Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ – ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደረኡ ብዘስመዖ ወልደፍደፍ መስሓቕ ሰብ ኮይኑ።

ደሃይ ካብ ኤርትራ ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 11 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተመረቕትን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ መደረ፣ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሳዋ ተማሂሮም መልቀቒ ፈተና ገይሮም ዝሓለፉ

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 11 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተመረቕትን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ መደረ፣ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሳዋ ተማሂሮም መልቀቒ ፈተና ገይሮም ዝሓለፉ ዝበሎም ተማሃሮ ክዝርዝር ክሎ፣ 14 ሚእታዊት ብዲግሪ፣ 10 ሚእታዊት ብዲፕሎም፣ 10 ሚእታዊት ድማ ብሰርቲፊኬት፣ ኢሉ ከብቅዕ፣ ኣብ ድምር ግን 60 ካብ ሚእቲ ኢሉ ኣስታት ፍርቂ ሓንዚፉ ብምውሳኽ ኣዘንቢዑ ኣንቢቡዎ።

እቲ ዝኸፍአ፣ ነቶም ተመረቕትን ዕዱማትን ዝኣርመሞም ከኣ፣ ይቕሬታ ኢሉ ጌግኡ ኣሪሙ መደርኡ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣሽሓት ህዝቢ ረሲዑ ምስቲ ወረቐት ዘረባ ምቕጻሉ እዩ።

እዚ ንስነኣእምሮኣዊ ኩነታት ኢሳይያስ ዘንጸባርቕ ኩነታት ‘ዚ፣ ፈለማ ቲቪ-ኤረ ‘ውን ከምዘለዎ ስለዘመሓላለፈቶ፣ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ንመደረ ኢሳይያስ ዝተኻታተሎ ሰብ፣ ቆልዑ ከይተረፉ፣ “ ኢሳይያስ ሎምስ ኣግሂዱዎ፣ ምስ ወረቐት ሃተፍተፍ ክብል ጀሚሩ” ክሳብ ዝብሉ ኮይኖም።

ነቲ ወልደፍደፍ ዓለም ብዓለሙ ምስ ሰምዖ ዝተበራበሩ መቃመምቲ ቲቪ-ኤረ ንምሸቱ ክእርሙዎ ፈቲኖም።

ይኹን ‘ምበር እቲ መአረምታ ነቲ ዕንወት ምሉእ ብምሉእ ክሕክሞ ኣይከኣለን። ከይተወድአ ጠልጠል ዝበለ ምሉእ ሓሳባት ኢሳይያስ ነቲ ጸገም ኣይሓብኦን።

ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ከምዝሕብሩዎ እቲ ጸገም ስነኣእሙራኣዊ ምዝንባል ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮነን። ኢሳይያስን ዓሻክሩን ኣብ ድሮ ናይቲ መመረቕታ ወትሩ ኣብ ሳዋ ተዓጽዮም ክሰኽሩ ስለዝሓድሩ ምዕሩይ ዘረባ ክዛረቡ ከሸግሮም ባህርያዊ እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን እምብኣር፣ እቲ ብሃይማኖትን ስነምግባርን ዝልለ ህዝቢ፣ ስነኣእምሮኣዊ ምዝንባልን ስኽራንን ብዘሰነፎም ዝሩጋት ይምራሕ ምህላዉ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይብሱል ኣይጥረ ገይሩ ሰኑይ 13 ሓምለ ብመኪና ናብ ኣስመራ ዝምለስ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ኣብ ከባቢ ጥንቁልሓስ ጽርግያ ስለዝተዓጽወ መሕለፊ ስኢኑ ስለዝተዓግተ፣ ብእግሩ ንኸረን ክድይብ ተቐሲቡ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ሰንበት ሰዓት 9 ናይ ምሸት፣ ኣብቲ ካብ ከረን ናብ ኣቑርደት ዝወስድ ጽርግያ ዘሎ ጸድፊ ጥንቁልሓስ ሓንቲ ካብተን ሲኖ-ትራክ ዝብሃላ፣ ፍርያት ማዕድን ቢሻ ንምምልላስ ብ ትራንስሆርን ዝዋፈራ ልዕሊ 450 ኩንታል ዝጽዕና ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ጥንቁልሓስ ተገልቢጣ መንገዲ ስለዝዓጸወት እዩ።

ነታ ናይ ጽዕነት መኪና ክትውግን እትኽእል ማሽን ኣብቲ ከባቢ ስለዘይነበረት፣ ክሳብ ንጽብሓይቱ ሰኑይ እቲ ጽርግያ ተዓጊቱ፣  ብወገን ከረንን ኣቑርደትን ብብዝሒ መኻይን ስለዝተዓጽዋ ኢሳይያስ መኪንኡ ኣብ ጽርግያ ገዲፉ ንኸረን እናተቛየቔ ብእግሪ ካብ ምድያብ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።

ኢሳይያስን ዓሻክሩን ናብ ከረን ምስ ተቐልቀሉ፣ ሃንደበት ዝኾኖ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ህዝቢ ኸረን ከኣ ንግፋ ዝተዋፈሩ ሰራዊት መሲሉዎ ተበቲኑ። ኢሳይያስ ከኣ ኣብ ሰሪና ሆቴል ብምዕራፍ ብናይ ምምሕዳር ከተማ ኸረን መኪና ናብ ኣስመራ ከይዱ።

ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ምግልባጥ ናይታ ሲኖ -ትራክ ዝተዓግተት ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ‘ውን ኣብ ጥንቁልሓስ ተገልቢጣ፣ ይኹን እምበር መቝሰልቲ እንተዘይኮይኑ ኣብ ህይወት ዝበጽሐ ናይ ሞት ሓደጋ ኣይነበረን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • debesay July 21, 2015

    The problem isn’t because of the bad people’s violence.it is because of the the people silence.we take time instead we make actions and coalition to over through this dead government. If tell you my over view on isayas ,I say to he is better than you.I don’t mean for his work ,what I mean is he work hard for his power or position.while we waste time on insulting him.he said I am dead person but no one heard him.so do u think he Will give u free ,if u don’t want overthrough him.

  • Truly Truly i say to you July 22, 2015

    Like the leader, like the regime. No one from his cabinet members could realize about his sickness, because all are same like him. They used to live in the same mentality same consciousness. He already influenced them with his negative destructive cruel, in human mentality, because it is known one rotten apple spoil the punch. Actually we do not have only one rotten leader almost all are already rotten, all should to be thrown in to garbage.

  • Harmaz July 22, 2015

    Aradomn n mntay kemeu tbil aleka ayfeltin ab kndi n beges kmerhakumn snki kekeblekumn ab kndi mbal wukyanos yfelyena eyu gele ktbil. abeu koynka dika kiterasin tftin
    Mnalbat ane zkbeleka azika b edme 70> endhir koynka ok kalie gin ezi tblo zeleka kab sirah ansti ayfleyn eyu.

    • ኣርዓዶም July 22, 2015

      ሓርማዝ ደቓሲ
      ጉንጭል ጉንጭል ኣቢልካ ነተን ከንቕፋ ይኽእላ ኢየን ኢልካ ሒዝካ ኣብክዲ ትዛረብ፡ ንኹሉ ነቲ ምሉእ ሓሳብ ዝጸሓፍክዎ ንበቦ። ዒታ ድኹም ሕልና ኮይንካ እምበር፡ ክግበር ዝነበሮ ኣብ ዓዲ ክነሱ ኣብ ወጻ ኢ ኮይና ንዕ ኦም ንከላኸለሎምን ብሰንኮም ሂወትና ኣብ ጠልጠል ወዲቑን ኢዩ። ንሶም ግን ወገሐ ጸበሐ ኣብ ክንዲ ነቲ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ዝገጥምዎ፡ ከም`ዚ ናትካ ኣብ ቤላቤሎ ክላክዑ ሃገርን ህዝብን ብህግደፍን ደምሒትን ከም ትብሓት ህዝባ ከም ዝከላበት ኮይኑ። ብዝኾነ ክብለካ ዝደሊ ርእስኻ ኣስተኻኽል። ምናልባት ካብዞም ሓራምዝ ህግድፍ ተኾንካ`ውን ማይ ጨሎት ተሓጺብካ ምሉእ ሓሳብ ክትነብብ ፈትን። ዎድሓንካ።

  • Bereket July 22, 2015

    This is the proof of those who are leading our country. Forget about leading the country they can’t even lead themselves. Every Eritrean know the behavior of Mr Isyasa Afework Abraha and Co. therefore it won’t be difficult to get rid of them, but what about his group who are working actively to deceive the Eritrean people in Diaspora.
    Former Isayas Afework’s servants (Dr. Andeberhan (former dean of Asmara university and main strategist of dismantling it as well as former PFDJ ambassador to EU who denounced G15 as traitors), Mohiyedin Shengeb (who was known of terrorizing Eritrean youngsters as well as burning The Bible in Sawa), Mr. Ali Abdu (who had a known hatred towords the tigringa speakers), General Mesfin who defended Isayas in different occasions last but not least Mr. wedi Beatay (former intelligence liaison of counter espionage with responsibility of investing and stashing away millions of dollars). They told us they found EPLF-DP then they changed their colour like a bat and said they are members of Sidri later they changed to Medrek. Their aim to highjack the movement for change in Eritrea and by implementing cosmetic change (change the president by Mr. Menkerios or Mesfin) and continue to oppress our people there fore it is important to get rid off Isayas, Kisha, Monkey but also to be vigilant not to surrender to Medrek .
    By the way meskerem.net asked where he can find the truth well at least I can tell him that he can’t find in Mr. Isayas’ speech
    The Eritrean people will prevail at the end!

  • Dawit kflezghi July 22, 2015

    መደረ ፕረዝደንተ ሃገረ ኤርትራ ከም ቀደሙ፡
    ዘይኑጹር ወስቱኡ ሓንኻል፡ትልሙ ሕድሕድ ዝጣላለሙ፡
    ወዲ ዱሙ ነይ ገድፍ ግብረ እሙ”ዘይ ቀልል ሕማሙ፡
    ከም ድሌቱ ምድር ኣፍ ሰባት ሎጓጊሙ ቕብጸት ሕርሙ፡
    ኣይንታዓደሎ ንሳ ኾይና ዓቕሙ፡ ሃገር ኣባዲሙ፡ መብጻዓ ጠሊሙ፡

    ኑሱስ ዉራዩ፡ሰላስል፡ምልክነት ውርሻ፡ ኣብ ስልጣን ኮረሻ፡ ስጋብ መጨረሻ፡
    ኣጃምና ነበርክት ኑቡርና፡ንምለሳ ከይኮነና ጣዕሳ
    ለባም ከፊእዎ፡ ዳሓን አሎ፡ዓሻ፡

    ኣብ መደምደምታ፡ ልቢ፡ንበል ኣይንታዓሻሾ፡
    ግዜና፡ኣይ ነባኽን፡ጽባሕ፡ዘይንመልሶ፡
    ትግባሬ ኣንፈትና፡ ጽፈት፡ንቃለሶ፡ጻማ፡ዝሕፈሶ፡
    ቅያ ጀግንነትና፡ታሪኽ ነሕድሶ፡ንሰላም፡ቕሳነት፡ሕጊ፡ዝነገሶ፡

    ንካባበር ንማዓዓድ ኢሂን፡ቢሂን፡ብንጽህና፡ብዘይ፡ሽርሕን ጉርሕን፡
    ጹቡቕ ስነ ምግባር፡ነባርን፡ጸናሕን፡
    ኪኖ፡ጸልማት ብርሃን ሃላፍን ወጋሕን፡
    ሕነ ቶም ዓመጽቲ፡ሰብ ራዕድን፡ሰብ ፍርሕን፡

    ካብ ህልኻት፡ንጻእ ሕድሕዳዊ፡ረጽሚ፡
    እንካ ሃባ ምድርራብ ዓቕሚ፡ ድኽመትና፡ንመሚ፡
    ካብ ዓዘቅቲ ንጻእ፡ ካብቲ ባህር ሰልሚ፡ ኩዉን፡ንምኻኑ፡ናይ፡ሰማእታት ትልሚ፡
    ጥምሮ ሓድነትና፡ ንኹሉ ፈጻሚ፡ ተደለበ ዓቅሚ፡

  • lemlem July 22, 2015

    I think most of the time looks idiot unwise selfish but He is the the Head of wolves that able to read the minds and use others where he could benefit from them.he is notoriously smart.Even if we don’t accept it but we can’t deny it.

POST A COMMENT