Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዜና ወፈያ – ንደገፍ ሳተላይት ራድዮ ድምጺ ኣሰና

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደገፍትን ኣዕሩኽን ኣሰና፡ ኣብ ዳግማይ ምጅማር ሳትላይት ራድዮ ኣሰና ናብ ኤርትራ ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩ ንዘቕረብናሎም ጻውዒት ኣውንታዊ ምላሽ ብምሃብ ኣበርክቶ ክገብሩ ጀሚሮም ኣለዉ። በዚ መሰረት፡ ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ግዱስ

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደገፍትን ኣዕሩኽን ኣሰና፡ ኣብ ዳግማይ ምጅማር ሳትላይት ራድዮ ኣሰና ናብ ኤርትራ ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩ ንዘቕረብናሎም ጻውዒት ኣውንታዊ ምላሽ ብምሃብ ኣበርክቶ ክገብሩ ጀሚሮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ግዱስ ደጋፊ ኣሰና ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓደ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ኣወፍዩ። ሓንቲ ካልእ ኣብ ጀርመን፡ ፍራንክፈርት እትነበር ግድስቲ ደጋፊት ኣሰና ብወገና፡ ብስም ስውእቲ ተጋዳሊት ጽጋብነሽ ዘርኡ ሚእቲ ይሮ ኣበርኪታ። ግዱስ ደጋፊ ኣሰና ሙልጌታ ካሕሳይ 150 ፓውንድ ስተርሊን ከወፊ ኸሎ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበር ግዱስ ደጋፊ ኣሰና ሙሴ ኣብርሃ ድማ 500 ዶላር ኣመሪካ ኣወፍዩ።

ክቡራት ተኸታተልትን ደገፍትን ኣሰና፡ ከምቲ ኣብ ጻውዒትና ብሰፊሑ ዝገለጽናዮ፡ ነዚ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ እንደገና ኣብ ወርሒ ግንቦት እንጅምሮ ዘለና መዓልታዊ ዝካየድ ፈነወ ሳተላይት ራድዮ ናብ ኤርትራ ኣድማዒ ንምግባር ጀሚርናዮ ዘለና ንሓደ ወርሒ ክሳብ 22 ግንቦት ዝጸንሕ ጎስጓስ ንምዕዋት ኢደይ ኢድካ ክትብሉ ደጊምና ነዘኻኽረኩም።

ብቐጥታ ወፈያን ኣበርክቶን ክትገብሩሉ እትኽእሉ መሳለጥያታት ባንክን ፐይፓልን ኣብ መርበብ ሓበሬታን ፈይስቡክን ኳ እንተሎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቀጥታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ዘጻግመኩም እንተደኣኾይኑ፡ ጻዕርኹም ንምቅላልን ግዜኹም ንምቕቚጣብን ካልእ ኣማራጺ መታን ክትረኽቡ፡ ብቐሊሉ ተራኺብኩም ወፈያ ከተመሓላልፉሎም ወይ ሓበሬታ ክትውከሱዎም እትኽእሉ ወከልቲ ኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዳልዮም ከምዘለዉ `ውን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽረኩም።

ንሳቶም ከኣ፡

  ወኪል ኣዕሩኽ ኣሰና ሃገር ከተማ ቁጽሪ ቴለፎን
   

መድሃኔ ኣፈወርቂ

 

ዓንደብርሃን ዑቕበ

 

 

ኣመሪካ

 

ኣመሪካ

 

ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን

 

ካሊፎርንያን ከባቢኣን

 

4086037040

 

707/318-8816

  በራኺ ዮሃንስ ካናዳ ኦታዋ 6137613324
  ተስፋማርያም ወለገርግስ ኖርወይ ኦስሎ 96828570
  ክብፍሎም በየነ ስዊዘርላንድ   763486375
  ተኽለ ዓዲ ጥልያን ሚላኖ 03397499501
  ኣሮን ኣርኣያ ጀርመን ፍራንክፈርት 015780269940
  ዮሃንስ ዑቕቡ ሆላንድ ሮተርዳም 643197595
  ኣማን ታደሰ ሽወደን   727604470
  ዓንደማርያም ብርሃነ ጀርመን ኑረምበግ 1736937307
  ገብሪሂወት መለስ እስራኤል ተልኣቪቭ 0543177850

እዮም።

 

ኣስማተን ኣብዚ ኣብ  ዘይተረቚሓ ሃገራት እትነብሩ ከም ኣዕሩኽ ኣሰና ኣበርክቶ ክትገብሩ ግዱሳት ወለንተኛታት እንተሊኹም ውን ከም ወከልቲ ናይቲ እትነሩሉ ሃገር ክትተሓባበሩና ንጽውዕ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣሰና ፋውንዴሽን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT