Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ERITREAN REVOLUTIONARY DEMOCRATIC FRONT ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ማእከላይ ሽማግለ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ 4ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ 21 ክሳብ 28 ነሓሰ 2016 ኣሰላሲሉ፡፡ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ ኣብ ፍሉይ ዓለማዊ፣ ዞባውን ከባብያውን ኩነታት ብሓፈሻ፡

ERITREAN REVOLUTIONARY DEMOCRATIC FRONT

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ማእከላይ ሽማግለ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ 4ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ 21 ክሳብ 28 ነሓሰ 2016 ኣሰላሲሉ፡፡ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ ኣብ ፍሉይ ዓለማዊ፣ ዞባውን ከባብያውን ኩነታት ብሓፈሻ፡ ሃገራዊ ኩነታት ድማ ብፍላይ  እዩ ተኻይዱ፡፡

ማ/ሽማግለ ኣብ 4ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ህሉው ዓለማዊ፣ ዞባውን ከባብያውን ኩነታት፡ ኣብ ሃገርና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ድማ ብፍላይ ዘለዎ ጽልዋ ዳህሰሰ። ናይ ልዕለ ሓያላን መንግስታት ምንሕናሕ ብሓደ ወገን፡ ፕረዚዳንታዊ ውድድር ኣሜሪካ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ኣብ ዓለማዊ ፖሎቲካ ጽልውኡ ዘተየ። ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ(ኣይሲስ)፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ሰጊሩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳ፣ ርሑቕ ምብራቕ ኤስያን ኣውስትራልያን ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት ብሓፈሻ፡ ዝፈጥሮ ዘሎ ናይ ስግኣት ሃዋሁው ድማ ብፍላይ ተመልከተ። ኣብ ዞባ ማ/ምብራቕ፡ ናይ ሃገረ የመን ፖሎቲካዊ ቅልውላው፡ ፍሉይ ኣትኩሮት ሂቡ ገምገመ፡፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሓ ሃገራት ኣዕራብ፡ ናይ ሑቲ ምንቅስቓስን ጽልዋን ኣብ የመን ንምዕጋት ዝዓለመ ወታደራዊ ወፍሪ፡ ንወደብ ዓሰብ ከም መበገሲ ናይ ኵናት ነፈርትን መጸግዒ መራኽብን ክጥቀማሉ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምፍቃዱ፡ ብሓደ ወገን ተገላባጢ ባህርያቱ ኣጉሊሁ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ህዝቢ የመንን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ቂምን ቅርሕትን ዝተክል ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣመልከተ። እዚ ስርዓትዚ፡ ትማሊ ምስ ኢራን ተመሓዝዩ ቀንዲ መሰልጠንን መዋፈርን ሓይልታት ሑቲ ኮይኑ ከምዘይጸንሐ፡ ግልብጥ ኢሉ ኣብ ጎድኒ’ዚ ስዑዲ ትመርሖ ናይ  ሃገራት ኣዕራብ ወታደራዊ ጥምረት ምስላፉ፡ ልዕሊ ኩሉ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሕኡ ዘገድሶ፡ ብኣንጻሩ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው ፈጺሙ ከም ዘይዓጅቦ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገምገመ። ስለዝኾነ’ውን ንኢድ ምትእትታው ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ኮነነ። ክብሪ ህዝብን ሃገርን ንምዕቃብን ምስ ህዝቢ የመን ዝጸንሓና ሕውነታዊ ዝምድና ንምዕቃብን ንምጥንኻርን ኣበርቲዑ ከምዝቃለስ ኣረጋገጸ። የመናውያን ኣጋጢሙዎም ዘሎ ዘሕዝን ዓሚቕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ባዕላቶም  ክኾኑ ዘካይዱዎ ቃልሲ ከምዝድግፍ ኣረጋገጸ።

ማ/ሽማግለ ውድብና ኣብ ከባብያዊ ኩነታት ብሓፈሻ፡ ንህሉው ክውንነት ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ፡ ኣትኩሮት ሂቡ ዘተየ። ተናሓናሕቲ ሸነኻት ደቡብ ሱዳን፡ እንደገና ናብ ግጭት ምእታዎም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን ዳግመ ምዝንባልን ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ኣቐመጠ። ተናሓናሕቲ ወገናት፡ ነታ ገና እግሪ ዘይተኸለት ሃገሮም ናብ ክትወጾ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ከይትወድቕ፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ብጎረባብቲ ሃገራት ኢጋድ ድማ ብፍላይ ዝግበረሎም ምድግጋፍ ተጠቒሞም፡ ውሽጣዊ ጸገሞም ካብ ስሩ ክፈትሑን ድሕንነት ህዝቦም ብዘላቕነት ኣብ ምርግጋጽ ክትኩሩ ጻውዒቱ ኣመሓላለፈ።

ማ/ሽማግለ ውድብና ኣብ ክሊ ከባብያዊ ኩነታት ብዕምቆት ዝዘተየሉ ዛዕባ፡ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ እዩ፤ ኢትዮጵያ ብኣመራርሓ ኢህወደግ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 25-ዓመታት፡ ኣብ ኩሉ-መዳይ ዘመዝገበቶም ምዕባለታት፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ምስክርነት ዝረኸበ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ተሓንጊጡ ዝተናውሐ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ዘካየደ ኢህወደግ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ደምሲሱ፡ ብመሰጋገሪ መድረኽ ኣቢሉ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዲሞክራስያዊ ቅዋም ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ብድምጺ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ተቐቢሉ፡ ናይ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ስትራተጂ ሓንጺጹ፡ ብቓልሱ ዘመዝግቦ ዘሎ ምዕባለ፡ ብዓይንና እንርእዮ ዘሎና ምዃኑ ኣረጋገጸ፤ ኣብ ክሊ’ዚ ግን፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዓመት 2015፡ ክምኡውን ኣብ’ዚ ክራማት’ዚ፡ ኣብ ከባቢታት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝረኣዩ ዘለዉ ዓመጽ ዝተሓወሶም ናዕብታት፡ ሂወት ሰብን ንብረትን ምጥፍኡ ከምዘሕዘኖ ገለጸ፤ ህዝብታት ኢትዮጵያን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን፡ ብቓልሶምን መስዋእቶምን ዝተጎናጸፉዎም ዓወታት፡ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምዕቃቦምን ንምጥንኻሮምን ክቃለሱ ኣተሓሳሰበ። መንግስቲ ኢህወደግ፡ ናይ’ዞም ዝተኸሰቱ ጸገማት መሰረታዊ መንቀሊ፡ ንሓይልታት ግዳም ተሓተቲ ከይገበረ፡ ንውሽጡ ብምትኳር፡ መሰረታዊ መንቀሊ’ዞም ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡ ኣብ ውድቡ ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ መልክዓት ዘለዎም ድኽመታት ዝብገሱ ምዃኖም ገምጊሙ ክቃለሶም ምውሳኑ ብኣወንታ መዘነ።

ማ/ሽማግለ ውድብና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ በብእዋኑ ክቀላቐሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ናዕብታት፡ ቀንዲ መንቀሊኦም ውሽጣዊ’ኳ እንተኾነ፡  ኣሉታዊ ተራ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብቐረባ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ኣመልከተ፡፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንህዝብታት ኤርትራ፡ ን25 ዓመታት ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቶም ዓፊኑ፣ ስርዓተ ፍትሒ ጨፍሊቑ፣ ንሃገርና ናብ ጸባብ ቤት-ማእሰርቲ ቀይሩ ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን ብምዃኑ፡ ካብ ወጋሕትኡ ጀሚሩ፡ ንዲሞክራስያውን ልምዓታውን ጉዕዞ ኢትዮጵያ ከም ሕማቕ ኣብነት ክርእዮን ከም ኣሳሒታ ቁሪ ክፈርሆን ከምዝጸንሐ ይኣምን፤ ስለዝኾነ’ውን ከም’ቲ ንኹሎም ጎረባብቲ ሃገራት እናሓለፈ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዮም እናኣተወ፡ ሰላሞም ክዘርግን ዘይምርግጋእ ክዕሙቕን እናፈተነ ዝጸንሐ፡ ንኢትዮጵያን ህዝብታታን’ውን ጽቡቕ ተመንዩሎም ከምዘይፈልጥ ኣረጋገጸ፤ ካብ ብዙሕነታዊ ክውንነት ኢትዮጵያ ዝፍልፍሉ ገና ዘይተቐረፉ ድሕረታት እናሃደነ፡ ህውከትን ዕግርግር ንምስፍሕፋሕ ከይሰልከየ ክጽዕት ከምዝጸንሐን ክሳብ ዕለተ ውድቀቱ ከምዘይሓድጎ ገምገመ። ውድብና ሰደግኤ ናይ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ፍጹም ጸረ ሰላም፣ ጸረ ዲሞክራሲ፣ ጸረ ህዝብን ጸረ ሰናይ ጉርብትናን ባህርያቱ ብዘይ ምሕረት እናቃልዐ፡ ካብ ሱሩ ንምምሓዉ እናተቓለሰ፡ ምሕዝነትን ሙዉቕ ሕውነታዊ ዝምድና ጎረባብቲ ሃገራትናን  ህዝብታትናን ንምጥንኻር ብዘይምሕላል ከምዝቃለስ ኣረጋገጸ።

4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡ ንህሉው ሃገራዊ ኩነታትና ብዕምቆትን ብስፍሓትን ገምገመ። ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ/ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ናይ ስልጣን ዕድሚኡ፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብጨካን ኣገባብ ክገዝእ ምጽንሑን ምህላዉን ይፍለጥ፤ ህዝብታትና ብዛዕባ ብሩህ መጻኢኦም ብንቕሓት ከይሓስቡ፡ ብሸቐልቀልን ዓቕሊ ጽበትን ተወጢሮም ኣብ ዕለታዊ ሂወቶም ጥራሕ ከትኩሩ ብምግባር፡ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ስልቲ ይኽተል ምህላዉ ኣስተውዓለ። ኮነ ኢሉ ናይ ባኒን ኣገልግሎት ማይን  ሕጽረት ብምፍጣር፡ ለይቲ ኣብ መስርዕ ብኣሳሒታ ቁሪ እናተገርፉ ክሓድሩ፡ ብምቁርራጽ ሓይሊ መብራህቲ፡ መነባብሮኦም ክተሓላለኽን ከርፋሕ ሂወት ከሕልፉን እናገበሮም ምምጽኡ ይግንዘብ። ኣብ ሃገርና ፍሉይ ጸጥታዊ ሓደጋ ከምዘሎ ብምምሳል፡ ብዘይ ናይ ዕድመ፣ ጾታን ዓውዲ ስራሕን ኣፈላላይ፡ ሽማግለታት ወለዲ፣ ኣደታት፣ ሓካይምን መማህራንን ..ወዘተ፡ ብረት ክዓጥቁ፣ ናብ ታዕሊም ክወርዱ፣ ለይታዊ ሓለዋ ክወጹን ኣብ ድፋዓት ክዓርዱን ከገድዶም ምጽንሑ ኣረጋገጸ።

ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሃገርና፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ እናፈሰሶም ዝተሃንጹ ኣሽሓት ኣባይቲ፡ ትም ኡሉ ክርእዮም ጸኒሑ፡ ስድራታት ክነብሩሉ ምስ ጀመሩ ”ብሕጋዊ መንገዲ ዝተሃንጹ ኣይኮኑን”” ብዝብል ምስምስ፡ ብዶዘራት ብምዕናው፡ ኣለይ መለይ ዝብሎም ዘይብሎም ወለዲ፣ ህጻውንትን ኣደታትን ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ክወድቁ ዝፈረደ ምዃኑ ኣቐመጠ።  ካብ መወዳእታ ዓመት 2015 ጀሚሩ፡ ባጤራ ናቕፋ ብህጹጽ ክቕየር ብምእዋጅ፡ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንክታቱ ከዚኑ፡ ናብ ተጸበይቲ ምጽዋት ቀይሩ፡ ብስእነት መግዝኢ ገንዘብ ኣብ ዝኸፍአ ጸገም ናብራ፣ ዓቕሊ ጽበትን ሽገርገርን ክወድቁ ኮነ ኢሉ ይሰርሓሉ ምህላዉ ገምገመ። እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ’ዘን ናይ ህዝቢ ድምጺ ከይረኸበ ብዓመጽን ሓይልን ዝገዝኣለን ልዕሊ 25 ናይ ግፍዒ ዓመታት፡ ንመንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ኣጸልሚቱ፡ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኵናት እናጠጠቐ ንሞትን ስንክልናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ጉልበቶም ብዘይ ብቑዕ ክፍሊት እናመጸየ፡ ስድራታት ብዘይ ናበይቲ ኣብ ጥራሕ ገዛ ተኾርምዮም ከርፋሕ ሂወት ከሕልፉ ምጽነሖምን ምህላዎምን ኣረጋገጸ።

ብሰንኪ’ዚ ጨካን ስርዓት’ዚ፡ ህዝብታትና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ሃገሮም ናይ ምንባር ተስፈኦም ጸልሚቱ፡ በብእዋኑ ንዓዶም ኩቦ እናደርበዩላ፡ ናብ ስደት ብቓፍላያት ክውሕዙ ምጽነሖምን ምህላዎምን ኣረጋገጸ፤ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ናይ ምንባር ዕድል ተሓሪሙዎም፡ ከርፋሕ ስደት ከም ናይ መወዳእታ ዕጫኦም ዝተቐበሉ ወገናትና፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ጀሚሩ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ፣ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ብዝወርዶም ዘሰቕቕ ሓደጋ፡ ኣሽሓት ዜጋታትና ክቡር ሂወቶም ምስኣኖም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሓመድ-ድበ ዓዶም ተነፊጉዎም፡ ሬሳኦም ኣብ ስደት፡ ኣብ ጊዝያዊ መዕቆቢ ተኸዚኑ ክጸንሕ ተገዲዱ ምህላዉ ብዓሚቕ ሓዘን ዘከረ፤

ርእሰ ፋሽስት ኢሳይያስን ጉጅልኡን፡ ንሃገርና ናብ ጸባብ ቤት ማእሰርቲ ቀይሮም ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብታትና፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ጨፍሊቖም ብዘስካሕክሕ ኣገባብ እናገዝኡ እናሃለዉ፡ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ሃገራት ዝኽሰቱ ግርጭታት እናመዝመዙ፡ ንህዝብታትና ”ካብ ካልኦት ንስኻ ትሓይሽ” እናበሉ ኣብ ጥሙይ ከብዶምን ሕሩር መዓንጥኦምን ከላግጹሎም ምጽነሖም ተመልከተ፤ ኤርትራ ሃገርና፡ ህዝብታታ፡ ብኣፈ-ሙዝ ብረት ብራዕድን ሽበራን ተዋሒጦም ርእሶም ኣድኒኖም ዝነብሩላ ሲኦል ሃገር ክነሳ፡ ከም ናይ ሰላም ደሴት ክስእሉዋ ሕፍር ከይበሉ ዓመታት ምህላኾም ረኣየ። ሓቂ ብርእሳ እንተረገጽካያ ብእግራ ትውጽእ ከምዝበሃል፡ ዜጋታት ካብ ገዛእ ሃገሮም፡ ሞት እናተሳገሩ ከርፋሕ ናብራ ስደት ዝመረጹሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ገበን ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምሕላፉ ምዃኑ፡ ብመንገዲ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለምን መንግስታትን እኹል ግንዛበ ክጭብጡ ከምዘብቀዖም ገምገመ። ኣባላት መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኹሎም ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዘዋደዶም መሰናኽላት ሰጊሮም፡ ዝተወሃቦም ተልእኾ ብብቕዓት ምፍጻሞም ደገፉን ናእድኡን ገለጸ። ኣብ ዲያስፖራ ን10ተታት ዓመታት፡ ኣብ ሸለብ ገለብ ክነብሩ ዝጸንሑ፡ ነባራትን ሓደሽትን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሓጹር ፍርሒ ሰይሮም፡ ንሪፖርት መርማሪት ኮምሽን ብምድጋፍ፡ ኣብ እስራኤል፣ ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን(ጀነቫ) ዘካየዱዎም ማዕበላዊ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ማ/ሽማግለ ሰደግኤ ኣድናቖቱ ገለጸ።

ማ/ሽማግለ ውድብና፡ ኣብ ዲያስፖራ ብህዝብታትና ዝካየዱ፡ ጸረ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዘቕንዑ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ከም ሓደ መልክዕ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ፡ ዲሞክራስያዊ ሰውራና ኣብ ምጥንኻር ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎም ጽኑዕ እምነቱ ኣቐመጠ። ወሳኒ ዓወትና ኣብ ውሽጢ ሃገርና፡ ብቐንዱ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብታትና ዝረጋገጽ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታትና፡ ንኹለን’ተን ህግደፍ ረብሓታቱ ዝምእርረለን መሳኹቲ ዲፕሎማሲ እናተኸታተሉ፡ ንምሉኳተን ዘካይዱዎ ቃልሲ ኣጠናኺሮም ክቕጽሉ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስመረሉ፤  ስለዝኾነ’ውን ኣብ ንዮርክ ኣብ ዝካየድ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣኼባ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስን ኮራኹሩን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና እናፈጸሙዎ ዝመጹ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕን፡ ደገፎም ንሪፖርት መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዳግም ብዝሓየለ ንምርግጋጽ፡ ካብ ዝሓለፈ ብዝተወደበን ብዝጸፈፈን መንገዲ ድምጾም ብዓውታ ክገልጹ ጻውዒቱ ኣመሓላለፈ። ዲሞክራስያዊ ሰውራና ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ፡ እናተጎናጸፎ ዝመጽእ ዘሎ ዓወት፡ ጉጉይ ትርጉም ብምሃብ፡ ኣንፈቱ ኣስሒቶም ኣብ ብርኪ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ወዲቕና፡ ጽገናዊ ለውጢ ክንልምን ዝሰብኩ ዘለዉ ወገናት፡ ህዝብታትና ብንቕሓትን ብዘይ ምሕረትን ክቃለሱዎም ኣዘኻኸረ።

4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለና ልዑል ቱኽረት ሂቡ ዝዝተየሉ ኣርእስቲ፡ ህሉው ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ(ኤሃባደለ) እዩ፤ ኤሃባደለ፡ ካብ ድሮ ምስረታኡ ክሳብ ሎሚ ዝሓለፎ መስርሕ ብደቂቑ ገምገመ። ኤሃባደለ፡ ብሰንኪ’ቶም ካብ ዝምስረት ሓቝፉዎም ዝተበገሰ መሰረታዊ ሕጽረታት፡ ካብ እዋን ናብ እዋን ብቅልውላው እናተሓቑነ፡ ካብ ደውታ ናብ ምንቁልቋል ገጹ የምርሕ ምህላዉ ኣረጋገጸ። ቀንዲ መንቀሊ ቅልውላው ኤሃባደለ ድማ፡ ኣብ ጽፉፍ መጽናዕቲ ተመስሪቱ፣ እዋናዊ ተልእኾታቱ ኣነጺሩ፣ ናይ መሻርኽቲ ኣካላት ዘይተኻኻእ ተራ ብግቡእ ኣለልዩ ክብገስ ብዘይምብቅዑ ምዃኑ ኣነጸረ። ኣብ ክሊ’ዚ ድማ፡  ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ሒሳባት፡ ውሱናት ላዕለዎት መራሕቲ ኤዲኪ፡ ቀንዲ ጸገማት ኤሃባደለ ብህድኣትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ተፈቲሾም ዘላቒ መፍትሒ ዝንጸረሉ ኩነታት ከይፍጠር፡ ኣሉታዊ ተራ ከምዝተጻወቱ ገምገመ። ሎሚ’ውን ሕውየትን ቀጻልነትን ኤሃባደለ ንምርግጋጽ፡ ጉዕዞ ኤሃባደለ ካብ ሱሩ ተገምጊሙ፡ ኣብ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዝተመስረተ፡ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ዳግመ ምትዕርራይ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሰበ። ውድብና፡ ንኤሃባደለ በዚ ቅኑዕ መርሆ’ዚ ንምሕዳስ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ኣወንታዊ ተርኡ ክጻወት ድልውነቱ ኣረጋገጸ።

ማ/ሽማግለ ውድብና ንጉዕዞ 6 መሓዙት ውድባትና ግቡእ ቱኽረት ሂቡ ዘተየሉ፤ መሓዙት ውድባትና፡ ኤሃባደለ ካብ ዝኣተዎ ቅልውላው ብዘላቕነት ንምድሓን ዘካየዱዎ ውሕሉልን ተባዕን ቃልሲ ናእድኡ ገለጸ። ምምኽኻራዊ ጉዕዞና ንብዙሕነታዊ ክውንነት ህዝብታትና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ኣብ እዋናውያን ዕላማታትን መትከላትን ዝተመስረተ ሃገራዊ ልፍንቲ ኣብ ምምስራት፡ ቅኑዓት ሓባራዊ ግንዛበታት ክምዕብሉ፡ ባብ ከምዘርሓወ ገምገመ። መንግስትን ሃይማኖትን ክተኣታተዉ ዘይፈቅድ መትከል ዝኣምን ልፍንቲ ንምምስራት ተጀሚሩ ዘሎ ገድላዊ ዕዮ ተጠናኺሩ ክቕጽል ብኹሉ ዓቕሙ ከምዝቃለስ ኣረጋገጸ። ኣብ’ዚ መትከል’ዚ ፍልልይ ምስ ዘመዝገቡ መሓዙት ፖሎቲካዊ ሓይልታት ድማ፡  ኣብ ሓባራዊ ገድላዊ ዕዮ ተደጋጊፍና ንቃለሰሉ፣ ፍልልያትና ብመስርሕ ዘተ ዝበልዩሉ፣ ዝኽሰቱ ካልኣዊ ግርጭታት ብሰላማዊ ኣገባብ ዝመሓደሩሉ ኩነታት ዘጣጥሕ፡ በብሸነኽና ቀንዲ ቱኽረትና ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክነቕንዕ ዘብቃዓና፡ ሓባራዊ መድረኽ ምምኽኻር፡ ክዕቀብን ክምዕብልን ዘለዎ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ሓለፈ።

ማ/ሽማግለ ኣብ 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብተገዳስነት ዝተመያየጠሉ ኣርእስቲ ህሉው ኩነታት ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብፍላይ እዩ፤ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ብሰንኪ ህግደፍ፡ መጻኢ ዕድሎም ዝጸልመተ፣ ከም ጊሎት እሙናት ኣገልገልቲ መንግስቲ ክኾኑ ዝተፈረዱ፡ ቀንዲ ግዳያት እዮም። ስለዝኾነ ድማ፡ መንእሰያትና፡ ኣብ ጸረ ህግደፍ ቃልሲ ኣወንታዊ ተርኦም ክጻወቱ ጻዕርታት የሐይሉ ምህላዎም ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ፤ እንተኾነ ግን፡ ህግደፍን ናይ ስለላ መሓውራቱን፡ ንመንእሰያትና፡ ብብሄር፣ ብኣውራጃን ብሃይማኖትን ፈላልዮም፡ ኣብ ሕድሕዶም ክመናጨቱ፡ ሓያል ቅልጽሞም ክለምስ፡ ብዓብይኡ ተዋፊሮምሉ ምህላዎም ገምገመ። መንእሰያትና፡ ብዙሕነታዊ ክውንነትና ግርማኹም፣ ሓድነት ሓይልኹም፣ ቀንድን ብሕታውን ጸላኢኹም ድማ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣለሊኹም፡ ዘላቒ ውሕስነትን ቀጻልነትን ሃገርኩምን ህዝብኹምን ንምርግጋጽ፡ ነዚ ጨካን ስርዓት’ዚ ብስሙር ቅልጽምኩም ደምሲስኩም፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ምዃኑ ኣሚንኩም ክትቃለሱ ጻውዒቱ ኣመሓላለፈ። ህዝብታት ኤርትራ ድማ፡ ነዚ ሞተር ምዕባለ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶና፡ ዘይትካእ ታሪኻዊ እጃሙ ከበርክት፡ ንቑሕን ሰፊሕን ምድግጋፎም ከበርክቱ ኣተሓሳሰበ።

4ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለና፡ ናይ ዝተፈላለዩ ቤት-ጽሕፈታት ዓመታዊ ናይ ስራሕ ጸብጻብ ብዝርዝርን ብዕምቆትን ተመያየጠ፤ ኣወንታዊ ኣፈጻጽማ ዓመታዊ መደባት ኣሞጎሰ፡፡ ዝተራእዩ ሕጽረታትን መንቀሊታቶም ብዕምቆት ፈተሸ፤ መፍትሒታት ድማ ኣመተ። ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝተዳለዉ ንድፍታት 7ይ-ውድባዊ ጉባኤና ተመያየጠ፡፡ ተወሳኺ ምምሕያሽን መኣረምታን ገይሩ፡ ናብ ኣባላት ውድብ ወሪዶም ምይይጥ ክካየደሎም ወሰነ። ኣባላት ውድብና ኣብ’ዞም ዝወርዱሎም ንድፍታት ዕቱብን ሓላፍነታውን ምይይጥ ኣካይዶም፡ መመሓየሺ ሓሳባቶምን ርእይቶታቶምን ጠርኒፎም፡ ብወከልቶም ኣቢሎም ናብ 7ይ ውድባዊ ጉባኤና ከመሓላልፉ ጻውዒቱ ኣመሓላለፈ። ክሳብ 7ይ-ውድባዊ ጉባኤና ዝዕመሙ ኩሉ-መዳያዊ መደባት ቤት-ጽሕፈታት ሓንጸጸ። ኣብ መደምደምታ፡ ካብ ውሽጡ ኣባላት ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ኣኼብኡ ዛዘመ።

7ይ-ውድባዊ ጉባኤና ብጽፉፍ ቅድመ-ምድላው ንምዕዋት ንቃለስ!!

ቅኑዕ መስመርን ሓፋሽን ሒዝና፡ ጽንኩራት መድረኻት ብምስጋር ክንዕወት ኢና!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ማእከላይ ሽማግለ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

28 ነሓሰ 2016.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT