Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

” ዝደቀሰ ከተባራብር ክትብል እቲ ተባራቢሩ ዘሎ ከይድቅሰካ”

" ዝደቀሰ ከተባራብር ክትብል እቲ ተባራቢሩ ዘሎ ከይድቅሰካ" ተምሳል ደቂሰባት ኣብ ምስሊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣታሓሳስባን ተግባርን ከምዝምዘን ዝረሳዕናዮ ንመስል፣ "ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን" ክፈታሕ ዘይደሊ ዘሎ ኮይኑ ኣይስማዓን። እንተኮነ ግን እቲ ኣድላይነቱ ዘይኮነ ኣታጋብብራ

” ዝደቀሰ ከተባራብር ክትብል እቲ ተባራቢሩ ዘሎ ከይድቅሰካ”

ተምሳል ደቂሰባት ኣብ ምስሊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣታሓሳስባን ተግባርን ከምዝምዘን ዝረሳዕናዮ ንመስል፣ “ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ክፈታሕ ዘይደሊ ዘሎ ኮይኑ ኣይስማዓን። እንተኮነ ግን እቲ ኣድላይነቱ ዘይኮነ ኣታጋብብራ እዩ ወሳኒ፣ ኣብዚ ቅንያት ከምዝባሃል ዘሎ “ንምሕያል ዲሞክራስያዊያን ሓይልታት አብ ውሽጢ ኤርትራን፡ ብእኡ አቢልካ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዓዲ ንምምጻእን ዝብል እዩ፣” ከም ሓሳብ ኣዝዩ ባህታ ዝፈጥር ውሃ ዘበለ ሓሳብ እካ እንተኮነ ኣብ ትግባረ ግን ብከመይ መንገዲ፣? ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግህሰትን ማእለያ ዘይብሉ ማእሰርትን፣ ቅትለትን ስለይርዶኦ ድዩ ንሕና ኣብ ወጻኢ ሃገር ኾና፣ ህዝበይ ናዓኻ ዘይራኣየካ ዘሎ ኣብውሽጢ ስለዘለካ እዩ ንሕና ግን ኣብ ደገ ኾና ንዕዘቦ ኣለና ክንብሎ፣ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ክፈትሖ ዝኽል ነሩ ተዝከውን ስጋብ ሕጂ እዱ ኣጣሚሩ ኣይምተጸበየን

የግዳስ እንተስ ዓቅሚ ካብዘይምህላው እንተስ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎን ጊዜን ቦታን ስለይሳማማዕ ነቶም ኣብ ደገ ዘለና ከቃሙት ናይግድን ኮይንዎ ይርከብ፣ እሞኻዳኣ እቲ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኣብ ደገ ዘለና ዘቃሙት ካብ ኮነ ንሕና ድማ ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን እዩ እልና ኣብ ደገ ኾና ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ትጽቢቶም ካባና ሙካኑ ዘቃሙቱ ዘለዉ ነቃሙት እንተኮና፣ መስርሕ ትግባረ ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን ወይ ኣይፈለጥናዮን ኣለና ወይ ድማ ካብ መበገሲኡ ተኮነ ጽቡቅ ተዘይኮነ ድማ ባዕሉ ፈልጥ እዩ ዘምስል፣ ኣብምንቲምንታይ አዩ አዚ ኩሉ ሽግር፣ እሞ ድማ ምስካልኦት ተቃለስቲ ከማኻ ዘሎ ሽግር ዘፈታሕካ ሽግር ኤርትራ ክትፈትሕ ምፍታን, ብተብተብ ዝግበር ነገር ወይ ድማ ንገለ ሰባት ባህ ከይተብል ኢልካ ትገብሮ እንተኮይኑ ሳዕቤኑ መወዳእታ የብሉን።

ምናልባት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ መንእሰይ ወዲብካ ኣንጻር ህግደፍ ክብገስ ይሕሰብ እንተዳ ሃልዩ ኮይኑ፣ ኣይካልን ማልት ኣይኮነን፣ የግዳስ ኣዝዩ ጸቢብ ዝኮነ ዕድል እዩ ኮጋንፍ ዝክል፣ ኣብዚጉዳይ እዚውን ነቲ መንእሰይ ስጋብ መእንቲ ህዝቡ ክብል ሂወቱ ስጋብ ምክፋል ኸወፈ ንሓሳብ እንተለናውን ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ መእንቲ ህዝበይ ኸወፈ እየ እሉ ብረት ኣልዒሉ ዘሎ ዝፈልዮ ነገር የለን ማልት እዩ፣ ምክንያቱ በቲ ሓደ ወገን ኣንጻር ህግደፍን ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኮነ በቲ ሓደ ወገን ድማ ክልቲኡ ወገን ኣንጻር ህግደፍ ብረት ዘልዓለን ከልዕል ዝሕሰብ ዘሎን ሓደ ስለዝኮነ.

“ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ምንዳይ ኣብ ውሽቲ ኤርትራ ዘለዉ መንእሰያት ብመልክዕ ፈዳይን ብውሽጢ ውሽጢ ኩነታት ህግደፍ ተካታቲሎም ኣንጻር ህግደፍ ገለ ኣድለይቲ ነገራት ከተግብሩ ዝሕሰብ እንተዳ ሃለዩ ድማ፣ መጀመርያ ኣብ ውሽቲ ኤርትራ ዘለዉ መንእሰያት እቲ ነዚ ጉዳይ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኽውድብ ዝፍትን ዘሎ ኣካል ኢድ ህግደፍ ከምዘይብሉ ብከመይ መንገዲ ከረጋግጽ ይክእል?

ዋላውን ካብቶም ወደብቲ ኣካላት 99% ተቃለስቲ እዮም እንተበልና እቲ 1% ህግደፍ ዝወደቦ ናዓካ ዝመስል ተቃዋማይ ክከውን ዝለዝክል ውሕስነት ናቲ ክትውድቦ ትፍትን ዘለካ ሰብ ስድሪ ከይከደ ሂወቱ ብከንቱ የጠፋእ ኣሎ ምልት እዩ፣ ዳሓር ድማ ሂወትካ ኣብ ወጻኢ ከተድሕን ሂወት ካልእ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ከተጥፈእ ምፍታን ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ሓልዮት ውልቃዊ ረብሓ እዩ ዝከውን ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ምንቅስቃስ ንኣብነት እንተወሲድና ጉዳይ ሃገሮም ከምጉዳዮም ብምርኣይ ባዕሎም ብኣካል ብምካድ ኣብ ውሽጢ መረት ኢትዮጵያ ብምእታው ንሂወቶም ከይበቀቁ ክቃለሱ ንዕዘብ ኣለና፣ ምናልባት ስለምናትይ ኣብ መረት ኢትዮጵያ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ክላዓል ይክእል ይከውን፣ ግን ከም ግደ ሓቂ ናይግድን ኣይኮነን ኣብ መረት ኢትዮጵያ ኣቲካ ክትቃለስ ሱዳን፣የመን፣ጁቡቲ፣ ይሓይሽ ኢሉ ዝኣምን ውድብ ወይ ምንቅስቃስ ኣብዝጥዕሞ ኮይኑ ክቃለስ መሰሉ እዩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኽውድብዎ ስለዘይደልዩ ወይ ድም ስለዘይካኣሉዶ ይመስለኩም፧ እቲ ሓቂ ግን በዕላቶም ሂወቶም ዝከፍሉሉ እንበር ሂወቶም ዓቂቦም ሂወት ብጻዮም ከሕልፉ ፍቃደኛታት ስለዘይኮኑ ጥራይ አዩ.

እንተኮነ መንእሰያትና ብኣማኢት ኣብ ቀላይ መዲተራንያን እንዳጠሓሉን፡ ጎራዙትና መጻወቲ ከተርቲ ግብጻውያን በደዊን ኮይነን ዘስካሕክሕ ግፍዒ እንዳወረደንን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኣደዳ ስቃይን መከራን ህግደፍ ኮይኑ, ሰብ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተዋሪዱ። ብዙሕ ስብ ብኾንቱ ይጠፍእ ኣብዘለወሉ እዋን። ነቲ ሰብ ዘይብሉ ሰብ ንኹኖ፡ ነቲ ሰማዒ እዝኒ ዝሳኣነ ኣውያት ድምጽና ከነስምዕ, ነቲ ተስፋ ዘይብሉ ድማ ተስፋ። ንዓይ ይጥዓመኒ ውድበይ ውድብካ ከይበልና። ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ስራሕ ክንሰርሕ ምተገንአ, ኮይኑ ተሪፉ ግን

ኣብ ገዛካ ዘሎ ሓርማዝ ክትሽፍን ክትብል ናይ ጎረበትካ ከም ቀታሊ ህዝቢ ኤርትራ ገርካ ምውሳድ ነቲ ትሓስቦ ዕላማ ምስልዩነት ሙካኑ ዘረጋግጽ ዳምበር ደላይ ፍትሒ ሙካንካ ዘመስክር ኣይኮነን፣ ዓሰርተ ጊዜ ንህግደፍ ንቃዎሞም ኢና እንዳበልካ ኣኼባታትን ኮንፈረንስን እንተግበካ ቅናን መዝሙሩን ህግደፍ እንተዘሚርካ ንህግደፍ ትመስል እንበር ተቃዋሚ ዝገብረካ ነገር የለን፣ ህግደፍ ካብቲ ኣብ ደገ ኮይኑ ሞዝሙር ህግደፍ ክዝምር ዝውል ሓደ ነገር ዝፈልዮ እንተሎ ኣብውሽጢ ሃገር ዘይሙካኑ እዩ። እቲካልእ ወገን ተቃዋማይ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሎ እኮ ቃናን ሞዝሙራትን ህግደፍ ስለዘይዝምር እዩ እምበር ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝለዝታሃሰምናዮ ኣይኮነን.

እቲ ካላይ ነትቢ ነቲ ደቂሱ ዘሎ ከተባራብር ክትብል ዝተባራበረ ከይድቅሰካ፣ እቲ ደቂሱ እዩ ዘሎ እንዳተባህለ ዝዝረበሉ ዘሎ መንእሰይ መጀመርያ ኣብነት ኮንካ ኣርኣያ ተዘይኮንካዮ ከመይ ገሩ ክባራበር ትጽበዮ ኣለካ፧ እቲ ኣነ ተባራቢረ እየ ዓቅመይ ዘፍቅዶ ክሰርሕ እየ ዝበለ ኣካል፣ ምሳካ ምስ ሓበረ ክሰርሕ ምስጀመረ ሩኡይ ጸገም ወይ ድማ ጌጋ ኮይኑ ዝተሰሞዖ እሞ ኣፉ ከፊቲቱ ክዛረብ ምስጀመረ ጌጋካ ኢሂንምሂን ኢልካ ክንዲ ምፍታሕ ነቲ ዘጋጠመ ጌጋ ኣደዳ ንፋስ ምቅላዕ ነቲ ክእርመካ ዝፍትን ዘሎ ሰብ ከም ኣንጻርካ ዝቃለስ ዘሎ ገርካ ክትውንጆሎ ምፍታን ነቲ ደቂሱ ዘሎ ከተባራብሮዶ ይትረፍ ነቲ ትኽስ እንዳበለ ዝስጉም ዝነበረ ሰብ መሊስካ ከተደቅሶ እንበር ተምጾኦ ለውጢ የለን፣ ኣብ ውሽጥካ ዘሎ ሽግር ዘይፈታሕካ ካልእ ሽግራት መእካብ ድማ ነቲ ዘለካ ሽግር የግድዶ እንበር ኣየቅልሎን እዩ፣ ቅድሚ ሕጂ እዘን ተቃወምቲ ውድባት 20, 30 በጺሐን ንብል ኔርና ሕጂ ድማ እዞም መንእሰያትሲ ክንብል ጀሚርና ኣለና

ኣብ ውሽጥካ ዘሎ መጀመርያ ክትፈትሕ ፈትን፣ ምስካልኦት ውድባት ዘየሳማማዓካ ነገር መእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክትብል ገለ ሕድገታት ብምግባር ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ወይ ድማ ምስማር የድሊ፣ እዚ ድማ መግለጺ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ እቲ ደቂሱ ዘሎ ክባራብር ይክል እንተዘይኮኑ ግን ነቲ ዝደቀሰ ከተባራብር ክትብል እቲ ተባራቢሩ ዘሎ ከይድቅሰካ .

ናዝራዊ ዲሃምቶ 09/11/13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • anjil September 12, 2013

    Btemi zgerm shuf ember do kab ertrawi seb u tesahifu ab mbal beshe mknyatu 20 amet temeles ndhrit hzbi eritrea 30 amet tekalisu nasnet kchbt kelo bdemu ember bhagez kalot hagerat aykonen kab arut megzaeti tenagifu hji ka nska kalot hagerat ftah kemsalka tsbe btaemi yewah eka hagez hagerat Hakln Hakelen mkanu reseka mesleni ezi nay bolona ka btaemi des zbl hasabn tebegson eu ane nbaeley ksab za sat eza teazabi ye nere hji gn beza nay Bolena tebegso genzebeyn gulbeteyn kwfe tebegise kabzgermeka Asena ka zehzn nezi shuf ezi bzrgahka .Hji wn shigr ertrawyan bertrawyan ember b Ethio Ayftahn u fto slae shigrna baelna kenehsro ena

  • kidane September 12, 2013

    Abzi aleka halewlow .sebay mewaelu b melhasu awet kirekib ayreanan.tegbarrrrrrrr!

  • habte September 12, 2013

    Zkeberka nazrawi kibrin misganan niakan kemakan behaki des zebl meglexi specialy “hiwetka ab aboard ketedihin hiwet kalot ab wushiti hager zelewu ketetifie mifitan halyo hizbi aykonen” nezi sirhat kitali wet hizbka ketdihin mis tihasib yiwhad yibzah meswati kitikefil mikhana wlitna first nebsna nimeswati nedalwa unless kaliot zixearulkan zitesewulkan siltan nixiba u

  • belay nega September 12, 2013

    ” ዝደቀሰ ከተባራብር ክትብል እቲ ተባራቢሩ ዘሎ ከይድቅሰካ”

    ሽግር ኤሪትራ ብዝሑን ዓይነቱን ብዘየገድስ ካብ ሓንቲ ዒለ ከምዝቅዳሕ እሞ እታ ዒላ ክአ ካብ አስመራ ብማኪና ናይ ሰለስተ መዓልቲ

  • belay nega September 12, 2013

    “” ዝደቀሰ ከተባራብር ክትብል እቲ ተባራቢሩ ዘሎ ከይድቅሰካ””
    ሽግር ኤሪትራ ብዝሑን ዓይነቱን ብዘየገድስ ካብ ሓንቲ ዒለ ከምዝቅዳሕ እሞ እታ ዒላ ክአ ካብ አስመራ ብማኪና ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብአየር ክአ ሓንቲ ስዓት
    ሪሒቃ ክምትርክብ ዘይፈለጠ ድቊስ እዩ::

  • tesfaldet September 12, 2013

    this person must be WEYANE OR AGAME the news of ERITREA BI ERITRAWYAN is not good news for WEYANE

    • Tes September 12, 2013

      I think you need help. If you don’t understand what the writer is impling then i am sorry you are thick. I am sure to be called woyane nowdays it is a badge of houner you idiot.

    • MightyEmbasoyra September 12, 2013

      Tesfaldet,
      You are still limited to two Vocabularies – Woyane & Agame. I am worried about you when you go home (assuming you can afford it) to visit the country. Your boss will take you to “karchelli”. Why? You call him Agame. You know he is the biggest Agame in Eritrea.

  • anjil September 13, 2013

    Mknyat ertrawi shigr bertrawi yfetah mbal si entay u habitkummmmmmm??+ weyanes da dey kemu yom zbelu akeba zsewu kefrswo elom nskum ka kemom wy ka kabom tkonu ember

POST A COMMENT