Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዚርሳዕ ኣይኮነን!

ዚርሳዕ ኣይኮነን!   ንዝኽሪ'ቶም ንሽዱሽተ ዓመታት ብዘይበደል ተመቊሖምን ኣብ ገሃነም ምልኪ ስፍሪ ኣልቦ ሓሳረ መከራ ኣሕሊፎምን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ጉጅለ ምልኪ ንገለ ዕላማ ኢሉ፡ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ካብ ናይ ጸላም ጸቢብ ቀይዲ ናብ ናይ ብርሃን ገፊሕ ቀይዲ፡

ዚርሳዕ ኣይኮነን!
 
ንዝኽሪ’ቶም ንሽዱሽተ ዓመታት ብዘይበደል ተመቊሖምን ኣብ ገሃነም ምልኪ ስፍሪ ኣልቦ ሓሳረ መከራ ኣሕሊፎምን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ጉጅለ ምልኪ ንገለ ዕላማ ኢሉ፡ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ካብ ናይ ጸላም ጸቢብ ቀይዲ ናብ ናይ ብርሃን ገፊሕ ቀይዲ፡ ቦታ ዝቐየረሎም ግዳያት ምልኪ፡ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ስቓይውን ተበዲልና ኢሎም ትንፍስ ከይብሉ ምእንቲ፡ ብሓደ ሚልዮን ባጤራ ህግደፍ፡ ብዋሕስ ዝተለቐቑ ሰነ ጥበባውያን ኣሕዋትናን ነቲ ንምዕባለኡ ዝድርዑ ሓያላት ገጠምቲ ስኢኑ ዝነበረ ናዕታን ዮሃና ንኽትብል ብስም’ዞም ገና ብምልኪ ኣፎም ተዓቢሱ ዘሎ ኣሕዋትና ማለት፡ ባሲልዮስ ዘሞ፣ ይርጋኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ በረኸት ምስግና፣ ግርማይ ኣብርሃምን ጴጥሮስ ተፈርን ንኽውርቕ ፍቐዱለይ?
 
ዚረዓደ ከልቢ ንኹሉ ከም ዚነብሕ
ለይቲ ይንዋሕ’ምበር ግድን ከም ዚወግሕ
ሽግርን መከራን ኣመና ኪበዝሕ
ብዕጽፊ ሰዊድካ ናዕታ ከም ትበልሕ
ኣርኢኻና ኣለኻ ብግብሪ ኪትሰርሕ!
 
ብርሃን ዚረኣኻ ካብቲ ጸላም ከውታ
ዚቐደመ ኣይኽፋእ ተመስገን በል ናዕታ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ግን ንኺትረክብ ሩፍታ
ኣበርቲዕካ ጸዓር ንምእላይ’ዚ ሽፍታ!
 
ሕሹኽታ ሰሚዕካ ናይ ሓርነት ስጉሚ
ናዕታ ተስፋ ጌርካ ደስ ኢሉካ ሎሚ
ወዮም ልሳናትካ ሰብ ሞያ ሰብ ዓቕሚ
መስተርሆት ረኺቦም ወጺኦም ካብ ሰልሚ
ልብኻ *ተሸኒሁ ደስ ኢሉዎ ግጥሚ!                      *ተሓጒሱ
 
*ያታና ዚገልጽ ብኣውሎ ብማሰ   *ኣፋዊ ታሪኽና
ንድቁስ ቀስቂሱ ብሉይ ዘሐደሰ
ሞራል ህዝቢ ዚድርዕ ብምኽሪ ብውዳሰ
ኪኢላ ግጥሚዶ ኣፉ ምተዓብሰ!?
 
ጎሮሮ ዚዓጹ ህይወት መተንፈሲ
መሰል ዘየፍቅድ ወግዒ ደሞክራሲ
*ደማሒ ኮይኑ እዩ’ምበር ጨካን ዘየናሕሲ     *መላኺ
ግጥሚዶ ይሙቋሕ’ዩ ባህልና ኮስኳሲ!?
 
ብሓሲብካ ኔርካ፡ ብሓሲብኪ ኔርኪ
ህዝቢ እናቐየዱ ተዓሰብቲ ምልኪ
መስተ ጨጨሊጦም ኣረቂ ምስ ዊስኪ
ሓታቲ ዘይብሎም ብስርዓት ብሕጊ
ሰብ የጥፍኡ ኣለዉ ብኩርማጅ ሓለንጊ!
 
ልብና ዚሓስቦ ዚፈልጥ ቅድሜና
ጉዳመኛ ስርዓት ጉድ’ኮ ረኺብና
‘ሓሲብኩም!’ እናበለ ዚመቊሕ ህዝብና
ወግዓዊ ኪኸውን ክንብሎ ጎይታና
ሓደኣፊቱ ግዳ ስገዱለይ ዘይብለና
ፍግም ክንብለሉ ቤት ጸሎት ሰሪሕና
ማሕለኻ መግዛእቱ እንተ ኣዝለቐልና!
 
እዚ ኩሉ ሕሰም ሓሳረ መከራ
ብስምኪ ዚፍጸም ሃገርና ኤርትራ፡
ከምቲ ዝገልጹዎ ልኡኻት ናይ ምልኪ
እንተ ዚኸውን ኔሩ ዓደይ ንድሕነትኪ፡
ኣይኮነን ማእሰርቲ ንውሱን ዓመታት
ንስውኣልኪ’ምበር ከም ባህሊ ሰማእታት!
 
ንሱ ግን ኣይኮነን ጠንቂ ናይዚ ጸገም
ወሪዶና ዘሎ ምሩቕ መርገም፡
ንስልጣን ውልቀ ሰብ’ዩ ንባህግታት ምልኪ
ሰብ ዚጠፍእ ዘሎ ኤርትራ ብስምኪ!
 
ብለይቲ ኣስሓይታ ብቐትሪ ብሃሩር
ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ሲኦል ክንነብር
ኣጋንንቲ ህግደፍ እናበሉ ክንምርምር
ጸላም ተጎልቢቦም ዘይብሉ ምስክር
ኣብ ቁሱል ኣላትና ክሰብሩዎ ኣባትር
ደምና እናወሓዘ ብቓንዛ ክንግዕር
ዚርሳዕ ኣይኮነን ዘሕለፍናዮ ሽግር!
 
መሰል ፕረስ ይተሓሎ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 02/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Weldu Birhan February 8, 2015

    ግጥሚ ነጻ ዘውጽእ እንተዝኸውን ህግደፍ ቀደም ምተደምሰሰ።ጠበንጃ እዩ ዘድሊ ዘሎ።

  • Mesinas February 9, 2015

    ብጠበንጃ ንመን ኪትቀትል ሓው ወልዱ!? እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ጠቕላላ ካብ ሓንጐል ኤርትራውያን ኪድምሰስ ኣለዎ! ምኽንያቱ፡ እቲ ብጠበንጃ ኪትቀትሎ ትሓስብ ዘለኻ ሰብ (ሰራዊት) እቲ ተገዲዱ ከይፈተወ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ዘሎ ሓወይ/ሓብተይ፣ ሓውካ/ሓብትኻ እኮ’ዩ። እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ነዞም ኩሎም ብፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ናብ እንስሳ ተቐይሮም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ሰብ ከም ዝሓስቡ ብምግባር፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ለውጢ ምምጻእ’ዩ እቲ እንኮ ፍታሕ! ነዚ ንምግባር ከኣ ብዝተፈላለየ ጽሑፋትን ምርኢታትን ህዝብን ሃገርን ብህግደፍ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ብቐጻሊ ምርዳእ የድሊ!

POST A COMMENT