Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሻርለት: ሰሜን ካሮላይና: ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ኣካይዶም

  ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሻርለት: ሰሜን ካሮላይና : ሮቡዕ:  ሰነ 15, 2016 ነቶም ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ ቅንያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን:  ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝጠፍኡ  ኤርትራውያን ስደተኛታትን: ነቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ

 

ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሻርለት: ሰሜን ካሮላይና : ሮቡዕ:  ሰነ 15, 2016 ነቶም ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ ቅንያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን:  ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝጠፍኡ  ኤርትራውያን ስደተኛታትን: ነቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማዕታትን ንምዝካር ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ኣካይዶም::

ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ተረኺቦም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ መደብ ብጸሎት ድሕሪ ምኽፋቶም ንርዝነትን ትርጉምን ናይቲ ዕለት ኣመልኪቶም መንፈሳዊ ኣስተምህሮን መዛሙርን ኣቕሪቦም።  ኣብ ዘለና ሃሊና ከኣ ንሓቂ ሓቂ ክንብልን ፤ ንሓሶት: ሓሶት ክንብልን፤ ኣብ ሃገርና ድማ ሰላምን ዕርቅን ክወርድ ብቐጻሊ ክንጽልን ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ድሕሪ ናይ ሽምዓ ምብራህ ዝተገብረ መደብ ዘተ፥ ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሻርለት፥ ብዛዕባ  ህልው  ኩነታት ሃገሮም  ብሓፈሻ ኣብቲ ምእንቲ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝግበር ቃልሲ ከኣ ብኸመይ ኣገባብ ኣበርክቶኦምን ተሳታፍነቶምን ከዕዝዙ ከምዘለዎም፥ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ  ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ዘቕረቦ ጸብጻብ ፥ፍረ ቃልሲ ናይ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለው ደለይቲ ፍትሒ ምዃኑ  ብምዝኽኻር፥  ነቲ “ኢሳያስ ቀታልን ኣጽናትን ስለ ዝኾነ  ናብ ፍርዲ ይቅረብ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ  ብ 23 ሰነ ኣብ ጀነቫ ንኽግበር ዝዳሎ  ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም። ንምዕዋት ናይዚ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሕግዝ ከኣ $3,400 ኣዋጺኦም:: በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ንምዕዋት ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ የማሕጽኑ።

 

ሰማእታትና  ንዘልኣለም  ይዘከሩ!

ዓወትን  ሰላምን  ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

 

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር:  ሻርለት : ሰሜን ካሮላይና 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT