Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርካ ሓው ረድኢ ክፍለ

ብቐዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕካ። ኣብ ሂይወትካ ዝተማልኤ ጸጋ-ጥዕናን ሰላምን ቅሳነት ንኽህልወካ ናይ ወትሩ ትምኒትና እዩ።  ንሕና ብዘይካቲ ናይ ኩልና ሻቕሎት ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ  እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ጽቡቕ ኣለኹ። ዝኸበርካ ረድኢ፡ ኣብ መደብ ህይወትና ምስ ራድዮ

ብቐዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕካ። ኣብ ሂይወትካ ዝተማልኤ ጸጋ-ጥዕናን ሰላምን ቅሳነት ንኽህልወካ ናይ ወትሩ ትምኒትና እዩ።  ንሕና ብዘይካቲ ናይ ኩልና ሻቕሎት ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ  እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ጽቡቕ ኣለኹ።

ዝኸበርካ ረድኢ፡ ኣብ መደብ ህይወትና ምስ ራድዮ ድምጺ ኣሰና ዝገበርካዮ ቃለ-ምልልስ ክንሰምዖ ክኢልና፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓሙሻይን መወዳእታን ክፋል ናይቲ ቃለ ማሕተት ንዝሃብካዮ ለበዋታት ብተገዳስነት ሰሚዕናዮ። ከም ኣድላይነቱ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ድማ ተስፋ ንገብር። ዝተጋገየ ክእረምን ተመሊሱ ጉዕዝኡ ክግምግምን፡ ዘይተፈጸመ መብጻዓታት ክዉን ንኽንገብርን ድማ ዓቕምን ሓበሬታን ዳኣ ከይጎድለና እምበር ናይቶም ተሪፍና ዘለና ናይ ቃልሲ ዕማም እዩ። መእረምታናን ነቐፈታናን ከኣ ነቶም  ጉድለት ገይሮም እንብሎም ምሕጋዞም ማለት ስለዝኾነ ብንጹር ከነቕርብን ክንጠቅስን ኣገዳሲ ምኾነ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዝገበርካዮ ቃለ-ምልልስ ድሒርና ስለዝሰማዕናዮ፡ ትዕዝብታዊ መልስና ግዜ ብምውሳዱ፥  እቕሬታ እናሓተትና፡ ሓንቲ ካብ ለበዋታትካ ንምጽሓፍ እትምልከት ኮይና፤ ‘‘ኣብዚ ቀረባ ናይ ኢፒዲፒ ዝጻሓፍዎ ኣሎ፡  በዓል ንጉሰ ———————–  ጽቕጥቕጥ ኣቢለሞ ይሓልፉ ነቲ ክስታይካ፡ ናተይ ግጥሚ ከይተረፈውን ንሓረስታይ ዝደረስኩሉ ኮፍ ኣቢለሞ ኣለዉ። ከም ናቶም ገይሮም ኮፍ ኣቢለሞ፡ መሰረት እትዋት ዝብል ኣብ ሆሚብ ምስኦም ኮይነ ዝደረፍክዎ ይፈልጥዎ እዮም  ———— ካብ ውድባዊ ጸጊዕ ኣጻሓሕፋ ነጻ ክንከውን ይግባእ‘‘ ክትብል ጠቒስካ ኣለኻ።

ሓው ረድኢ፡ ብርግጽ ኣብ ሜዳ እነሕልፎ ዝነበርና ናይ ቃልሲ ተመኩሮናን ሽግራቱን ኣዝዩ ከቢድን ከም ክስገር ዘይካኣል ጸገምን ጌርና እንግምተሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣዚ ኩሉ ሓሊፉ ሕጂ ተመሊስና ክንርእዮ እንከለና ግን፡ እቲ ዝኸበደን ዓብዩ ጸገምን ናይ ቃልሲ፡ ምግዳል ዘይኮነስ፡ ንተጋድሎኻ ሕማቑን ጽቡቑን ከመይ ጌርካ መወከሲ ትገብሮ እዩ። ንሕና እቶም ኣስማትና ጠቂስካዮ ዘለኻ ስለስተ ብጾት ድማ ገለ ፈቲንና፡  ፈቴነና ምምሕያሽ፡ ምእራም፡ ምኽዕባት ከምዝደሊ እውን ኣይሓባእናን። ካብ ትም ምባል ድማ ይሓይሽ። እነሆ ኳ ካብ ብዙሓት ኣሕዋት ሓያሎይ ኣገደስቲ ክስነዱ ዘለዎም ሓሳባትን ፍጻሜታትን ኣብ ምውህላል በጺሕናን መዛረቢ ኮይኑን።

ናብቲ ጠቒስካዮ ዘለኻ ጉዳይ ክንምለስ፡ ‘‘ናይ ኢፒዲፒ ዝጻሓፍዎ ኣሎ‘‘ ዝብል ኣባሃህላ ምስቲ ንገለ ክፋል ካብ ተመኩሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝገልጽ ዘዳለናዮ መጽሓፍ ዝኾነ ይኹን ምትእስሳር ስለዘይብሉ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን። ምኽንያቱ ኣየስተባሃልካሉን ከይትኸውን እምበር፡ ነዚ መጽሓፍ ንምድላው ኣብ መስከረም 2009 ከምዝጀመርናዮ ኣብ ፈለማ ገጽ ናይቲ መጽሕፍ ጠቒስናዮ ኣለና። ኢፒዲፒ ከኣ ኣብ 2010 እዩ ተመስሪቱ። ብመሰረቱ እውን ኣባላት ኢፒዲፒ ኰና ኣይኮናን ክንጽሕፍ ጀሚርና፡ እቲ ዘገድሰና ዳሕረዋይ ወለዱ ዘይፈልጦ ዝተቐብረ ተመኩሮ ናይ ቃልሲ ስለዘሎ ኢና ክንፍሕትሮ ዝጀመርና። ፖለቲካዊ ኣባልነትና ኣብ ኢፒዲፒ  ልክዕ ከምኩሎም ኣባላቱ ብቅዋሙ መሰረት ግቡእና እነበርክተሉ እምበር፡ እንታይ ንጽሕፍን እንታይ ንገብርን ከም ሰባት ናዓና ዝምልከት እዩ፡ ንኢፒዲፒ ዘእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዘይካቲ ኣብ ምትሕግጋዝና ዝነበረ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ካልእ ኣባል መሪሕነት ኢፒዲፒ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ተሓቲሙ ክሳብ ዝዝርጋሕ ብወግዒ ዝፈልጥ ከምዘይነበረ እንዳኣረጋገጽና፡ ከም ህዝቦም ኣብ ዕዳጋ እዮም ርእየሞ።  ኣባላት ኢፒዲፒን ካልኦት ግዱሳት ዜጋታትን ግዳ ከም ውልቀ-ሰባት ኣብ ምዝርግሑ ተሓባቢሮምና፡ ምስጋና ይኹኖም፡ እርይ ቁጽር ኣቢሎም ድማ ኣረኪቦምና።

ምናልባሽ ከብዚ መጽሓፍዚ ኢፒዲፒ ዝረኽቦ ኣታዊ ከምዘለዎ ገይሮም ዝግምቱ ሰባት እንተልዮም‘ውን፡ መልስና እቲ መጽሓፍ ውጻኢት ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ናይዚ ተጠቀምቲ ድማ  እቶም ኣካል ናይቲ ታሪኽ  ዝኾኑ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ዘለዉ ሰነድ ሰውራና ዝኾኑ ውጉኣት ሓርነትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ህጻውንቲ ቤት ትምህርቲ ዋዲ-ሸሪፎይን ምዃኖም ውሲናስ ብዕለት 22 መጋቢት 2017 ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንዓለም ዘርጊሕና ኣፍሊጥና ኢና። ስለዚ ኢፒዲፒ ካብዚ መጽሓፍዚ ዋላ ሓንቲ ዝረኽቦ ነገር ኣይነበሮን የብሉን ድማ። ኣባልነትና ኣብ ኢፒዲፒ ከም መለለዪ ክትጥቀመሉ ተደላይነት ኣይነበሮን፡፡ ምኽንያቱ ምሉእ ኣስማትና ረቚሕካዮ ስለዘለኻ እኹል ምኾነ ነይሩ። ፖለቲካዊ ራእይን ዕላማታትን ኢፒዲፒ እንተተዓዊቱ ብዙሕ ካብ መሰረታዊ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣሚና ዝኣተናዮን እንቃለሰሉ ዘለና ስለዝኾነ ከኣ  ኣባልነትና ኣብ ሰዲህኤ ዘሰክፈና ነገር የብሉን።

እቲ ካልእ ‘‘ናተይ ግጥሚ ከይተረፈ‘ውን ንሓረስታይ ዝደረስኩሉ ኣብኡ ኮፍ ኣቢለሞ ኣለዉ፡ ከም ናቶም ገይሮም ኮፍ ኣቢለሞ መሰረት እትዋት ዝብል ——- —–‚ ክትብል ገሊጽካ። ብርግጽ ኣይተጋገኻን እቲ ግጥሚ ካብቲ እንዳተጋደልና ንማሃር ዝብል  መጽሓፍ ወሲድና፡ ንሕግን ሞራልን ናይ ድርሰት ተኸቲልና ኣብዚ ሓድሽ መጽሓፍ ኮፍ ኣቢልናዮ ኣለና። ምናልባሽ ምንጪ ናይቲ ግጥሚ ከይጠቐስና ኮፍ ኣቢልናዮ እንተንነብር ኣዛራቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝኽስሰና  እውን ምኾነ ነይሩ።

ንሕና ግን ዝርዝር መወከሲታት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ጽሑፍና ገጽ 369፡ እናተጋደልና ንመሃር ቀዳማይ መጽሓፍ ብክፍሊ ትምህርቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1975 ዝተሓትመ፥ እታ ግጥሚ ንባዕላ ኣብ ገጽ 66  ናይቲ መጽሓፍ ምህላዋ ጠቒስና ኩሉ ሕጋውን ሞራላውን ስነ-ጽሑፍ ሓሊና ስለዘስፈርናዮ፡ ከሕምየና ዝኽእል ነገር ዝፈጸምና ኣይመስለናን። ነዚ ቅኑዕን ስነ-ምግባር ዘሰነዮ ኣገባብን ተጠቂምና ኣስፊርናዮ ዘለና ግጥሚ ዳኣ ከመይ ኢሉ እዩ፡ ‘‘ከም ናቶም ገይሮም ኮፍ ኣቢለሞ ኣለዉ‘‘ ከብለና ዝኽእል ንዝብል ሕቶ ግን ንመላሳይ ይጭነቆ። ከም ናቶም ገይሮም ክፍ ኣቢለሞ ክባሃል እንተኾይኑ፡ ምናልባሽ ብስም ሰለስቴና ወይ ብስም ሓደ ካብ ሰለስቴና እንተዝወጽእ  ኣብ ቦትኡ ነይሩ። ግን ንሕና ከምኡ ኣይገበርናን ኣይንሓስቦን እውን። ኣብቲ መወከሲ ዝተጠቀምናሉ መጽሓፍ ናይቲ ግጥሚ በዓል-ቤት ወይ ደራሲ ረድኢ ክፍለ ዝብል እውን የብሉን። ብስም ረድኢ ጸኒሑ፡ መጽሓፍ ኣብ ምድላው ክንጠቅስ ከለና ንዝጸንሐ ስም እንተንስርዞ እውን ክመስል ዝኽእል ዘረባ እዩ ነይሩ።

ንሕና ካብ ሓው ረድኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉድለት ክፍጽም ይኽእል‘ዩ ዝብል እምነት እዃ እንተዘይ ነበረና፤ ሕጂውን ‘ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን‘‘ ከምዝባሃል መእረምታ ክገብረሉ ትጽቢትናይ እዩ። ሽዑ እውን ሓደ ሓቃ ንኽትበጽሕ፡ ከም ናቶም ገይሮም ኮፍ ኣቢለሞ ኣለዉ ክትብል ከለኻስ፡ ብናይ መኖም ስም ስለዝወጸ እዩ ከምኡ ትብል ዘለኻ ዝብል ካልእ ጋዜጠኛ እንተዝነብር፡ እቲ መልሲ ስምስ ኣይገበርሉን ምኾነሞ ምስተወደኤት ነይራ። ንሕና ከም ደቂ-ሰባት ጉድለት ክንገብር ከምእንኽእል ንኣምን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይዚ ተላዒሉ ዘሎ ስነ-ጽሑፍ ዝተፈጸመ ጉድለት ምህላዉ ዘእምነና እንተሎ ድማ፡ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ናይ ዲሞክራስን ሓባራዊ ስራሕን መምህር ዝኾነ ሕጂ ኣብ ዕብየቱ ብሕማም ዝሳቐ ዘሎ ሓላፊ ሕብረተ ሰብኣዊ  ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ነበር ብጻይ እብራሂም መሓመድ ዓሊ ንኽሕስ።

ብዛዕባ ዋንነት ከብ ተላዕለ ድማ፡ ብመጀመርታ ተመኩሮ ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ካብ ተመኩሮ ተሓኤ ፈሊኻ ዝረኤን ዝቐርብን ከምዘይኮነ እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ውልቀ ኣባላት ኣብ ዝተመደብዎ ቦታ ኮነ ክፍሊ ዕማሞም ሓባራዊ እምበር፡ ንውልቀ ዘፍርይዎን ዝገብርዎን ኣይነበሮን። ዓቕሞምን ክእለቶምን ፍርያቱን ድማ ናይቲ ኣሚኖም ዝተሰለፍሉ ውድብን ክፍልን እዩ ዝውዕል ነይሩ። በዚ መሰረት ኩሉ ኣብ ውድብን ትካላቱን ዝፈረየን ዝተጠርየን ነገራት ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ውድብን ዋንነት እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት እዩ ዘለና።  ስለዝኾነ ኣብ ሕብረተ-ሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዝተደርሰ መጻሕፍቲ፡ መን ዝላዓለ እጃም ነይርዎ ብዘየገድስ፡ ብስም ክፍሊ ትምህርቲ ይወጽእ ነይሩ ንቡር እዩ ድማ። ኣብ ክፍሊ ዕዮ ዜና ዝተሓትመ መጻሔታት ትግርኝኡ፡ ዓረብኝኡ ኮነ እንግሊዝኝኡ ብስም ቤት ጽሕፈት ዜና ይወጽእ፡ ብክፍሊ ባህልን ምንቕቓሕን ዝቐረበ ግጥምታትን መዛሙርን እንተኾነ‘ውን  ከምኡ፡ ዋንነቱ ድማ ናይቲ ውድብ ምዃኑ ክእመነሉ ይግባእ። እኩብ ድምር ናይ ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈትን ትካላትን ወታሃደራዊ ውጽኢቱ ከይተረፈ ድማዩ ቃልሳዊ ታሪኽ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸውን። ካብዚ ኣውጺኢና ኣብ ናተይ ናተይ እንተኣቲና እሞ፡  ዝእከብ ታሪኽ እውን ኣይክህልወናን እዩ፡ ታሪኽ ወታሃደራዊ ጀግንነት ህዝቢ ኤርትራ ናይቶም ነቲ ውግኣት ዝመርሑ ዝነበሩ ጥራሕ ከይከውን ኣስፊሕና ክንርኢ ይግባእ። መጽሓፍ እናተጋደልና ንማሃር፥ መን ዝገዘፈ እጃም ነይርዎ ብዘየገድስ ናይ ሳኣልትን፡ ፊደላት ቀረጽትን፥ ሓጸርቲ ዛንታታት ጻሓፍትን፥ ገጠምትን፥ መላመዲ ቁጽሪ ኣሰናዳእትን ክእለት ኣብ ሓደ ጠርኒፋ እያ 146 ገጻት ሒዛ ወጺኣ። ሕጂ ኣብ ናተይ ናተይ እንተኣትያ ድማ መወከሲት መጽሓፍ ካብ ምዃን ክትወጽእ እያ፡፡

በዚ መሰረት ሓው ረድኢ ኣነ ዝደረስኩዎ ምባልካ ጽቡቕ፡ ንሕና እውን ስለእንፈፈልጦ ንሕበነሉ እዩ፡ ሕጂ ናተይ ምባልካ ግን ኣይግድን፡ ምኽንያቱ እቲ ግጥሚ ካባኻ ወጺኡስ ዋንነት ናይ ክፍሊ ትምህርትን ውድብን ካብዝኸውን 42 ዓመት ገይሩ እዩ። ንስኻውን ናተይ እያ ኢልካ ካብዚ ንሕና ዝተጠቐምናሉ ኣገባብ ወጻኢ፡ ብሕጊ ስነ-ጽሑፍ መወከሲኻ ብዘይ ምጥቃስ ክትግልገለላ ዝግባእ ኣይመስለናን።

እቲ ካልእ ቅሬታኻ ፡ ‘‘ጽቕጥቅጥ ኣቢለሞ ይሓልፉ ነቲ ክስታይካ‘‘ ዝብል እዩ። ብመሰረቱ መበገሲ ጽሑፍና፡  ተጸቒጡ ተሪፉ ዝነበረን ዝተረስዐን ተመኩሮ ተሓኤ ኣብ ቃልዕ ኣውጺእካ ንዘዋደቕዎ ንምዝኽኻር፡ ነቶም ዘይፈልጥዎ ድማ ንምሕባር እዩ ቀንዲ መበገሲና። ብሰሪ ዓቕምና ዝተርፈና ነገራት ከምዘሎ እምበር፡ ጸቓቒጥናዮ ክንሓልፍ እንደሊ ነገር ከምዘይነበረ ግን ከነተንብሃልካ ንደሊ። ንናይ ረድኢ ክፍለ ናይ ግጥምን ዜማን ክእለት ኣዐሪና ስለ እንፈልጥ ሓላፋ ኩሉ፡ ፖለቲካውን ሓርበኛውን ግደ ናይቲ ኣብ ሆሚብ ዝተደርሰ ግጥምታት ድሕሪ ምጥቃስ ‘‘ብዙሕ ካብቲ ኣብ መደበር ሆሚብ ዝተደርሰ ግጥምታት እንተኾነ‘ውን ኣብ ክፍሊ ባህልን ሙዚቃን ትያትርን ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እወንታዊ ግደ ከምዝነበሮ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ድርሰት ግጥምን ምውጻእ ዜማታት መዛሙርን ኩሉ ይኽእሎ እዩ ማለት ስለዘይኮነ ከኣ፡ ኣብዚ ክልተ መዳያት‘ዚ ክኢላ ብባሻይ ዝፍለጥ ዝነበር ተጋዳላይ ረድኢ ክፍለ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይኮነን‘‘ ብዝብል ኣብ ገጽ 74 ናይዚ መጽሓፍ ምስክርነትና ጎላዕላዕ ኣቢልና ኣውጽእናዮ ከለናስ፡ ጽቕጥቅጥ ኣቢለሞ ይሓልፉ ክንባሃል ከለና፥ እቲ ሓቂ ንኣንበብቲ ንገድፎ። እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ ንምጥቃሱ ከይነውሓና እንተዘይ ኮይኑ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ገምበባ ኣብ ገጽ 133 ሰሪፉ ዘሎ፡ ግደ ረድኢ ክፍለ ዘለዎም ኣባላት ክፍሊ ትምህርቲ ጫሕ ኣቢልና ኣቕሪብናዮ ስለዘለና፡ ጽቕጥቅጥ ዝባሃል ነገር ኣብ ቅድሜና ኣይነበረን ኣይክህሉን ድማ‘ዩ። ሓሳብናን ሕልምናን እኳ እንተዘይኮነ፤ ሎሚ ተጸቒጣ እትሕለፍ ነገር እንተልያ ጽባሕ እዋን መጺኡ በሎኽ ከምዘብላ ስለእንግንዘብ ድማ ኣይክንውዕሎን ኢና።

ካልእ ኣብ ምምዛን ተመኩሮ ኣቲና ከምዝን ከምትን ስለዘይበልና፥ ጸጊዕነት ዘለዎ ጽሑፍ ኣየቕረብናን፥ ነቲ ጥረ ሓቕታት እንብሎ ምስፋር እዩ ናትና ግደ፥ ስለዝኾነ ንተመኩሮ ተሓኤ ኣብ ሓደ ዝኣረገ ዘንቢል ኣእቲና እነሰክሞ የለን። ምኽንያቱ ተሓኤ ሓንቲ ውድብ እምበር፥ ብሓደ ዝምባለ ዝቆመት ውድብ ከምዘይነበረት ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። እወንታውን ኣሉታውን ተመኩሮ ተሓኤ ድማ ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝቕልቐሉ ዝነበሩ ዝምባሌታት ዝነበሮም ግደን ተራን እንዳጫጫሕካ ክስነድ ኣለዎ ዝብል ዕግበት ስለዘለና ዋላውን እንተተደልየ ኣብ ሓደ ዝኣረገ ዘንቢል ክኣቱን ናይ ሓደ ኣካል ብሓላፍነት ዘሕትትን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብዘተረፈ፥ ወዮ ዳኣ ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሰቦ ጥልመታት ረኺብዎ እምበር፥ ከምቲ ዝጠቐስካዮ፥ ስሒቅናን ተዋዚናን ዘሕለፍናዮ ናይ ቃልሲ ግዜ፥ ኣብ ሃገርና ራህዋን ቅሳነትን ሰፊኑ ክድገምን፥ ትዝክርዮ ዶ፥ ትዝክሮ ዶ እዚ ከምዚ ዝበለ እንዳበልና ከነውግዕ፥ ክንስሕን ክንጻወትን ገና እንብህጎ ምዃኑ ከይጠቕስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡

ነዚ ጽሑፍዚ ከነቕርብ ከለና እውን፥ ንመንፈስን ትሕዝቶን ተበግሶና ተገንዚብካ፥ ኣብ ዝገበርካዮ ገለጻ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣቦይ ተኽለሃይማኖት ዝበልካዮም ወላዲ ኣሰር ክትክተል ትስፉዋት ኢና። እቲ ብዕለት 22 መጋቢት 2017 ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርግሐ መግለጺ ኣታሓሒዝና ንሰደልካ ኣለና።

ናይ ኢ-መይል መራኸቢና፥ homibpublishing@gmail.com

ሰናይ ዎ ሰላም!

ንጉሰ ጸጋይ

ስለ ጻሓፍቲ፥ ተመኩሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን 1961-1982

01.06.2017

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde June 3, 2017

    Thanks a million Haw Negusse, it is true,the story is the Eritrean people’s not individuals,we own it the good the bad and the ugly,it is a story that was composed with our blood and sweat collectively and nobody can claim ownership but the Eritrean people.That said,I would like to extend my gratitude to whome the books proceeds would benefit.I am overwhelmed.Your brother from former Brigade 69, 2nd Battalion.

POST A COMMENT