Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ ጽዕነት መኪና ጨውዩ ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ናይ ልደት ዕዳጋ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ህይወት 12 ሰላማውያን ዝለከመ ቱኒዝያዊ ዜጋ ንምሓዝ ብደረጃ ኤውሮጳ ሃድን ይካየድ ከምዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ 19 ታሕሳስ ናይ ጽዕነት መኪና ጨውዩ ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ናይ ልደት ዕዳጋ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ህይወት 12 ሰላማውያን ዝለከመ፣ 49 ንጹሃት ዘቝሰለ ወዲ 24 ዓመት ቱኒዝያዊ ዜጋ ንምሓዝ ብደረጃ ኤውሮጳ ሃድን ይካየድ

ዝሓለፈ ሰኑይ 19 ታሕሳስ ናይ ጽዕነት መኪና ጨውዩ ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ናይ ልደት ዕዳጋ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ህይወት 12 ሰላማውያን ዝለከመ፣ 49 ንጹሃት ዘቝሰለ ወዲ 24 ዓመት ቱኒዝያዊ ዜጋ ንምሓዝ ብደረጃ ኤውሮጳ ሃድን ይካየድ ከምዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ፖሊስ ጀርመን ‘ውን ሃለዋት ናይቲ ኣሸባሪ ብምሃብ ንዝተሓበበሩ 100 ሽሕ ይሮ ሞሳ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ ‘ሎ።

ንሱ ነታ ናይ ጽዕነት መኪና ካብ ሓደ ፖላንዳዊ ኣውቲስታ ብምጭዋይ እዩ ኣብቲ ዕሙር ህዝቢ ዝነበረሉ ዕዳጋ ከቢድ ሓደጋ ፈጺሙ።

እቲ ገበነኛ ቅድሚ ናብ ጀርመን ምእታዉ ኣብ ዓዲ ጥልያን ናይ ሓዊ ሓደጋ ብምፍጻም ንኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሩ ከምዝነበረ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ነቲ መጥቃዕቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣይሰስ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን እየን።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ ኒስ ተመሳሳሊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ነቲ ኣብ በርሊን ዘጋጠመ ሓደጋ ዝያዳ ሓዘን ወሲኹሉ ዘሎ ኩነታት፣ ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል ምስ ሶርያውያን ስደተኛታት ብምድንጋጽ ንምዕቋቦም ኢዳ ዘርጊሓ ዝወሰደቶ ሰብኣዊ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምስጋና በንጻሩ ግብረሽበራ ምፍዳዩ እዩ። እቲ ንየማናዊ  ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጀርመናውያን ሰልፍታት ዕድል ዝህብ ተርእዮ ኣብቲ ዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ዋጋ ከኽፍላ ምዃኑ ድማ ይግመት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT