Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ደሃይ ካብ ኤርትራ   - ኣስመራ ኣብ ወጥሪ ኣላ። ኣብ መፋርቕ መስከረም ብገምጋም 15 ሰባት ንስግረ ዶብ ክኸዱ ከለዉ ሓይሊ ባሕሪ ሒዞምም ክብሃል ጸኒሑ። ወለዶም ንኩነታቶም ብዝምልከት ንሓላፊ ናይቲ ዳርጋ ናይ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ኮይኑ

ደሃይ ካብ ኤርትራ

 

– ኣስመራ ኣብ ወጥሪ ኣላ። ኣብ መፋርቕ መስከረም ብገምጋም 15 ሰባት ንስግረ ዶብ ክኸዱ ከለዉ ሓይሊ ባሕሪ ሒዞምም ክብሃል ጸኒሑ። ወለዶም ንኩነታቶም ብዝምልከት ንሓላፊ ናይቲ ዳርጋ ናይ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ኮይኑ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዘሎ ወዲ ፊቶውራሪ ሓቲቶሞ ብብድዐ ከምዝመለሰሎም ‘ውን ክዕለል ቀንዩ። ወለዶም ኣዝዮም ተሻቒሎም ድሕሪ ምጽናሕ ሓደ ስንኩል ተጋዳላይ ሰበይቱ ኣብ ወጻኢ ዘላ ናይ ሰለስተ ደቁ ተረዲኡ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ‘ዚ ተፈላልየ ዕላላት እዩ ቀንዩ። እቶም ሰባት ገለ ባዕሎም ብባህርያዊ ምኽንያት ሞይቶም ክብሉ ከለዉ፣ ገለ ድማ RPG (ኣርፒጂ) ገይሮም እዮም ሃሪሞኦም ይብሉ። ገለ ‘ውን ኣይፋል እቲ ዘስገሮም እዩ ገዲፉዎም ሃዲሙ ይብሉ። ገሊኦም ሓይሊ ባሕሪ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ቤትማሰርቲ ከግዕዙዎም ከለዉ መኪና ተገልቢጣቶም ዝብሉ ‘ውን ኣለዉ። እቲ ወረ ኣዝዩ ኣሻቓልን ኣሰንባድን እዩ።

ሓደ ካብቶም ተደዲኦም ዘለዉ ናይቲ ተጋዳላይ ሰለስተ ኣዋልድ እየን።

ደቂ ተጋደልቲ ብምዃኖም፣ ኣቦታቶም ሰብ ብረት ስለዝኾኑ፣ ገለ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ ‘ውን ኣይሰኣኑን። ብኻልእ ወገን ከኣ ኣቦታቶም ደኣ ክንደይ ግዜ ዶ ነዛ ሃገር ኣይሞቱላን፣ ሕጂ ውን ይኸፍሉላ የለዉን። እቶም ተጋደልቲ ‘ውን ‘ኮ በበይኑ እዩ ዓይነቶም፣ ገሊኦም ኣብ በረኻታት እናነበሩ፣ ገሊኦም ኣብ ቪላ ይነብሩ፣ ከም ብዓል ደቂ ፍሊጶስ ከኣ ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር ኣብ ኡጋንዳ ኮይና ወርሓዊ ካብ ኣቦኣ ዝመጻ ተባኽን ዶ የላን።

እቲ ካብ ኩሉ ከፊኡ ዘሎ ናይቶም ኣብ ዓዲ ሕጊ ኮይኖም ዘጣቕዑ ዘለዉ እዩ። በዚ ኮይኑ በቲ፣ ኣብ 20 ታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ዓዲ ክነብሩ ኣይክእሉን ዘለዉ። ኩነታቶም ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። እቲ ወረ ኣዝዩ ኣሻቒሉ እናሃለወ፣ ካልእ ተረኽቦ ‘ውና ጋጢሙ። ኣብቲ ብድሆ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ እሱራት ክሃድሙ ፈቲኖም፣ እቶም ሓለዋ ረሺኖሞም። ሓደ ካብኣቶም ወዲ ኣኽርያ ተረዲኦም ኣለዉ። እቲ ሕቶ ናይ መንእሰያት ብህድማ ክፍታሕን ዘይሰለጦ ክመውትን ክሳብ መዓስ እዩ። ህዝቢ ይምህለል ኣሎ። ሞት ደቂ ሲቪልን ተጋደልትን ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሕቶ ወዲ መን ኣይኮነን። ኩሉ ብሓባር ክፈትሖ ዘለዎ ሽግር ዩ። ነቶም ደቆም ኣብ ክመሃሩሉን ብሰላም ክዓብዩ ዝኽእሉን ወጻኢ ሃገር ኣቐሚጦም ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ከምዘሎ ዝምድሩን ዝሕስዉን ዘለዉ፣ ህዝቢ ናብዚ ዓዲ ግዳ ዘይመጹ እናበለ ይወቕሶም ኣሎ።

 

– ንዕለት 3 ወርሒ ሓደ ህዝባዊ ሰራዊት ክዕለም ንጋሕቴላይ ክወርድ እዩ፣ ዘይወረደ ታሴራ ኣይክህልዎን እዩ ኡብሉ ኣለዉ እቶም ልኡኻት ናይቲ ደረቐኛ መንግስቲ ሎሚ መንነት ኤርትራዊ ክሳብ ክንደይ ከምዝፈንፈኑዎ ዶ ይስቆረቁም ኣሎ። ሰብ ኣርሙሙዎ ዘይከደ ብኹቦን ክትሕዞ ምፍታን ምስ ምንታይ ይኽቑጸር። እቲ ዘገርም፣ ነቶም ገለ ኣባልት ሰራዊት ሓለፍቲ ኣብ ሰራዊት ቦታኦም ኣብ ምንታይ ምዃኑ ዝነግሩዎም ምህላዎም እዩ። እንዳ 59 እንዳ 37 እናበሉ ምስ ደቆም ክምድቡዎም ይስምዑ። እቲ ዝኸፍአ ሓንሳብ ካብ ገዝኦም ንታዕሊም ኢሎም ምስ ኣውጽኡዎም ብኡ ኣቢሎም ንድፋዕ ክሰዱዎም ምዃኖም እዩ። ህዝቢ እዞም ሰባት ተጸሊሎም ድዮም፣ ‘ተደፊርና’ ህዝቢ ንዒቑና እናበልካስ ክንድዚ ምትህልላኽ ኣሎ። እቶም ክሳብ ሕጂ በጃኩም ዓገብ በሉልና ክብሉ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ምድፍፋር እንተተጀሚሩ ንሕና ‘ውን ኣይንሓምቕን ኢና ይብሉ።

ካብ ደለይቲ ፍትሒ ንሰላም

22 ታሕሳስ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Bahta Segeneity December 25, 2014

    The Eritrean people never knew what is freedom is specially the Kebessa people. Zebereke Tzhayna Zenegese Nogesna. It is remembered when the Ethiopians fought against the Italians, they recruited eritreans and were fighting the Ethiopians who fought against colonization. The same in Libya. Eritreans never fought for their freedom against the Italian colonization. Later they preferred to unite with Ethiopia and we have seen the consequences. During the struggle for liberation and after liberation, they supported blindly wedi Afom who has been killing and suppressing many of our people. Moreover, many Eritreans who are living in western countries still stand beside wedi Afom. Really it is surprising.

    • Asmerom December 26, 2014

      Bahta: i think you need to inform yourself of History of the eritrean people before you belittle Eritrean. It really do not make you look good. Read before you base your opinion on hearsay.

  • Mulue December 26, 2014

    R,I,P, to the victims and condolence to their families!!

  • helen December 28, 2014

    seb ayteresasunu anne demey aykefelen iye anne zedliyeni intetheame tsubuq intezeykonne ke dob mesgar assenna kea ab wetsae(dege) koynki aythethaqiqi (ayteresasini) adelawta kea nab meda eritrea metsikum demkum kfelu
    wodhankum

  • kidane December 28, 2014

    ata amanuel ksab meas ika ksab iyu ktbl ktnebr? kid meda wred shiu knsbeka

  • Yohannes December 29, 2014

    News are moving fast in Asmara. Col Gayim received money from the father of the three dead girls through Kayahtay (telalaki) and others. Asmara people are saying it was Gayem who give the order because he was not enough share!!!! we will post more news.

  • asmerom December 30, 2014

    Zkeberka adalawi izi tshuf, kan koinuka neger mkwas koinu srahka.

  • aus 17 January 3, 2015

    what about the rest cities or towns in Eritrea? I did hear that Keren is under severe attack, rounding them at homes and forcing the elderly to leave their churches and mosques and lead them to barracks and fore fronts! though crops are shakey and swaying, unstable to up right standing yet forced them to fall apart and be swallowed in agonies.

Post a Reply to asmerom Cancel Reply