Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ዝኸሰረ ነጋዳይ ናይ ቀደም መዛግብቱ ይግንጽል’ -ቃል ኣሰና

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ዝጥፍሽ ሓያለ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። ዝተዋግኦ ኣይነበረን፣ ባዕሉ እዩ ንውደቅቱ ኣቀላጢፉዎ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙን ዓሚጹን ብኢደ-ወነኑ ዘውዲ ዝደፍአ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብገዛእ ምሳሩ ንሰራውር ስርዓቱ ባዕሉ እዩ በብሓደ ቆጥቍጡዎ። እቲ ኢሳይያስ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ዝጥፍሽ ሓያለ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። ዝተዋግኦ ኣይነበረን፣ ባዕሉ እዩ ንውደቅቱ ኣቀላጢፉዎ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙን ዓሚጹን ብኢደ-ወነኑ ዘውዲ ዝደፍአ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብገዛእ ምሳሩ ንሰራውር ስርዓቱ ባዕሉ እዩ በብሓደ ቆጥቍጡዎ።

እቲ ኢሳይያስ ዝበተኾ ቀንዲ ሱር፣ ካብ ትግባረ ናይቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ንምህዳም መመሳመሲ ንምፍጣር ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ምብርዑ እዩ። ወዮ ደኣ ኢሳይያስ ብስስዐ ስልጣን ዓይኑን ኣእምሮኡን ዝዓወረ ዓንዳሪ መራሒ ኮይኑ እምበር፣ ነቲ ቅዋም እንተዘተግብሮ ነይሩ፣ እተን ዓንቀጻት ናይቲ ቅዋም ዝፈቕዳኦ ክልተ ክፍለ-ግዝያት ፕረዚደንትነት 99 ሚእታዊት ካብኡ ኣይምሓለፋን ነይረን። ኣብቲ ሰለስተ ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ብድራማ መስርሕ ንድፊ ቅዋም ላል ዘበሎ፣ ባህጊ ስልጣን ዘይብሉ ክመስል ኣብ ክትዓት ኮምሽን ቅዋም፣ “ክልተ ክፍለ ግዜ ንሓደ ፕረዚደንት ነዊሑ ‘ሎ፣ ሓደ ጥራይ ይኣክል፣ ክሓጽር ኣለዎ” ዝበለ መታለሊ ኢሳይያስ ግን፣ በቲ 99 ሚእታዊት ዕድል ተመራጽነቱ ምትእምማን ስኢኑ፣ በታ ሓንቲ ሚእታዊት ተጠራጢሩ ዘይኮነስ፣ ንስልጣን ንዕድመ ልክዕ ዝብህጎ; ብስስዕቲ ዝተደፍነ ሃጻፍ ውልቀሰብ ስለዝኾነ እዩ፣ ነቲ ንህዝብን ሃገርን ዝለከመ ሓደገኛ ስጉምቲ ወሲዱ።

ምትግባር ቅዋም ማለት፣ ንኹሉ ‘ቲ ሰነድ ኣካቲቱዎ ዝነበረ ብዓቢኡ ብዙሕነት ሰልፍታትን ህዝባዊ ምርጫን ምክያድ፣ ከምኡ ‘ውን ንኹሎም ዜጋዊ መሰላትን ግቡኣትን፣ ሰብኣዊ ሓርነትን ናጽነትን ንምምላእ ዝሕግዙ ዲሞክራስያዊ ትካላት ምትእትታው ማለት ስለዝኾነ፣ እቲ ተጋዳላይ ምእንቲ ናጽንት ብንጽህና እናተሰውአ፣ ቀትሪ ጸላም ከሎ ኣትሒዙ ዝሓለሞ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ውዲት ከይፈሽሎ መታን፣ ቅዋም ካብ ምስ ተተኽለ ከይተተኽለ ምንቃሉ ይቐልል ኢሉ ብተንኮል ስለዝሓሰበ እዩ፣ ማዕረ ብኵናት፣ እሞ ኸኣ ብዋጋ  ህይወት ኣሽሓት መንእሰያት ምጥላዕ መሪጹ። ንቕዋም ከም ህጉም ስለዝፈርሓ እዩ ኢሳይያስ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገደል ክኣቱ ፈሪዱዎ።

“ኵናት ዝፈልጥ ካብ ኵናት ይፈርሕ” እዩ ዝብሃል። እቲ ወትሩ ከቢድ ብረት ኣብ ዘይስምዓሉ ማዕዶ ቤጽሕፈት ኮይኑ ቃለመጠየቕ ክገብር እምበር፣ ‘ነዛ ኵናት እዚኣ መሪሑዋ’ ተባሂሉ ክዕለለሉ ሰሚዕናሉ ዘይፈልጥ ኢሳይያስ፣ ንሓደገኛነት ናይቲ ዝወልዖ ኵናት ክግንዘቦ ዘይምኽኣሉ ብሓቂ ንኵናት ከምዘይወዓለሉ እዩ ዝምስክር። ንፖለቲካ ህዝባዊ ግንባር ከም ድላዪ ዝጠዋውዮ ረቂቕን ሰንካምን መራሒ ከምዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ተጋዳላይ ብግብራዊ ወተሃደራዊ ኣመራርሓኦምን ክእለቶምን ዝዝክሮም መራሕቲ፣ ከም ብዓል ኢብራሂም ዓፋ፣ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ መስፍን ሓጎስ፣ ብርሃነ ገረዝጊሄር ዝኣመሰሉ ክኢላታት ዝርከቡዎም ኣርካናት እዮም ነይሮም።

ምስዚ ኣተኣሳሲርካ ክጥቀስ ዝግብኦ፣ ምናልባት፣ ኢሳይያስ ኣብቲ ትግባረ ቅዋም ንምዕጋት ኢሉ ዝወልዖ ኵናት ከመስክሮ ዝደለየ ካልኣይ ዕላማ፣ ዋና ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ውግእ ኤርትራ ኮይኑ ነቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ዝበኾሮ ታሪኽ ውግኣት መሊኡ፣ ነቶም ናይ ብሓቂ ኣርካናት ኣፎም ከትሕዞም፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኩሉ መዳያዊ መራሒ ተባሂሉ ክረአ ‘ሞ ነቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥሙሑ ዘይንቕነቕ ክገብሮ ኢሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ እንተኾይኑ ካልኣይ ዕብዳን እዩ። ምኽንያቱ፣ ከምቲ ሚኒስተር ዜናኡ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ወትሩ ዝገብሮ ዝነበረ፣ ነታ ብፒሮ ዝኖኾለት ጁባ ዘለዋ ካምችኡ ተኸዲኑ ከሎ ዝተሳእላ ምስሊ “ቃላት ብወርቂ ቀለም” ብዝብል ሓረግ ኣኽቢቡ ብቐጻሊ ኣብ ቲቪ ኤረ ምድግጋም ጥራይ ምኣኸሎ ነይሩ። እቲ ኢሳይያስ ኵናት ዝወዓለላ ብጥይት ዝነኾለት ካምቻ ገይሩ ዝርዳእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኮይኑ በቲ ናጽነት ምምጽኡ ጥራይ እዩ ዘገድሶ እምበር፣ ካብኡ ሓሊፉ ኣይምተጸባጸቦን። ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብቲ ኢሳይያስ ቀደም ዘበርከቶ ጽቡቕ፣ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎ ክፉእ በዚሑዎ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ዘሎ ህዝቢ፣ ዝርዝራት ውግኣት ኢሳይያስ ከጻሪ ትንፋስ ዝህቦ ግዜ ‘ውን የብሉን።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ድኻም ዝስምዖ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ መንግስቲ ኢህወደግ ነቶም ምስ ደርግ ኮይኖም ዝተዋግኡዎ ጀነራላት ካብ ቤትማእሰርቲ ኣውጺኡ ናብ ውግእ ከዋፍሮም ከሎ፣ ንሱ በንጻሩ ንኹሎም’ቶም ብተመክሮ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ዝበሰሉ፣ ኣብ ገድሊ ኣብ ደረጃ ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ዝነበሩ ምስቶም ናይ ዓውደ ውግኣት ኣዘዝቲ ዘራኽቡዎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኵናት ኣደስኪሉ፣ ብደረጃ ኣመራርሓ ነቲ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ኵናት ናቱ ናይ ኢሳይያስ እዩ ኵናት ገይሩዎ። ጸገም ኢሳይያስ ግዳ ኣብኡ ኣይተወደአን። እቲ ምርኡይ ኢሳይያስ፣ ወናኒ ናይቲ ኵናት ክኸውን ኣሻፈረኝ ከምዘይበለ፣ ስዕረት ምቕባል ምሕሳሙ ዝገደደ ኮይኑ ተረኺቡ። በንጻር ዘረብኡ፣ ባድመ ብኢትዮጵያ ምስ ተመንዝዐት፣ ነቲ ን30 ዓመታት ዝተዋህለለ ጅግንነት ኤርትራውያን ናብ ውርደት ምስ ቀየሮ፣ በንጻር ጃህርኡ፣ ጸሓይ ከም ቀደማ ብምብራቕ ምስ በረቐት፣ ወተሃደራዊ ስዕረቱ ናብቶም ኢዶም ኣሲሩ ምስራሕ ዝኸልኦም መራሕቲ ኣጸጊዑ፣ ኣሕቂቑዎም። እቲ ተዓዊቱ፣ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ክምካሓሎም ዝሓሰበ ኢሳይያስ፣ ምስ ፈሸለ ቀኒዑ ዓይኒ ዓይኖም ምጥማት ስለዘጸገሞ “ተሓባበርቲ ወያነ ነይሮም፣ ተምበርኪኾም” ኢሉ ኣብ ጸላም ምሕዩር ክኸውሎም ወሲኑ። እቶም በጥ ዘበሉዎ ወያነ ክንሶም፣ “ተመበርኪኾም” ኢሉ ብምጽላም ሕነ ስዕረቱ ኣብቶም ግዳያት ፈድዩ።  እዚ ኸኣ ምብታኽ ተወሳኺ ስራውር ስርዓቱ ምዃኑ እዩ።

ስርዓት ኢሳይያስ ከመይ ኢሉ ከምዝጠፈሸ ‘ሞ፣ ልክዕ ከምታ ኣብ መሬት ወዲቓ ክንሳ ሓንቲ ሱር ሒዛ መሓውታ እተሐልል ገረብ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምምሓዉ ጥራይ ኣጊሙና ከምዘሎ ኢና ክንተናኽፍ ጸኒሕና። ዘበገሰና ቀንዲ ኣርእስቲ ግን እቲ “ዝኸሰረ ነጋዳይ ‘ሲ ናይ ቀደም መዛግብቱ ይገናጽል” ዝብል፣ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝወደቐ ኢስይያስ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ቀቢሩ ብውዕሎ ጀጋኑ ክጀሃር ማህደር ቅያታት እናገንጸለ ዘርእዮ ዘሎ ናይ ታሪኽ ምቍልማጽ ዘዘኻኽር ኣበሃህላ እዩ።

ኢሳይያስ፣ “ሓሶት እንተደጋጊምካዮ ሓቂ ክመስል ይኽእል እዩ” ዝብል ኣጉል ብህሎ ተኸቲሉ፣ ን 10 ዓመታት “ስዒረ፣ ስዒረ፣ ስዒረ” ኢሉ ዝደናገራ ኣእዛን ስለዘይረኸበ፣ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብጥሪ 2013 ንለውጢ ተንቀሳቒሶም ሰርቲፊኬት ውድቀቱ ኣብ ፎርቶ ምስ ገደፉሉ፣ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ተመሊሱ መዝገብር ታሪኽ ገናጺሉ፣ “ጽምብል ምድምሳስ ናደው እዝ፣ ጽምባል ምድምሳስ ውቃው እዝ” እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ይፈታትን ኣሎ።

ዓቕሚ ምድንጋር ኢሳይያስ ግን ካብ ሓንቲ ሓጻር ሕቶ ‘ኳ ዝሓልፍ ኣይኮነን። “ግርም ‘ባ ጀጋኑ ቀቢርካ ብውዕሎ ጀጋኑ ምውርዛይ፣ ኣበይ ኣለዉ እቶም ምድምሳስ እዚ ውቃውን ናደውን ዝመርሑ፣ ብዓል ዑቕበ ኣብርሃ፣ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ መስፍን ሓጎስ፣ ብርሃነ ገረዝጊሄር?” ተባሂሉ እንተተሓቲቱ፣ ኢሳይያስ ብርግጽ መልሲ የብሉን።

እዞም ምኩራት ኣዘዝቲ ውግእ እዚኣቶም፣ ብፍላይ ብ1984 ኣብ ምድምሳስ ውቃው እዝ ላዕለዎት መኮንናት፣ ብ1988 ኣብ ምድምሳስ ናደው ከኣ ሶቬታውያን ኣማኸርቲ ማሪኾም ደኣምበር ላዕለዎት መራሕቲ ውግእ ህዝባዊ ግንባር ኣይከፈሉን፣ ኢሳይያስ ግን ኣብ ጽምብል መበል 30 ዓመት ውቃው እዝ፣ ትማሊ መጋቢት 2014 ሰለስተ ጀነራላት ኣብ ጥራይ ጎልጎል ኣጥፊኡ። እቲ ኣብ ኵናት ዘይተሰውኡ ጀነራላት ኣብ ጉዕዞ ጽምብል ዘጥፍእ ኢሳይያስ ኣመና ጠፊሹ ከምዘሎ ‘ሞ ካብዚ ንላዕሊ ዝዓቢ እንታይ ጭብጢ ሎ።

ኢስይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ገበናት እዩ ፈጺሙ። ሓደ ካብኣቶም፣ ነቶም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ክብርታት ተጋዳላይ ናብዚ ዝቕጽል ወለዶ ብግቡእ ከይሰጋገር ምታን ዕንቅፋት ምዃኑ እዩ። ምእንቲ ውልቃዊ ስስዕቲ ስልጣን ክብል፣ ነቲ ሰንሰለት ውርሻ በቲኹ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወለዶታት ጋግ ፈጢሩ። ኣብ ፈለማ ናጽነት፣ ርእሰተኣማንነት ናይቲ ዘፍርሖ ዝነበረ ተጋዳላይ ክሰብር ክብል ታሪኽ ተጋዳላይ ከይተነግረ ከምዝጽላእ ገይሩዎ። ብዙሓት ተጋደልቲ ነቲ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ዝተፈጸመ ከም ብዓል 6ይ ወራር ዝኣመሰለ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣብ እዋኑ ክጽሕፉዎን ንህዝቢ ከስተምህሩዎን ተበግሶ ‘ኳ እንተወሰዱ፣ እዋኑ ኣይኮነን ኢሉ ኢሳይያስ ዓጊቱዎም። ቀንዲ ምኽንያት ኣብያኡ ግን ኣብቲ ታሪኽ ኵናት ዝጥቀስ ሞያ ስለዘይገበረ፣ ንሱ ዘይደምቀሉ ታሪኽ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገር ስለዘይደለየ እዩ። እወ፣ ተመራመርቲ ታሪኽ ደኣ የጻርዩዎ እምበር፣ እዞም ኣብ ማሕዩር ዝሓቁ ዘለዉ ጀጋኑ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር 6ይ ወራር ንምፍሻልን ደጀኑ ንምክልኻልን እናተሰውአ ኸሎ ኢሳይያስ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያ ምስ ፍሊፒኖ ኣሽሓት ዶላራት ይሕሽሽ ምንባሩ እዮም ዝገልጹ።

ሓደ እዋን ኣካያዲ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ንሓያለ ዓመታት ደስኪሉ ዘሎ ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ ብዛዕባ ናይ ቃልሲ ትዕዝብቱ ኣብ ዝደረሳ ንእሽቶ መጽሓፍ ‘ኳ፣ ንኢሳይያስ ኣብታ ምጽሓፉ ስለዘይጠቐሶ እዩ በቲ መጋበርያ ኢሳይያስ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ዝተላእኩ ኣኽላባት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዉሕ ዉሕ ዝበሉዎ።

ሕጂ ድሕሪ 23 ዓመታት ናጽነት እምብኣር፣ ናይ ውድቀቱ ሰዓት ምስ ተደወለ እዩ ንታሪኽ ጅግንነት ተጋዳላይ መድሓኒ ገጽ ክገብሮ ጽምብል ድሕሪ ጽምብል ኣከታቲሉ ክምዝምዞ ዝፍትን ዘሎ። ከምቲ ቅድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ፣ ኢሳይያስ ዓይኑን ኣእምሮኡን ደኣ ዓዊሩ እምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ጅግንነት ተጋዳላይ ክሰምዕ ከሎ፣ ከምቲ ኢሳይያስ ዝምነዮ ነቲ ኩሉ ዝፈጸሞ ጥፍኣት ሕድገት ክገብረሉ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ “እንታይ ‘ሞ፣ መስዋእቲ ዝቐደሙ ደቅና ኣባኺንካ፣ ዝደሓሩ ደቅና ተህልቖም ኣለኻ፣ ኣንታ ኣራዊት፣ ሃገር ‘ባ ለከምካያ፣ ኢድካ ኣይትስኣን!” እናበለ ይረግሞ ምህላዉ ዝተሰቆሮ ኣይመስልን። ኢሳይያስ ካብ መርገም ህዝቢ ኤርትራ ክድሕን እንተኾይኑ፣ መዝገብ ታሪኽ ጅግንነት ተጋዳላይ ምግንጻል ክገድፎ ኣለዎ።

ታሪኽ ጅግንነት ተጋዳላይ መዳርግቲ የብሉን። እንተኾነ፣ ንዛንታ ንጹሃት ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ፣ ንጹሃት ኣዘንተውቲ ክጸውዩዎ ከለዉ እዩ ታሪኻዊ መቐረት ዘለዎ። ኣብ ጅግንነት ዝወዓሉ ጀጋኑ ኣሕቂቑ፣ ስእልታቱ እናዳቐለ ሓዱሽ ታሪኽ ዝነግር ዘሎ ኢሳይያስ፣ ንጅግንነት ኤርትራውያን የመራስሖ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ግንባር ሰሜናዊ ሳሕልን ምድምሳስ ውቃው እዝን ክትዝክር ከለኻ ተጋዳላይ ዑቕበ ኣብርሃ ከመይ ጌርካ ይርሳዕ፣ ግንባር ናቕፋን ምድምሳስ እዚ ናደውን ክዝከር ከለኻ ተጋደልቲ ጴጥሮስ ሰለሙንን መስፍን ሓጎስን ከመይ ጌርካ ይርስዑ?

ናይዞም ፍሉጣት መራሕቲ ዛንታስ ኩሉ ስለዝፈልጦ፣ ምቕንታብ ስእልታቶም ካብ ቴለቭዥን ኤርትራ ካብ ኣእምሮ ተጋዳላይን ህዝቢ ኤርትራን ክድምስሶ ኣይክእልን እዩ።

ንምዃኑ እቲ ፋርኔሎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ መዳውብቲ ደንደን ዝነበረ ሓደ ካብ ዕርድታት ግንባር ናቕፋ፣ እቲ ብ ጥሪ 2013 ኣብ ምንቅስቓስ ሰራዊት ተሳቲፍካ ኢሉ ዝኣሰሮ ኣብ ምፍሻል 6ይ ወራር መራሒ ሓይሊ ዝነበረ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ዞባ ኮይኑ ክሳብ ዝመጸሉ እዋን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ክሳብ መራሒ ክፍለ-ሰራዊት ዝብጽሐ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ተስፋስላሰ (ወዲ ኣመሪካ) ከምዘጠመቖስ ኢሳይያስ ይፈልጦ ደኾን ይኸውን?

ኣብ 6ይ ወራር መራሒ ብርጌዱ ንወዲ ኣመሪካ ዝነበረ ስዉእ ተጋዳላይ ስዒድ ፈረጅ፣ ሽዑ መራሒ ሓይሊ ንዝነበረ ወዲ ኣመሪካ “እንታይ ደኣ ደሃይ ኣጥፊእካ?” ኢሉ ብራድዮ ምስ ሓተቶ፣ “ ዓርከይ ፋርኔሎ ኳ እዮም ኣረኪቦምና” ኢሉ፣ ነቲ ሓዊ ዝተፍእ ዝነበረ ጽዕጹዕ ኩነታት ገሊጹዎ። እታ ቦታ ኸኣ ካብኡ ንደሓር ፋርኔሎ ተባሂላ ከምዝተሰየመት ደቂ ኣሃዱኡ ነበር ይገልጹ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውግኣት ክሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሽረ እናስላሰ ኣሃዱታት መሪሑ ዝተዋግአን ዘዋግአን፣ ኣብዚ ዳሕረዋይ ኵናት ኣብቲ ብሳልሳይ ወራር ዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ዙርያ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ዝበጽሐ፣ ስድርኡ ብምሉኦም ተጋደልቲ ዝነበሩ ወዲ ኣመሪካ ግን፣ ቅዋም ክትግበር እሱራት ክፍትሑ ምስ ብጾቱ ስለዝጸውዐ ብኢሳይያስ ኣብ ቤትማእሰርቲ ተዳጕኑ ይሳቐ ‘ሎ። እቲ ንነኻሲ ባህርያት ኢሳይያስ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ወዲ ኣመሪካ፣ ስርሒት ፎርቶ ከምዘይተዓወተ ምስ ተገንዘበ ነብሰ ቅትለት ኳ እንተፈተነ ኣይሰለጦን። ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ነቶም ኣብ ስርሒት ፎርቶ ዝተሳተፉ ኣማኢት እሱራትን ከም ብዓል ኤጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ዝኣመሰሉ ድሒሮም ዝተመቝሑ ካልኦትን ናብ ፋርኔሎ ኢሳይያስ ስዒቡዎም።

ኢሳይያስ እምብኣር፣ ነቲ ዋናታቱ ዘለዉዎ መዛግብቲ ታሪኽ ሽሕ ግዜ እንተገንጸሎ ፈጺሙ ጅግና ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ኢሳይያስ ከምቲ ሓዲሩዎ ዘሎ ኣመል፣ ብምጽምብል ሓርነት ባጽዕ ጀሚሩ፣ ምድምሳስ ናደው ሓሊፉ ናብ ምድምሳስ ውቃው እዝ በጺሑ ‘ሎ። ኣብ መዓልቲ ናጽነትን 20 ሰነን ‘ውን ከም ኣመሉ መዝገብ ጅግንነት ተጋደልቲ እናገናጸለ ንህዝቢ ከደናግር ፈተንኡ ክቕጽል እዩ። ፋይዳ ግን ክረኽበሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ዓጂቡዎ ብርሰት ይቶም ብሰንኪ ዓመጽ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝሃልቁ ደቁን ዕንወት ሃገሩን እምበር ምድምሳስ እዝታት ሰራዊት ስርዓት ደርግ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነታ ንኢሳይያስ ሒዛቶ ዘላ ናይ መወዳእታ ሱር ንምብታኽ በላሕ ምሳር ሃሰስ ኣብ ምባል እዩ ዝርከብ ዘሎ።

እቶም ኣብ ገድሊ ጅግንነት ፈጺሞም ሕጂ መሳርሒ ምልካዊ መግዛእቲ ኢሳይያስ ብምዃን ሕልናኦም ዘቋማጥዑ ዘለዉ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ኣዘዝትን ተኣሰዝትን ተጋደልቲ ከኣ ነቲ ደቁ ቆጺሩ ዘረከቦም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተኣምራታዊት ምሳር ከዳልዩዎ ኣለዎም።

ብሪጋደር ጀነራላት ቫይናክን ሃንጀማን፣ ነቲ ባዕላቶም ኣብ ዓውደ ኵናት ዝፈጸሙዎ ጅግንነት ኢሳይያስ ተገልቢጡ ከዘንትወሎም ኣብ ዘዳለዎ ጽምብል ክሳተፉ፣ ጽምብል ከይሓልፎም ከርክቡ እናጎየዩ እዮም ያኢ ኣብ መንገዲ ጠፊኦም። ብሪጋደር ጀነራል ሓሊባይ ከኣ ዓዲ ውዒሉ። ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ከኣ ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም መዓርግ ጀነራል ብኢሳይያስ ተለጢፉዎ፣ ተካኢ ናይቲ ኣብ ኣብ ዓራት ሞት ከሎ፣ ሓላቓ ስታፍ ዝተሾመ ሜጀር ጀነራል ውጩ ኮይኑ። ሜጀር ጀነራል ወዲ ሃብተስላሰ፣ ነቲ ካብ ማንቲለ ንኢሱ ዘሎ ኢሳይያስ ከዕቢ፣ ናብ ናይ ድሕሪ 40 ዓመታት ናይ ታዕሊም እዋኑ ተመሊሱ፣ ንኢሳይያስ ኣብ ሩባ ምስ ረኣኹዎ ኢየሱስ ዝረኣኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ኢሉ ንኢሳይያስ ብዝኽሩ ከጸባብቖ ኣብ ቴለቭዥን ወስለትለት ክብል ምስምዑ ኸኣ ካብ ናይ ኩሎም ዝገደደ ውርደት። ኣንቱም ሰባት እንታይ እዩ ወሪዱኩም፣ ነቲ ዝወደቐ ኢሳይያስ ከተተንስኡ ኣብ መዋድቖኡ ተነጺፍኩም ሶል ክትኮኑዎ ትከራኸሩ ዘለኹም? ጅግንነትኩም ኣብ ዝኾነ እዋን ጅግንነት እዩ፣ ብሕልናዊ ረኽሲ እንተበላሽዉዎ ዘለኹም ባዕልኹም ኢኹም። ሓደ ሓደ እዋን ታሪኽ ካብ ምስራሕ ታሪኽ ምቕናዕ ከምዝኸብድ ተገንዚብኩም፣ ሕልናኹም ክትሓጽቡ ፈትኑ። ነቲ ኣሽሓት ምሩጻት ደቁ ኣሚኑ ዚሃበኩም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደንግጹሉ፣ ክሓሱዎ። በራጊድኩም፣ ክፍለ ሰራዊታትኩም ሰበን ብጥይት ተወዲኡ ክንደይ ሳዕ ከምዝተካእኩመን ኣይትረስዑዎ። ነቲ ተኣማሚኑ ደቁ ዘረከበኩም፣ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት ድሕነት እናለመነ፣ ይርዳእካ ኣይትበሉዎ። ምርቕኡ እንተደሊኹም ኣብ ርድኡዎ፣ ጭካኔኹም ውልቃዊ በለጽኩም እንተቐድምኩም ግን መርገሙ ክበጽሓኩም እዩ።

ዎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ! ኢሳይያስ ከምቲ ዝጠፈሸ ነጋዳይ መዝገብ ታሪኽ እንተገናጸለ ከታልለካ ከምዘይክእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። መኻዚኖ ሕድገታትካ ከምዝተወድአ ‘ውን ዘማትእ ኣይኮነን። ግን ጸገምካ ተራ ከምዘይኮነ ክትግንዘብ፣ ህጹጽነት ናይዚ ሓኒቑካ ዘሎ መዋእል ኣጸቢቕካ ክክትነቕሓሉ ይግባእ። ኢሳይያስ እቲ ዝሓሰመን ዝኣከየን ገዛኢኻ ምዃኑ ኣስተውዕለሉ። ምራቕካ ገፊፉ ስለዘዳኸመካ፣ ሓመድ-ሓፋሽ መንእሰያት ደቅኻ፣ ገርገራአን ከም ዝፈረሰ፣ ጓሳ ከምዘይብለን ጥሙያት ብጋይት ካብ ደንቢኦም በሪሮም ናብ መላእ ዓለም ይብተኑ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ መንገዲ ስደት ይሃልቁ፣ ይዋረዱ ‘ለዉ። ሃገር ትበርስ ኣላ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ እንኮ ሕቶ “ኤርትራ ዶ ኢሳይያስ ይሃሉ?” ዝብል እዩ። ኢሳይያስ፣ “ህዝቢ ኤርትራ ህልም ይበል ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ኢሉካ እዩ። እቲ ውሳኔ እምብኣር ናትካ እዩ፣ ብዘይነግፈረግ፣ ንኢሳይያስ “በጃ ኤርትራ ‘ባ ንስኻ 10 ማዕሙቕ ተኸተት” ክትብሎ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

14 መጋቢት 2014

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you April 17, 2014

    Part 2
    When we come to now day Eritrea, Isyas Afeworki, for he destroying our nation exterminating our people, late our territories and islands occupied for isolating our nation from world community, within 2 weeks war only for late executing 24,000 innocent citizens in Badme war 10s of thousand for he letting disabled and millions displaced, with out law and justice, without constitution and election with iron fist for oppressing our people, inforced our people to immigrate at the result 1000s for sank and perishing in Mediterranean Sea, in Lampadusa, 1000 helpless immigrants for they raped, their kidney purchased like commodity and dehumanized in Sinai; like the ancient Israel shouting “Barabbas the murder” to let Pilate for them to set free asked, Our people are also worshiping our people murderer and our nation destroyer to who is Isyas Afeworki by wishing him to live long. As the ancient Israel people betrayed their savior Jesus Christ asked Pilate to crucify him, also our people betrayed our nation saviors those Isyas imprisoned them innocent heroes Eritrean citizens beginning from G-15- up to innocent religious worshipers. This is really heartbreaking to see happening in this 21century. That means we Eritreans are backwarded like ancient people. We living like 2000 years back era people and have mentality. Shame! shame! Shame!Saddened! really Saddened to be Eritrean!

  • SHAWULEY April 17, 2014

    AMANIEL KINDI SHIHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHHH

  • Mihretu Berhe April 17, 2014

    ኣንታ ኣማኒኤል እዚ ስርዓት እዚ’ስ ዝኸሰረ ጥራሕ ኣይኮነን ዝሞተ እውን ኢዩ። ዝኸሰረ’ስ ሓደ መዓልቲ እኳ ይምለስ። እዚ ዘይምለስ ዘይሰርር ነጋዳይ ኢዩ። ዓሊ ዓብዱ ን12 ዓመታት ህግ ክብል ርእስና ኣሕቢጡና ጠፊኡስ፣ ሕጂ ከኣ ተመሃሮ ዓሊ ዓብዱ ህግ ክብሉ ትንፋስና ኣሕሊፎምና። መሳኪን ስዉኣት መጻወትቲ በዓል ኢሳያስ ኮይኖም በቃ። እቲ ጸገም ግን ናታቶም ጥራይ ኣይኮነን ናይዞም ህልዋት-ስዉኣት ኮይና ዘለና ህዝቢ እምበር። ሰኣን ሓደ መዓልቲ ኣንበሳ ዘልኣለም ወኻሩ ኮይና ተሪፍና።

  • Tamrat Tamrat April 17, 2014

    The eritreans i know before whether they support eplf or not have totally changed after 1991. The majority what we Call eritreans in Ethiopia before or after 1991 are the ‘tigringa’ ethnic Group and most ethiopian including me we dont know the difference between tigre/tigringa difference, we just Call them ‘tigre’. Anyways they were not discriminated in all aspect of life be it in Asmara or the rest of Ethiopia. Business they were the leading ones. Importing New Things they were the first one. Infact if anybody who hasnt heard of eri-ethiopia after 1998 and were asked what would be his Guess on the Development of eri/ethio since 1998 he would say deffinityly based on his previous experience of eri could surprise the world by its Development (syngapour slogan did not drop just from the sky)while ethipia infasted by civil war.

    What eplf has killed is more than the Young generation. Eplf has brought an alien culture which suffocated the very Dynamics of the the tgrina People. Eplf changed the hard working tigrina People to a different but difficult to understand Group. Those tigrina People locked in Eritrea were the robust Dynamics of Ethipipa at least before 1998.

    In 1997 i met this hotell owner in Bahir Dar. He has a Three stories hotell. I thought he was a Family member serving the hotell. He never seats and do all sorts of the work. I got a speciall treatment after i dined the Whole week. Then we start talking. He told me he made the hotell With out even takin Money from a bank. He oppned one restaurant for many many years then he made this beatifull hotell. This man he came from the now called Eritrea many many years ago. He didnot say he is ehtiiopian and neither eritrean. What he said was that he was born in Eritrea and now i am a gojame while he was loughing(his amharic off course like gojame).

    The moral here is this guy he moved so far and open one small restaurant and make a hotell in Bahir Dar. What eplf has killed is Young gifted and hard workers like this ‘gojame’ not to florish in Eritrea.

    Now Ethipia is looking for the light in the tunnel for Development while eplf is leave alone the light it even managed to destroy the tunnel. What a curse!

    I want those eritrans who live in Ethiopia to show how eplf is wrong for the very eplf People. Otherwise these People never never understand.

  • Meretse Asmelash April 17, 2014

    ሜጀር ጀነራል ወዲ ሃብተስላሰ ….

    “ንኢሳይያስ ኣብ ሩባ ምስ ረኣኹዎ ኢየሱስ ዝረኣኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ”

    ኣየውርድ’ዩ ዘብል ። እዚ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ናይ ጀነራል ሓላፍነት ዝተሰከሚ ኣማኒ ንልዕሊ 40 ዓመት ፈጠሪኡ ኢሰያስ ከምዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግን ንሱ ዘእመኖም ክንደይ ምእመናን ከምዘሎው እዩ።
    ኣብነት፡- ኢሰያስ ቅድሚ 3 ዓመት ኣብ ንኒውዮርክ መጺእሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ እንታይ ዝተባህለ?
    ንስካ ናብ ዘሎካዮ ስፍራ ፡ ግደፍ ብክልተ እግርስ፡ ዋላ’ን ብቃረዛ ተጸርካ ምምጽኣ ከም ንግደት ዩሩሳሌም እዩ ዝቑጸር”
    ሳላሰ ኣየፍረይን ዝብል መን’ዩ ?

    ኣብ ዘበነ ኢሰያስ ተኣምር ንምርኣይ ወይ ንምስማዕ ውዕል ሕድር ጥራሕ’ዩ ዘድሊ
    ሳላሰን ሰዓብቱን ንእንዳማርያም ቤተ-ክርስትያን ኣስመራ’ውን ፡ ንመዝከርታ ኢሰያስ ኣፈዎአርቂ/ ብዓይኖም የሱስ ብስም ብዓባይኡ (መ….. በ…..) ክጽዋዕ ኣሎዎ ዝብል ስጉምቲ ድሮ ከወስዱ የፍርሕ

    የሱሶም –ኢሰያስ ኣፈወርቂ’ውን ማርያም ተድልዮ ኢያ !!!!!!!

    መርገም ንጽሃን ብዶውካ የርእን የሰምዕን !!!!!!!

  • seare April 18, 2014

    HU BUBAT ERTRAWYANN MEN EYYUU ZEIQETLOMM ZELLOO . H I G D E F. ABEYY ALLOO YEMANE TEKESTE 2. YOHANNESS ZEMIKAEL…. PRESIDENT KEY KONNEUU EUKUA EYYUU AFREIHUWWOO.. AB SUDANN ZEIKETELLOMM….

  • seare April 18, 2014

    HU BUBAT ERTRAWYANN MEN EYYUU ZEIQETLOMM ZELLOO . H I G D E F. ABEYY ALLOO 1. YEMANE TEKESTE ( CYCLIST ) 2. YOHANNESS ZEMIKAEL ( foot baller )…. PRESIDENT KEY KONNEUU EUKUA EYYUU AFREIHUWWOO.. AB SUDANN ZEIKETELLOMM….

  • Yonas Ghebregziabiher April 18, 2014

    To EDF
    The real job of the Military is to defend, protect and preserve the sovereignty of “a nation”, not “a president or a political party”. In Eritrea, we already have hundreds of thousands of armed people made up of patriots, conscripts and captives (conforming former fighters), we now call upon you ALL to defend and protect the Constitution and the sovereignty of Eritrea, not the PFDJ or the morbid President (for-life) Issaias Afewerqi.

    ንሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ
    እቲ ቐንዲ ሞያ ናይ “ሓይሊ ምክልኻል” ልኡላውነትን ህልውናን ክብርን “ሃገር” ምሕላው እዩ፤ ን”ፕረሲደንት ወይ ንሰልፊ” ምሕላው ወይ ምሕላቕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ኣማኢት ኣሻሓት ብረት ዝሓንገጡ ሓርበኛታት፤ ኣገልግሎት፤ ካሎኦትን፤ ኣሎዉ። ንኹሉኹም ዕጡቛት፤ ሕጂ እውን ጻዊዕትና ንዓኻትኩም እዩ፡ ሓላፍነትኩም ን”ሃገርን ን ቅዋምን” ከምኡ ድማ ን”ልኡላውነትን” ኤርትራ እዩ፤ ን”ህግደፍ” ወይ ድማ ነቲ “ዕቡድ ፕረሲደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣይኮነን።

    • Yonas Ghebregziabiher April 18, 2014

      What I am implying is that, there is ABSOLUTELY NO NEED for an armed struggle in ERITREA.

      እቲ ዝእምቶ ዘሎኹ፤ ኣብ ኤርትራ፤ ብረታዊ ቃልሲ ፤ፈጺሙ ኣየድልን እዩ። እቲ ንስርዓት ኢሳይያስ፤ ኣብ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ዘብጸሖ፤ ድሮ ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ።

POST A COMMENT