Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዝሞቱን ዘይሞትናን” 4ይ ክፋል

ናይ ኤርትራውያን ሽግርና እንታዩ ኢልና እንተሐቲትና እቲ ቀንዲ መልሲ ኣብ ካልእ ከይረሓቕና ተመሊስና ንነብስና ምውካስ ከድሊ ኢዩ። ነቲ ሓቂ ጎሲና ኩሉ ንገብሮን ንሓስቦን ካልኦት እንታይ ክብሉና ኣብ ዝብል ሓሳባት ተመርኩስና ስለዝበዝሕ፣ ባዕልናን ወኒናን ካብ ድሌት

ናይ ኤርትራውያን ሽግርና እንታዩ ኢልና እንተሐቲትና እቲ ቀንዲ መልሲ ኣብ ካልእ ከይረሓቕና ተመሊስና ንነብስና ምውካስ ከድሊ ኢዩ። ነቲ ሓቂ ጎሲና ኩሉ ንገብሮን ንሓስቦን ካልኦት እንታይ ክብሉና ኣብ ዝብል ሓሳባት ተመርኩስና ስለዝበዝሕ፣ ባዕልናን ወኒናን ካብ ድሌት ዘመንጨዎ ሓሳባት ወጻኢ ከይፈተና ኣንጻሩ ንሰርሖ ምኻኑ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ኸአ ናብ ኣዚና ፈራሃትን ወይ ከአ ንጥቕሚ ሓደርትን፣ ናይ ዕለታዊ ምንባርና ተገደስቲ ጥራይ ክንከውን ብዝተገብረ ናይ ነዊሕ ጎስጋስ ግዑዙይ ፖለቲካዊ ስራሕ ውጺኢት ኢዩ። ንአብነት ብጊዜ ገድሊ ዝተዋፈረ ናይ ምድሃልን፣ ኣብ ሐደ ሐደ እዋንን ቦታን ከአ ናይ ዕዋላታት  ስራሕ፣ ሓይሊ ተጥቒምካ ንፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ መርገጽ ንዘርኣዩ ንጹሃን ዜጋታት ብሽም ገድልን ሃገርን ዝግበር ዝነበረ መጥቃዕቲ ሐደ ካብቲ ጸሊም ታሪኽ ዘትረፈ በሰላ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ነይሩ። ኣብ ወጻኢ ዓድታት መፈራርሂ ዝጥቀምሉ ዝነበረ ቃላት ”ኢድ ሰውራና ነዊሕ እዩ እንዳተባህለ” ነቲ ብሓሳባት ዝተፈለየ ኣረኣእያ ንዝነበሮን፣ ምስ ጸላኢ ተሓባቢሩ ንገድሊ ዝበደለን ዳርጋ ብሐደ ዓይኒ ከም ጸላኢ ክጥመት ገይሩዎ ነይሩ።

እዚ ጽንሰ ሓሳባት ንነዊሕ ኣብ ውሽጢ ኣሰራርሓ ገድሊ ሰሪጹ ብምጽንሑ፣ ብናይ ሎሚ ህግደፍ ከም ቅኑሕ መስርሕ ተወሲዱ መቐጸልታ እቲይ ጉጉይ መምርሕ ብዘይ እርማት ክቕጽለሉ ይርከብ። እዚ ኸአ ጸረ ሃገርን ህዝብን ንዝሰርሕ ካብቲ ንሃገርን ህዝብን ምዕባለ ተገዲሱ ሕጋዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ከተኣታትው ንዝጠለበ ንጹህ ዜጋ ክፈላልዩ ዘይምድላዮም፣ መሰል ህዝቢ ብዘይ ሓላፊነት ኮነ ተሓታትነት ክረግጹ ብምምራጽሞ ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ነዚ ርኡይ ስርዓት ኣልቦ መንግስቲ ከም ሕጋዊ መንግስቲ ዝቖጽርዎ ሰባት ብዙሕ ምኽንያት ክዋሃቦ ይከአል ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን፣ ህይወትን ናብራን ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ክምስክሩ ዝኽእሉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ንሳቶም ኢዮም። ምስ ቀረባ ዝራኸቡዎን ቤተሰቦምን ኩነታት ሕማቕ ምህላዉ ከዕልሉ እምበር ነቲ ዝተዓዘብዎ ጌጋ ክእረም ዓገብ ዘብል ሓሞት የብሎምን። ብፍርሂ ግና ከዕጀውጅዉን፣ ናይ ሓሶት ምዕባለ ሃገር ክፈጥሩ ይጽዕሩ። ፍርሂ ዝዓመቶ ዓይንን፣ ዘደስከሎ ኣእምሮ ሒዝካ ንሕልናኻ ክትወቅስ ኣይከኣልን።

ግና ከም ተገደስቲ ኤርትራውያን ነቲ ብሓቂ ንኣምነሉን ቅኑዕ ዝኾነ ሓሳባትን ኣሰራርሓን ነጺግና፣ ብኻልኦት እንታይ ከይብሉኒ ዝተዓብለለ ሓሳባት ቀይርና ንኽነረድእ ብዙሕ ኣድላይን ዘይኣድላይን ትንታኔ ክንምህዝ ጊዜና ምጥፋእና ዘሕዝን ኢዩ። ከምቲ መስትያት መልክዕና በቲ ጊዚኡ ዘንጸባርቕ፣ ቃላትና’ውን ፈቲና ጸሊእና ነጽብራቕ ውሽጣዊ እምነትናን ኣተሓሳስባና መግለጺ መንነትና እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ተበላጽነት መልክዕኦም ክቐያይሩ ብዙሕ ምኽንያት ክሰርዑ ኣይርብርቡን ኢዮም። ኩልሳዕ ምኽንያት ምፍጣር እቲ ዝሓሰረ ናይ ተበላጽነት ባህርይ መንጸባረቒ ምኻኑ ዘዕዘብ ዓቕሚ የብሎምን።

ድሕሪ ዕስራ ዓመት ናይ ናጽነት ዕድመ፣ ከም ኤርትራዊ መሰሉ ተጠቒሙ ክመርጽ ክምረጽ፣ ክመርሕ ክምራሕ፣ ክስዕር ክስዓር፣ ክቃወም ክድግፍ፣ ንመሰሉ ክሓትት ሕጋዊ መገዲ ዝተጠቕመ አለኹ ዝብል ዜጋ እንተሎ፣ ጌጋ ይኽላኣለይ ኣይሰማዕኹን። እቶም ደድሕሪ ኢሳያስን ናይ ህድግፍ ኮራኹርን ዘጣቕዑ ነዚ ሕቶ ክምልሱ ድሌት የብሎምን። ናይ ባዕላቶም መሰል ዘይርድኦም፣ ብዛዕባ መሰል ካልኦት ክዛረቡ ኣይኽእሉን ኢዮም።  ተባዕትን ውርዙያትን እንተ ኾይኖም ዘድመጽሉ መራሒ ክርእዩ ንምሕታት ኣፎም ዝለጎሞ ኣንተሎ ስስዐን ፍርህን ጥራይ ኢዩ።። ንሳቶም’ውን ደቂ ትሻዓተ ወርሒ ኢዮም። ክመርጹን ክምረጹን መሰል ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ መሰሎም ንሐደ ውልቀ መላኺ ኣረኪቦም ብዛዕባ መሰል ካልኦት ክዛረቡ መሰል ዝሃቦም የለን። መሰል ናይ ውክልና ዝርከብ ብዕላዊ ናይ ምርጫ ጎስጋስ ብምክያድ፣ ብብዝሒ ደገፍትን ተወዳዲርካ ብዝተመዝግቦ ናይ ፖሊቲካ መርገጽን ዕላማን ክትዕወት ከለኻ ጥራይ ኢዩ።

“ህድግፍ”ን ኢሳያስን ደሞክራስዊ ኣሰራርሓ ጠፊእዎም ከይኮነስ፣ እቲ ንጹር ሳዕቤናቱ ብዕሊ ስለተትረድኦም ኢዩ። ኣፈራሪሆምን ኣርዒዶምን፣ ብብረት ክገዝኡ ዘፍቀደሎም ሕብረተሰብ ክሳብ ዘሎ፣ ስለ ምንታይ ኣብ ስሓቦን ጎትቶን ይዋፈሩ። ኩሉሳዕ ጸላኢ ምፍጣርን፣ ብዛዕብኡ ምጭዳርን፣ ዝሓሰረን ዝቐለለን መገዲ ከሎ፣ ብዛዕባ መሰልን ሃገራውነት ዝምልከት ምትንካፍ ንረብሓኦም ዝጻረር ክሰርሑ ምእንጋድ ዘይዋጸኦም ምኻኑ ምዝኽኻር ኣየድሊዮምን ኢዩ።

ናይ ሐደ ውልቀ መላኺ ባህርይ ብዛዕባ ዓዲ ምዕባለን፣ ቅሳነት ህዝቡን ተገዲሱ ኣይፈልጥን። በአንጻሩ ንህዝቡ መሰሉ ገቢቱ፣ ብዛዕባ ውግን ጽልእን ምስ ጎረባብቲ ምጽሕታር ቀንዲ ናይ ዕድመ ስልጣን መናዊሒ መደብ ብምስራዕ ይሰርሓሉ። ሩሑቕ ከይተመለስና ንድሕሪት እቲ ናይ ትማሊ ደርግ ኣብ ኢትዮጵያ ከመይ የመሓድር ከምዝነበረ መብዛሕቲኡ ዝዝክሮ ዕማቕ ዛንታ ኢዩ። ኣብ ስልጣን ካብ ዝደየበላ መዓልቲ ጀሚሩ ብዘይ ውግን፣ ንንጽሃን ዜጋታቱ ምስቓይን፣ ዘሕለፋ መዓልቲ ኣይነበሮን። ማዕረ ማዕረ ከአ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ብዘይ ምርካቡ ቀሲኑ ዝሓደረላ ለይቲ ኣይነበረትን። ስርዓት ደርግ ብሓንቲ ረፍዲ ብሽሕ ዝቑጸሩ ኣፍራዪ ሓይሊ ንዝነበረ መንእሰይን ምሁራትን ኣፈቐዶ ስንጭሮታት ቀቲሉ ንኣራዊት ቀለብ እድርብዮም ነበረ። ንፍርቆም ከአ ፈቐዶ ኣደባብይ ተሰጢሖም ንመፈራርሂ ካልኦት ክኾኑ ጥራይ ከይኮነስ፣ ንመርዓዲ ህዝቢ ዝጥቀመሎም ዝነበረ መደብ ዕዮ ዘተግብሩ ግፍዐኛታት ኣዋፊሩ። ንውጹዓት ስድረኦም ሐዘን ከም ቤተሰብ ክሓዝኑሎም ‘ውን ኣየፍቅድን ነይሩ። ደርግ ግና ብትዕቢትን ጃህራን ንሱ ከም ፈታውን ተገዳሲ ሃገር ንነብሱ ቆጺሩ፣ ነቶም ብኢ-ሰብኣዊ ዝቐትሎም ዝነበረ ዜጋታት ከም ጸረ ህዝብን ሃገርን ገይሩ ይውንጅሎም ነበረ።

ኢሳያስን ኮራኹሩ “ህግደፍ” ንህዝቢ መሰሉ ቀንጢጦም ከም ናይ ውልቂ ንብረቶም ብሐደራ ኣጽንሓለይ ብዝብል ንዜጋታት ኣብ ፈቐዶ ሕቡእ መሕበሲ ጎዳጉድ ሃላዋቶም የጥፍእዎም አለዉ። ብሕጊ ዘይመጸ ስርዓት ከአ ብሕጊ ክሕተት ስለዘይክእል፣ እዞም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም ኣቕሓ ዝድርበዩ ዘለዉ ዜጋታት ካብቲ ደርግ ዝገብሮ ዝነበረ ዝፍለ ኣይኮነን። እቶም ካብ ከምዚ ዓይነት መጭወይቲ ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ዝነፍጹ ዘለው ዜጋታት ውሑዳት ኣይኮኑን። እዞም ብህይወት ዜጋታት ዘላግጹ ዘለው ዊዒሉ ሓዲሩ ዝሕተትሉ እዋን ክመጽእ እዩ። እዚውን ኣይርሕቕን ይኸውን። ወላ 2011 ትሕለፍ እምበር፣ ከምቶም ብህዝቦም ተፈንፊኖም ዝተደርበዩ መራሕቲ፣ ኢሳያስን ሰዓብቱን ባልጃታቶም ጠርኒፎም ክሃድሙ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ኣይሰሓትን ኢዩ። ገዳፊ ጊዕሩ ጊዕሩ መወዳእትኡ ናብ ህድማን ናብ ትሕቲ ቢንቶ ከም ዝተውተፈ ዓለም መስኪርዎ። እዚ ከአ መስካ ንጹሃን ዜጋታት ደም ኣዕበዶ እምበር ኣየዕወቶን። ኢሳያስ ከአ ከም ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ምስንባዱ ኣይተረፎን።

2012 ከአ ግደ ኤርትራውያን ክትኸውን ተስፋ ንገብር። ህዝቢ ካብ ኢድ ኣረመናውያን ዝናገፍሉ ዓመት ክትኾውን ምእንታን፣ ኣዚና ብሕብረትን ቅንዕናን ዝተዋሃሃደ ቃልሲ ኩሉ ደላይ ሰናይ ህዝቡን ሃገሩን ዝዕውተሉ ዓመት ክትኾነልና ተስፋና ዕዙዝ ኢዩ። እቲ ዓብይ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝቢ ዝተበገሰ ናዕቢ ፍረ ከፍሪ ቆራጽነትን ተወፋይነትን ዘድልዮ ናይ ለውጢ ሽግ ክውላዕ ስዓቱ በጺሑ አሎ።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ንኩላህና ይግበሮ።

 “ 2011 ”

2011 ዓመት ናዕቢ ምንቅስቃስ

ዓመት ምብርባር ምትንሳእ

ዓመት ምፍራስ ምድምሳስ

ንውልቀ-መላኺታት ብምልጋስ

ጭቁን ህዝቢ ጻምኡ ንምሕፋስ

ውሑዳት መንዚዕኺ ብዙሓት ንምሕጋስ

ንውጹሕ በልክዮ ተሸባሸብ ተበገስ።

ኣብ ቱኒዝ ወልዕኺ ሓዊ

ኣብ ካይሮ ግብጺ ተስሕኒ

ኣብ የመን ተሳውሪ ተጓህሪ

ኣብ ቃታር ትቕሕሚ ብሓይሊ

ንሱርያ ደማስቀስ ክትልክሚ

2011 መስል ውጽዓት ክተሰምዒ

ኣብ ኩሉ ዓለም ንዝግበር ግፍዒ

ንፍትሒ ንሕጊ ክትንስኡ ተቓልሒ።

ንልዕሊ 30 – 40 ዓመታት

ንህዝቢ መሰሉ ዝረገጹ

 ብቐትሪ ከም ኣምበሳ ከጓርዑ

ብለይቲ ክሃድሙ ከም ኣናጹ

ንሰላም ረጊጾም ሓይሊ ዝመረጹ

ብክብረት ወዲሰብ ብዙሕ ዘላገጹ

ብደም ንጹሃን ንነዊሕ ዝተሓጽቡ

ብጥሙያት ከብዲ ኩልሳዕ ዝጸገቡ

ንብረት ሃገሮም ንጓኣኖት ዝሓልቡ

ኮረሻ ስልጣን ንነዊሕ ብግፍዒ ዝጋልቡ

ብትዕቢት ዝዳጎኑ ብዕሙት ክልብለቡ

ኣሽሓት ዝልክሙ መውዳእታ ክሃድሙ

መሰል ህዝቢ ንዋንኡ ብሰላም ከየረክቡ።

2011 ነቶም ብዘይቲ ዝተጣልዑ

እቲ ዘይቲ ከጥፍኦም ባዕሉ ጸኒሑ

ሰብኣውነቶም ቀንጢጡ ብዕብዳን ክነብሑ

ጽላሎት ሞት ገዝኦም ኣትዩ ኣንካሕኪሑ

ጭካኖኦም ብሓሞት ተባዓት ተኸሽሑ

ፈኸራታት ፈኪሮም ብዘረባ ከዘንግዑ

ባህራዊ ዲክታተራት ክንደይ ተሰሚዑ

ሓቂ ግን ኣይተረፈን ወዲቑ ተሰሊዑ

ዓለም መስኪርዎ ናይ ጋዳፊ መወዳእትኡ

ህድግፍ ተሪፉ አሎ ናይ ጥፍኣት መዘንኡ

ስዓታት ይቖጽር ይፍሕር መጥፊኢኡ።

2011 ንኤርትራውያን ረሲዕኽና

ወይስ ኣናብስ ቆራጻት ሲኢና

ከምቶም ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ

የማን ጸጋም ዝተሰውእልና ወሓላሉ

ኣሰሮም ዝስዕቡ ንመሰል ክብርና

ከይገደፉ ሓሊፎም መተካእታ ታሪኽና

መቓልስቱ ዝፈልጥዎ ዓበይቲ ኣያታትና

ኣብ ጥሩሑ ናጽነት መስል ከየኽበሩልና

ንኢሳያስ ከም ኣምላኽ ክነጣቕዕ ሰጊድና

መሲሉና ንህዝቢ ዝሓሊ ዘማዕብል ዓድና

ብሕጊ ዘይኣምን ምኻኑ ከይፈለጥና።

ኤርትራዊ ድሌት ሐሪሩ ክሕኑ

ስኣን ለባማት ዘካውሶ ሲኢኑ

ዓመት ክመጽእ ዓመት ክኸይድ

ናይ ሓሶት መደረ ኢሳያስ ከንጎድጉድ

ስኣን ወራዙ ኣሓትና ነሳብኡተን ዝንቕንቓ

ብስኒት ይኣክል ክብልዎ ንዘረባ ነቓዕ

ተኻሓሒልካ ክተርፍ ተጋይፅካ ምስዕሳዕ

እንዳረኣኻ ሃገር ዳህለመት ክስካዕ

መንእሰያት ክሕረዱ ከም ጤለ በጊዕ

ይኣክል ዘይትብሎዎ ነዚ ዕቡድ ስሱዕ

ከም ሙባረኽ ጋዳፊ ከይፈተ ክሰምዕ።

ብቐደሙ እቲ ዘይቲ ነይርዎ ፍሉይ ጨና

ሃብታማት ዘዕብድ ዋናታቱ ንልመና

እንተን ናይ ኤርትራ ወርቂ

ቁንጣሮ ኮይነን ሃብታማት መርሓቒ

ህግደፍ ዝሓሰቦ ለሚኑ መታዓረቒ

ንሃገር ገቢቱ ንህዝቢ መስረቒ

ስልጣኑ መናዊሒ ንዓለም መስሓቒ

መሰል ህዝቢ ገፊፍካ ሕሰበሉ ሓቂ

ኤርትራዊ ምስ ተንሰአ ነጎዳ’ዩ በርቂ።

ራህዋን ቅሳነን ንህዝቢ ኤርትራ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስውኣትና

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 12/29/11”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Kalighe January 4, 2012

    A good start to correct a problem like the one we are suffering from is to look inside (inward), to find out our weaknesses and learn to see things as they are. Due to some historical reasons, we lack the experience and culture needed to handle our issues the way the rest of the world does. Reaching consensus on the most important national issues requires a certain culture that we never had.
    For instance, is it difficult to agree on the national flag ?, how come we can’t agree on such a basic thing if we indeed claim to be one people ?. Almost every political group now has a flag that if conditions permit would not mind to impose it on the nation. When you create a precedent without thinking what will follow it,it shows that we don’t have even the national spirit the flag represents. Every other issue is almost there because of a similar mindless decision taken by few and embraced by many who support it because their group has done it (wudibna …). Will we ever learn ?

  • tesfaldet January 4, 2012

    aye bael netih ajowjow suk elkum tfkru tereti kum neger zeyblkum anbesa nakfa dae hzibu endyu zifetwo ab newyork endo metsieu ayeneberen ab may zatewet anshiwa konkum tim elkum ajafat kidu dae in gotakum MELES tesalemu

POST A COMMENT