Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:

ደምበ ተቓውሞ፡               ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:                                                                             12 መጋቢት 2014                                     ሃብተማርያም ኣብራሃ                                    ለንደን - ዓዲ እንግሊዝ ‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፡ ቅድም ተሰከመን ደሓር ከኣ በርኩተን ይብለካ’ ኢዩ ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ኢሰያስ። ንሕና ኤርትራውያን ምስ ሕሱም ስንቅና ዝቋጸርና

ደምበ ተቓውሞ፡

              ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:

                                                                            12 መጋቢት 2014

                                    ሃብተማርያም ኣብራሃ

                                   ለንደን – ዓዲ እንግሊዝ

‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፡ ቅድም ተሰከመን ደሓር ከኣ በርኩተን ይብለካ’ ኢዩ ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ኢሰያስ። ንሕና ኤርትራውያን ምስ ሕሱም ስንቅና ዝቋጸርና ህዝቢ ኢና። ሰላም ዝዓበኹም መጓዕዝቲ ዝነኣስኩም መንእሰያት ድማ ተኸተልቲ፡ ኣብ ዘዘለኹሞ ደሓን ንክትህልዉ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ። ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ተቓለስቲ ደቀንስትዮ እንቋዕ ናብ 8 መጋቢት 2014 ብሰላም ኣብጽሓክን ክብል ይደሊ።

ለይቲ ድቃስ ዘይህብ ከምኡ’ውን ቀትሪ ዕረፍቲ ዝኸልእ ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ኣብ እንግድዓና ካብ ተጻዕነ፡ እሂን ምሂን ክንበሃሃልን ንሓድሕድና ክንጫኖን ግዜ ይጠልበና ኣሎ። ኣከያይዳ ደምበ ተቓውሞ ‘ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ’ ካብ ኮነ፣ ንኣከያይዳና ብዝምልከት መኣዝንንና ንምስትኽኻል ኮምፓስ ክንሕዝ፡ ናብ መዕለቢና ንምብጻሕ ድማ ሎሚ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና። ኩሉ ዝተፈተነ ስራሓት  ከንቱ ውእቱ ኮይኑ ኢዩ። እሞ ካን ዲና ካብ መሬት ዓደቦናን ካብ ገዛውትናን ተሰጒግና ክንነብር? ኣይፋል! ንሕሰብ’ሞ ገለ መራግእቲ ደኣ ንፍጠር።

ኣብ ዓለም ብዘይካ እምነት ዘቅየርን ዘይበሊን ነገር የለን። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፊታትን ዝነበረ ጽልኢን ምትፍናንን ንክበሊ ድምጺ ስዉኣት ካብ መዓሙቕ መቓብሮም የቃልሕ ኣሎ። ምስቲ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ነዚ ኩሉ ፋሕ ብትን ክትርእዮ ከለኻ ድማ ካባና እንስሳ ይሓይሽ እንተበልኩ ኣይተጋገኹን። እንስሳ ንሓድሕዱ ተጫንዩ ኢዩ ናቱን ዘይናቱን ዝፈልጥ’ሞ ሕጂ’ውን ሓደራ ስለ እዚ ዝጸንት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ መኽደንን ኣልባን ንኹን። ክቡራት ደቂ ኤርትራ መድሃኒቱ ዝሓብአ ካብ ሕማሙ ክፍወስ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ቀዳሞት ወለዲ ዝተጠቕሙሉ መድሃኒት፡ ከምኡ ከኣ ሰውራ ኤርትራ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መንገዱ ዝተጠቕመሉ መድሃኒት  “ሓድነት”  ዝተባህለት ፈውሲ ኢዩ። ነዚ ከኒና እዚ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ዘለና።

ንሕና ደቂ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሰያስ ዘሳወሮ መጋርያ ጥፍኣት ገና ብዘይጠፍእ ሓዊ ንልብለብ ኣለና። ሎሚ ብዛዕባ እዚ ተላባዒ ናይ ጥፍኣት ባርዕ እዚ እንተዘይመኺርናን እንተዘይ ተሰማሚዕናን ድማ፡ እቲ ቁስሊ ካባና ናብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ክሓልፍ ኢዩ። እስከ ዓይኒ ዘለዎ ይርአ፡ እዝኒ ዘለዎ ድማ ይስማዕ። ኤርትራ ፍሬኖ ከም ዘይብላ ኣረጊት እትናብለ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ሸለውለው ትብል ዘላ ሃገር ኢያ።

እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ዕድል ድዩ ክቑጸር ምስ ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ገና ክምለሽ ዝግበኦ ጉዳይ ኢዩ። ብድሕሪ ረዚን መስዋእቲ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ 1991  ሽቦ ላጋ ሽቦ ምስ ተባህለ፣ ንሙሉእ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ደኣ መሰለና እምበር “ነዚ ክትግዕታ ዶ ትርህጻ” ከም ዝበሃል፣ ከምዚ ንብላሽ ኣይመሰለናን።  ህዝቢ ደቢሉን ዓሊሉን ኢዩ። እንተኾነ ግን ይተዓለልን ይሳዕሳዕን፡ ኢሰያስ ካብ ዝወፍር ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብታ ዝተበገሰላ ዕላማ ፍንትት ኣይበለን።

እቲ ሽግር ናቱን ናይ ለኣኽቱን ዘይኮነስ፡ ናትና ናይዞም ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ንሓድሕድና ንዋጋእ ዘለና’ምበር። ኣይተፈለጠናን ደኣምበር፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ዘመነ ህግደፍ ዓመታት ጥይት ብዘይብሉ ጠበንጃታት’ኮ ተዋጊእና ኢና። እዚ ኣብ ምንቲ’ምንታይ ኢዩ? ‘ሽም ነርሓ ሳዕሪ ነሓ’ ከም ዝበሃል ደጊም፣ እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝረኣናዮም መሪሕነት ብዘይካ ናብ መንበር ኢሰያስ ምጥማት፡ ህዝቢ ወዲቦም ሓራ ከውጽእዎ ኣይረኣናን። ኢሰያስ ኣብ መንገዱ ነይሩ፡ ገና እውን ኣብ መንገዱ ኣሎ። ደቀባት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣገባባት በብሓደ ንምጥፋእ ዝተበገሰሉ ዕላማ ገና ኣይዓረፈን ዘሎ። እቲ ካብ ምስላፉ ዝጀመረ እከይ ተግባራት፡ ብቅንጸላ ንደቀባት ኢዩ ጀሚሩዎ። ኮር ተገልበጥ! እቲ ኣብ ጸልማት ግዜ ዝነበረ ቅንጸላ ንደቀባት፡ ኣብ ጸሓይ ብርሃን እውን ኣጋዲድዎ’ምበር ኣይገደፎን። ዘዝተወልደ ንስደትን መከራን ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ እሱር ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እሞ ስለ ህዝቢን መሬትን እንታይ ደእ ንግበር? ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋማይ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ እዚ ተቓውሞ እዚ ብከመይ ኢዩ ናብ ሓደ ክጥመር? መን’ዩ ሽም ንህቢ ኮይኑ ዘዕስል? መማእዘኒ ኮምፓስ ካበይ ይረኸብ? እስከ ነንነፍስና ንፈትሽ! ከምኡ’ውን ከባቢና ንመርምር። ደምበ ተቓውሞ ንስም እምበር ብግብሪ የለን። እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝገበርናሉ፡ በብመድርኹ ተኾብኲቡ ካብ ኪዳን ናብ ኮሚሽን፣ ጸኒሑ’ውን ባይቶ ዝተሰየመ ቅሚጦ፡ ብዘይካ ወረ ዘፍረዮ ጉዳይ የለን። ሃገራዊ ባይቶ፡ ‘ከይኮነ ለብም ከይተሰብረ ጸግን’ ከም ዝበሃል፣ ክልብምን ክጽገንን ኣይረኣናን።

ከመዮ ዛግራ ናዝቢ መሸንጋጓን ናብቲ ዝበሃል፡ እቲ ንኣዳም ገረሞ ኮይኑ ዘሎ ከኣ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። ቃል ንቃሉ ክንደይ’ከ ይጥዕም ኢዩ። ተቓውሞ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢናን ሃገርናን ኲናት ኣዊጁ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይመስል። ወዳጄ ጣቋ! ኣብ ኣኼባን ጽሑፋትን፡ ኣብ ቅዋምን ፕሮግራምን መልክዕ ውድባትን ባይቶን ክጽብቕ ጉዳም ኢዩ! ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ንሓንቲ ለይቲ እውን ዘሕድርዎ ኣይመስሉን ኢዮም። ኣቤት እቲ ኣዋጆም፡ ዘረብኦም ክጽብቕ! እዚ ቁም ነገር ዘይብሉ ውቃጦ እዚ ድማ ከምቲ ‘መልክዕ ደኣ ይሃበኒ’ምበር ውሕልነትሲ ካብ ጎረቤተይ ይመሃሮ’ ዝበለቶ ሰበይቲ፣ ደምበ ተቓውሞ እውን ብዘይካ ኣብ ምጽባቕ ፕሮግራም ዝገበርዎ ውቐይ የለን። እዞም ሰባት ንውድባትን ሰልፊታትን ከም ናይ ንግዲ ሊቸንሳ ደኣ’ምበር ከም መቃለሲ ባይታ ተጠቒሞሙሉ ኣይፈልጡን ኢዮም። ናይ ትማሊ ተመኩሮ ከም ዝሕብሮ፣ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሮ ሓሸውየ ምርኣይ ጥራይ ይኣክል ኢዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ጽሒፈዮ ዝነበርኩን ብዙሓት ደቀባት ዝተዛረቡዎን ከኣ፡ እዚ ደምበ ተቓውሞ ዝተባህለ ተዛራባይ ሬሳ ደኣ’ምበር ህያው ኣይኮነን። ብዛይካ መልሓስ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ሰሪሑ ኣይፈልጥን ኢዩ።  እሞ እንታይ ደኣ ይገበር? ልክዕ ብልክዕ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ክሳራ ዓመታት ምንባሩ ክግምገም ይግባእ። ደምበ ተቓውሞ ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ከባቢ ኤርትራ ቅንጣብ ዓወት ካብ ዘየመዝገበ፣ ውሽጡን ደገኡን ከም ብሓድሽ ክውደብ ኣለዎ ይብል።

ለውጢ ካብ ውሽጢ እምበር ካብ ደገ ከም ዘይመጽእ እነሆ ጭቡጥ ኣብነታት ርኢና ኣለና። ስለዚ ‘ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ’ሞ ኣራግጻኻ  ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኹም ህዝቢን ሰራዊትን ኣጆኹም! ኣይትደቅሱ፡ ታሪኽ ጅግንነት ንምድጋም ግንባር ህግደፍ ንምድምሳስ ተዳለዉ። እዞም ሎሚ ንኤርትራ ብፖለቲካን ቁጠባን ገቢቶማ ዘለዉ ቁንጣሮ ሰባት እንታዎት ኢዮም? ቀንዲ መንነቶምን መበቆሎምን ብንጹር ክፍለጡ ኣለዎም።

ክሳብ ሎሚ ተሓቢኦሙሉ ዝነበሩ ድርዒ ክስበር ይግባእ። ንደቀባት ኤርትራ ካብ ሰብዓታት እናቀንጸለ ዝመጸ ጸይቀ-ዕሉል መራሒ ህግደፍ፡ ብድሕሪ ናጽነት እውን ነቶም ቀንዲ ዓንዲ ማእከል ደቀባት ኤርትራ ብተንኮል ናብ ዒራዒሮ ዳጒኑ ኣጥፊኡዎም ኢዩ። ከም ገለ ንዝጠርጠሮም እውን በብግዚኡ ብምስማም የጽንቶም ኣሎ። ኢሰያስ ብዘይካ ስልጣኑ ዝግድሶ ጉዳይ የለን። ትማሊ ኣገልጊሉኒ ኢዩ፡ ስለ መንበረይ ተወፍዩ ኢዩ ዝበሃል ኒሕ የብሉን። ከምቲ ‘ንዝኣመነን ንዝኸሓደን ብሴፍ’ ዝበሃል፣ ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሴፍ ኢሰያስ ዝተርፍ ወደባት ኣይክህሉን ኢዩ።

ስለዚ ደምበኻ ከይበተኸ እንከሎ፡ ተንስእ ህዝቢ ኤርትራ። ደምበ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ከኣ ደቅና መንእሰያት ናይ ለውጢ ሓዋርያት ከም ምዃንኩም መጠን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክውላዕ እንደልዮ ዘለና ሽግ ንምውላዕ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓደ ኩኑ። እቲ ምፍንጫልን ምውንጃልን በተን ውድባት ከብቅዕ ይግባእ። ናታተን ኣከያይዳ እናኣሕዘነና፡ ሎሚ እውን ኣብ ማሕበራት መንእሰያት ምፍንጫል ይረአ ኣሎ። ይኣክል ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ።

 

ውድቀት ንህግደፍ

ዓወት ንደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Wedi Hagher March 16, 2014

    “ንዓያሹ ደቃ___________ ካብ ኣቢሲንያ ኣዲኣ መንጢላ
    ማዕርነት ኢላ _______ንደቀንስትዮ ብድሙ ድሙ ኣጸሊላ
    ኣመንዝራታት ትገብረን,BABY FACTORY ናይ ሸፋቱ ቐይራ
    ዓወት ንሓፋሽ _______ናይ ሓሰውቲ ሰኸርም መርዓ ምሂራ
    ካብ ሾዋዓተ ሰብኡት 7 ደቀን ኩሉ ቀቢላ ሕብሮም ጉራምራ
    ከም ጉሓፍ ንኽትድርብየን________ ምስ ኣተወት ኣስመራ
    ይቓዝን ኣለኹ ናፊቐያ ኣዴና፣ እታ ሰለስተ ዝሕብራ ባንዴራ !!!!!”

    Aya Sye aka Cow[rd] Face

    Zterfi yi bezix alo, aken daa ghiberulu …. daxar Agame ilkumni keytiblu !!

  • weygud March 16, 2014

    ኣሰና saving young Eritreans ዝኣምሰሉ ሰባት ቓርማታት እዮም። ስለዚ ንሃገርን ህዝብን መርዚ ዚኻዕዉ ሰባት ክትዓጽዎም ኣለኩም፡፡ዲሞክራስያዊ መሰል ማለት ሕጊ ኣልቦ ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ዚኣምሰለ ብዕሉግ ጽሑፍ ዚዝርግሑ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት እዮም።

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 17, 2014

      weygud ,

      እቲ ኣነ ዝብሎን ዝጽሕፎን ክሕተተሉ ምዃነይ ስለ ዝፈልጥ__ሽመይ ምሕረቱ ሃብተ ምዃኑ ድምበዛናይ፣ወዲ ገሽናሽም ምዃነይ ሕጂ እውን መሊሰ ክገልጽ።ብሕማም ዝኣክል፣ሓደ እግረይ ኣብ ጉድጓድ መቓብር፣ሓደ ድማ ኣብ ቅራፍ ባናና እዩ ዘሎ።እዚ ክትድንግጸለይ ወይ ክኣ ልቢ ሰብ ክበልዕ ኢለ ኣይኮንኩን።ሕማመይ ተቛጻጺረ እንሆ ንዓሰርተ ዓመት ነቢረ ኣለኹ።ናይ ብሓቂ ሽመይን ዓደይን ዝገልጽ፣እቲ ዝብሎ ካብ ልበይ ምዃኑ እዩ።ንምንታይ ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ጠጠው ስለ ዝበልኩ ቃርማን ዘይኤርትራውን ዝብሃል።
      ካብ (ቀበሌይ)ሃገረይ ኤርትራ ኰጽእ ከለኹ ንዓጋመ እናተራገምኩ ፣ካብዚኦምሲ ኣምሓሩ እኳ ይሕሹና እናበልኩ እየ ወጺኤ።ነቶም ሓደ ካብ ሚእቲ ዘይኮኑ ዝገበርዎ ግፍዒ ንምሉእ ህዝቢ ትግራይን (ከይተረድኣኒ እውን ንህዝቢ ከበሳ ኤርትራን)ንነብሰይ ረጊመያ ማለት እዩ።ኣነ ንሰብ ብተግባሩ እምበር ብትውልዲ ሰፈሩ ኣይግምቶን።ሕጂ እቶም ዓጋመ ኢለ ክርእዮም ዕግርግር ዘብለኒ ዝነበረ ኣቦታተይን ኣቦታትካን፣ነዚ ዘፍቅሮ መንእሰይ ኤርትራ መጸግዒ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ትምህርትን ሪሰትልሜንት ናብ ወጻኢ ሃገራት ምዃኖም ፣ክልተ ሳዕ ካብ ዘዛርቡኒ ጸኒሑ ኣሎ።
      ኣነ ዓንገረር ዘብለኒ ጉዳይ እንተሎ፣መንእሰያትን ምርዑዋትን ሰብኡት ኤርትራውያን ብበደዊን ተጎምቢሖም ክዕመጹ እንከለዉ ፣እቲ ብናተይ ዕድመ ንርከብ መውደልደልቲ ብዘምጻእናዮ ዕሽነትን መንነት ኣልባ ርካሽነትን ፣ከፈልቱ እዞም ምንም ሓጥያት ዘይብሎም መንእሰያት ኤርትራ ምዃኑ እዩ።ከምቲ ሓጥያት ኤርትራ ኢለ ክቖጽሮም ከለኹ ጸሪፈ ንጸራፋይ ዝ ሃብኵዎም ኣቦታተይን ኣቦታትካን ዓጋመ__፣የቐንየልና ንሕና ቆልዑ መቐለ ደብዲብና ____ኣይሮፕላናትና ብድሓን ተመሊሰን ዶ ፣ኢልና ምሕራድ ቆለውዕ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ሂወት ዘላገጽና ፣ብእኡ ከይቅሓሩ ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ፣ኤርትራዊ፣ካብ ካልኦት ሃገራት ዲፖርት ክግበር ከሎ እውን ካብ ዝሕረድሲ ንሕና ንቕበሎ ምባሎም ፣ካብዚ ዝዓቢ ኣፍቃሪ መን ኣሎ።ዝገብርዎ ዘለዉ ምዕባለ ምግላጸይ ድማ፣ ር ኤይዎ ዚሓሳዊ ህግደፍ ነዘን ዓጋመ ኩሉ ነገር ንሕና ኢና ምሂርናየን እናበለ ዝሕስወልኩም እንሃለ እታ ትሕግዘኩም ዘላ ሃገር ት ስልጥን ኣላ ፣ኣጆኹም ደቀይ ንስኻትኩም ግን ትምህርቲ ስለ ዝተኸላእኩም ጽባሕ ንጉሆ ብያቶም ክትሓጽቡ ኢኹም፣መፍትሒ እንተደሊኹም ፣ንኹሉ ኣውራጃን ሃይማኖትን ይቕረ እናተብሃሃልኩም ሓንቲ ብእግራ ጠጠው ትብል ኤርትራ ፍጠሩ ምባለይ (ምንም እኳ ኤርትራ ብእግራ ጠጠው ምባላ ብዝልዓለ ዘጣራጥረኒ እንተኾነ)ካብ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ንኽትድሕኑለይ እየ እምበር ፣ኣነ ድኣ ናይ ኣሜሪካን ካናዳን መንነት ረኺበስ ፣ናይ ሜክሲኮ እውን ድሕሪ ክልተ ዓመት ክሓትት ይዳናደን ኣለኹ።
      ነተን ብሓይሊ ካብ ንእዲ ተጎቲተን ፣ኣመንዝራታት ናይ ድሙ ድሙ ክኾና ሻዕብያ ዘባዕለገተን፣ሕጂ ድማ ኣብ ድፋዕን ቤት ማእሰርትን፣ሲናይን ዝዕመጻ ዘለዋ ደቀንስትዮ ኡይ ምባለይ ዓጋመ የብለኒ፧____እሞ ብተግባርኩም ፣ዓጋመ ጥራይ እዩ ንኤርትራወኢ ዝሓልየሉ።ሕራይ እሞ ዓጋመ እየ።ግን እቶም ዓጋመ ሽዱሽተ ሚልዮን ለባማትን ኣርሒቖም ዝሓስቡን ኣለዉዋ፣ኤርትራ ግን ኣነ ጥራይ እየ።ካልእ ሆ ኢልካ ትሓርሶ ዝዓይነቱ ዝሓዘለ ርእይቶ ዘለዎ እዩ።
      እንታይ ዓይነቱ ድሕነት እዮም ዝኅቡኹም እቶምብዕድመይ ክልል ዝርከቡ ንሶም ከለዉ ሙታንታ ኣዕራብን ፋሽሽትን፣ባንዳ ደቂ ባንዳታት፣ዘፍቅሮም ኢትዮጵያዊ ጎረቤቶምን ኣቡኦምን ከሎ፣ **ሖ በደዊን ኣብ መቐመጭኦም ከሎ ኣንሕና ሙሽ ሓበሺ፣ላእ ኣንሕና ኤርትሩዪን፣ ኣኽዋን ዓራቢ፣ሓበሽ ሓኒሽ ዝብሉ።ይቕሬታ ስዋሂሊን ስፓኒሽን እንግሊዝን ሓደ ካልእ ዕስራ ዝኾና ቋንቋታት እምበር ዓረብኛ ስለ ዘይፈልጥ።
      ግን ቋንቋ ሮጎብትና በደዊን ዘይፈልጥ ፣ኣታ ሓቅኹም ዓጋመ ግዲ እየ።

      The Super Brilliant Uncle SYE

  • Kalighe March 16, 2014

    ኣሰና saving young Eritreans ዝኣምሰሉ ሰባት ቓርማታት እዮም። 

    Weygud

    The guy is an Ethiopian posing as Eritrean.
    Xade hiwketegna agame eyu.

    • regret March 17, 2014

      Kalighe

      how do you know sye is agame ? couldnt you make a better argument.even if he is agame if what he is saying right what does it matter ? i think you are being pathetic because you can not reason as wise or as fairly articulate like sye.

      • Hagherawi March 18, 2014

        “even if he is agame if what he is saying right what does it matter ?”

        regret

        I have been reading Mr. Cow Face’s comments for the last two years with a lot of interest and some times amusement.
        The content of his writings are more or less the same: he blames Eritreans for seeking independence from his Mama.
        He is a highly skilled writer in both English and Tigrigna, but persistently anti-Eritrean. Most of the time he tries to humiliate Eritreans by using very vulgar terms in his Tigrigna poems.
        Long ago in the early days of the internet it was very difficult to know who is who (and I think this problem is still there), the chairman of Microsoft was quoted as saying, some thing like this, just paraphrasing: “on the the net you could be even a dog, and no body will know about it”. So, “regret” could be “sye” and the latter could be also an Eritrean, but what he has been saying for the last two years makes sense only to Ethiopians. And if it makes sense to you, you must have something in common with him. In any case he is doing a disservice to his country, whether that means Tigray or Eritrea.
        Fomenting trouble doesn’t serve anyone.

  • halengi March 16, 2014

    metan sebat kitkesbu dekebat dekebat ai hitler kabu halifu entai geiru tifushat zeihalfelom koribkum aerfu

  • Rob March 16, 2014

    NISKUM KAB ESAYAS TIGEDU KETAL NEFSI (MURDERER) EKUM…DEM BIAL SHAMBEL AREGAY N DEM BIZUHAT DEKI BIHERE KUNAMA AB EDKUM EYU…MIS ESAYAS FILILYKUM HADEKUM AB WISHTI ETI HADE AB DEGE MIHLAWU TIRAY EYU !! FIRDI NAY KILTEKUM NIMRAY YEBKIANA ATO HAbtemariam !!!

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 16, 2014

    WEDI HAGHER said…..I Partially Quote…”

    “ንዓያሹ ደቃ___________ ካብ ኣቢሲንያ ኣዲኣ መንጢላ
    ማዕርነት ኢላ _______ንደቀንስትዮ ብድሙ ድሙ ኣጸሊላ
    ኣመንዝራታት ትገብረን,BABY FACTORY ናይ ሸፋቱ ቐይራ
    ዓወት ንሓፋሽ _______ናይ ሓሰውቲ ሰኸርም መርዓ ምሂራ
    ካብ ሾዋዓተ ሰብኡት 7 ደቀን ኩሉ ቀቢላ ሕብሮም ጉራምራ
    ከም ጉሓፍ ንኽትድርብየን________ ምስ ኣተወት ኣስመራ
    ይቓዝን ኣለኹ ናፊቐያ ኣዴና፣ እታ ሰለስተ ዝሕብራ ባንዴራ !!!!!”
    Aya Sye aka Cow[rd] Face
    Zterfi yi bezix alo, aken daa ghiberulu …. daxar Agame ilkumni keytiblu !!

    ዝኸበርካ ወዲ ሃገር፣
    ነቲ ኤይድስ ሕማሙ ዘቕጠኖ ከም ብጥዕና ዳየት ዘምጽኦ ጌሩ ዘቕርብ፣ነቲ ርስሓቱ ኣብ ላውንድሪ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክንዲ ዝሓጽቦ፣ጨና ነስኒሱ ኣብ ትሕቲ ጽሩይ ዝመስል ስረ ዝጋዕግዔ ሙታንታ ዝገብር ፣ንህዝቢ ይኹን ንሃገር ኣይሓልን እዩ።ዓጋመ እንተበልካኒ ካብ ሓማሴናይ ንላዕሊ ዓጋመ የለን።ካርነሽም ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ሒዝዎም ዝመጸ፣ድምበዛን ድማ ካብ ጎንደር ደምቢያ፣ነሕዋቶም ሓውዜንን መረታ ሰበነን ገዲፎም ኣብ ድምበዛን ዝሰፈሩ እዮም።መንነቱ ዘይፈልጥ ጋሕማጥ፣ሙታንታ ፋሽሽትን፣ዉሽማ በደዊንን እዩ እምበር ሓቀኛ ኤርትራውያን መንነትና ንፈልጥ።ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን የመን ቱርኪ ኣሕዋት ኣለዉና ስለ ዝበልና ኩሩዓትን ሓቀኛታትን ኤርትራውያን እዩ ዝገብረና።ማንም ጸብሪ፣ ጉሓፍ ሸፋቱ ምዃን ኤርትራውነት ኣየስምዕን።

    I feel sad that you think only Agames can be as sophisticated ,brilliant &wise. I am from Hamasien & I am wise…the new slogan is …ዓሻ ሓማሴናይስ ልቡ ከም ሃገሩ እኮ እዩ።

    እምባሕ ጥራይ በል ወዲ ዓዲ____እምበር ብዓሻ ዶ ድኣ 23 ዓመት ትግዛእ፧Don’t worry Wedi Hager every DOG has his day…

    ሓወቦኻ ድምበዛናይን ጉሕጭዓታይን

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 17, 2014

    ወያነ ፣ምዓር ምስ ዝበዝሕስ ይነግሕ ዝብሃል ዘረባ ኣቦታትና ኣይትፈልጥዎን ዲኹም ፧ ሕጂስ ጨው ስኢንኩም/ Senza Sale ኴንካትኩም።፣ብሓቂ፣ኣብ ቅድሚ ዓይንና ገና ዕድመ መንእሰይ ኣብ ዘይኮና ዕስራን ሰለስተን ዓመት__ላበይ ሃጺጻቶም እዮም ፧እዙይ እማ ልጎረቤትካ ምትሕሓት እዩ ልቑጸር፣ንዕቀት ኣይጽቡቕይ፣ቁሩብ የኽብሩናቲ፣ ንሕና ገና ብግስ ከይበልናይስ ንሳቶም እኮ ትዓዚሮም፣ኻምዚ እንተበዥሑማ ካብ ኣፍሪቃ ሰንዲና ላብ ኤውሮጳ ከነዕዝራታ ኢና ለታ ሃገርካትኩም ኢትዮጵያ።

    I QUOTE CHINA NEWS In ENGLISH………______________________________________________

    “CNR signs tramcar contracts with Ethiopia
    English.news.cn 2014-03-17 16:08:43 More

    BEIJING, March 17 (Xinhua) — Chinese train manufacturer CNR Corporation (CNR) has signed contracts with Ethiopia to provide 41 modern tramcars, marking the entry of Chinese tramcars into Africa, CNR said Monday.

    The tramcars will be customized for use in Ethiopia’s capital of Addis Ababa, where the altitude is 2,400 meters and ultraviolet light is strong, according to CNR’s statement.

    According to CNR, the tramcars are the world’s most sunlight-resistant and will use special components in the glass, rubber, paint and cable. They can travel at a maximum of 70 kilometers per hour.

    CNR will deliver its first batch of tramcars to Ethiopia at the end of 2014.

    CNR, one of the largest train makers in China, manufactures a range of products, from locomotives to high-speed trains, which have been widely used for the country’s railway services.

    The company’s net profits totaled 2.39 billion yuan (391 million U.S. dollars) in the first three quarters of 2013, up 1.81 percent year on year.

  • Hagherawi March 18, 2014

    “እምባሕ ጥራይ በል ወዲ ዓዲ____እምበር ብዓሻ ዶ ድኣ 23 ዓመት ትግዛእ፧Don’t worry Wedi Hager every DOG has his day…”

    CONFUSING YOUNG ERITREANS

    Aya Ghebre_hawariat !! baarsukhum ikhum neger tesawuruta zelekum ….
    Beyzakhum libin’do ghiberuta … ab ztewedee gudai ikhum teewiyu zelekhum …

  • Kabire March 19, 2014

    Bravo SYE,
    Don’t give a damn shit to Khalige and Hagherawi, they are same Arab Abeeds who are burning their own mother’s language. An “Agame” has become the badge of honour in East Africa while these Arab slaves are ashamed to speak in their own mother’s Tigrinya and Tigre.

    A person who hates his own face in the mirror because he is not an “Arab” with his African face and kordad hair is not worth talking about.

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 20, 2014

      Respected Kabire,

      I had not seen this. Thank you son/brother, I believe in what I say,but ,I always need such motivater.

      God Bless You

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 20, 2014

      Respected Kabire,

      I had not seen this. Thank you son/brother, I believe in what I say,but ,I always need such motivater.

      God Bless You

    • Gideon March 21, 2014

      Bravo Kabire yourself,
      The Arabs did not see any arabism from the face of an Eritrean, no matter how fluent he/she was with their stinking language. ‘harsh reality’!!!

  • Semhar March 20, 2014

    Thank you for revealing the truth.
    ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብራሃ
You are the legend of our country. You know our culture and our history. Please write a book if you can! Keep revealing the truth and the solution to our dilemma. We are blessed to have you!

POST A COMMENT