Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝብሉኺ እንተትሰምዕስ ዕዳጋ ኣይምተቐልቀልክን

መንነት ከም መጣልዒ- ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ 

መንነት ከም መጣልዒ– ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ  ንዛምቢያ ናብ ናጽነት ዘብቅዐ’ዩ:: ንሱ ዛምብያ ኣብ 1964 ናጽነታ ምስ ረኸበት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ጸረዓሌታዊ ቃልሲን ኣብ ዚምባብወ ዝተጎሃሃረ ቃልሲን ብሞራልን ንዋትን ደጊፉ:: ንዓሌታዊ ስርዓታት ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምድኻም ብዋጋ ቁጠባ ሃገሩ እገዳ ከም ዝገበረ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ’ሎ::

ኬነት ካውንዳ ተወዳዳሪ ኣብ ዘይነበሮ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ንዛምብያ ካብ 1964- 1991 መሪሑ:: ኣብ 1991  ኬነት ካውንዳ ብዝኽተሎ ዝነበረ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓትን ምልካዊ ኣካይዳን ኣብ 1991 ኣብ ዝተገብረ ብዝሐ ሰልፋዊ ምርጫ ብፍረደሪክ ቺሉባ ተሳዒሩ:: ፍረደሪክ ቺሉባ ነዚ ዳርጋ ንፍርቂ ዘመን ንዛምብያ ዝተቓለሰን ዝመርሐን ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ኣብ ዝግበር ምርጫ ስግኣት ከይፈጥረሉ ከርሕቖ ወዲ ማላዊ’ዩ ብምባል ካብ’ታ ሃገር ከባርሮ ፈቲኑ:: ኣብ 1999 ንሓጺር ጊዜ ካብ ናይ ዛምብያ ዜግነት ኣጊድዎ::ቺሉባ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ 10 ዓመታት ንቅዋም’ታ ሃገር ቀይሩ ንሳልሳይ ጊዜ ክመርሕ ፈቲኑ ወዲቑ:: ቺሉባ ካብ’ቶም ኣፍሪቃ ዘፍረየቶም ብልሽዋት መራሕቲ ኮይኑ: ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ብዝኾመሮ ሚልዮናት ዶላርን ንብረትን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ሞት ኣርኪባቶ::ቺሉባ ንዛምብያ ዝሃቦ ኣገልግሎት ምስ ኬነት ካውንዳ ዝዳረግ ኣይነበረን: እንተኾነ ንድሑር ስምዒታት ህዝቢ መዝሚዙ ውልቃዊ ረብሓኡ ከኻዕብት ዝፈተነ መራሒ ተባሂሉ ይዝከር::

ኣብ ኤርትራ እውን እቲ  ብዓዲን ብዓውዲን ዝግበር ጸወታ ብደረጃኡን ሕብሩን ደኣ ይፈላለ’ምበር መባኹዕቲ ስልጣን ህግደፍ ከምዝኾነስ ንሪኦ ኣሎና::

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ህዝቢ ሓንቲ ኣደ ተንሲኣ” ኤርትራዊ ዘይኮነ ካብ’ዚ ኣኼባ ይውጻእ” ክትብል መደረት:: ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነበራ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ተንሲአን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ወደን ተሰሊፉ ነበረ’ሞ: ንሰን ድማ ”ውላዳ ኣብ ገድሊ ዘየሰለፈት ካብ’ዚ ኣኼባ ትውጻእ” ብምባል መለሳ::መራሕ እቲ ኣኼባ  መልሲ ናይተን ኢትዮጵያዊት ተረዲእዎ ኣኼባኡ ቀጸለ::

ንባይቶ ዞባ ማእከል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተሳተፈ ሓደ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ንቓልሲ ኤርትራ ዘበርከተን  ብትውልዱ ኢትዮጵያዊ’ዩ ብምባል ክሓምይዎን ካብ’ቲ ምርጫ ከጎናድብወ ከምዝደልዩን ወረ በጽሖ:: ንሱ ድማ ” ምጽራይ ዜግነት ካብ ጀመርኩምስ ካብ ላዕሊ ጀምሩ’ሞ ኣበይ ከምእትበጽሑ ክንርእዮ” ብምባል ተዋዘየ::

እቲ ኢሳያስ ብዶብ ኣመኽንዩ ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዖ ኩናት: ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት በሰላ ገዲፉ’ዩ:: ስርዓታት ክልቲአን ሃገራት ድማ ንፖለቲካዊ ሕሳባቶም ነቲ ተራ ህዝቢ ግዳይ ዝገበረ ግናይ ስጉምቲ ወሲዶም:: ኣብ ኤርትራ ብዝተፈልየ ግን ህግደፍ ድኻሙ ክኽውልን ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝወረዶ ስዕረት ክጉልብብን በቲ ናይ ሓሶት ወረ ዝዝርግሕ መሳርሒ ምልኪ: ንገለ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ብመራሕቲ ሰራዊት ዘገልገሉ ተጋሩ ምስ ወያነ ተሓባበርቲ ኔይሮም ዝብል ወረ ፈንዩ::

መንነት ብተግባር እምበር ብትውልዲ ዝምዘነሉ ጊዜ ከምዘብቅዐ: እቶም መንነት ከጻርዩ ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ ዘለው ይፈልጥዎ’ዮም::ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ኣሜሪካ: ኤውሮጳ: ኣውስትራልያ ሰፊሮም ዜግነትት ናይ’ተን ሃገራት ወሲዶም ኣለው:: ዓደቦኦም ኣይኮነን ዓደዺኦም:: በቲ እተን ሃገራት ብቃልሰን ዘጣጥሓሎም ቅዋምን ሕግን ተጠቒሞም ይመሃሩን ይነብሩን ኣለው::

ኤርትራ ብኣንጻሩ ብሰንኪ ህግደፍ ንዜጋታታ እሾኽ ኮይና: ኤርትራዊ ትሕቲ እንስሳ ዝተቖጽረሉ ጊዜ ኣርኪብና:: ፓስፖርት ኤርትራ እቲ ዝሓሰረ ኮይኑ:: ኣብ ክወየት እቶም ብዱን ዝተባህሉ ዜግነት ዘይነበሮም ሰባት ብገንዘብ ገዚኦም ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ንፈልጥ ኢና::

ህግደፍ ዝሕብሕቦም ደምህት: ግንቦት 7: ኣርበኞችን ካልኦትን ብደምን ኣዕጽምትን ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝኾነት ኤርትራ ይዕንድሩን ዜጋታት የከላብቱን ኣለው::

ኣንጻር ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ብዝተኻየደ ቃልሲ ኤርትራ ንሕበን እምበር ንምልኪ ብምድጋፍ ዘመክሕ ኤርትራዊ መንነት የብልናን::

ኤርትራውያን ንፍትሒ ዘካይድዎ ቃልሲ ዝጉዕጽጽ ምልካዊ ሰብ ህንዳዊ ይኹን ኤርትራዊ ጸረ ኤርትራን ህዝባን’ዩ:: ብኣንጻሩ ንስለ ፍትሒ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ዝስለፍ ዘበለ ጻዕዳ ይኹን ጸሊም ፈታው ህዝቢ ኤርትራ’ዩ::

ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ’ሎ:: ኤርትራዊያን ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን እዋን ዘላ ሃገሮም መዕለቢኣ ጠፊእዎም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው:: እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱን/ ዝተወልዳን ንብሩህ መጻኢኦም ዘጸልመተ ምልኪ ንምምካት እወ ንፍትሒ እምቢ ንምልኪ ብምባል ብነድሪ ተበጊሶም::  ናይ’ዚ ብመንእሰያት ዝካየድ ጸረ-ምልኪ ቃልሲ ኣብ ጀነቭ: ኢትዮጵያን እስራኤልን ተንጸባሪቑ:: ኣብ ደምበ ምልኪን ምስ ምልኪ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ድማ ነቲ ምዕባለ ኣንፈቱ ንምስሓት ሓባል በል’ያ ከይትቕድመኪ: ነቲ ሰልፊ ዝመርሖ ኢትዮጵያዊ ብምባል ሓቀኛ መልክዖም ኣርእዮምና:: ኤርትራ ንፍትሒ ዝቃለስ ሰብ’ምበር: ንፍትሒ ዝጉዕጽጽ ኤርትራዊ ኣየድልያን’ዩ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • ኣቱም ኣሕዋትት ገለ’ዶ ክንብል እቲ መንነትካ ምሕባእ ኣይናይ ነገር ጥዕናን። እቲ ብዛዕባ መበቆል ዘርኢ – ሰብ ግን ካብ ዝመጸ ይምጻእ ብድሌቱ ባዕሉ ዝውለድ ሰብ የለን። ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ሊዕሊ 70 ዓመት ዘሕለፈ፡ እሞ ይሕመቕ ይጸብቕ ተቓሊሱ ኣቃሊሱ ብደረጃ መራሒ ውድብን መራሒ ሰራዊት ናጽነት ኤርትራን ኮይኑ ዝኣተወ ኣቦ ሓጎና ዝኣክል ሰብ ምሉእ ኤርትራዊ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።እቲ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዲክታቶር ስርዓት ብምዃኑ ፍትሒ ስለዘይብሉ ዜጋታት ብኣልማማ ምእሳርን, ምጭዋይን, ምቕታልን, ምክልባትን, ራዕድን,ጥምየትን,ንዝደኸመሉ ዋጋ ብምስኣኑን (Value less) ሰላም ምስኣንን እዩ ። ነዚ 5 ሚልዮን ዘይኣክል ህዝቢ ዘርኢ-ምድሪ ኮይኑ ዝብተንን ፈቖድኡ ዝመውትን ዝጭወን ዝሽየጥን ዘሎ ኣብ ዓዱ ብኽብረት ዘይምሓዞም እዩ።
    ስለዚ ምሉእ ኤርትራዊ ኮይኑ ዋላ መበቆል ዓዱን መንነቱን እንተዝገልጽሞ፡ ዲክታቶር እንተኾይኑ ኩሉ ሓደ እዩ። ንኤርትራ ሃገርና ዘድልያ ዘሎ ሰብ ብፍትሕን ብሕግን ዝመርሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከምቲ ነብስሄር ኣርቲስት ኣቦና ኣብርሃም ሳህለ ዝበሎ” ኣቦ ሰብ ካብ ህበይ ድዩ መጺኡ? ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ኣታ ካብ ዝመጸ ይምጻእ ናበይ ገጹ ከም ዝኸይድ ዘሎ እዩ ጠፊኡና ዘሎ። ዝበሎ የዘኻኽረካ። ወ ደሃንኩም ሰሰናዩ።

  • asmaytluel July 29, 2015

    I am really wondering to read about Dr Daniel Rezene. Did these people know about Daniel’s origin now. They are writing on the name of friend and the like. If they are really friends, they could hav known before. Why is now such shouting? Why are they talking about his identity? I read in one article that his mother is an Eritrea. Good, if his mother is an Eritrean, he is an Eritrean if he choses.

    My advice to Dr Daniel, please do not listen to the loosers, go forward with your aim.

POST A COMMENT