Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምዳሚ ኣዋጅ – ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ

ደምዳሚ ኣዋጅ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ሳልሳይ ምዱብ  ኣኼባ ኣብ ታሕሳስ 21፤ 22፤ 28 2013 ዓ.ም  ኣካይዱ።  ሰልፋዊ ስርሓትን፤ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን፤ ተራና፡ አብ ምቅልጣፍን ምውዳቕን ስርዓት ህግደፍ፤ ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ኣተሃላልውኡን

ደምዳሚ ኣዋጅ

ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ሳልሳይ ምዱብ  ኣኼባ ኣብ ታሕሳስ 21፤ 22፤ 28 2013 ዓ.ም  ኣካይዱ።  ሰልፋዊ ስርሓትን፤ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን፤ ተራና፡ አብ ምቅልጣፍን ምውዳቕን ስርዓት ህግደፍ፤ ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ኣተሃላልውኡን ገምጋምን ኣካይዱ። ኣብ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ጸረ ህግደፍ ምልዕዓላትን ቃልስታትን ብዕምቆት ርእዩ፡ ሃገርና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ተሃዋሲን ተኣፋፊን ኩነት ከም ዘላ ገምጊሙ።

  1. ህግደፍ ኣብ ህውከት እምበር አብ ሰላም ክነብር ዘይክእል ስርዓት ምዃኑ ማእከላይ ሽማግለ ዳግማይ አረጋጊጹ። ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምንቅስቓስ 21 ጥሪ (ስርሒት ፎርቶ) ኣብ ሓድሕዱ ዘይተኣማመነሉ ደረጃ በጺሑ። ናይ ውደባውን ጸጥታውን ጉዳያት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከብዎም ሓያሎ ሓለፍትን ካድራትን ስለ ዝኣሰረ፡ ፖለቲካዊ ሰረቱ ኣዝዩ ጸቢቡ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ፡ ነቲ ጉጂለኡ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ዝውክሎ ክፍሊ ህዝቢ ኤርትራ የብሉን። ከምኡውን ቁጠባዊ ሰረቱ ተሓሚሱ ኢዩ። ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዘይብሉ ኢዩ ዝንገር፡ እቲ ብሰንኪ ቁጠባዊ ፖሊስኡ ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው በቲ ሓደ መዳይ፡ እቲ ኣብ ሓድሕዱ ምብልላዕ ፈጢርዎ ዘሎ ጽበት፡ ፖለቲካዊ ሰረት ናይቲ ስርዓት ኣብ ግምት ምስነእቱ፡ ብቐሊሉ ኣብ ቅልውላው ክኣቱ ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምት ኣሎና።
  2. ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደንበ ተቛውሞ ዝግበር ዝነበረ ምትእኽኻባት ማለት፡ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ይኹን ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝማእከሉ ምትእኽኻባት ብመትከል ቁኑዕ ኢዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቡዙሓት ሓሊኾሞ ዘሎዉ ሮቛሒታት እኳ ይሃልዉ፡ እቲ ዝሓሸ ምትእኽኻብን ነጸብራቕ  ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ጉባኤ፡ ነቶም ዘሎዉ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ብዕቱብ ክስራሕ ምዃኑ ድማ ገምጊሙ።
  3. መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ድምጾም ከስምዑ ምጅማሮም ኣዎንታዊ ኣበርክቶ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኢዩ። እንተኾነ ኣብ ሓድሕዶም ንዝገብርዎ ምክሳሳት ስክፍታና ንገልጽ። ብስሩ እውን ውድባት ኣብ ኣተሓሳስባ ተሞርኪሶም ክፍጠሩ ኣሎዎም ደኣምበር፡ ኣብ ዕድመን ግድምናን ተሞርኪሶም ዝፍጠሩ ውድባት ጸገም ከየጋጥሞም ንስከፍ። ምኽንያቱ ድማ ኣብዚ ዝካየድ ቃልሲ ተወፍዮም ክሕዝዎን፡ መስዋእቲ ክኸፍሉሉን ኣሎዎም ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለ ዘሎና ኢዩ።
  4. ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሽግር ደንበ ተቓውሞ ብመሰረቱ ናይ ዲያስፖራ ተቓውሞ ብምኻኑ ኢሉ ይኣምን። ኣብ ዲያስፖራ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣድማዕነቱ ውሱን ምዃኑ ናይ ቀረባ 10 ዓመት ተሞክሮና ዓቢ ምስክር ኢዩ። ስለዚ እጃምና መታን ከነበርክትን ኣድማዕነት መታን ክህልዎ፡ ኣበየ ቦትኡ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝቀላቐሉ ናይ ዲያስፖራ ምንቅስቓሳት መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ መታን ኮይኑ ከይተርፍ፡ ምትእኽኻብ ናይ ኩሎም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ማለት ሓደሽቲ ይኹኑ ነባራት፡ ብግሉጽን ንኹሉ ዝሓቁፍን ምትእኽኻብ ከድሊ ኢዩ፡ ነዚ እማመ ድማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዓቕሙ ከበርክት ከምዘሎዎ ማእከላይ ሽማግለ ወሲኑ።

ዓወት ንህዝቢ!

 

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ

31/12/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • bravo January 5, 2014

    U know what the problem of opposition groups? They tend to focus on thier difference rather than on thier similrity. If all of us really fighting for emanicipation of the Eritrean people we should get united to get rid off the monster in Asmara. Let’s not be obsessed on how to grab the non existent power….because the power is in Eritrea…not in diaspira

  • Dawit Meconen January 5, 2014

    Genuine Eritreans,

    In the wake of woyane inhumane deportation of hundreds of thousands of Eritreans in the midst of war;

    Manifesto of Abai Tigrai that incorporates
    Eritreans territory;

    Border instigation of 1977;

    Tempering with the Eritrean-Ethiopian border by physically displacing the signposts;

    Destruction of Eritrean historical artifacts;

    Desecrating the remains of Eritrean Martyrs .

    Refusal to comply with the Final and Binding Decision of the EEBC etc. etc.;

    Would any Eritrean with average intelligence trust any one from the ‘Home of the Libi Tigrai Twi Twai’ with anything, let alone with his/her country? …Only those Eritreans whose intellects are stooped in the service of their gluttonous bellies.

    EDP, EPDP, in short all those who are part of EDA, are all sellouts; they have adopted a Constitution drawn by the evil woyane that allows Eritrea to be disintegrated piecemeal through Ethnic Referendum. Towards that fulfillment of this vain dream, woyane has every ethnic group organized as liberation Fronts.

    No less sellouts are those Eritreans who have become the main stay of the impostor, Isaias Afewerqi. These two Eritrean groups are at each others’ throats, foolishly unaware that they are being duped by the treacherous tegaru, woyane and the impostor, who are secretly collaborating to commit Genocide on our entire population.

    Some Eritreans are still not comfortable with calling Isaias Afewerqi, tigrai impostor. Partly, it is because of the ultra Eritrean- patriotism- mask he wears to deceive the naïve, and partly because the so called ‘oppositions’ call him tyrant, which implies he is genuine Eritrean.

    If we are to bring our people at home, specially the armed forces, to our side, we must unmask the impostor and let them see who really is. We must stop being squeamish, either we must sling whatever we have on him, or surrender and raise our white flag in submission. We cannot keep dancing in circle for ever.

  • GOJAM January 6, 2014

    EDP + EPDP = HIGDEF ALL ARE THE SAME ( SEREKETI LEBATATA. SHARAP AND JEST COLECT YOUR FOOD STUMP AND DRIVE TAXI.

POST A COMMENT