Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን! (14)

ምስ’ዛ ናጽነት ትመጽእ ዘላ ናጽነት ኣብ ዓለም ተራእያ ዘይትፈልጥ’ያ ትብልትምህርቲ መሰል ትምክሕቲ ናይ እንዳ ዝናን ዘሕደረቶ ጽልዋመቸም ንሓዋሩ’ውን መለክዒ ዝርከቦ ኣይመስልን’ዩ። እወ እታ ብቐሊሉ ትጥመትመልክዕ ናይ ናጽነት፡ንኤርትራ ካብ ኢድ ጸላኢ መንጢልካ ዶባት ምሕንጻጽን ባንዴራ ምስቃልን

ምስ’ዛ ናጽነት ትመጽእ ዘላ ናጽነት ኣብ ዓለም ተራእያ ዘይትፈልጥ’ያ ትብልትምህርቲ መሰል ትምክሕቲ ናይ እንዳ ዝናን ዘሕደረቶ ጽልዋመቸም ንሓዋሩ’ውን መለክዒ ዝርከቦ ኣይመስልን’ዩ። እወ እታ ብቐሊሉ ትጥመትመልክዕ ናይ ናጽነት፡ንኤርትራ ካብ ኢድ ጸላኢ መንጢልካ ዶባት ምሕንጻጽን ባንዴራ ምስቃልን ትመስል ኮይና፡ ካብኡ ዝተወልዱ ዘበሉ ጸላኢ ንኸይምለስ ኣብ ዶብ ንኽውዕሉ ጥይት ምትኳስ ይመሃሩ ዝብል ስምዒታዊ መሰነይታ ኣለዋ።እታ ኻልእ መልክዕ ናይ ናጽነት ግን ይትረፍዶ ንናይ ዓዋተ መጽሓፍ’ሲ ወላ ንናይ ወዲ ኣፎም መጽሓፍ’ውን ዝተሰወረታ’ያ ትመስል። ንሱ ከይኣክል ድማ ክሳብ ሎሚ’ውንምስ ደመና ሰማይ እትቕመጥ ምስጢራዊት ሃንቀውታ ተመሲላ’ያ ክትርሕቕ ጸኒሓ ዘላ።

ምናልባት ሎሚ ግን ከምዓለማ ንኽትመስል ካብ ኢድ እንዳ ዝናን ባህታን ንምንጋፋ ዝግበር ዘሎ ናይ ለውጢ ወጠጥ ዓቢ ተስፋ’ዩ ዝህብ። እወ! ህሉው ኩነታት ናይ ዓለምና ከምዘነጽሮብመድፍዕን ድፋዕንንዶባት ምሕጻርእንዳሃሰሰን እንዳ ፈኾሰን እንኪኸይድ፡ እዛ ዓለምድማ ብኢንተርነትን ብተለቭዝንን ኣብ ሓንቲ ዓውዲ ክትውዕል ክትሓድር’ያጸደፍደፍ ክትብልትረአ ዘላ።ስለ’ዚ ሓጹር መድፍዕን ድፋዕን ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ እቶም ናይ ዋንነትን መንነትን ምልክት ኮይኖም ዝጥቀሱን ዘጣቑሱን ደረትን ዶባትን’ኳብቐሊሉ  ክዝለሉ ኢና ንርኢ ዘለና።………ይዋኣት’ቶም ካብናይ ኢነተርነትን ተለቭዝንን ዓለም ተኸዊሎም ዝነብሩ ዘለዉ’ምበር።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብ ዝተፈላላዩ ኩርናዓት ናይ’ዛ ዓለም ንመዋእል ተለሚዶምን ተፈሪሖምን ዝጸንሑ ምኩሓት ባህልታትን ናታቶም ተረባሕቲ ብሙዃንመሪሕ-ተራ ክጻወቱ ዝጸንሑ ሰባትን ብሓዲሽ ሓሳብን ሓደስቲ ሰባትን ብዘየቋርጽ ናይ ለውጢ መስርሕ እናተቐየሩ ንጉዕዞ ምዕባለ ክምብርከኹ ይረኣዩ’ለዉ።……ንለውጥን ምዕባለን ካብ ዘይርዕም ናይ ትማሊ ብድዐ ይሰውረና ጥራይ!

እዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ምስ እዋን ዘይዋሳእ ፍልጠትን ሓይልን እና’ጎሓፈት ንቕድሚት ምግስጋስ ዝጸንሐን ዘሎን ዝነብርን ባህርያታ ኮይኑ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ’ዛ ኸባብ ዓለምና ከኣ ናይ ገንዘብ መኽሰቦም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ካብ መወዳድርቶምብዝያዳ በሊጾምን ተፈትዮምን ዝልለዩሉ መንነት (brand) ከምኡ’ውን ምስኡ ዝልካዕ ናይ ስራሕ ባህሊ ኮስኲሶምን ዓቂቦምን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክጓየዩን ክወዳደሩን እንክትርእዮም ናይ ብሓቂ መንፈሳዊ ቅንኢ’ዩ ዘሕደረልካ።  ከመይ’ሲ ናይ ሰላም ናይ ናጽነት ናይ ምዕባለ መስመር ንሱ ስለዝኾነ። …… ዘይቐንእ ኣይወለድ። (ምስላ)

ወሪዱና ዘሎ ጸገም እምበኣርከስ ከም’ዚ ብተለምዶ ብብዙሕ ኩርናዓት ክንጸባረቕ ዝፍተን፡ማለት ጸላኢ ከም ኣመሉ ይቀላቐላ’ሎ ካብ ዝብል መንቀሊ ናይ ዶብ ሕቶ ከም መርትዖ ኣትሒዝካ ኣብ መወዳእታ ድማ ብውድቀትን ሕመቕን ናይ’ዞም መዋርዶ ኣብ ዘይተቐረበሉ ናይ ስልጣን ጸድፊ ተሰቒሎም ገዛ ዝኣተዉ  ኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን ጥራይ ከተመኽኒ ምፍታን’ዩ እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑኒ ዘሎ ንኣይ።

ብዘይምግናን እንዳ ዝናን ባህታን’ሲፕሮፈሰራት ከይተረፉ ዝሰግዱላ ናይ ሸፈጥ ካሪዝማ ለቢሶም፡ ብልጭልጭ ብትብል ዓፍራ ሰማይ ተሰቒሎም ኣብ ሃዋህው ጸምበለል ክብሉ’ዮምመሬት ዓሪቡዎም። እቲ ዝገርም እንዳ ዝናን ባህታን ብዓይኒ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ናይ ኩሉ ሕቶታትና መልሲ ዝፈልጡ ንሳቶም’ዮም ዝብል ሚዛን ተዓዲሎም ከምዘይጸንሑ፡ ሕጂ ድማ ናይ’ዚኹሉ ኣብ ቅርዓት ዝርአ ዘሎ ሕማማት፡ ማለት ማሕበራውን አኮኖምያውን ፖለቲካውን ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቅልውላው ጠንቂ ንሳቶም’ዮም ዝብል ሚዛን ሰፊኑ ይርአ’ሎ።  ……… መለበሚ ዘምጽእ ይግበሮ።

እንተኾነ ግን እቲ ሕማም ኣብ ርእሲ ጥራይ ድዩ ዘሎ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ካብ ቀደም ካብ ፈለማ ማለት ወያ ርእሲ ክትሓምም ካብ ዝጀመረትሉ ዕለት ኣትሒዙ እቲ ኻልእ ኣካላት’ውን ኣይቀርዓየን፡ ዝብል ኣምፈት እንተታሒዙ እቲ ሕማም ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ’ውን መድሓኒት ንምርካብ ዕድል ክርከብ ክከኣል’ዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግንካብ ታሪኽ ናይ ብሞያን ብሕልናንዝሞተ ቅዲ-ኣመራርሓ ግፍዕታት ክትጸሙቕጥራይ ድቃስ ምስኣን መኣረምታ ሃሰስ ንምባል ሃናጺ ኣማራጺ ዘዕጥቕ ኣይመስልን ዝብል ርኢቶ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ።

እወ ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ እዛ ቅዲኣመራርሓ’ዚኣ ከም ዓንዲ ማእከል ዓወትን ናጽነትን ተመዚና(lionization) ዝሳዕረረትሉ እዋን ሓጺርኣይነበረን። ንሳ ድማ በቲ ዝልገሰላዝነበረ ናእዳን ጣቒዒትን ምስዘቕበበት ንባዕላ ዝኸውን ባህርያት ናይ ጅግንነትን ከሃሌኩሉነትን(hero worship) ኣማዕቢላ። ብኡ’ቢላ ድማ ሓንሳብ-ንሓዋሩ ብስልጣን ጸሚማ ናብ ገደል ጸዲፋ።

ብሓፈሽኡ ግን ነታ ነዛ ናይ ስልጣን ዕብዳን ጸምበለል ተብል ዘላ ዓፍራ ክሳብ ኣብ’ዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ማለት ሰማይ ክሳብ ትቕብቀብ ዝነፋሕናያ’ኮንሕና ኤርትራውያን ኢና። ምናልባት ተውሳኺተይ! ኣይነፋሕኩን ኣነ ዝብል እንተ’ልዩ ድማ፡ እሞ  ኤርትራዊ’ይኮንካንክብሎ እንተደፈርኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ዝገደደ ድማ እቲ ናይ ምንፋሕ መስርሕ ክሳብ ሎሚ ወላምስ’ዚ ኹሉ ኣደራዕ ብኸፊል ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ዘስግእን ዘፍርሕን።…………………ቶግ ክሳብ ትብል’ዩ’መስለኒ! ቶግ ደኣ የብላ’ምበር።

ዝኾነ ኾይኑ እስኪ ናብ’ቲ ቐንዲ ዛዕባይ ክምለስ። ምናልባት እዚ ኽብሎ ዝፍትን ዘለኹ ስብከት መሲሉ ምእንቲ ከይተርፍ ድማ’የ ንትዕዝበትይ ከም ኣብነት እናጸብጸብኩ ርኢቶይ ዘቕርብ ዘለኹ።

ድሕሪ ነዊሕ ኮለል ኣብ ኮምቢሽታቶ እምበኣርከስ ስራሕ ክጅምር ቅጥዕታት ኣማሊአ ፍሕትሕት ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኩ ናይ መወዳእታ ሰሙና’ቢሉ፡ ንሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምሳይ ዝተሰጐ ዓርከይኣበ’ስመራ ካብ ዝጸንሐ ንእሽቶ ሓዉ ንኣይን ንእኡን ትኸውን ዘይተሓስበት ጽብቕቲ ዕድል ተዋህበቶ። እዛ ህያብ’ዚኣ ንሳልስቲ ባጽዕ ኬድና ከነዕርፍ መኪናን ካልእ ዘድሊ ወጻኢታትን ትሸፍን ግብረሰናይ’ያ ኔራ። …… ዘይውዳእ ይዓድሎ!

ስለ’ዚ ሳላ’ዚ መንእሰይ ሓውናምስ’ዚ ዓርከይ ተተሓሒዝና ንባጽዕ ኣንቆልቆልና። ብፍላይ ንኣይ’ኳ ጽብቕቲ ኣጋጣሚት’ያ ኮይናትለይ። ምኽንያቱ ዝዓደግኩዎ እስቤዛ ካብ ፋርሚኮር ክሳብ ዝወሃበኒ ክጽበ፡ ንኽልተ ሰሙን መመላእታ ክራይ ዝኸፈልኩሉ ዕጹው ገዛ ክሕሉ ቀንፈዘው ክብል ካብ ዝቕኒ ናይ ብሓቂ ዘይተጸበኹዋ ግርም መዘናግዒት’የ ረኺበ።

ስለ’ዚ ናይ ጉዕዞ መዓልቲ ኣኺሉ ንባጽዕ ንቕሎ ተጀመረ። ዝገርም’ዩ! ንብሎኮ ቤት ገርግሽ ሓሊፍካ ናብ ሸግርኒ’ቢልካ ቅልቅል ምስበልካ ዝረኣዩኻ ኣጻድፍ ከብድኻ ሓቚፍካ’ዩምዝውረዱ። ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ካብ ብሎኮ ክሳብ እምባትካላ ዘሎ ጎቦታት፡ ከም ሃዳናይ ተመን ተውላሕላሕ እና’በለ ዝጥምጠም ጽርግያ፡ ንባጽዕ ገጸን ዝወርዳ ናይ ጽዕነት መኻይን ሽው ኢለን እንተሓሊፈናኻ ልብኻ’ዩ ዝጠፍኣካ።ካልእስ ይትረፍ ወላ’ታ ንእሽቶ መኪና’ያ ናብ’ቲ ደንደስ ገጻ ክትሃድም ምዩቕክትብል ዝፈተነትመሲሉ ዝስምዓካ።

ዝኾነ ኾይኑ በለስን ታህሰስን ዝመልአ’ጻድፍ ምስ በለሱን ታህሰሱን ንየማነ ጸጋም ሓዲግካ፡ ከተንቆልቁል እንከለኻ፡እሞ ድማ እቶም ኣኻውሕ ከመይ’ሎም ኣብ’ቲ ጸድፊ ንመዋእሎም ውዒሎም ከምዝሓድሩ ምስትንታን እንተፈቲንካ ኣዝዩ’ዩ ዝምስጠካ። እንተኾነ ግን ንሳቶም’ሲ ኣብ ቦትኦም ተኾዲሞምውሕልነት ሃናጺኦምከንጸባርቑ ደኣ’ምበር ደሃይ’ቲ ኣብ ጥቕኦም ዘሎ ጸድፊ ዘለዎም ኣይመስሉን’ዮም። በቲ ጥቕኦም እንተሓሊፍካ ግን እግሪ እግርኻ ስዒቦም ጭፍልቕ ዘብሉኻ ዘለዉ መሲሉ’ዩ ዝስመዓካ።

ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ’ውን  ሓደ-ኽልተ ቢንቶታትን ጋለርያታትን ናይ’ቲ ማዕረ ማዕረ ጽርግያ መኻይን ዝተሃንጸመ’ገዲ ባቡር፡ናብ ናይ ታሪኽ ሓወልቲ ተቐይሮምእንክትርኢ ዘመን እኒ እኒ ሕምባሻ’ኸሎ እምኒ ዝብል ብሂል’ዩ ዘዘኻኽረካ። ተመሊስካ ነብስኻን ተግባርካን ክትምርምር ድማ ይደፋፍኣካ።

ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ካበ’ስመራ ክሳብ ጊንዳዕ ዘላ ሓጻር መ’ገዲ’ሲ፡ ዝርአን ዝድነቕን ጥራይ ዘይኮነ ዝፍራሕ’ውን መሊኡ’ዩ ኔሩ።ዝኾነ ኾይኑ ከይተፈለጠና ቁልቁለት ንግፍ ኢልና ወረድና’ሞ፡ወዮ ከት ከት ክብል ዝጸንሐ ዝሑል ንፋስ ከበሳ ቀልጢፉ ናብ ሓዊ ተቐየረ።

ካብኡ ንእገረ መ’ገድና ማይ ክንሰቲ ኣብ ጊንዳዕ ኣዕረፍና። ንምሳሕ’ውን ካፕረቶ ኣዘዝና’ሞእቲ ዝተቐረበልና ምግቢ ስብሒ ዘይዓብለሎ ስጋ ስለዝነበረ ዝገድፍናሉ’ብልናን። ቁርጥምጥም ኢና’ቢልናዮ።ኣዕጽምቲ እንተዘይኮይኑስ መልዓል መኣዲ’ውን ኣይገደፍናሉን።

ዋእ! ሙቐት ናይ ባጽዕ ከኣ ጊንዳዕ ምስበጻሕካስ ብማዕዶ’ዩ ሃፈጽ ከብለካ ዝጅምር፡ ስለ’ዚ እቶም ኣብ’ቲ ቤት ምግቢ ዝነበሩ መራሕቲ ዓበይቲ መኻይን ገሊኦም ከናቴራ ጥራይ ገለ ድማ መላጉም ዘይብሉ ዝመስል ካምቻ ተኸዲኖም ነቲ ቢራ ከም ማይ ጽጽው ጽጽው! ኣቢሎሞ’ዮምዝዕዘሩ ዝነበሩ።

ንሕና ግን ዘሀውኽ ኣይነበረናን። ርግእ ኢልና ኢና ነቲ መንገዲ ተተሓሒዝናዮ። ዝኾነ ኾይኑ ሽዑ’ውን ከምኣመልና ብዛዕባ ስራሕ ከነዕልል ጀመርና’ሞ፡ ወዮ ዓርከይ ኣነ’ኳ ከም’ዛ ንስኻ ትፍትና ዘለኻ ኣበ’ስመራ ስራሕ ኣይጅምርን’የ። ዝገበርኩ ጌረ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ካብ’ዛ ዓዲ ክወጽእ’የ።እንተ’ዚ ናትካ ነገር ግን የፍርሓኒ’ሎ በለኒ።……………………   ኣብ ዝኸዶ ይቕንዓዮ።

ኣነ ድማ ኣይምሰልካ! ኣይትጠራጠር! ኩነታት ከም’ዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ኣይክቕጽልን’ዩ። ካንዶ ወደይ እዞም ስድራና ዓቢዶም ኢልካዮም! ንግዜኡ’ዮም ፍንጥርያዕ ዝብሉ ዘለዉ’ምበር፡ ኣማስዮኦም’ሲ ዓለም ትብሎም ዘላ ሰሚዖም ናብ ሰላም ክምለሱ’ዮም በልኩዎ። ዓርከይ ግን ክሳብ ሕጂ እዚ ትብሎ ዘለኻ  እንተኾይኑ ትጽቢትካ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘለካ ግምት ጭራሽ ከምዘይትፈልጦም ዘረጋግጽ ዘይበሰለ (Naive) ሚዛን’ዩ በለኒ።

ብምቕጻል ድማ ኣነ ክነግረካ ብምባል ዘረብኡ ኣትሪሩእዚኣቶም ኣይሰምዑን’ዮም! እብለካ’ለኹ ኣይልወጡን’ዮም!እንሀዉልካ ዓዲ ካብ ዝኣትዉ ንሰብዶ ሰሚዖም’ዮም።መማኽርቲ ዘይብሎም። ሕጂ ኸኣ ከም’ዛ ትርእያ ዘለኻ፡ንሸውዓተ ዓመት መመላእታ በይኖም ክልፍልፉ ጸኒሖም’ሲ፡ ኣብ መወዳእታ እነሀካ ንኣና ካብ ገዛና ኣስጒጎሙና። በልስ’ኪ ዓዲ ካብ ዝኣትዉ ኣብ ሸውዕዓተ ዓመቶም እዚኣን ውግእን ጥራይ እንዳኣሎም  ኣፍርዮም’ምበር እንታይዶ ጌሮም’ዮም፡ ዝብል ዘረብኡ ከይወድአ ታንክታት ዝተሰከማ ዓበይቲ መኻይን ለመም እናበላ ሓለፋ’ሞ፡ ርአ በል እዚ’ዩ ምህርቲ ዓድና በለኒ። ሽዑ ዘይተጸበኹዎ ጥርጣረን ፍርሃትን ተሰምዓኒ። ናይ’ዚ ዓርከይ  ምኽርን እተን በቲ ጽርግያ ዝሓለፋ ታንክታት ዝጸዓና መካይንን ድማ ኣንፈት መጻኢ ዕድለይ ዝሕብረኒ ፍሉይ ምልክት መሲሉ ተሰምዓኒ።……………………………… ….ኣይተጠቐምኩሉን ደኣ’ምበር።

ዝኾነ ኾይኑካብ ባጽዕ ምስተመለስኩ ስርሐይ ጀመርኩ። ኣብ’ታ ቀዳመይቲ ሰሙን ድማ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቲቪ ኤረ ናይ ዓረብ ፕሮግራም በብተራ ኢንተርቪው ከነግብረካ ክብሉ በብመዓልቶም ተመራሪሖም ናብ ስርሐይ መጽኡኒ።

ወያ ስራሕ ዝጀመርኩላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድማ ካብ’ተን ኣብ ሂወተይ ዘይርስዐን ፍሉያት ዕለታት ሓንቲ ኮይና’ያትነብር ዘላ። ምኽንያቱ ድሕሪ ብዙሕ ኾለልስራሕ ብምጅማረይ ዝረኸብኩዎ ለውጢ ኣሓጒሱኒ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ታ ዕለት’ቲኣክኣምኖ ዘይከኣልኩ ከምኡ’ውን ሕጊ ናይ’ቲ ዝተመሃርኩሉ መጽሓፍ ዘይቅበሎ ተግባር ብምፍጻመይ ፍልይቲዕለት ኮይና’ያ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ትነብር ዘላ።

እወ! ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ’ዩ ኔሩ፡ ካብ’ቶም ንፈለማ ዝተቐበልኩዎም ሰባት፡  ሓደ ሰብኣይ፡ ንሕጻን ዝኸውን መድሓኒት ክገዝእ መጽአ’ሞ፡ ጽቡቕ ምጅማር ይግበረልካ ክብለካ’የ መጺአ እና’በለ  ካብ ጁቡኡ ኣውጺኡ ናይ ሓኪም ወረቐት ኣቐበለኒ።

ካብ’ተን ኣብ’ታ ወረቐት ተጻሒፈን ዝነበራ መድሓኒታት ሓንቲ ድማ ኣሞክሲሲሊን (amoxicillin 125mg/5 ml) ትብል ነበረት። ኣብ’ቲ ሰዓት’ቲ (ምብሓት 1999) ብፋርሚኮር ትሽየጥ ዝነበረት ኣሞክክሲሲሊን ሽሮፖ ሓንቲ ዓይነት ጥራይ’ያ ኔራ። ካልእ ከደናግር ዝኽእል ተመሳሳሊ ዓይነት መድሓኒት ኣብ ዕዳጋ ኣይነበረን። ስለ’ዚ እዚ ዝዝክሮ ዘለኹ ፍጻሜ ነታ ኡንኮ ኣብ’ታ እዋን’ቲኣ ብፋርሚኮር ትሽየጥ ዝነበረት ኣሞክሲሲሊን ዝምልከት’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ሰፈራ ኣውሪደ ኣብ ቅድሚ ዓዳጋይ ኣቕሪበ፡ ከመይ ጌሩ ከምዝጥቀማላ ንኽሕብሮ ነታ ጥርሙስ ካብ መትሓዚአ (ባኮ) ኣውጺአ፡ …… በል’ሞ  ኣብ’ዛ ትርእያ ዘለኻ ሕንጻጽ  ክሳብ ትበጽሕ ፈሊሑ ብዝዘሓለ ማይ ትብጽብጻ …..ክብል’ከለኹ እቲ ትሕዝቶ ናይ’ታ ጥርሙስ ክልተ ዓይነት ሕብሪ ከምዝነበሮ ተዓዘብኩ። ካብኡ ከም’ዛ ዝኣጎለት እንቋቑሖ ንበይና ፈልየ ወሰና ኣትሓዝኩዋ’ሞ ካልእ ጥርሙዝ ኣውሪደ ስርሐይ ክቕጽል ፈተንኩ። እንተኾነ ግን ትሕዝቶ ናይ’ታ ካልኣይቲ ጥርሙስ’ውን ልክዕ ከም’ታ ቀዳመይቲ ክልተ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎ ኮይኑ ጸንሓኒ። ንመወዳእታ ሳልሰይቲ ፈቲነ ለውጢ ምስሰኣንኩ ግን፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሰብኣይ ናብ ካልእ ፋርማሲ ተለፎን ደዊለ ዘጋጠመኒ ኩነታት ብምሕባር፡ ዓይነይ ዝርእዮ ዝነበረክፍትሽ ፈተንኩ።

ሽዑ ወዮ ዝደወልኩሉ ሰብንስኻ ሕጂ ትጅምር ስለዘለኻ ገሪሙካ’ምበር፡ ንሕናስ ቀደም ንሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ሓቲትና፡ “ካብ’ቲ ዝሰርሖ ካምፓኒ፡ ንጥዕና ዝሃሲ ኩነታት ኣይኮነን ዝብል መረጋገጺ ተዋሂቡና’ዩ’ሞ፡ ሱቕ ኢልኩም ሽጥዎ” ስለዝበሉና ንሸጦ’ለና። ስለ’ዚ ንሳ’ያ ታ’ዝርካብና ሱቕ ኢልካ ሽጣዝ’ሓወይ በለኒ።ኣነ ድማ ኣብ ኢደይ ዝነበረ ሸይጠ ነቲ ሰብኣይ ኣፋነኹዎ።

ሰብኣይ ገንዘቡ ኸፊሉ ምስወጽአ ግን ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ክፍሊ ፋርማሲ ተለፎን ደዊለ ትዕዝብተይ ብምሕባር ተወከስኩዎም። ዝተዋህበኒ መልሲ ከኣ ምስ’ቲ ኣቐዲመ ዝሰማዕኩዎ ዝሳነ “ንጥዕና ከምዘይሃሲ እቲ ካምፓኒ ኣረጋጊጹልና ኢዩ” ይብል። ስለ’ዚ ኣማራጺ ኣይነበረን፡ ስርሐይ ቀጸልኩ።

ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ግን ወያ መድሓኒት ካብ ዕዳጋ ጠፍአት። መተካእታ’ውን ቀልጢፉ ኣይቀረበላን። ስለ’ዚ ሰባት ክሳብ ደቀምሓረን መንደፈራን ጊንዳዕን ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ኣሞክሲሲሊን ሽሮፖ ክደልዩ ፈቐዶ ገጠራት ክንደይ ኮለል’ዩ ሓሊፉ።

ዝኾነ ኾይኑ ቀጺሉ ዝሰዓበ ኩነታት’ዩ ድማ ሕጂ’ውን ኮለል ዘብለኒ ዘሎ። እወ ካብፋርሚኮር ናብ ኩለን ፋርማሲታት ፍልይቲ ደብዳቤ ተላእከት። ትሕዝቶኣ ድማ ነታ ክሳብ ሽዑ ንጥዕና ትሃሲ ኣይኮነትን እናተባህለት ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐትናይ ሕጻናት ኣሞክሲሲሊን ንኸይትሽየጥ ብምእጋድ፡ ኣብ ኢድኩም ዘሎ ምለሱዎ’ሞ ብጥዑይ ክንትክኣልኩም ኢና ዝብል’ዩ ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ንግዜኡስ ካብ ዕዳጋ ዝሰሓብ ኣብ ቀረባ ኣይጸንሐን። እቲ ጥዑይ ዝተባህለሉ ሓዲሽ ተመሳሳሊ መድሓኒት ግን ናብ ዕዳጋ ቀረበ። ዝገርም’ዩ ድሕሪ ሰሙናት ኣቢሉ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ክሊኒክ ካብ ዝነበሮም ገበርቲ ሰናይ ብኣማኢት ዝቑጸር ከም’ቲ “ካብ ዕዳጋ ክሰሓብ ዝተኣወጀሉ  ዓይነት ኣሞክሲሲሊን ናብ ፋርሚኮር ይለኣኽ’ሞ፡ ፋርሚኮር ድማኖ! ኖ! ደንጒኹም! ……….  ናይ ምምላስ መዓልቲ ስለዘሕልፍኩም’ሲኣይንትከኣልኩምኒ’ናብምባል ይኣብይዎም።

ካብኡ ወዮ እዚ ኹሉ ጣጣ ዘጋጠሞ  ምስ’ቶም ገበርቲ ሰናይ ዝሰርሕ ሰብ ባኮታት ሙሉእ ክጎሓፍ ዝግብኦ ናይ ሕጻናት ኣሞክሲሲሊን ዝጸዓነት ቶዮታ ላንድ ክሩይዘር ሒዙ ንእግረ መ’ገዱ ብስርሐይ ኣቢሉ ሓለፈ’ሞነቲዘጋጠሞ ኩነታት ብዝርዝር ኣዕለለኒ። ነዚ ሕጂ ከዘንትዎ ዝፍትን ዘለኹ ታሪኽ ድማ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝኸውን ጌሩኒ።

ምናልባት እሞ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ ዝብል ሓታቲ እንተ’ልዩ ኸኣ፡ እዚ መድሓኒት’ዚ ናይ ሕጻናት’ዩ ኔሩ፡ ንሕጻናት ከኣ’ዩ ተዋሂቡ። ስለ’ዚ ፈለማ እዚ መድሓኒት ጥዑይ ድዩ ተባሂሉ ንዝቐረበ ሕቶ እወ! ብቕዓቱ ዝንኪ ወይ ድማ ንጥዕና ጠንቂ ዝኸውን ኩነታት የብሉን ተባሂሉሉስ፡ ደሓር ተሸይጡ ክሳብ ዝውዳእ ኣጸናቲኻን ተጸቢኻን፡ ……… ክሽየጥ ዝግብኦ መድሓኒት ኣይኮነን’ሞ ምለሱዎ ብጥዑይ ክንትክኣልኩም ኢና ምባል እንታይ ይበሃል። ንሱ ከይኣክል ድማ ካብ ርሑቕ ካብ ገጠር ደንጉዩ ንዝተመልሰ ናይ መድሓኒት ጎሓፍ ኣይንቕበልን ምባል ብምንታይ ክዕቀን’ዩ?ብናጽነት ድዩ ብልኡላውንት።

እወ!ጥዕና ናይ ሕጻናት ብገንዘብ ዘሽርፍምምሕዳር’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ።እሞ ድማ ብናይ መንግስቲ ትካል! ንኣይ ከም ዝመስለኒ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ሞያን ናይ ምምሕዳርን ምልባሰ ካብ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ኣትሒዙ ክሳብ ክንደይ ብዑምቆት ሰሪጹ ከምዝተኾስኮሰ ዘመልክት ኣብነት’ዩ።  እዚ ድማ መራሒና’ዩ ከምኡ ግበሩ ኢሉና ዝብል ናይ ተኣዝዞ መርትዖ ከም ምኽንያትምቕራብ ጥራይ እኹል ኣይብሎን ኣነ። ወጸል ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ክንድኡ ዝምዘን ወሰኽ የድልዮ’ሎ።

ብዘይቃልዓለም እቲ ከም ፍሉይ ምልክት (brand) ዝተመርጸ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ’ዩ ዝሕተተሉ። እዚ ናየ’ሰራርሓ ባህል’ዚ ንመራሕቱ ዕዮ ምስክር ዝህበሉ ቅጥዒ ኣየማዕበለን። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ውሽጡ ንዝቕልቀሉ ድኽመታት ወይ ድማ ጌጋታት ምዕባጥ ከም መለክዒ ናይ እሙን ኣባልነት ዝቖጽር ኣኻይዳ ስለዝዓብለሎ’ዩ ካብ ጌግኡ ናይ ምእራም ብቕዓት ስኢኑ እቲ መስርሕ ብመራሕቱ ከም ገመል ተወጢጡ ናብገደል ዝጸደፈ።   … ለኪሙና ደኣ’ምበር። ስለ’ዚ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይቀራረቡ ክሳብ ክንደይከ ይረሓሓቑ ዝብል መነጻጸሪ ብቐሊሉ ዝዝለል ኣይኮነን።

ዝኾነ ኾይኑ ኣነስ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ኣይጸናሕኩን። ቀልጢፋ’ያ ብቐበሌ’ቢላ ናብ ሳዋ ተበገስ ትብል ወረቐት መጺኣትኒ። ነታ ወረቐት ም’ሰንበብኩ ድማ ኣብ እዋን ደርጊ በብሓደ ንሱዳን ዘፋነኹዎም ኣዕሩኸተይ ኣብ’ዛ ቕድሚ ዓይነይ ድቅን ኢሎም ተራእዩኒ። ስንቂ ጉዕዞ መ’ገዲ ባርካ ዝኸውን ክሎሮኲን ተትራሳይክሊን ቫይታሚን ቢ ኮምፕለክስ ክቖጽር ከለኹ ዝነበረ ናይ ቀደም ኩነታት ትዝ በለኒ።

ምስ ወረደንስ ወረቐተይ ኣንጠልጢለ ኣብ ባሕሪ ሓሳብ’የዝጠሓልኩ። እንታ’ዩ ዝግበሮ ክብል ድማ ንብዙሓት ክውከስ ፈተንኩ። ከም’ዚኣ ትሕሸካ ዝብል ሰብ ግን ኣይረኸብኩን። ፈቐዶ ኣንጎሎ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብዝጥይቑ ዕጡቓት ኣብ ዝተጎብአት ከተማ ኣማራጺ ከምዘይብለይ ምስረአኹ ድማ ወረቐተይ ሒዘ ናብ ቀበሌ ኸይደ እዝግሄር የርእኹም ሕጂ’የ ሓዳስ ፋርማሲ ዝጅምር ዘለኹ። ገዛ ሙሉእ ዝዓደግኩዎ መድሓኒትከ ንመን ገዲፈሉ ክኸይድ’የ ብምባል ኣቤት ክብል ፈተንኩ። እንተኾነ ግን ንስኻ ናይ መድሓኒትካዓጢጡካ ትዛረብ ኣለኻ፡ ንኣና ግንሃገራዊ ጉዳይ ድቃስ ከሊኡና’ሎ። ስለ’ዚ ተበገስ ደኣ ሓውና! ተባሂለ፡ ቀርነይ ተወቒዐ ንገዛይ ተመለስኩ።

ካብኡ ናብ ፋርሚኮር ከይደ ብቐበሌ ናብ ሳዋ ኺድ ይበሃል ኣለኹ’ሞ እቲ ዝሸጥኩሙለይ መድሓኒት ክመልሶ ፍቐዱለይ በልኩዎም። ንሳቶም ድማ ኣይንመልሶን ኢና በሉኒ። ካብኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይ ሃገር ውሽጢ ንግዲ ሓላፊ ኸይደ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕረብኩ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድመይ ናብ ፋርሚኮር ደዊሉ ሓተቶም። ንሳቶም ግን ንእኡ’ውን ኣበይዎ።

ስለ’ዚ መድሓኒተይ ጠንጢነ ሳዋ ወረድኩ። ከም ንቡር ከም ሕጊ እንተዝኸውን ኔሩ ብፍላይ ነቲ ብጥብቂ ቁጽጽር ናይ ፋርማሲስት ክሽየጥ ዝግብኦ ናይ መድሓኒት ዓይነት ክመልሱዎወይ ድማ ኣብ ቦትኡ እንከሎ ቆጺሮም ፋርማሲስት ክሳብ ዝመጽእ ብምባል ክዕሽግዎ ምተገብአ፡ ኣይገበርዎን ግን።

መቸም ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ኣማራጺ ኣይነበረን። ሰልደይን ሰልዲ ለቓሕን ኣዋፊረ ናበይ ከብል። ሳዋ ዝብልዋ ብዓይነይ ረኣኹዋ። እቲ ኻልእ ንግዜኡ ይጽናሓላይ’ሞ፡ ታዕሊም ተወዲኡ! ጻህያይ ተወዲኡ! ኩነታት ለውጢ ስኢኖም ምሰ’ቕበጹ ብሞያን ብስራሕን ትብል ነቓዕ ተፈጢራ ናበ’ስመራ ተመለስኩ። ሽዑ ወዮ ፋርማሲ ኡንኮ መድሓኒት ዘይብሉ ስካፋለ ጥራይ ኮይኑ ገረውረው ክብል ጸንሓኒ።

ገሪሙኒ ንበዓልቲ ቤተይን ሓጋዚታን እንታይ ደኣ ኾንክን መድሓኒት ዘይብልክን እንተበልኩወን፡ በዓል ሞያ የብልኩምን ኢሎም መድሓኒት ከሊኦሙና በላኒ። ጉድ’ዩ ኣብ ኢደን ዝነበረ መድሓኒት ሸይጠን ክውድኣ ሓላል’ዩ ተባሂሉ ተፈቒዱለን’ሲ ካልእ ከይዕድጋ ተኸልኪለን ማለ’ት’ዩ።

ኣንባባይ ከም ምሳሉ ክትርጉማ ነዛ ታሪኽ’ዚኣ ቅሩብ ክምልኣላ፡ ሰብኣይ ዑቑር ሰራዊት ክኸውን ሳዋ ምስወረደ’ሲ ሰበይቲ ብገዛን ብበረኻን ተወጠጠት’ሞ ዓቕላ ጸቢቡዋ ነቶም ዓበይቲ ናብ እንዳ መዓለ’ቦኣ ገዲፋ ነቲ ና’የዋርሕ ዕድመ ዝነበሮ ሕጻን ግን ምስኣ ሒዛቶ ክትወፍር ጀመረት። ካብኡ ኣይደንጎዩን ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና ተቖጻጻርቲ ልኡኻት ናብ’ቲ ፋርማሲ ይመጽኡሞ፡ ፈቲሾም ኣብ ውሽጢ ማለት ኣብ ስሚንቶ ንእሽቶ ተንኮበት ተነጺፋትሉ ዝደቀሰ ሕጻን ይረኽቡ። ካብኡ ነዚ ፋርማሲ’ምበኣር ሆቴል ጌርኩሞ እናበሉ ድላዮም ተዛሪቦም፡ እቲ ሕጻን ካልኣይቲ መዓልቲ ኣብ’ዛ ፋርማሲ ደቂሱ ከይጸንሓና ዝብል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም ከዱ።

ደሓን ትእቶ ሰበይቲ ግን ኣይሓመቐትን! ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመራ ኾለል ስረ’ዕጢቑዋ’ዩ’መስለኒ፡ቆልዑት ትሕዘላን ኣብ ገዛ ትሕግዛን ጎርዞ ቆጸረት። ብኣጋጣሚ ድማ እዛ ጎርዞ ጓል ትግራይ’ያ ኔራ።ዝገርመኮም’ዩ ኣይቀነዩን ግን ቀትሪ ምድሪ ማዕጾ ተዃሕኩሐ’ሞ እታ ጎርዞን ክልተ ደቀይን (ካብ 5 -7 ዝዕድመኦም) ማዕጾ ክኸፍቱ ተቐዳደሙ። ካብኡ ሰለስቲኦም ሓቢሮም እንተረኣዩስ ወተሃደራት ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ተሰሪዖም።  …… ጉድ’ዩ።

ሽዑ እቶም ወተሃደራት ነታ ጎርዞ ታሴራኺ ሃብና’ሞ ንዒ ውጽኢ ካብ’ዚ ገዛ በሉዋ። ንሳ ታሴራኣ ሒዛ ኣብ ቀረባ ዝጸንሓ ንብረታ ኣንጠልጢላ ክትወጽእ ሸበድብደ ክትብል’ከላ ወዮም ቆልዑት እና’በኸዩ ጎዮም ናብ ናይ ጎረቤት ካንቸሎ ኣተዉ። ካብኡ ኣብ’ቲ ካንቸሎ ጸብሒ ትሰርሕ ክዳን ትሓጽብ እንጌራ ትስንክት ኮይነን ዝጸንሓ ኣደታት እንታይ ኮንኩም እነተበለኦም…  ንብዓቶም እናፈሰሰ ንማማ ክወስዱዋ ወተሃደራት ናብ ገዛና መጺኦም ኣለዉ……….  በልወን።

ይዋኣት ደቀይ!!! ቅድሜኹም ይግበረኒ ድየን ዝብላ በዓለ’ደይ! ****** ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንከለዉ ናይ ማይ ናይ ተለፎን ናይ ሉቸ ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ዝኽፈል ኣለኪ ክብሉ ደጋጊሞም ወተሃደራት ናብ ገዝኦም ይመጽኡዎም ስለዝነበሩ ተሰቢሉዎ’ኮ’ዮም  ሕጂ ድማ ኣበ’ስመራ ዝዝክርዎ ዘለዉ*********ኣይንተዓደሎ! ተዓዲልናዮ ደኣ’ምበር።

ካብኡ ወየን ኣንስቲ ነጻላ’ኳ ኣይደለያን። ተመራሪሐን ናብ ገዛና ገጸን ተጓየያ’ሞ፡ እንተረኣያስ ወያ ጎርዞ ክዳውንታ ብፌስታል ኣንጠልጢላ ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ ፈጥፈጥ እናበለት ዋይ ኣነ ጉድ ረኺበ እዚ ገዛን እዞም ቆልዑትን ኣደኦም ክሳብ ትመጽኦም ንመን’የ ዝገድፎም ክትብል ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽራ ክትበኪ ጸንሐተን። ሃየ በጃኻትክን ሓደራ! ክትብል’ከላ ድማ ወየን ኣንስቲ ዝገደፋ’ብለንን!!!

እንታይ ከተርእዩና ኢኹም ኣንቱም ሰባት! ኣቦኦም ወሲድኩሞ ኣደኦም ስራሕ ወፊራ እንከላ’ሲ ምስ ሕጻናት!ክትዛረቡ???? እናበላ መግናሕትን ቆየቛን ኣብ ጽርግያ ዳሕደሐኦ። ካብኡ ጫው ጫው ዝሰምዓ ካልኦት ኣንስቲ’ውን ተኣኻከባ። በብተራን ብሓባርን ድላየን ምስተዛረበኦም ድማ ወዮም ወተሃደራት በታ ዝመጽኡዋ ሰላሕ ኢሎም ተመልሱ።

እዚ’ውን ይሓልፍ! ይብል ድምጺ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሲናይ። ተስፋ ዘይምቑራጽ ጥራይ።

(ክቕጽል’ዩ)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT