Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ መዓልቲ ስዉኣት ነበርቲ እንድያናፕልስ ከበቢኡን

መዓልቲ ስዉአት ምክንያት ብምግባር ኩላትና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ዲሞክራስን ነበርቲ እንድያናፕልስ ከበቢኡን ነቶም ምንቲ ነጻነት ህዝቦምን ልዕላውነት ሃገረሙን ኩቡር ሂወቶም ዝከፈሉን ዝከፍሉ ዘለውን ሰማእታት ኤርትራ ሽምዓ ብምውላዕን ነቲ ብህግደፍ ዝተጠልመ መዓልቲ ስዋኣትና ናይ ሕልና ጸሎትን

መዓልቲ ስዉአት ምክንያት ብምግባር ኩላትና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ዲሞክራስን ነበርቲ እንድያናፕልስ ከበቢኡን ነቶም ምንቲ ነጻነት ህዝቦምን ልዕላውነት ሃገረሙን ኩቡር ሂወቶም ዝከፈሉን ዝከፍሉ ዘለውን ሰማእታት ኤርትራ ሽምዓ ብምውላዕን ነቲ ብህግደፍ ዝተጠልመ መዓልቲ ስዋኣትና ናይ ሕልና ጸሎትን  ድሕሪ ምፍጻም፤ ነቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ወጻዓን አስካሕካሒ ግፍዕን ኣስፊሕና ተዛራሪብናሉ፡፡ ቀጺልና ውን ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክንቃዎሞን ክንብዶሆን ምካና ደጊምና ኣረጋጊጽና፡፡ ከመኡ ውን ብዝተፈላለዩ አሕዋትን አሓትን ዝቀረበ ለበዋታትን ግጥምታትን ተሰሚዑ እቲ ናይ ሓዘን ጽምብል ብዓወት ተዛዚሙ፡፡
ኣብዝሓለፈ ወርሒ ውን ባዓል ነጻነት ምክንያት ብምግባር ኣብ ሓደ መዘናጊዒ ቦታ ባር ቢኩው ብምግባር ብዛዕባ ህልው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከመኡውን ብዛዕባ ኣረመንየ ጨካን መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ጉድሳት ሃገራውያን ተኣኪብና ከምዝዘተናን ክምዝተላዘብናን እሞ ኣብ ሓዘንን ጎሂን ብምህላውና ካብ ጎይላን ሳዕሳዒትን ብከም’ዚ ዝበለ ኣገባብ ከነባዕሎ ዝሓሸን ዝበለጸን ኮይኑ ረኪብናዮ፡፡
ዉድቀት ንስርዓት ማፍያ ህግደፍ
ዓወትን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ
ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን እንድያናፖሊስን ከባቤአን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT