Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸኣለ ሞት ፈሪሑ ተጸርጊፉ: ዓቕሚ ዝሰኣ ድሕሪት ተሪፉ!

ዝኸኣለ ሞት ፈሪሑ ተጸርጊፉ ዓቕሚ ዝሰኣ ድሕሪት ተሪፉ Tesfamariam Wel, 10/02/2015 Norway ሃገሩ ገዲፉ ተሰዲዱ ምስ ጸገሞ ናነብዐ ከይፈተወ ደም እናጠዓሞ እግሩ ዝመርሖ ዘይብሉ ዝዓደሞ ሃጽ ኢሉ ከደ መሬት ዓዱ ናሰ.ዓሞ   ዕድሉ ክርኢ ከም የሕዋቱ ስደት ኮይና ዕጫ ብጽሒቱ ብህግደፍ ካብ ዝሳቐ ብሂወቱ ዘብሎ ጠፊኡዎ ኣበይሞ

ዝኸኣለ ሞት ፈሪሑ ተጸርጊፉ

ዓቕሚ ዝሰኣ ድሕሪት ተሪፉ

Tesfamariam Wel,

10/02/2015 Norway

ሃገሩ ገዲፉ ተሰዲዱ ምስ ጸገሞ

ናነብዐ ከይፈተወ ደም እናጠዓሞ

እግሩ ዝመርሖ ዘይብሉ ዝዓደሞ

ሃጽ ኢሉ ከደ መሬት ዓዱ ናሰ.ዓሞ

 

ዕድሉ ክርኢ ከም የሕዋቱ

ስደት ኮይና ዕጫ ብጽሒቱ

ብህግደፍ ካብ ዝሳቐ ብሂወቱ

ዘብሎ ጠፊኡዎ ኣበይሞ ክኣቱ

ዓዲ ጓና መሪጹ ዋላ ንሕልፈቱ

 

በዞም መንእሰይ መን ዘይሓዘነ

ብዘይካ ህግደፋዊ ዒባታት ዕነ

ከም ስታላ ዘጥረዮም ናዓፋፈነ

ተስፋ ዝቖረጹ ድኹማት ዓጢኔ

 

ህግደፋውያን ብዓል ጎባይ ጨላይ

ኣይትሓምብሱ ኣብ ዝሞተ ቀላይ

ብሳምቡእ ዝሓስቡ ባዓል ቃፍላይ

መዳልያ ዕሽነት ዝተዓደሉ ሃለልይ

 

ኣብ ዘመነ ሕግደፍ ኣብ ኤርትራ

ዓድና ናብ ሓዘን ሉቑሶን ተቐይራ

ዘይሓፍሩ ድማ ጉያ ናብ ዳንከራ

ጥሪት ህግደፍ ንዑባ ውጽኡ ሓራ

ልቐቑ ካብ ህግደፍ ከይተሞሖ ሱራ

 

ክሳብ መዓስ ኢኹም ክትደናገሩ?

ቆልዓኳ ዝፈልጦ ንህግደፍ መጋብሩ

ሰብ ተ ጸላእኩም ካብ ግዜ ተመሃሩ

ጸሚምኩም ደንቍርኩም ከይትነብሩ

 

ዕዳጋ ኲሊት ገይሩዋ ኤሪትራና

ታይ ዝገበረ ህዝቢዩ ታዩ ኣበሳና

ዎትሩ ሓዘን ጥዑም ከይሰማዕና

ተቐቲሉ ታኣሲሩ ዕለታዊ ወረና

ብሰሪዚኦም ካብ ምዕባለ ሪሒቑና

 

ኣቦሓጎታቶም ብረት እናተዓደሉ

ጓይላ መሪጾም ናይ ህግደፍ ቶኳሉ

ክንዲ ዝሓፍሩ ይጓዩ ቪደዮ ክሳኣሉ

ኣይተረደኦምን ጌና ከም ዝተጸለሉ

 

ህዝቢ ንዒቡ ፎእ ዝበሎም

ዘይረብሑ ዘይውንኑ ነብሶም

ብጠጠዎም ጸሓይ ዝዓረቦም

ዘይሽግር ታይ ንጽበ ካብዚኦም

 

ኩላ ነጋዳይ ከሲራ ድኳና ዓጽያ

ተሪፋ ዘላ ጥራይ ፋብሪካ ኩሊትያ

ማናጀራ ማንጁስ ኮምበሌ ሻዕቢያ

ናውቲ ከብዲ ሸጥካ ዶላር ምቕባልያ

 

መኳንንቲ ህግደፍ ጀሚሮም

እግረይ ኣውጽእኒ ከም ሰቦም

ህዝቢ ዘሳቐዩ ዝሕተቱ ብደም

ገፋዕቲ ነበር ህግደፍ ዘዕበዮም

ብብርኩ ዘተንፍስ ሰብ ገዲፎም

 

ዓሊ ይውጻእ ወልዳይ ይውጻእ

ተስፌየ ይውጻእ ሲዒድ ይውጻእ

ታዩጥቕሙ ምስ ምስጢሩ ዝሕባእ

ይትረፍ በዚኣቶም ግዜኻ ምጥፋእ

 

ተንኮል ህግደፍ ዘይፈልጥ መን ኣሎ

ብዘይካ ዝጸልመቶም ብዓል እካአሎ

ሎሚ ብግብሪ ምግጣምዩ ዝድለ ዘሎ

ብኣፍካ ጃህራ ኣብ ወረቐት ኒዮ ንበሎ

 

ወረቐቶም  ሜዳ ብርዖም ካላሽን

ኣእዛን ጸሚመን ብጃህራ ተነፊሐን

ሓደ ነይረአና ንህዝቡ ንሃገሩ ዘድሕን

ብሕጂ ይፈጠር ዘይዋጠጥ ንስልጣን

 

ስልጣን ዝነበረ እንተድኣ ሃዲሙ

ሓልዩ ዘይኮነስ ምእንተ ጥቕሙ

ኩሉ ክሃድምዩ በዚ ኣይትገረሙ

ጉድ ክስማዕዩ ቁሩብ ተጸመሙ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT