ጭርኡ ተመሪሖም ኣብ ከባቢ ዓራርብ ዘምበዩ። ብድሕሪኡ በቲ ነጎድጓድ ዝጥዕም ደሃዮም ከምዚ በሉ፤
    ሎሚ ካብ ወለዶ ነገስታትን ጻድቃንን ዓሌት ንግስቲ ሳባ ህጻን ተወሊድልኩም ኣሎ። ንሱ ድሕሪ 25 ዓመት ንግስነት ወላዲኡ ንሓምሳ ዓመት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ስጋብ ጁባ ብፍትሕን ብርትዕን ክገዝእ እዩ። ከም ዑፍ ብሰማየ ሰማይ ዝበርር፤ ከም ዓሳ ውሽጢ ውሽጢ ባሕሪ ዝንቆት ቅቡኤ እዝጊሄር እዩ። ስሙ ድማ ኣብርሃም፣ ኣቦን ጎይታን ኩሉ ሓፋሽ ማለት እዩ።
    ብድሕርዚ መሬት ኣንቀጥቀጠት፣ እምባታት ቀርኒ ኣፍሪካ ሓዊ ተፍኡ፤ ንሰራዊት ጸላኢ ራዕዲ ኣተዎም፤ ንዕርድታት ኣፍዓበት ሽዑ ንሽዑ ጠንጢኖሞ ሃደሙ። ብዘይ ሓንቲ ቶኽሲ ከተማ ኣፍዓበት ሓራ ወጸት። ህጻን ኣብራሃም ንብዙሓት ናይ ጸላእን ሶቭየትን መኮንናት ሰዓሮም። እዚ ግና በቲ ኩሉ ዝፈልጥን ለባምን መራሕ ሰውራና ብምስጢር ንርብዒ ዘመን ተታሕዘ።
    እቶም ኣብ ኮለጅ ማይንፍሒ ዝርከቡ፣ ካብ ዓለም ዝበለጹ ናይ ስነእምሮ ሊቃውንቲ ከይተረፉ ውን ህጻን ኣብራሃም ኣብ በረራ ቅዲ ኵናት፣ ጉያ መሮር፣ ምልከተ ቋንቋ፣ ማራቶን፣ ቅድ ድም ብሽክለታ፣ ጉስጢ፣ ጎልፍ፣ ሕምበሳ መዳርግቲ ዘይብሉ ዘርኢ ጥንታውያን ግሪኽ ምዃኑ ብጀነቲካዊ መጽናዕቲ በጺሐሞ።
    ኣቶ የማነ ማንኪ ከምዝመስከሮ ካፕተይን ኣብራሃም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዊን እንተኢልዎ ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ብዓረብ ትግረ እንግሊዝኛን ከምዘንብብ ንዓብደላ ጃብር ጠቒሱ መስኪሩ።
    ነዚ ኣመልኪቱ ታሪኽን መሎኮታዊ ትንቢት ካፕተይን ኣብርሃም እተዝንቱ ሓቀኛ ፊልም፣ እቲ ውሩይ ደራሲ ሰሎሞን ድራር ንህዝቢ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምርኢት ከምዘቕርብ ተፈሊጡ ኣሎ።

    • Cambo March 30, 2012

      2. ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ድማ ቅጡስ ዎ ድኑስ ኣቡነ ድዮስቆሮስን ሊቃውንትን ተወኪሶም፣
      ጥንታውያን መዛግብቲ ፋሕቲሮም፣ ምስ ሊቃውንቲ ገዳማት ውሽጥን ግዳምን ዘትዮም፤
      ካፕታይን ኣብርሃም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጥንታውያን ደብርታት ደንደን እተረኽበ ብራናታት፣
      ካብ ንግስተ ሳባ ከምዝውለድን ንሓምሳ ዓመት ናይ ጽጋብ ዘመን ከምዝነግስን ትምቢት ከምዝነበረን ኣረጋጊጹ።

  • M I March 30, 2012

    በዚ ጉዳይ ኣይትቀንዘዉ።

    ወያነን መዳኽርቱን ካብ ምድሪ ዓለም ዘጥፍእ ኣንተኾይኑ፡ ኣብርሃም ቅጭን ኣይኮነን፡ ዋላ እቲ ፍንፉን ማኑኤል ኣያሱ እውን ኣንተኾነ ምስ ኩሉ ርስሓቱ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተ ውላድ ናይ’ቲ ክቡር መራሒና ስለዝኾነ መዝነት ኣይፍቀዶን’ዩ ክትብሉና እንተኾንኩም ግን . . … ።

    ድሓር ድማ ትፈልጡ እንዲኹም፡

    መበል 43 ፕረሲደንት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረ ጆርጅ ዎከር ቡሽ (George W. Bush) ወዱ ንመበል 41 ፕረሲደንት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረ ጆርጅ ሀርበርት ዎከር ቡሽ (George H. W. Bush) ዶ ኣይኮነን?

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀንዲ ገባሪትን ሓዳጊትን ኮይና ዘላ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዘላ ሂላሪ ክሊንቶን (Hillary Rodham Clinton) በዓልቲ ቤቱ ነቲ ጓል ናይ እንዳማቱ ዘኳሸመ መበል 42 ፕረሲደንት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረ ቢል ክሊንቶን (Bill Clinton) ዶ ኣይኮነትን?

    እንታይ’ዩ እቲ ጸገም? ንኽእለትን ንመንፋዕትን ኣብርሃም ድማ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ከምቲ ነቢይ ኣቡኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በሊሕ ኣይክወንን’ዩ ዝበለኩም መን’ዩ።

    ስለዚ እንታይ ኣሕበጠኩም ብዛዕባ ዘይምልከተኩም ትዛረቡ።

    • Cambo March 30, 2012

      ብዓል ጆርጅ ቡሽ ወይ ወይዘሮ ክሊንተን ብህዝቢ እተመርጹ ወይ ብርእሰ ሃገር ብሕጊ እተሾሙ እዮም።
      እዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግና ንዕቐት ተጋደልትን ህዝብን ዝተሓወሶ ብደዐ እዩ። እዚ ልክዕ ካብቲ ሳዳም ቀዛፊ ኣሳድ ዓብደላ ሳላሕ ሙባረክ ዝገበርዎ ኣጸያፊ ተግባር፣ ስልጣን ከም ውርሻ ናይ ብሕቲ ንብረት ዝርኢ እዩ።
      ምናልባት ንዓሊ ዓብዱ ወይ የማነ ማንኪ ነዊሕ ኣገልግሎቶም ርእዩ እንተ ዝህቦም ብዙሕ ኣይመገረመን። እዚ ዘርኢ ዓሊ ዓብዱን ማንኪን ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ከም ኮንዶም ከም ዝድርብዮም እዩ። ልክዕ ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ:

      • M I April 1, 2012

        Cambo ‘mearey’

        ህዝቢ ዒራቕ ከበሳብሱ፡ ህዝቢ ኣፍጋኒስታ ከበሳብሱ ኮታ ህዝቢ ዓለም ከምድላዮም ከናቑቱ’ስ ህዝቢ መሪጽዎም ክትብለኒ። ንነገሩ መስርሕ ናይ ምርጫ ዓለምና ክንደይ ከይትፈልጥዎ። ብዛዕባ ብህዝቢ ድዮም ተመሪጾም ብገንዘብ ንነብስኻ ንገራ እምበር ነቲ እህህህህ. .. .. ኣናበለ ዝቕንዞ ዘሎ ህዝቢ ዓለም ክትነግሮ ኣይትድለ። ምስ ኢሰያስ ህልኽ ስለዝሓዘካ’ስ ምርጫ ናይ ገበትቲ ቅኑዕ’ዩ ኢልካ ንዓና ከተርድኣና ኣይትፈትን። ኣብ ውሽጦም ኢና ዘሎና። ነቶም ኣብ ጎደናታት ዲሲ ዘለዉ ግዳም ሓደር እሞ ሕተቶም ድሓር መልሲ ካባኦም ክበርሃልካ’ዩ። ወይ ድማ ነቶም ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ጉባኤ ድዩ ኮንፈረንስ ኢሎም ዝጸውዕዎ ናይ ወይጦታት ምታኽኻብ ምርጫ ከምይ ኔሩ ኢልካ ሕተት እሞ ሽዑ ትርጉም ናይ ምርጫ ክበርሃልካ’ዩ።

        እዚ ወድሓንካ

    • Baraee March 30, 2012

      M I

      Your imbecile brain does not think. Any Eritrean has a right to achieve it no derseve it….it means what is this 27 year old Eritrean deserve to earn it.
      Are you telling me most of the people in the Air Force do not deserve this post?
      You are not arguing your point with the readers….You are disrespecting the men and women who served their country ahead of the son of a dictator. You do not care about them? it seems.

      • M I April 1, 2012

        No No No No No . . .. . . . . .

        There is no one position in the Air force. But, Fortunately, Abrhaham is one of them.

        You are trying to shift things from Abrahahm’ issue to other members of the Air force. You mention about respect.

        We call such a tactic ‘aregit shiTara’

        • Baraee April 2, 2012

          M I ,
          You brain is Aregit and probably you hail from a ShiTara clan…which sheds only sadism.

    • Baraee April 2, 2012

      M I,
      So when ever America does something you are telling us it is certified to do it in Eritrea. The people you mentioned do not come hiding and sly….They compete in the open and win or lose. One of the Bush lost and the other won two terms. Hillary lost a presidential election her husband won.
      I dare the dictator to get to election leave alone his son. I have 100 tegadelti members of my family who can out do this megalomaniac and his underperforming son…..He could not even make it to a university.

  • samrawit March 30, 2012

    mi keep it up ur fool comments plz . kale zitsehaf yelen amanuel iyassu, woyane,,,,,,,,.kedamay neger hiji abzi werhi izi america iyu zelo ab ajendakum ayaka america iyu zibele america america,,c.i.a ,,,,,,,…. ok himak temaharay aytikun

    • M I April 1, 2012

      ሳምራዊተይ

      ጸሎተይን ትምኒተይን ኣኮ ኣማኑኤል እያሱ (ከምኡ ዝእመሰሉ ከድዓትን) ሓንቲ መዓልቲ ከም ናይ ብጻዩ ሰለሙን ኣበራ፡ ወያነ ድማ ሓደ እዋን ከም ናይ ኣቦኦም ደርጊ ካብዛዓለም ክጠፍኡለይ እዩ። እይትሓዝለይ ትግራወይቲ እንተኮይንኪ ብኻልእ ኣይትርደእዮ። ወያነ ንህዝቢ ትግራውይ ውን ስለዘይጠቅም’ዩ ከምኡ ዝምነየሉ ዘለኹ። ኤርትራዊት ኣንተኮይንኪ ግን መንድቕ ግሃጺ እምበር ንወያነ ሕማቕ ዘይሓስብኩ ድኣ ንመን ክሓስብ።

      • Baraee April 2, 2012

        M I ,
        Please be careful , do not attack Woyane that much….because you could be in trouble….there is so many of them in our governoment…the Eritrean governoment.

POST A COMMENT