Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም።

ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም።                23-04-14፡ ኣቐዲመ ንብሙሉኡ ህዝብናን ሃገርናን ርሑስ ፋሲካ ክኾነልና እምነ። ፈጣሪ ነዛ ዓለምና ሰላም ከውርደላ’ውን ምሒር እጽሊ ። ቀጺለ ከምሓደ ኣረጋውን ኣማኒ ኦርቶዶክስን ፍትሓተ-ጾመ-ልጓም ንምጽምባል ኢለ ቤተ-ክርስትያን ክስዕም ምስከድኩ ብ ዛዕባ ዘጓነፈኒ ከዕልለኩም

ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም።                23-04-14፡

ኣቐዲመ ንብሙሉኡ ህዝብናን ሃገርናን ርሑስ ፋሲካ ክኾነልና እምነ። ፈጣሪ ነዛ ዓለምና ሰላም ከውርደላ’ውን ምሒር እጽሊ ። ቀጺለ ከምሓደ ኣረጋውን ኣማኒ ኦርቶዶክስን ፍትሓተ-ጾመ-ልጓም ንምጽምባል ኢለ ቤተ-ክርስትያን ክስዕም ምስከድኩ ብ ዛዕባ ዘጓነፈኒ ከዕልለኩም ብምንቃደይ ምክትታሉ ናትኩም ይኹን።

ካብ ብዓርቡ ኣትሒዘ ነቲ ስነ-ስርዓት ስለዝቐነኹሉ ከም ናይሎሚ ዓመት’ዃ ተፈስሂኒ ኣይፈልይን። ግናኸ ከምቲ ሓደ ግዜ ዘ ዕለልኩኹም ኣይሕሱብ ነገር ስለዘይተርፍ፡ ኣብ ምስላም መስቀል ምስበጻሕኩ ቀሺ ምሒር ከተኩሩለይ ረኣኹዎም’ሞ ፍሉጥ ዓሚል ብዘ ይምንባረይ ስለዘየለለዩኒ ኮይኑ ጥራይ ኣይተራእየንን። መቸም ዕድሎትና ኣዚዙ ኣብቲ መንፈሳዊ ቦታ’ውን ንርኽ ሰት ካብንጋለጽ ነዊሕ ኣቑጺርና እንዲና፡ ዘመነ-ህግደፍ ኮይኑስ እቲ ዕጡር ገጽ ብሓደ ዘይተበርሆ ነገር ከምዝጨኹተረ ኣይሰ ሓትኩን።ዛንታን ጭብጥነትን ካብተጋጠምና እንተሃበረ “ተቓዋማይ መንግስቲ ድየ ደጋፋይ” ዝዓይነቱ መንፈስ ከምዝበሓቶም ኮይኑ’ዩ ዝተሰማዓኒ። ከምኡ እንተኾይኑ ቀሺ’ዃ ከምኡ ዝወረሶም ኣነ ዓለም’ውን ንወያ መስቀል “ናይ ተቓወምቲ ድያ ናይ መንግስቲ” ብዝመሚ ቆላሕታ ከይለኻዕኩዋ ኣይሓልፍኩን። ልክዕ እንተነይረ ሕቶ ነልዕል ሕጂ። ዋላ’ዃ ንሶም ኣቦ-ነብሰይ እ ንተዘይኮኑ “መንና ኢዩ ጽፉዕ መንከ ቅቡእ? ወዮም ኣሳላሚ ቀሺዶስ ኣነ ተሳላሚ ዓለም?” ዝዓይነቱ ሕቶ ማለተይ ኢየ።

ካልእ ገዲፈ ብዛዕባ ኣዝዩ ዝሓደሰኒ ንምዝራብ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክንድኡ ዝመጠኑ መንእሰይ ተኣኪቡ ምርኣየይ ከየተሓሳ ሰበኒ ኣይተረፈን’ሞ ምስቶም ከምዚ ከማይ ከኣ ተላዘብኩ። ከምኡ መግበርየይ ፍልጠትን ዕብየትን ካብ ምህሮ ጥራይ ኣይኮነ ን ዝርከብ። ዝበዝሐ ምህሮ ኣውራ እቲ ተወራሲ ካብ እሂን ምሂን ሰኒቕካ ብኸምኡ መልክዕ ከተውርስ ዝቐለለን ነባርን ኢዩ። እሞ ምስ ጽኑሕ ብምዝማድ መንእሰይና መስቀል ምስላሙ’ዃ እንተዘይከፍአ ክሳብ ክንድኡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምዕሳሉስ እ ዚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት? ናበይ ገጽና ኢናኸ ንሓዋሩ?” እናበልና ቀጸልና። ሽዑ ዝረኸብኩዎ ኣኽባር ግና ከምቲ ኣመጻጽኣኡ ከየዳመቕኩዎ ምሕላፈይ ንዘይተገዳስነተይ ዘመልክት ገይረ ኣይወሰድኩዎን።

ኣብ ሰዓታት ኣጋግዘ ከምቲ ልሙድ ሓያለይ ስድራታት ተጠራኒፍና ከነውግዕ ስለዝተዓደምኩ ክብረት ኮይኑ ከድኩ። ኩሉ ም ድላዋቱ እንታይ ክወጾ! ተበልዐን ተሰትየን’ሞ ምስቲ ዝተቐረበ ሽሻይ ናብታ ንብርቲ ቡን ምጭላጥ ተደርገምና። ቡን ብባህሪ ኣ ሓሳባት ናይ ምምንጫውን ምዝታይን ባይታ ስለትፈጥር፡ ኢልና ኢልና ናብታ ናይ ወጋሕታ ዕላልና ተደርገምና። ቤተ-ክር ስትያናዊ ዕጥቂ መንእሰያት ዘሐጎሰን ደቂ-ኣንስትዮ ዝወልዐዖ ዕላል ምስሰማዕና ድማ ሓቂ ንምዝራብ ፋዕራአን ኣይገበርናን። ብፍላይ’ቶም ድሮ ብጋሕጋሑ ዘውጋዕናሉ ዘበልና ግን ነንሕድሕድና ተጠማሚትና በቢልብና ብዙሕ ተባሃሃልና።

እቲ ስዒቡ ክዛረብ ዝነበሮ’ውን ከይደንጎየ ናይሎሚ መንእሰያት ሳላ ዝወጸሎም ፈተውቲ ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ብኣውራኡ  ፈጣሪ ካብ ኣፍ ናይቶም ኣዛብእ ሸየጥቲ ሰብ ሰበ-ስልጣናት ከምዘናገፎም ወሲኹ ምስ ኣድመቖ፡ ኣዴታት ከኣ ብኣ ንባኣ መ ድረኽ መንጢለን ብምብሓት ተተመላሊሰን ሳላ ከምኡ ዝኾኑ ኣምላኽ ካብዛ በላዕተኛ ሰብ ሲናን ባሕርን ኣናጊፉ ዓዲ ሰብ ስለዝደርገሞም ምስጋናአን ወሰን ኣይገበራሉን ጥራይ ዘይኮነ ሞሳኡ ምስዓም ቤተ-ክርስትያን’ውን ከምዝወሓዶ ወሳሰኻ።

እቲ ዋዛይን ቁምነገርረይን ከምዝዘባረቖ እናኣምሰለ ዝዋዘየኒ ብዕድመ ዝጸቕጠና በሊሕ መስተውዓሊ በተን ጨምጫማት ኣዒ ንቱ ክቱር ወግኣኒ። ኣስዒቡ ንኩልና ዓብሊሉ እናተቖጻጸረና ዓቲቡ ነቲ ጨዓይ ጸጉሪ መንከሱ እናደባበሰ “መሸም እንታይ ኣ ሎ መስለኩም” ኢሉ ምስጀመረ ከምሕረሉ ጉድ! ኣድህቦ ኩላትና ሰሊቡ ብምቕጻል “ኣቦታትና ክምስሉ”፡ ኢሉ ነዛ ከምኣርእስ ቲ ዝጠቐስኩዋ ምስላ ጠቒሱ እወታ ምስዓም ቤተ-ሃይማኖት ኣሞጒሱ ግንድማ ብትዕዝብቱ ናይ ሎሚ መንእሰይ፡ መንእሰይ ምዃን ብዘይምኽኣሉ ዘለዎ ማዕቀብ ደርጓሓልና።

ንዕላል ድማ ከምኡ ዕላል ዘምጽኦ ኮይኑስ ብወገነይ ሳዕቤንን ጠንቅን ናይቲ ኩሉ ሰብ ፖለቲከኛ፡ ኩሉ ሃይማኖተኛ ምዃን ዘ ምጽኦ ኣበሳ እናኣገማዳሕኩ ናይሎሚ ዘመን መንእሰይ ናብ ቤተ-ክርስትያናት ምዕሳሉ እንታይ ከይከፍእ ኢለ ነብሰይ ክጠባብ ራ ፈተንኩ። እንተኾነ በዓል መድረኽ ኣስዒቡ “እቲ ዝምልከቶ ማለት ናብኡ ዝተመደበ እንተዓሰለስ ኣይመኽፈአን”፡.….. ኢሉ ብዛዕባ ናይ’ዚ ቅንያት እዋናዊት ፕሮፖጋንዳ መንእሰይን ሃይማኖትን ዘርዚሩ ዘንጸርጸረ እናመሰለ “መንእሰይ ክኸይድ ክዕንቀ ፍ፡ ክበልዕ ክሕነቕ ንቡር ነገር ኢዩ። ብዕራይ ክጸሪ’ኮ ኣብ መስገደል ኢኻ ትቖርኖ። ሃገር ድማ ዉዑይ ደም ኢዩ ዋልታኣ! ‘ሕ ጂኸ ናይ መን ደም ክፈስስ’ ኢልካ ጣቛ ካብ ሃይቂ ደም ምውሓዝ’ኮ ኣየናገፈናን”…… ክብል ምሒር ኣስተማሰለ።

ዝሰዓበ ርሱን ናይ እንካን ሃባን ምጉት ቀሊል ኣይነበረን። እምነት ዓላማ፡ ዓላማ ድማ እምነት ኢዩ። ሰብ ኣማሚ፡ እዝጊ ፈጻ ሚ ካብኮነ፡ እዝጊ ክፍጽም ግድን ድማ ሰብ ክእምም ኣለዎ። ዓወት ዓላማ ምጭባጥ ዝካኣል ከኣ ተተኣኪብካ ምንባዕ ዘይኮነ ስ በቢሞያኻ ክትውፈ ክሳብ ምስዋእቲ ኢሉ እንክዛዝም ብዘይካ ጸጥ፡ ዝተፈለየ ርኢቶ ዘቕረበ ሰብ ኣይነበረን። ሰረተ-እምነት መንእሰይ ድማ ከምቲ ዝበሎ ንናይ ጽባሕ ራህዋ ሎሚ ኣብ መከራ ክሳጣሕ ከምዘለዎ ጽዱቅ መሰለ።

ብወገነይ ኣፈይ ኣዲበ’ዃ እንተኣጽቀጥኩ ደቂ ኤርትራ ተኣኻኺብና ናብ ከምዚታት ምድሃብናስ ጽቡቕ ድዩ ፎእ ኢለ ከየጋፋ ሕኩ ናይ ሎሚዘመን ፋሲካ ግዳ ሓንቲኣ ከምትወልድ መሰለትኒ። እንተ’ታ ዝጠቐሳ ንልምሰት መንእሰያት ዓሊማ ውሽጢ-ው ሽጢ ዝለሓመት ብከላ’ሞ እዋናዊት ትመስል’ምበር ብግብርስ ካብ ብጥንቱ ከም መሳርሒት ገዛእቲ ኮይና ኣገልጊላ ኢያ።

ብዛዕባ’ቲ ኣነ ዘምልኾ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ገለ ንምዝራብ፡ መብዛሕትና ከምዝመስለና እዛ ጨንፈር ክርስትና’ዚኣ ከም ዝገደመት ሃይማኖት ጌርና ኢና እንወስዳ። ክዉንነቱ ግና እንተዘይተጋግየ ኣብ 1050 ዓ.ም. ከምተመስረተት ይግለጽ ኢዩ። ብ ተወሳኺ “ተዋህዶ” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ንኦሪትን ሓድሽ ኪዳንን ስለዘጣመረት ጥራይ ኢዩ ። ብዙሓት ካብ ሰዓብታ ከም  ዝብሉዎ ግና ስጋ ዎደሙ ስለዝተወሃሃደ ተዋህዶ ከምዝተባህለት ይገልጹ። ብተወሳኺ ካብ ኣጀማምራኣ’ውን ስልጣን ቤተመ ንግስትን ሃይማኖትን ኣጣሚራ ክትሕዝ ዝሓለነት፡ እንተዘይካኣለት ዓቃቢት መንግስቲ ክትከውን ብዓለማዊ ውሕልነት መን ግስቲ ዝተሰርሐት ምንባራ ዝዝንቶ ዛንታ’ውን ኣሎ እንድዩ፡ ነገር ሓቅነቱን እምነቱን ግን ከከምኣረዳድኣ ሰብ ይኸውን።

ኣነ ድማ’ቲ ሰፊሕ ጥበብ ሃይማኖታዊ ፒለቲካ ተቐጀለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ካብ ብዓንተቦኣ’ውን ኣብ መሓውር ፖለቲካ ትዋሳእ ከምዝነበረት ዘከርኩ። ሃጸይ መነሊኽ’ዃ ብመሰረት ዓንቀጽ ኣርባዕተ ውዕል ውጫለ ኤርትራ ከምዘይእንታ ዮም እናፈረሙ፡ ኤርትራዊት ደብረ-ቢዘን ግና ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ክትከውን፡ ንብረትነታ ድማ ናይ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ክትኮነሎም ተተስፍዮም ኢዮም ዝተፈራረሙ። ብኡ መሰረት ኢቲዮጲያ ኣብ ኣእምሮ ኣገልገልቲ፡ ኣመሓደርትን ኣ ምለኽትን ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ሰፍ ዘይብል መንፈሳዊ ተጽዕኖ ፈጠረትሎም። ኣብ እዋን ዓደይ-ዓደይ ድማ ኦርቶዶክስ ኤርት ራ ንውህደት ምስ ኢቲዮጲያ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረት ይፍለጥ።

ብኡ ዝጀመረኒ ሃይማኖታዊ ማሕታ ትማሊ ቀልጢፉ ኣይመሓረንን። ብፍላይ እዛ ቤተ-ክርስትያን፡ ድሕሪ ናጽነት ንሳ’ውን ካ ብ ኣርዑት ኢቲዮጲያ ዝተሓረረት መሲልዋ ብርቱዕ ለውጢ ክትገብር ከምዝጀመረትን፡ ህግደፍ ድማ ብኸመይ ይጥቀመላ ከ ምዘሎን ክራኣየኒ ጀመረ። ነታ ቤተ-ክርስትያን ብኣምሳሉ ቀሪጹ፡ በቲ ሓደ ከም 09፡ ኩባንያ ምንጪ ኣታዊ ክቕይራ፡ በቲካል እ ተቓውሞ ንክድህኽ ተቓወምቲ ንምዝራግ (ክሳብ ኣብ ሓዳር ከይተረፈ) ከም ዓባይ መንፈሳዊት መሳርሒት ይጥቀመላ’ሎ፡

እዚ ንክኸውን ብቐዳምነት ነቶም ጳጳስ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ምእሳር ዘይምኽኑይ ክንሱ ዘየላቡ ዕማሙ ገበሮ። ሎሚ ድማ ን ወዮም መንእሰያት ብስም ሃይማኖት ኣብ ሓድሽ ስዉር ማሕቡስ ክድርግሞም ይርአ እንሀ። ማለተይ ንምሕጻሩ ብቐደሙ እ ዛ ቤተ-ክርስትያን ፍሉይነት ዓለምን እምነትን መምዮም ስለ’ቲ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዝሓልፉ ውፉያት ኣቕሽሽቲ ኣይኮነትን ት ስእን። ምእንቲ ርስቲ ኣንስቲ ዝዋግኣ እንተኾይነን፡ ኣቕሽሽቲኸ እንታይ ሓቢጥዎም ዘይተባተቡ! ካብ ዝብል ፍቕሪ ሃገር ብቐ ሊሉ ግዳይ ሰበ-ስልጣናት ትኸውን ከምዝነበረትን ከምዘላን ክዝክሮ ከምዘይጸገመኒ ንምግላጽ ኢየ።

ዕላልና ብቃላት መዋግዕትና ከጠቓልሎ። ንሱ ከምትዕዝብቱ፡ በዓል ግዜ መንእሰይ ናይ ባዕሉ ስነ-ምግባር ዝውንን ክኸውን ዝግብኦ ብእዋኑ ዘሕለፈ ጠስጣስ ክነብዕ ምርኣዩ እናኣሕዘኖ ሉምሉም ሰብ ጎበዝ ዓዲ ከምዘይኸውን ኢዩ ከረድኣና ዝፈተነ። ኣዋልድ ዓዲ’ውን ከምጎራዙ መጠን ኣርሓ’ንድዩ ባህገን፡ ንዝዘሓለን መንእሰይ ድማ “እዋይ ወዲያ ኩስቶስ መሽክን ኢዩ፡ ተ ውሳኹ”…. ኢላ ማዕጾ ንትኸፈተለን እናኣመስገና፡ ኣፋተን ሓታቲመን ብድንጋጸ ተተቐባቢለን ”እዋይ ተውሳኹ ደይብሉ” ዓ ጢነ፡ መኾስ ጻሕሊ፡ ዓጣን ደብሪ! ……ኢየን ዝብልኦ” ምስበለና ትዋሕ ኮነ ስሓቕ። ለካስ “ዝራብዕ ኣይለምልም፡ መንእሰይ ኣይሳለም” ዝበሃልስ ከምዚ’ዩ!!!!!!!!!!

ኣብ ዝቕጽል ነገር ዓድዋ የራኽበና።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • concerned Eritrawi April 24, 2014

    Mr. Godefa,
    With all due respect, when one is writing on such public medium one should really be careful not to confuse the general public. I am not sure if it is your intention to confuse and mislead the general public. As it is we Eritrean have enough people playing games knowingly or unknowingly with our people mindset and taking advantage us all. It is very unfortunate we have people who assume they know history and politics, not only that but we as people are so confused that we cannot differentiate politics, religion, family affair and etc. It would be more productive if one can just stick to one subject and not mix others things.
    My brotherly advice to you in the subject of the Orthodox Church, I am not saying that I know more or so, but I just want to clarify that the History of the Church goes way back to Christ and the History of the Eritrean Orthodox Church goes way back to the 3rd Century when Abu Selama Started Monasteries in the Eritrean Mountains. Just for you information I will give you a link of a book about Eritrean Church, Pre-Christianly and to until 19th Century.

    http://tewahdo.org/SpiritualFood/Books/Tewahdo_history/History%20EOC%20Ch%201.pdf

    for more books you can refer
    http://tewahdo.org/SpiritualFood/Books.html

  • lulia April 24, 2014

    zibelkum intebelkum midirawie nab midirie iyu mibale nay midire nab midire iyu walwien mahyiman yikun muhirat kiwiledun kimotun nikulu meare gieruwo iyu amilakina medihanina eysus kiristos. tewahidona orthodoxawiet gin tisisin imber deka dima mieezuzat sinesiriat zelwom iykonu imber nay nefahito tebay yebilomin.tigistegnatat iyom kia.kindaka zeyakila biaka yiwiela ilomo iyom.haki iyu

  • selamawiet April 24, 2014

    zikeberkum assena kemizie nay godefa zitsehafo nimelae hizibi Eritrea silezitinkif bejakum kemizie ayinet tsihuf post aytigiberu.
    wey kia aflitkum nihina kafr ina beluna imo kinfeltekum

  • abraham April 25, 2014

    Mr Godefa you have explained the tigrigna proverb what our society used to define the behave of youth.So you done well.
    Dear redears
    why you said bad words? is it tigrigna proverb? dont give respond our culture.

  • monicasalguero April 25, 2014

    Hawena Godofa: Mekuan ekua entay gedeseni debel helenan-ab gual mengedi keynekatah zbl mkniat sek hile nere.
    Gn neaf-na hasab nehab ente telawetna yehayesh.

    Kerestna ab Eritran Etiopian ab megemeria kfle zeben hiyu Atu. Kab hawariat yemirka. Kab 1-1050 hanti betecristian hiya nera Eta nay hegi Romawit. Menti ezi eta tewhdo kab-Romawit betecristian hiya tefeleya.

    Behabti Amlak eti hake Emnet dro kab megemeria athiza tekebilato sle zkonet Eti gega(2 bahri zbel ayxelowan kab gbxi ztemehalalefa).
    Eta nahna betecristian, Ab 3 SLASIEN- MARIAM ade AMLAKN sle Ene-amen: ORTODOGESEN-CATOLIKEN welahanti zfelyena yelen b-emnet.

    Eti zeysemam-alu: Zgedemet dbelkaya gn kabta zkedemet hiya eko tefelya.
    kab 1-1050 guzo bhansab nabey guhifkayo.
    Ezom Papasat nay Roma Eko Senselet nay Kudus Petros teketilom dmexu yom.

  • dawit April 25, 2014

    ሰላም ጎደፋ፡
    ኣቐዲመ ከምዚ ዓይነት ሕሳባት ከተካፍል ምፍታንካ ጽቡቕ እዩ፡
    ግን ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ኣፍልጦ የብልካን ከምኡውን ምስላ፡።
    እታ መእተዊት ምስላ፥ ካብ መጀመርታኣ ጌጋ እያ።
    ዝራብዕ ኣይለምልም ጎበዝ ኣይሳለም ኣይኮነትን “ዝራብዕ ኣይሕለል፥ ጎበዝ ኣይማህለል” እያ እምበር ዝኾነ መንእሰይ ዘይሳለም የለን ዘይምህለል ቤተ ክርስቲያን ዘይከይድ ኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ቅርዓት ኣፍደገ እናተማህለሉ ገርገራ ይግርግር ኣቡዑር የማሲ ማለት እዩ። እቲ ካብ 1050 በልካዮ ምፍልላይ ግን ፈጺሙ ጌጋ እዩ እቲ ምፍልላይ ኣብ መንጎ ካቶሎክን ኦርቶዶክስን ኣብ 451 ዓ።ም። እዩ ተፈጺሙ።
    እቲ ተዋህዶ ዝተባህለሉ ንኦሪትን ሓድሽን ስለ ዘጠቓለለት እያ ዝበልካዮ፥ ጌጋ እዩ። ሓደ ነገር ጽቡቕ ሓሳብ ዘስፈርካዮ ግን፥ ህግደፍ ንህዝብና ዘምክኖን ዘማህምኖን ዘሎ መገድታት ሓደ ብሃይማኖት ኣሳቢቡ እዩ። ፈጺሞም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣፍልጦ ዘይብሎም ብተሃውርን ብሃሳሰ ለባምን ዝኸዱ፥ ሊቃውንቲን ምሁራን ስነ መለኮትን ዘይውከሱ፥ ስምዒታውያን እናቐስቀሰ ህዝቢ ኣብ ንሓድሕዱ ክማናጨትን ክፈላለን ዝገብር ሓደገኛ ዘራጊቶ እዩ። ስለዚ እቲ ክትብሎ ዝደለኻ ሓሳብ ንጹር እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ግን መንፈሱ ኣይጸላእክዎን። ብዛዕባ ሃይማኖት ግን ፈጺምካ ስለ ዘይትፈልጥ፥ ከምቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ስምዒታውያን ከይትኸውን ጥንቃቐ ከድልየካ እዩ።
    ወድሓንካ።
    ውድቀት ንህግደፍ ጸላኢ ኣምላኽን ጸረ ህዝቢ ኤርትራን

POST A COMMENT