Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝብኢ ዓድና …….. !

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ጉዳይ መቅርቦን ጓንነትን ንፍትሒ ይኹን በደል ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዝምልከቶም ጉዳይ ከምዘይኮነ ንዝኾነ ባህሪያዊ ሰብ ርዱእ`ዩ። ኣብ ባህሪያዊ ዘይኮነ ኣተዓባብያን ኣተሓሳስባን ግና ጉዳይ ወጽዓን ፍትሕን ምስ ወገንነት ተሓላሊኹ ስለ ዝእለም፤ ንምፍላዩ  ዘጸግሞም  ሰባት ይፍጠሩ`ዮሞ። እዚኦም

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ጉዳይ መቅርቦን ጓንነትን ንፍትሒ ይኹን በደል ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዝምልከቶም ጉዳይ ከምዘይኮነ ንዝኾነ ባህሪያዊ ሰብ ርዱእ`ዩ።

ኣብ ባህሪያዊ ዘይኮነ ኣተዓባብያን ኣተሓሳስባን ግና ጉዳይ ወጽዓን ፍትሕን ምስ ወገንነት ተሓላሊኹ ስለ ዝእለም፤ ንምፍላዩ  ዘጸግሞም  ሰባት ይፍጠሩ`ዮሞ። እዚኦም ከኣ ዱኽዒ ደንበ ወጽዓ ኮይኖም ከገልግሉ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ`ዩ።

ወጽዓን ፍትሕን ምስ ወገንነት ተሓላሊኹ ምስተኣልመ  እቲ ንሱ ዝፈጥሮ ሾቮኒዝም ከኣ ዓይንን ልብን ስለ ዝደፍን ወጽዓ ፍትሒ ኮይኑ ዝረኣዮም፤ እቲ ሓደ ክረምቲ ዘየሕልፍ፤ ኣብ ዓዲ ዝተሃንጸ  ጽርግያታት ከኣ ካብ ናይ ቶኪዮ ዝተመሳቀለ ሰማይ ሰማይ ዝኸይድ ጽርግያታት ከም ዝበልጽ  ከእምኑኻ ዝደልዩ  ሰባት ይቀላቀሉ`ዮም !!

ነዝን ወዲ`ዝን ብምዕዛብ “ምብላዕ ምብልዑ  ዝብኢ ዓድና ይብላዓዮ” ዝብል ምስላ ኣብ ክንዲ ብዝብኢ ዓድና ይኹን ብዝብኢ ዓዲ ጓና ኣይንብላዕን ዝብል ለውጣዊ ዕግበት ናብ “ምውጻዕ ምውጽዑስ ወዲ ዓድና ይወጸዓና ዝብል ተምበርካኺ ተረድኦ ማዕቢሉ ከይከውን የስግኣካ`ዩ ።

እቲ ስግኣት ኣብ ቦትኡ ድዩ?እስከ  ከነጻሪዮ ንፈትን፡-

  • ንኣብነት ሃይለ ስላሴ ባህጉ ምስ ረብሓ ምዕራብ ተቋድዩሉ ብደገፎም ንኤርትራ ምስ ጎበጠ፤ ብዘይ ውዕል ሕድር ዘጋጠሞ ተቃውሞ ናይ ትማሊ ታሪኽ`ዩ።ሃይለ ስላሴ በእምሮኡ ድዩስ ብምኽሪ ምዕራባውያን ብዘየገድስ ንጉዳይ ኤርትራ ብሓደ ኢዱ በትሪ ብሓደ ኢዱ ኸኣ ካሮቲ ሒዙ`ዩ ቀሪብዎ።

 

  • እታ በትሪ ዝሓዘት ኢድ፡ ንገድሊ ዝደገፋ ዓድታት ኣንዲዳ፤ ሽፋቱ ኣዋፊራ፤ ንመሰናበዲ ተባሂሉ ኸኣ ንተራ ሰባት ተጋደልቲ ሒዘ ብምባል ሓኒቃ፤ ኣብ ቃልሲ ተራ ዝነበሮም ሽማግሌታት ከይተረፉ ኣሲራ ………….።

 

  • እታ ካሮቲ ዝሓዘት ኢድ ከኣ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሓለፋ ምሃብ፤ ኣብ ገለ ከተማታት መሳጊድ ምስራሕ፤ ምትካል ዘመናዊ ሜዳ ኩዑሶ ፤ ምህናጽ ኤክስፖ ኣስመራ፤ምስፋሕ ማእከላይ ሆስፒታል (እዚ ኩሉ ኣብ 10 ዓመት ዘይመልእ እዋን`ዩ)፤ከምኡ ኸኣ ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣብ ርእሲ`ቲ ኣብ ኣድስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዘለዎም እጃም ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ከምዘለዎ ክቅጽል ምሕዳጉ ……. ዝኣመሰሉ ተግባራት ትፍጽም ነይራ ።

 

  • ዝኾነ ኾይኑ እቲ በትርን ካሮትን ንኤርትራውያን ተጋደልቲ ዘገድስ ጉዳይ ኣይነበረን፤ስለዚ`ዩ ኸኣ እቶም ገና ምሉእ ዕጥቂ ዘይነበሮም ኣቡ ርጀላ ዝመርሖም ቁንጣሮ ክፋል ተጋደልቲ ጀብሃ ብ 1964 ኣብ ተጎርባ (ምዕራባዊ ቆላ) ምስቲ ኣመና ዕጡቅ፤  ኣብ ውግእ ኮርያ ዝተሳተፈ፤  ንተጋደልቲ ቀቲሉ ዘይኮነ ኣሲሩ ከምጸኦም ገመድ ሒዙ ዝወፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገጢሞም ብምስዓር ህዝቢ ኤርትራ ንዓወቱ ከማዕዱ ጌሮሞ`ዮም።

 

  • ድሕሪ`ቲ ናይ ተጎርባ ዓወት 3 ዓመት ኣቢሉ ኸኣ መሓመድ ብርሃን ነጋሽ ዝመርሓ ሓንቲ ጋንታ ኣብ ዳንደር (ሰራየ) ንሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ኣሽበረቶም እቲ ስእሊጎሊሁ ተራእየ። ሓይሊ ማለት፡ ብዝሒ ብረት፤ብዝሒ ሰራዊት፤ብዝሒ ደገፍቲ ሃገራት፤ ከም ዘይኮነ ካልእ ሓይሊውን ከምዘሎ ንህዝብናን ተጋደልትናን ዘምሃረ ተርእዮ ነይሩ ! ሓይሊ ጽንዓት።ምውሳን።ለምንካን ሸሚትካን ዘይርከብ ብረት!!!!!!

 

  • ተማሃሮን መንእሰያትን ብጊደኦም ንዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ምኽንያትን ብምጥቃም ሸብሮ ብምግባር ተቃውሞኦም የርእዩ ነይሮም።ናይ ከተማ ስርርዕን ናይ ፊዳእን ስራሕ ምውህሃድን ሃንደስቲ`ዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል፤ ዘሰላስልዎ ዝነበሩ ናይ ስነ ኣእምሮ ውግእ  ምስ ፍጻሜታት ፊዳእን ምስ ተቃነየ ንሰለይቲ ደሃሎም፤ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ተማሃሮ ብግልጺ ዝኾነ መንገዲ መጽሔታት ሰውራ ክዝርጉሑ፤ ኣቀዲሞም ንኽፍልታቶም ኣትዮም ኣብ ሰለዳ ገድላዊ መልእኽቲ ክጽሕፉ እንከለዉ ሰለይቲ ንድሕነት ነፍሶም ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኣብ ምዃን ደረጃ ዘብጸሔ`ዩ ነይሩ።ብሓጺሩ ሃይለ ስላሴ ኤርትራ ክኣቱን መቃብሩ ምኽዓት ክጅመርን ዳርጋ ሓደ`ዩ ነይሩ

 

  • ደርጊ ኸኣ ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎ ጀኔራል ኣምሪሑ ንጉዳይ ኤርትራ ኣትክሮ ሂቡ ጠባቢሩ ክግስግስ ዝሓሰቦ ኣብ 2 ዓመቱ ናይ ከተማታት እሱር ኮነ፡ ኮታ ኣይጠዓሞን …… መራሒኡ ናብ ስደት ገጹ ኣምረሔ፤ ደምበ ጸሬ ሓርነትና`ውን ኣይጠዓሞምን፤ ኤርትራ ግድን ነጻ ክትከውን ነይሩዋ።

 

  • ኣብታ ነጻ ሃገር ኸኣ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ወጽዓ ተጋህደ፤ ናይታ ነጻ ሃገር ናይ ፖለቲካ እሱራት ካብቶም ናይ ግዜ መግዛእቲ እሱራት ዝወሓደ መብቲ ዘለዎም፤ ዝጣበቅ ዘይብሎም፤ ብስድረኦም ዘይብጽሑ፤ ንቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ ኮኑ። እቲ ዝኸፈኤ ዘይምኽነየሉ በደል ከኣ ነቶም ሓወልቲ ስዉኣትና ዝኾኑ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ብጠያይት ምህራም/ምድፋር`ዩ ………. ወዘተረፈ

 

  • ኣንጻር`ዚ በደላት ዝተወስደ ተጻይ መልሲ/ስጉምቲ እንታ`ዩ ?! በደል ካብ በደል`ዶ ይፈላለ`ዩ?በደል ሓው ካብ በደል ጓና እንተዘይመሪሩ ይጥዕም ድዩ ?! ናይቲ ስቅ ብልሃት እንታይ`ዩ?!!

ዝኾነ ኾይኑ ንወጽዓ ፈጺሙ ዘጥፈኣ ፍትሓዊ ፤ ንፍትሒ ፈጺሙ ዘጥፈኣ ዓማጺ ኮቶ የለን። ግና ዓመጽቲ በርቲዖም ክስርሑ እንኮለዉ ዓመጽ ይነግስፍትሓውያን በርቲዖም ክስርሑ እንኮለዉ ፍትሒ ይነግስ።እቲ ሕቶ ናይ መን ሰረሔ`ዩ ! ዘሪእካ እምበር ለሚንካ ቆፎ ኣይመልእን`ዩ።

AAHafiz(206)12/08/16

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 12, 2016

    A family member who recently escaped the Asmara brutal regime and made it safe in the west states,’KAB ZEYTFELTO MEL’AK TIFELTO SHEYTAN YIHAYSH.’ Eventhough,I was looking forward to hear from the person,I simply hung up the phone.I know what you mean Haw Awelker..

POST A COMMENT