Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደም ምእንቲ ድሕነት!

ድሕነት ብዘይደም፤ ያለ ምንም ደም ኢትዮጵያ ትቅደም፤ ጉንዲ እዝንኻ ንዝለኽዓካስ፡ ካልኣይ ጉንዲ እዝንኻ ድማ ሃቦ፤ ኢድ ዝቖረጸ ኢዱ፡ ዓይኒ ንዘንጦቐ ዓይኑ፤ ዝቐተለ ድማ ሂወቱ……….፤ ብዙሕ ብዙሕ። እዋእ ክትጽገም እንከለኻ መቸም ዘይሕሰብ የለን። ጸገም ብኹሉ መልከዓቱ ማለትና

ድሕነት ብዘይደም፤ ያለ ምንም ደም ኢትዮጵያ ትቅደም፤ ጉንዲ እዝንኻ ንዝለኽዓካስ፡ ካልኣይ ጉንዲ እዝንኻ ድማ ሃቦ፤ ኢድ ዝቖረጸ ኢዱ፡ ዓይኒ ንዘንጦቐ ዓይኑ፤ ዝቐተለ ድማ ሂወቱ……….፤ ብዙሕ ብዙሕ።

እዋእ ክትጽገም እንከለኻ መቸም ዘይሕሰብ የለን። ጸገም ብኹሉ መልከዓቱ ማለትና ኢዩ። ገለ ብእምነት ይኸውን ገለ’ውን ግድነት ኮይንዎ ይኸውን። ነገር ብላዕ ወይ ከኣ መባድልቲ፡ ከም ሕነ ወይ ከኣ ብኸምኡ ዝተርፍ ዝመስሎ’ውን ኣይሰኣንን፡፡ እንተኾነስ ኩሉ ሙሉ ምንዮት ጥራይ ኢዩ። ምምናይ መን ይኸልእ። ሃገርና ኤርትራ ደም ከየንቀአት ባንዴራኣ ከተንበልብልሲ ዘይተሓስበ መዓስ ነይሩ!! ነቲ ተመጽዋቲ ሓሳባት ንምስራጽ’ውን እኮ ገዛእቲ ድ ማ ብሰላማውን ጎነጻውን ድርዒ ደሪቦሙሉ ኢዮም። ብሰላማዊ ማለት፡ ብዘርኢ፡ ብታሪኽ፡ ብሓድነት እናሸሓጡ፡በ ቲ ካልእ ከኣ ብተካል ዘርኢ ክርዳድ ክፈላልዩናን ክጎጃጅሉናን ተራእዮም ኢዮም። ሳዕቤኑ ግና ከምቲ ሕልናኦም ኣ ይኮነን። ሃገርና ኣይተኸፋፈለትን። ህዝብና ብሴፈ-ጎዞሞ ኣይተፋለሰን። እዃ ድኣ ናጽነትና ክዉን ኮይኑስ ናብቲ ካልኣይ ገጽ ቃልሲ ተሰጊሩ። እንተኾነ ብሕማቕ ኣጋጣሚ ተኸዲዕና። እሞ እቶም ናይ ትማሊ መማህራን ኩናትን ዓወ ትን ሎሚ “ሓርነትን ድሕነትን ብሰላማዊ መገዲ ኢዩ ዝርከብ“ ይብሉና ኣለዉ። ስለዚ እዚ በላዕ ሰብ ሰልፊ ህግደፍ ናብ ልቡ ክምለስ፡ ምሻጥ ዜጋታቱ ከቛርጽ፡ ምእዙዝነቱን ኣገልጋልነቱ ንኣመሪካን ኣቛሪጹ ናብ ረብሓ ሃገሩ ክጥምት ለምንዎ ኣብመሬት ሰፋሕፋሕ በሉሉ፡ ብዓበይቲ ዓዲ ኣእጋሩ እናሓጸብኩም ብኸይሉ ንብዕሉ፡ ተመነዩ ተማህለሉ፡ እዝግዮ ኣብ ጾመ-ኣርባዓ! እዝግዮ ኣብ ጾመ-ሰማንያ! እዝግዮ ትማልን ሎምን፡ እዝግዮ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን፡ ምእ ንቲ ድሕነት ኤርትራ ብዘይ ደም ምፍሳስ እዝግዮ ተተጎምቢሕካ!!

ሰባት ዝመስሎም ክዛረቡ መባእታ ዲሞክራስያዊ መሰሎም ኢዩ። እንተኾነስ እቲ ገሊኡ ኪኖ ርኢቶ፡ ቋንቋ ገዛእቲ ምድጋም’ውን ክኸውን ይኽእል እንድዩ፡ ስለ’ቲ ትምኒት ኣይንቀያየም ጥራይ እምበር ርኢቶና ድማ ክንህብ።

ቀደም ዘመን ሓደ ንጉስ ህዝቡ ዝገዝኣሉ ሕጊ ኣውጽአ። ሕልና ደቂሰብ ብሰላም ምቕያድ ግዲ ኣብይዎ ኮይኑስ ሰብ ከምግብሩ ክኽፈል፡ንደም ብደም፣ ንኣካል ብኣካል፡ማለት ዝቐተለ ክቕተል፡ ኢድ ንዝቖረጸ ኢዱ ክቑረጽ ዝኣመ ሰለ ዝቐጽዕ ሕጊ ምንባሩ ይዝንቶ። ክሳብ ሎሚ ከይተረፈ ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣዕራብ ክሳብ ንስርቒ፡ ምምንጣል’ታ ዝሰረቐት ኢድ ከምዘሎ ንሰምዕ። ኣብ ሃገርና ግን ካብ ብእዋኑ ኣዝዩ ዝለበመን ዝበለጸን፡ ንደም ከይተረፈ ብሰላም ብጋርን ጓልን ዘዳቕስ ሕጊ ዓደቦ ከምዘለና ንፈልጥ ኢና። እዚ ኣብ ዝሰምዓካ ደብሪ እንተተማህሊልካ ግብራዊኢዩ። ደቂሰባት ብንጹህ ሕልና ይግዝኡ ኣብ ዝነበሩሉ መዋእለ-ክርስቶስ ጉንዲ እዝንኻ ንዝጨልገመካ ካልኣይ ወገንካ ቀር በሉ ኢሉ ነይሩ። እዚ ማለት ወዲሰብ ተገዛኢ ሕልናኡ ስለዝነበረ ገበነኛ ተመሊሱ ይቕረታ ከምዝሓትት ርግጸኛታት ነይሮም። እንተኾነ ክርስቶስ ንድሕነት ደቂ-ሰባት ክብል ምስ ኩሉ ስልጣኑን ዓቕሙን ብሓያላት ዝመስሉ ድኹማት ተሰቒሉን ደሙ ክዕዩን ኢዩ። ሎሚኸሞ ዓለምን ሰላማዊት ምንዮትናን ይጋጠማልና ዶኾን?

ንምዃኑ ብዘይ ደም ምፍሳስ እንታይ ማለት ኢዩ? ኣብ ቅድሚ ለባማትን ክኢላታትን ቀሪበ ነዚ ክዛረብ ምናልባሽ ኪኖ ምንእኣስ ክሳብ ላግጺ’ውን ከስዕበለይ ይኽእል። በቲ ዝተሓተ ግን ኣነ’ውን ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ግዳይ ኵናትን ዝተጋህሰ መሰልን ምዃነይ ኣሚንኩምን ሳዕቤናት ኵናት ከኣ ኣጸቢቐ ከምዝፈልጥ ተረዲእኩምን ሓሳባተይ ድ ማ ክትሰምዑ እትስፎ።

“ ብዘይደም ምፍሳስ“ ዝብል ኣምር ብመሰረቱ ናይቲ ምዕራባዊ ዓለም ኢዩ።ቡርዥዋ ነቲ በተኽን ማእከላይን ክፋል ሕብረተሰብ ኣሰሊፉ መስፍንነት ምስኣዕነወ፡ ድሒሩ ኣንጻሩ ንዝስለፍ ገዚፍ ሓይሊ ከይሓብር ኢሉ ዘተኣታተዎ ሓሳብ ድማ ኢዩ። ሸቃሎ ክሳብ ክንደይ በቲ ምንዮቶም ዝጓዕጸጸ መቃልስቶም ዝተኸሎ መንግስቲ ዓጊቦም? ኢልና እንተሓቲትና ኣይዓገቡን ዝያዳ’ዃ ድኣ ወነንቲ ጉልበቶም ጥራይ ኮይኖም ተሪፎም። መቃልስቶም ዝነበረ ቡር ጅዋ ድማ ናብ ክቱር ብሕትውና ተሰቒሉ ኢዩ’ቲ መልሲ። እንሆ ድማ ዳግማይ ንረብሓኦም ከምዝተዓጠቓ ዝመደራ ሰላማውያን ተቓለስቲ ማሕበር ሸቃሎ፡ ብዘይዝኾነ ለውጢ ኣማኢት ዓመታት ተኾዲመንሲ ነዚ ንርእዮ ዘለና ዓለ ማዊ ኩነታት ድማ በጺሕና። መቸም ቋንቋ ሸቃሎን ቡርጅዋን በበይኑ ኢዩ። በቲ ዝተሓተ ግን ቡርጅዋ ስላማዊ ቃ ልሲ ክፈቕድ እንከሎ ሰልፍታትን ቅዋማዊ ስርዓትን ተኺሉ፡ መራሕትን ሰልፍታትን ከኣ ኣብ ስልጣን ክወዳደሩን

ክቀያየሩን ንርኢ ኢና’ሞ ደረጃኡ ብዘየገድስ መሰረት ሰላማዊ ቃልሲ ኣንጺፉ ኢዮ። ሰላማውያን ተቓለስቲ ሃገርናኸ እንታይ ኢዩ መሰረቶም? ከምሓቂ ሃገርና ዘላትሉ ኩነት ኣጸቢቕና ስለንፈልጥ ጎሲናዮም ክንሓልፍ እምበር  ተደፊኖም ካብሃለዉስ ክንመላለሶም’ውን ኣይምተገብአን። ግናእስከ ቁሩብ ድማ ንድሕሪት ንበል፡፡

ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተረኣና ኪኖ ምትካል ባንዴራ ዝጠመተ ቅዋማውን ደሞክራሲያውን መንግስቲ ምትካል ነበረ ዕላማና። እንተኾነ እቲ ጉልሒንጣ ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ከይተበጽሐ፡ ከምቲ ተግባር ቡርጅዋታት ንቃ ልሲ ህዝብና ጓዕጺጹ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ በጺሕና። እሞ ተቃለስቲ’ዃ እንተበዝሑ ዋጋ ዕዳጋ ከኣ ክኣትዉንርኢ ኣለና። “ብሰላምዶ ብጎነጽ“ ዝብል ጓል መገዲ እናተፈጥረ ዝስዕብ ምጉታት ሰብ ቀቲሉ። ቅድም ቀዳድም ሰላማዊዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ የድልየና ንመርጽ፡ እቲ ህሉዊ ኩነታት እምበር ንሕና ከምዘይኮንና ከነረጋግጽ ኣለና። በሉእምበኣር፡-

  1. ብዛዕባ እቲ ውዱዕ ኩነታት ሃገርና ዝተጨበጠ ሓባራዊ መረዳእታ ኣለና ድዩ?
  2. እንተተረዳዲእናኸ ንርድኢትና ከነተግብር ብሓቂ ብቓዓትን ተወፋይነትን ኣለናዶ?

 በሉ’ስከ ሃገርና ኣበየናይ ኩነታት ትርከብ ኣላ?

ሎሚ መደረታት ምድርዳር ኣይኮነን። ግርጭታት ብባህሮም ብደረጃታት ይሰርዕ ነይሩ ህ.ግምባር።እቲ ምስ ገዛእቲ ዝነበረ ብዘየወላውል ተጻራሪ ብምንባሩ ቀዳማይ ደረጃ ተዋሂብዎ ብፍሉይ ኩነታት ብረፈረንዱም’ዃ እንተተዛዘመ ብጐነጽ ኢዩ ተፈቲሑ። ካልኣይ ዝነበረ ግርጭት ቀዳማይ ኮይኑ። ናብ ቅዋማዊ ምንግስቲ ኣብምስግጋር ከኣ ህግደፍ ሓንጊዱ። ሰብ ምእማን ኣብዩ እምበር መራሒና ከምዝኸድዐስ ደጋጊሙ መብርሂ ሂቡ ኢዩ። ኮይኑ ከኣ ቀንዲ ሸቶ ሓፋሽ ተቖልዒጹ። ሎሚ በዚ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሃገር ከተውሕስ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። በዚ ድማ ቀደሙ’ውን እቶም ንህ.ግምባር ክዉን ዝገበርዎ ሎሚ ከምዘየለዉ ክእመን ይከኣል። ኣብ ዓለም ብዙሓት ፈላሰፋታትን ተግበርትን እኪ ታት ተራእዮም ኢዮም፡ ግን ኣይከም ህግደፍን፡፡ እቲ በሓቲ ድማ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ሸቃጢ ኮይኑ። ኣመሪካ ኣብዞ ባና እትደልዮ ስለዘይጠፍኣና፡ ንሱ ከኣ ብኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ኣዕራብን ተሓላቒ እናመሰለ ቀንዲ ዕሱብ  መጋበርያ ኣመሪካነቱ ተኾሊዑ እንሆ። ሎሚ ህግደፍ ብልዕልና ኤርትራን ህዝባን ከምዝሓሊ ዝኣምን ዕሱብ እምበር ተጋጊኻ’ውን ክበሃል ዘይከኣል ኣምር ኢዩ።

እንታይ ኢዩ ዕላማ ህግደፍ?

ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ኩሉ ትሕጃኡ ኣወፍዩ ኢዩ። ገንዘቡ፣ ጉልበቱ፣ ዕድመኡ፣ መሬቱ፣ ደቑ ከሳብ እታ ንማንም ክህባ ዘይደሊ በዓልቲ ቤቱ ከይተረፈ ብዘይፍታዉ ተጠቒሞም ክመልስሉ እናተመነየ ኣረኪቡ። እንተኾነ ጠለብ ህ ግደፍ ኣይተጣዕመን። በላሕትን ቅዱዋትን ተቃለስቲ፡ ጠለባት ኢሰይያስ ኣፈወርቒ ተራ ሕማም ስልጣን ጥራይ ከም  ዘይኮነ ኣብዝተዛረብሉ ዝወረዶም መዓት እናዘከርና፡ ሎሚኸ ህዝብና ኪኖ’ቲ ዝገበሮ እንታይ ይድለ ከምዘሎኣሚትሉዶ ገና?

ህግደፍ ከምወራስ ዓራት ገዛእቲ መጠን ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ከምዘየድልዮ ተሰቝርናዶ ኣይፋል?

ብዘርኢ ክርዳደ-ጉርዲ መንእሰያትና በታቲኑ፡ ስርዓተ-ጊላነት ተኺሉ ከይኣክል፡ ኣስመራ ዝመደበሩ ምሕደራመሸጣውሽጣዊ ኣካላት መንእሰያት ካብዓመረሉ፡ እዚ ዘመላኽቶ እታ ሃገር ብዘይሰብ ክትተርፍ’ሞ ኣዳዕዲዑ ናይእንዳ ኣቦ ሓጎታቱ ዋጣ ትግራይ ትግርኝ ክዋጥየልና ከምዝኾነ ተገሊጽልናዶ ገና? እሞ ምስ’ዚ ንሓዋሩ’ውን ብምንም ተኣምር ሰላም ከምዘይንረክብ ዝገበረ ሲኦል ጥሒልና ከይንዛረብ ተሓቲምና፡ ከይንመክር ተናቝትና ኣብእንርከበሉ ኩነታት ምስ ነዚ ተግባራት’ዚ ዝፈጸመ ስርዓት ክቆጻጸ ዝብህግ ኣሎ ድዩ?

ንዓኻ’ኮ ኢየ ዝሓተካ ዘለኹ ኣንታ ኣብ መድፈና ተዓፊንካ ካዕቦ ምዕሮ ተተንፍስን ትርህጽን ዘለኻ ምንእሰይ! ኣ

ንታ ካብዚ መድፈና’ዚስ ዝረከበ ክረኽበካ እግርኻ ከምዝሃበካ ዝነፈጽካ መንእሰይ፡ ንዓኻ ኢየ’ኮ ዝሓተካ ዘለኹ?

ሃገርና እምበኣር ድሕሪ መንእሰያታስ ክትቀብጽ ግድን ኢዩ። በል ኢዱ ዓሚኹ ንዝመጸካ ማይ ኩነሉ ንዝብሉ ጸገን ቲ መራሕቲ ዘይጎነጽ ኣይምጸላእናዮም።እንተኾነስ ሃለዋትናን ሃለዋቶምን ስለእንፈልጥ ብጥበብ ዶላረ-ኦይሮ ይደለሉ፡ ወይ ድማ ብሰሪ የዋህነቶም ይጋገዩ ብኩሉ ሙሉ ኣንደልሆጾም ኢዮም’ሞ ምስኦም ግዜኻ ኣይተጥፍእ መንእሰይ ምስ ህግደፍ ዘሎ ግርጭት ከኣ ብዘየማትእ ብጎነጽ ጥራይ ዝፍታሕ ተጻራሪ ግርጭት ኢዩ። ጽባሕ ንዝእወጅ ዝረቐቐ መፈንጠርያ ናይ መብጽዓ ደብዳበ ዘዝተቐበለ እንተኣታሊልካ፡ ሽዑ ኣብቲ ኣባላቱ ዝሃለቑ ባዶ መናብር ባይቶ ኤር ትራ ኣቲኻ፡ ብሰላማዊ መገዲ ምርጫ ክትገብር ክትዕደም ኢኻ። ኣብ ቅድሚ’ቲ ደምደም ዝሽትት ብደም ዝሰኸረ  ውሉፍ ደም መራሒ ቀሪብካ ክትመርጽን ክትምረጽን እንተብሂግካ፡ ንሱ ድማ መን መዓስ ከምዝጉያሕ ጥራይ ኢዩ ክመርጽ።

ኣስሓኾን ቃልዓለምን፡ ግብርን ኣፍን፡ ከበሮን እግርን….. በበይኑ ኮይኑ ከምዝነብር ይፍትን ኣሎ ህግደፍ። ክሳብ ሕጂ ድማ ፍትሒ ዘሪጉ በቲ ዘይሰመረሉ ዘርኢ ክርዳድ ኣውራጃን ሃይማኖትን ክጎዛዝየና ይቃለስ ኣሎ። ሃገርና ከኣ ደለየቶ ኣይደለየቶ ካብ ደም ምፍሳስ ዓዲ ኣይወዓለትን ጥራይ ዘይኮነ ሕጂ’ውን ደበና ኵናት እናኣንጸላለወና፡ እንተ ዘይተዋጋእና ከኣ ቀጻሊ ብስግኣት ክንምቛሕ ኢዩ ሕልናኡ። ኣብ ከምዚ ወጥሪ እናሃለና ጥሩምባ ዘይጎነጽ ንዝነፍሑ ደጊመ ሕቶ ምሓተትኩ።“ዘይጎነጻዊ እንታይ ማለትኩም ኢዩ“? ኢለ።

ምእንቲ ሰላም እናተዛረብና ኵናት ኣውጅና ሰላም ክንዘርግ መዓስ ምደለና። እንተኾነስ ዘይጎነጻዊ ተባሂሉ ዝተጀ መረ ቃልሲ ህዝቢ ቱኒዝያን ግብጽን፡ መራሕቱ ከምመራሕቲ ሊብያን ሶርያን እንተዝነኽሱ ደም ኣይምፈሰሰን ድዩ? ደርግ’ውን እኮ “ያለምንም ደም“……እናበለ ኢዩ ህዝቢ ኣጥፊኡ። እምበርከ እቲ ብቃላት ኣፈጻፋጽ ኵናትን ጎነጽን ኣይኮነን ድዩ? እቲ ፍቐዶ ስግረ-ዶብ ዝውሕዝ ዘሎ ደምና ኣየጉህየኩም ዲዩ? ሰላም ንምነየሉ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ረድዩ ዝመረጾ ንሰላም ዝቖመ መንግስቲ እምበር፡ ብቅልጽሙ ኣብ ኮረሻ ተኾይጡ ሕማቕ ኣብነት ብሕትና ስልጣን ንዝኾነ ድዩ ዘይፈለጥናዮ መንነት ህግደፍ ኣልዩ?

ክቡራት ተቓወምቲ፡ እቲ ፖለቲካዊ ፈሊጥ ኣብ ኩነታት ሃገርና ባይታ የብሉን። እቲ ንህዝቢ ምድንጋር ድማ በሊሕ ምሕደራ ምተቖጽረልኩም፡፡ እንተኾነ ሎሚ ከምብላይ ጨርቂ ተመናኒሁ እንድዩ፡ ድሕሪ ደጊም ዘታልልን ዝ ታለልን የለን ኣብ ኤርትራ። ህዝብና ከኣ ሎሚ ዘናግፎ እምበር ዘቃባጥርን ኢድ ዝነስእን ኣይኮነን ዘድልዮ። ካብ ውሽጢ ሃገር ተተሸሪቡ ብዝመጽእ ኣኻይሽ ዘርኢ ክርዳድ እናበተንካ ብስም “ሃገራዊ ኣጀንዳ የብሎምን“ እናተባህለ ዝ ቆናጸብን ዝዳቀቕን ኤርትራዊ ዓቕሚ ክህሉ ድሌት ህዝቢ ኣይኮነን።ብከምኡ ዝውቃዕ ዕላማ ስለዘየለ። ኩሉ ዜጋ እምበኣር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ በቢዓቕሙ ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ኢዩ ምንዮትና። እሞ ንቃልስን ኣገባባቱን ትማልን ሎምን ኣይከኣልኩም እንተኾንኩም ጽባሕን ድሕሪጽባሕን ክትክእልዎ ተቓለሱ። እንተኣብይኩም ክትኮኑ ኣይከኣልኩምን ኣ’ሞ ዘነውር ድማ ኣይኮነን እንተዘይከኣልኩም። ብዝተረፈ መንእሰይ ኣፍንጫ ህግደፍ ከኹርፍ ኣብዝሓረነሉ እዋን ኣይተማልዱ ኣየዋጽእን ኢዩ። ከተማልዱ እንተኽኢልኩም ንመራሕቲ ህግደፍ መዕቆቢ ፋሕትሩሎም። እንተንድሕ ነት ሃገር ግና ብዘይውልውል ደም ህግደፍ ክውሕዝ ኣለዎ። ብሉጻትና ከኣ ከምቀደሞም ገናሽል ፍትሒ ኢዮም።

ጎደፋ

25-02-2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • SINGAPO ' ERITREAN February 25, 2012

    PAPA ISAIAS IS THE SYMPTOM, NOT THE ILLNESS……..part 1
    ቃልሲ ናብ ጨናዊ ካልሲ ካብ ዝቕየር ጸኒሑ ኣሎ። ኤርትራ ከምተን ካልኦት ብባዕዲ ከም ሃገር ተፈጢረን ዝተመሓዳደራ ሃገራት በቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተሰማምዑሉ መሰላ ክትረክብ ኔርዋ ። ብዙሕ ሽጣራ ተጌሩ፣ ንህዝቢ ኣቑጡዑ።ብረታዊ ቃልሲ ምስ ምዓት ገልጠምጠሙ ተጀሚሩ ። ካብኡ ዝስዓበ ግና ኣብ ጽልኢን ኣሉታዊ ስምዒታትን ዝተመርኮሰ “ቻ በሎ ንዓ ወሽ በሎ ነዚ ኣድጊ”….ወዘተ፣ ሓሶታት ዝተመልኤ ዜናታት፣ ፣ ፣ ፣ ክሳዕ ሕጂ ውን ብስምዒትን ኩነት ዘይድግፎም (unrealistic) ትንቢታትን ፣ እንዳተነብረ ኢዩ። ኢሳያስ ናይ ትግራይ ትግርኚ ሕልሚ እንተዝህልዎ ፣ ብቀቤላ ዝተመርኮሰ (ethnic) ዝኾነ ምምሕዳር ጌሩ ነዚ ሓደ ዝኾነ ህዝበ ትግርኛ መቃራረቦ ። ንሕና ኤርትራውያን መንነት ሒዝና ፣ እቶም ሓደ ተጋሩ ክኣ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ምነበሩ ።

  • SINGAPO ' ERITREAN February 25, 2012

    part 2 ….ትግራውነትና ምንም ኣይቅይርን። እቲ ናይ ኤርትራ ከበሳ´ውን ከምቲ ክሳዕ 1998 ዝርኣናዮ ኩላትና ተጋሩ ሓደ ኢና መዛሙር ይዝምር ኔሩ እዩ። ነዚ ስለ ዝጸልኤ እዩ ኢሳያስ ነዚ ብቐቢላ ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ከቃራሕን ኮነ ኢሉ ተመሃሮ መቐለ (ኣዝማዱ) ዝቐተለ። እቶም ሓንጎል ዘለና በኺና፣ ጉሂና ። ባባ ኢሳያስ ውግእ እንተዘየልዕል ኔሩ እቲ ትግራይ ትግርኚ ዝዓይነቱ ምቅርራብ ብሕጂ ምተተግበረ። ከም ሃገር እኳ “ማሽላ ለማሽላ ተያይዘው ቆላ ” እንታይ ክበልዕ፣ ሃሃገሩ ሒዙ ግን ካብ ናይ European union ዝበልጽ ርክብ ጌሩ ኣብ ዘዝደለዮ ሃገር እናተቐመጠን እናበልጸገን ምነበረ። እዚ ናይ ወያነ ድሌት ምዃኑ ኣይጠራጠርን ። እቲ ዓሰብ ናብ ዝኸዶ የብሉን። ጽባሕ ንጉሆ ክልቲኡ ህዝቢ ሓቢሩ ምተጠቕመሉ፣ ዋንነቱ ናይ ኤርትራ ኮይኑ።ዓፋር ውን ሃሃገሮም ሒዞም ናብቲ ብቐቢላ ዝጓራበቶም ህዝቦም ሓቢሮም ምማዕበሉ። እቲ ዶብ´ውን ዳርጋ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ምተቐመጠ።

  • SINGAPO ' ERITREAN February 25, 2012

    part 3….እቶም ብጆግራፊን ስግር ዶብ ሱዳን ናይ ቀቢላ ኣሕዋቶም ዝቐርብዎም ደቂሃገርናን ኣሕዋትናን ድማ ፣ ኤርትራውነቶም ከይገደፉ ምስቲ ዘዋድቦም ኣብ ሱዳን ዝነብር ጎረቤት ሓው ቀቢላኦም ብንግድን ካልእ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘለዎም ጉዳያትን ሓቢሮም ቀቢላ ኦምን ሃገሮም ኤርትራን መማዕበሉ።
    እንታይ ድኣ እዩ እቲ መሳናኸሊ ክብሃል ከሎ “እቶም ዓጋመ ዝኾናን ኤርትራውያን ዓጋመ ከይንኸውን ብነፍሰ ጽልእን (self hatred ) ናይ ሓሶት መንነት ኣልቦ (abstract fake identity ) ስለ ዝትሃነጽና፣ ባባ ኢሳያስ ድማ የጋፍሖ ኣሎ እምበር ኣይፈጠሮን ። ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን ከም ዝብሃል ግን ፣ ነገራት ብንጹር ስለ ዘይንር እዮም ፣ እቲ ሓድሽ ትውልዲ ድማ ፣ ዓጋመ ዘይምዃኑ እምበር እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን´ንዩ። እታ ኤርትራ ድማ ግሃነም ስለ ዝኾነት ካብ ወጻኢ ተመሊሱ ክፍስሓላ እምበር ብዙሕ ናይ መንነት ስምዒት ኣይትህቦን እያ።

  • SINGAPO ' ERITREAN February 25, 2012

    part 4 …. THAT IS WHY I REFER OUR LAND ERITREA ,AS A FAKE COUNTRY !!! ISAIAS KNOWS THIS ,THAT THE ONLY WAY ERITREA CAN BE IS, BY HAVING CONTROBAND ECONOMY.
    But blaming Papa Isaias for our own weakness does not solve the situation.It will just be a silly yet vicious cycle.
    ERITREAN OF SINGAPORIAN ORIGIN !!! ie SINGAPO ERITREAN

  • ደላይ ፍትሒ February 28, 2012

    It is true SINGAPO I agree about this idea. I am 100% sure Issaias has no Eritrean blood, Conscience and feeling. His true dream was to establish Tigray Tigrigni and to be the king of biggest Ethiopia forever like the same his forefathers. It is clear that Issaias was the grandson of the king of kings Ethiopia – king Yohannes. Issaias before the War of Badme told to Eritrean people in through the mass media there will be no more borders between Ethiopia and Eritrea. That was his dream. As we know all Issaias was the Agent of CIA and sometimes in 1970 had met Richard Copeland in Kagenw station. Issaias was dreaming about the biggest Ethiopia, but suddenly got a problem and that is the Eritrean people needs a constitution, here he thinks the only and sole for this matter is breaking a war with Ethiopia. And for this reason till now whenever asked about constitution, he always says : we are at war moment and we will never do that now.

POST A COMMENT