Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝባን

ዝባን ፍሥሐየ መብራህቱ ዝባን መሰረታ ቈላ ዓንዳ ቍልቍለት ናሕሳ ዓቐበት ክብ ዝበለት ዋላ። በራኽ ጠረር ሰማይ ጠቀስ ጎቦ ግመ ዚሸፈና ግርማ ዚዓሰላ ኣለዋዶ መዳይቦ? ዓቐብ ትልኽ ክሳድ ህትፍ ከተፍ ንደጋ ጽላል ህድሞይ ፀሐይ ኣብ ምድማቓ ጠሊ መሬት ድቋ ተጸሚቛ ዋንጫይ ጭልጥ ከርክብ ዕዳጋ ውረድ ደይብ ክብል ምስ ወዲ ሃገር

ዝባን

ፍሥሐየ መብራህቱ

ዝባን መሰረታ ቈላ
ዓንዳ ቍልቍለት
ናሕሳ ዓቐበት
ክብ ዝበለት ዋላ።

በራኽ ጠረር ሰማይ ጠቀስ ጎቦ
ግመ ዚሸፈና
ግርማ ዚዓሰላ
ኣለዋዶ መዳይቦ?

ዓቐብ ትልኽ ክሳድ ህትፍ ከተፍ ንደጋ
ጽላል ህድሞይ ፀሐይ ኣብ ምድማቓ
ጠሊ መሬት ድቋ ተጸሚቛ
ዋንጫይ ጭልጥ ከርክብ ዕዳጋ
ውረድ ደይብ ክብል ምስ ወዲ ሃገር ዜጋ።

ባህጊ ልቢ ሰውሒ ጎልጎል ሻኻ
ባህታ ዓይኒ ቀጠልያ ኣዝመራ
ዳጕሳ ጣፍ-ሓጋይ ምስ ጻዕዳ መሸላ
ስቡሕ መሬታ ዱኻ ምስ ዋለኻ
ኣታ በዓል ወንጭፍ ትሕሉዶ’ሎኻ።

ዝባነይ ፍግረ መሬት ገፈን በሰላ
ሕቃቕ ድጕሪ ማሕረሻ ከርስኺ ኪፍንቃላ
ኩርማጅድን ሓለንጊን ዕጫ መጽዓኛ
ዝባንኪ ውዒሉ ምስ ረሓቐ ዳኛ
ዝባን ሕጊ መጕተ ኣግብእ ዘይብለላ
እኽቢረያ ክብረት ዘይረኽበላ
ጽራይ ሓቲተስ ሐተላ
ፍቕሪ ለሚነስ ኣተላ
ከንቱ ጻማይ ሓሰር ቡቕቡቕ በለላ
ኣንቆልቂለ ዕዝር ሰፈረይ ኣብ ቆላ
ሃዲነ ክበልዕ ኢራባት ምስ ዛግራ
ነጊደ ክናበር ከይፈራሕኩ ናዅራ
ማይ ባድ ክሕጸብ ከይወፈረት ከላ።

ዝባነይከ? ዝባን – ዝባን ሕጊ ካብ እግረይ ከይትተርፊ!!!

Fessahaye Mebrahtu

USA

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mesinas November 1, 2014

    ሓበሬታ ብዛዕባ ግጥሚ “ዝባን!”

    ዝኸበርኩም ኣቶ ፍሳሃየ መብራህቱ ሰላም ከመይ ቀኒኹም? ብመጀምርያ ኣብዚ ውስጠዛዊ ልዙብ ግጥምኹም ዘሎኒ ክብርን ኣድንቖትን ክገልጽ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ኣፍልጦኹም ኣብ ቋንቋን ባህልን ኤርትራ ዓሚቚ ሙዃኑ ካብ ጽሕፍኩም ክግንዘብ ክኢለ ኣለኹ። እንተ ኾነ መልእኽትኻ ብግቡእ ናብ ተቐባሊ ከም ዚሓለፈ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይ ጸሓፊኡ እዩ’ሞ መልእኽትኹም ብግቡእ ከም ዝተመሓላለፈ ንምርግጋጽ ትርጉም ቃላት ክትገብሩ ከም ዘለኩም ደጊመ ከዘኻኽረኩም እደሊ። ምኽንያቱ፡ ኣንባቢኹም ሓንቲ ትርጉማ ዘይፈልጣ ቃል እንተ ረኺቡ ምንባቡ ከቋርጽ ስለ ዝኽእል።
    በዚ መሰረት ናይዘን ዝስዕባ ቃላት ትርጉምን እርማትን ደጊመ ብምጽሓፈይ ኣቐዲመ ይቕሬታ እሓትት።

    ኣቐዲምኩም ‘ኣንባቢ ባዕሉ ደልዩ ይርከቦ’ምበር ኣነ ከም መዝገበ ቃላት ንግጥሚ ትርጉም እናገበርኩ ኣይጽሕፍን’የ!’ ኢልኩሙኒ ከም ዝነበርኩም ኣይረሳዕኩን። እንተ ኾነ ምስዚ ዘሎና ቋንቋና ብግቡእ ናይ ምርዳእ ጸገም፡ ነቲ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዘይዝውቱር ዚኾነ ቃል፡ መብርሂ እናሃብና ክንጽሕፍ ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን ኮይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ፡ ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ኣፍልጦኹም ንምክፋልን ዕብየት ቋንቋና ንምድራዕን ክትሰርሑ ደጊመ እላቦ?

    ዋላ= ብባላ ዝተርሐ ብርኽ ዚበለ መሐለዊ መሸላ
    ኣተላ= ቂም ምሓዝ፡ ጽልኢ
    ዚሸፈና= ንኣንስታይ ስለ ዚኾነ ዝሸፈና ኪጽሓፍ ይግብኦ።
    ዚዓሰላ= ንኣንስታይ ስለ ዚኾነ ዝዓሰላ ኪጽሓፍ ይግብኦ።
    በዓል= ውራይ ማለት ስለ ዚኾነ ብዓል ኪጽሓፍ ይግብኦ።
    ኣለዋዶ= ናይ ምህላው’ንምበር ናይ ምውናን ስለ ዘይገልጽ ኣሎዋዶ ኪጽሓፍ ይግብኦ።
    ፀሐይ= ጸሓይ ተባሂሉ ኪጽሓፍ ይግብኦ። ሐ ግእዝ ዘይኮነስ ሓ ራብዕ ኪኸውን ኣለዎ።
    ጣፍ-ሓጋይ እንታይ ማለትኩም’ዩ?
    ሓለንጊን= ነቲ ሳልስ ናብ ሳድስ ብምቕያር ሓለንግን ተባሂሉ ኪጽሓፍ ይግብኦ።
    ኢራባት= እራባት ተባሂሉ ኪጽሓፍ ይግባእ።
    ትሓስበሉዶ’ኣለኻ። ሕቶ ስለ ዚኾነ፡ ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ ነጥቢ ምልክት ሕቶ ኪኣትዎ ይግባእ። ትሓስበሉዶ ኣለኻ?

    ሓው መሲናስ 1-11-2014 የቐንየለይ።

  • FM November 1, 2014

    መሲናስ – በቲ እትገብረለይ ተደጋጋሚ ሓበሬታ ብዙሕ ኣመስግን፡ ነቲ ዝኣምነሉ ግደፈታት ክእርሞ እየ። ኣብ ገለ ነገራት ዘይንሰማማዓሉ ነግራት ምህላዉ ጊዜ ምስ ረኸብኩ ብጽፉፍ ክሕብረካ እየ። ኣነ ሰዋስው ግእዝን ኣምሓርኛን ብግቡእ ተማሂረ ሰዋስው ትግርኛ ደማ ብዘይካ ሐድሐደ ልማዳዊ ጌጋታት እዅል ስንቂ ኣሎኒ ቢለ ስለዝኣምን ብዙሕ እተሃሰየ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ናብ ንቡር ኪምለስ ኣለዎ በሃላይ እየ። ሓለንጊ እንተበልካ ሐለንጊ(ን)ክብሃል ይከኣል።

  • Mesinas November 2, 2014

    ዝኸበርኩም ኣቶ ፍስሃየ መብራህቱ። ሰላም። ዕላማይ ክልተ’የን። ቀዳማይ፥ ቋንቋናን ባህልናን ብዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚ ምምዕባልን ምስፋሕን፤ ካላኣይ፥ ብዙሕ ቋንቋይን ባህለይን ናይ ምፍልጥን ፈሊጠ ንዘይፈልጡ ናይ ምክፋልን ሃረርታን ሃንቀውታን ስለ ዘሎኒ፡ በዚ መሰረት ካብ ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ፈላጣት፡ ዘይፈልጦ ምፍልላጥን’ዩ! ኣብ ቀጻሊ ስፍሕ ዚበለ ኣስተምህሮኹም ክጽበ’የ። የቐንየለይ።

POST A COMMENT