Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደም ዘንብዕ ዛንታ!

ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡ ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ

ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡

ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ  ቤት ብጹሑፍን ብድምጸን ቀጥታ ናብቲ ዕዱም ጋሻ ክትበጽሓለይ ዝምነያ መልእኽተይ እንሀት።

ክቡር ሓውን ብጻይን፦

ከምኡ ዓይነት ሕቡን ሰብ ስምካ ክትገልጽ ዘይምድ ላይካ’ውን ምልክት ትሕትናኻ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ስኑዕ ግዜ ሓቀኛ ወይ ናይ ብርዒ ስም ስለዘ ይተጠቐምካ ንትሕዝቶኻ ኣየቃጠኖን። ብተወሳኺ  መንነትካ ብትሕዝቶ ዛንታኻ ስለዝግለጽ መብራህቲ ኣርማኻ ዝተኾለዐ፡ ሕፍሰት ሓቅነትካ ዘይተጀልሐን ዘይተወረቐን ንጹር መንነት ብምውናንካ ደስ እብለ ኒ። ብሓቂ ክብለካስ ንስኻ መርኣያ ናይቲ ኩሉ ዓይ ነት ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራ ብምዃንካ ድማ ገና ዘ ይተበርበረ ታሪኽን ዓቕምን ከምዘለካ እኣምን። ከም ትዕቅቦ ዘለኒ እምንቶ ድማ ወሰን የብሉን። ብ ኡ ኣቢለ’ውን እስከ ናብ ገለ ካብቲ ልበይ ዘድምየኒ ዛንታኻ ክሓልፍ፦

“ስለምንታይ ነብሰ-ቅትለት ዝግበር? . . . እቲ ስርሒት ወዲእናዮ ኢና እንታይ ሕቡእ መጋረጃኡ ነይሩ ብድሕሪኡ ግን ስጋብ ሕጂ ክፍታሓለይ ዘይኽእል ኮይኑ ዘሎስ . . . .፡ ስርሒት ብዘይ መስዋእቲ ወይ ብውሑድ ክሳራ እንተተዓመመስ ንምንታይ ግድን ደም ክሓልፎ ከምተደለየ . . .”

ክቡር ሓው፡ ንነፍሲ ወከፍ ዘቕረብካያ ናይ “ስለምንታይ” ሕቶን ቃልን ዝኸውን መልሲ ኣይምደረቐናን። ብኣውራኡ ነቲ ታሪኽ ብ ሉጻትና ከምዘለዎን፡ ንዕዑ ንምብሓት ብዛዕባ ዝጥበብ ቅትለት’ውን ከምዘለዎን ብምቕራብካ ደጊመ ሞጎስ ይብጻሕካ። ግናስ እቲ ዘ በገሰኒ ናይ ስለምንታያት ሕቶታትካ ኣብ ራዲዮ መድረኽ’ውን ቀሪቡ ስለዝነበረ ንምሕጻሩ ዝኣክል ክቡር መራሒና ናህና ኣይነበረን ሎሚ’ ውን ብዝኾነ ተኣምር ናህና ኣይኮነን። ምኽንያት ኣለኒ።

መሸም ካብ ናጽነት ድሮ ርብዒ ዘመን ኣቑጺርና እነና። ኢሳይያስ ተመሃራይ ዴስነት ቻይና ከምዝነበረ መጠን ምስቲ ከምኡ ንርብዒ ዘመን ዝመርሐ ማኦ ጸቱንግ ከወዳድሮ እፍትን’ሞ እንዶኡ ይፍንጣሓኒ። ምኽንያቱ ማኦ ምንም’ኳ መላኺ ከምዝነበረ እንተተገልጸ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ስልጣኑ ህዝቡ ጠርኒፉ ሃገሩ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ክትበጽሕ መሰረት ዘንበረን ሞቶረ ዝቐረበን ከምኡ’ውን፡ ክሳ ብ’ታ “ዓለም” ትበሃል ሓያል ንዘቕረበቶ ናይ ኣጽዋር ምንካይ ስምምዕ ሃገሩ ነቲ ኣጽዋር ከይጨበጠቶ ምፍራም ዕጭ ዝነቖተ መራ ሒ ስለዝነበረ እንሆ ቻይና ነቶም ልኬቶ ጥራይ ክትሰርሕ ዝተመነዩላ ዓበይቲ ሃገራት ጸብሊላ ትርአ። ጽባሕ ዝኽወኖ ድማ ጽባሕ ባዕላ ትፈልጦ።

ብተዛምዶ ማኦ ንመራሒና ክጥምቶ እንከለኹ ኣብ ርብዒ ዘመን ዕድመ ስልጣኑ ሃገርና ክሳብ ሎሚ ብግዜያውነት ጥራይ ኢያ ትፍ ለጥ። መንግስትና ግዜያዊ ታሴራና ግዜያዊ! ብምዃኑ ጽባሕ ዝኽወኖ ጽባሕ ክትፈልጠልና ከይተጸበና ምብዳምና ድሮ ብኣዒንትና ርኢናዮስ ሃገርና ብዘይ ተኹሲ ከምተማረኸት ንምርዳእ ጽባሕ ምጽባይ ኣየድልን። ስለኡ ኢየ ብወገነይ ደጋጊመ ኢሳይያስ ኣይናህና ን ምዃኑ ብዓውታ ዝብሎ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ደጊመ ኢሳይያስ ብባራኪና ሰብኖ ብሽብጢ ጀፍዓዮ ብምንም ተኣምር ኤርትራዊ መን ነት የብሉን። ትሪኦ ኣለኻ ዕዮ ገዛኡ ጠንጢኑን ፍትሒ ዓፊኑን ንብኤርትራኣ ብልክዕ ከምቲ ናይ ናዚ ኣተሓሕዛ ኣብ “ቁሸት ሕቡሳት “ (concentration camp) ተኽቲኹ ብምኽዛን ኣዋሊእና ክንሱ፡ ከም ሓደ ፍትሓውን ተሓላቒ ዓባይ ኢቲዮጲያን ድማ ወያ በዓ ልቲ ዝና ታሪኻዊት ሃገር ከይትቆራመምን ከይትሸራረፍን ያኢ ንኣንድነታ ክዋደቕ ይውዕል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ስለዝቶብኦ’ውን ዝ ናን ክብርን፡ ካብ ኩሉ ድማ “ጀግንነት” ያኢ ንሳቶም ኮይኖም ዋናታቱስ ካብዞም ጎራሓት ጎረቤትና የንቀላውጥ እንሆ። ዝኾነ ኮይኑ ጥራይ ከምቲ ዝበልካዮ ተጋዳላይ ነቲ ቃልሲ ከይጉዳእ እናበለ ንኩሉ ዝገጠሞ ተወፍይሉን ዝገደደ ድማ ገና ክሳብ ሎሚ’ውን ብት እዛዝን ትሕዞን መራሕቱን ሕቡኣት ቀንጸልትን ከም በጊዕ ይጉያሓሉን ክሳውዱ ይጉናኣሉን እንሆ።

“ክሳዕ-መዓስ? መወዳእታኡኸ? ንነገሩ ንሓዋሩኸ እዛ ሃገርሲ ካንዲያ ኣብዞም “ሽፋቱ” ክብሉና ዝስምዑ ዘለዉ ሰብ ኩትኹቶ ክትወ ድቕ ወይስ ብርግጽ ዕሕሕ ዝብሉ ኣለዉና?” ኢልና’ኳ እንተተሸገርና ግን ነቲ ምስጢር ኤርትራውነት ዝዓጽፍ ሓይሊ ኣይክህሉን’ዩ!

ንግዚኡ ኩሉ ከምዘለዎ ይጽናሓልና። ንሕጂ ክብለካ ዝደሊ ግዳ ንብዛዕባ ኣሰዋውኣ መኾነን ተኽለ (ጉብጣን) ዝሃብካዮ መብርሂ ዝ ምልከት ክትከውን ኢያ። ኣቐዲመ ግና ኣገላልጻኻ ልክዕ ከምታ ኣቐዲማ ዝተሰምዐት ምዃና ክደግመልካ እፈቱ። ማለት ጉብጣን መ ኪና ሒዙ እንከሎ ብናህና ነታጒ ከምተሰውአ ተባሂላ ተፈንያ ነይራ። እንተኾነስ ከምቲ ንስኻ’ውን ትርድኦ ገበርቲ እከይ ዝገበሩ ገ ይሮም ገለ ምስምስ ይፍንዉ’ሞ እንተድኣ ዘቕረብዎ ሓሶት ተሓምዩ ወይ ተቐሊዑ ተቓውሞ ከየስዕብ ምእንቲ መሊሶም ብካልእ ሓ ሶት ክድብድብዎ ክብሉ ዝገደደ እሳት እናኸዓዉ መዋእል ሓሊፍዎም።

ንሕና ድማ ኩሉ ሳዕ ዘይቅኑዕ ስራሓት ንርኢ፡ ኩሉሳዕ ከኣ ስለምንታያት ንድርድር፡ ኩሉ ሳዕ’ውን ምስጢራቱ ኣይገሃደልናን። እንተ ተጋህደልና ድማ በቶም ሓሳባት ኣቕሪቦም ዝተወፈዩ ክሓልፈልና ንምነን ንምህለልን። ብከምኡ ክሳብ ሎሚ መፍትሒኡ ኣይረኸብና ን። “ዘይርደኣኒ” ክትብል ንዘቕረብካዮ ክሳብ ሎሚ ዘይፈታሕካዮ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ክተሓጋገዘካ ስለዝደለኹ እንድየ፡ ዕላልካ ም ስቶም ኣብ ሶማል ስለዝተማረኹ ክሳብ ሎሚ ተኻሒዶም ከምዘለዉ ዝዳቐስ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ንርእሳ’ታ ተዓዊትኩም ምውጻእ ኩምሲ ንምንታይ ከምዘይተሰዋእኩም ዘኾረየቶም ምኽንያት ንርእስኻ ወናኒ ልዑል ዓወትን ብቕዓት ምዃንካ’ኳ እንተረጋገጸት እታ ክሳብ ሎሚ ዘይተረደአትካ ምኽንያት ብርሰት ግዳ ከምዚ ግዜ ዝኽሽሖ ዘሎን ንስኻ’ውን ትድርጉሖ ዘለኻን ሓቒ ጽባሕ ብጊሓቱ ብ ኣፍ ፈጸምቱ ከይትወጽእ ዓወት ክትብሕት ዝዓለመት ተራ ቅትለት ጥራይ ዘይኮነትስ ገና ካልእ ዘይዳህሰስናዮ ጉድ ኣሎ። ማለት ወ ሰን-ወሰኑ ድኣ ከነዳርት ጸኒሕና’ምበር እታ ብቑዓት ሃገራውያን ተጥፍእ መንደፍሲ ገና ኣይተተንከፈትን። ዓበይቶም ንኣሽቶም ገዛእ ቲ’ኮ “ቃልሲ ኤርትራ ብሓደ-ክልተ ዓመጽቲ ሸፋቱ ዝተላዕለ’ምበር ብሓቂ ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣይኮነን” ኢዮም ክብሉ ጸኒሖም። ተ ስፋ ድማ ኣለዋ ኣምሓራ ንኢሳይያስ ብምሓዛ ተመሊስና ክንጉምባሓላ! ስለዚ ነቶም ሓያላትን ሰራሕቲ ቅያን ምቕርዳዶም እዋናዊ ዕ ማም ናይቶም ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ተጠርኒፎም ዘለዉ ከዳዓት ብምዃኑ ብርሰትና ብደውና ንሪኦ ኣለና።

ሃውቲተዶ? እምበር ዘይቀንዲ ዛዕባይ ድኣ ብዛዕባ’ቲ ዝጠቐስካዮ ስዉእ ጀነራል ምኮንን ተኽለ (ጉብጣን) ኢዩ ዝነበረ። እስከ ንድሕ ሪት ናብዚ ዘምጻእካዮ ዕላል ተመሊስና ክልተ ኣብነታት ካብቲ ሃይቂ ሞያታት ስዉእ መኮነን ንመልከት።

ናይ ኣስመራ ስርሒት መዓርፎ ነፈርቲ ዘጽንዐን ዝፈጸመን ብቀዳምነት ጉብጣንን ንሱ ዝመርሖም ውፉያቱን’ኳ እንተኾኑ ንሳቶም ን ዝና ዝገበሩዎ ከምዘይነበረ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልት። ነቲ ክንድኡ ዝኣክል ዓወት ዝተመጎሰሉ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ካልእ ሰብ እንተነበረ’ውን ኣይመኽፍአን። ገደደ ንሰራሕቲ ታሪኽ ደፊኖም ከይኣክል ሎሚ ብቀንዱ ነቲ ስርሒት ዘከሻምሹ ሓደስቲ ኮራኩር ኢ ሳይያሳት ክቀላቐሉ’ዩ’ቲ ዓገብ! ወዲ ረጋሒት ኣብታ ስርሒት እንተዘይስዋእ እዚ ሎሚ ኣፉ መሊኡ ክንድኡ ነፈርቲ ከምዘይሓረራ ዝምድር ዘሎ ትዃዕ ብቀንዱ’ቲ ስርሒት ከምዘይተሰርሐ’ውን ከየሕነኾ ብሃውሪ ምኸሓዶ። “ሸፋቱ” በለ ሕንጣይ ከም ጎይቶቱ!!!!

ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። “ኪኖ’ዚ ወሻጠ ደቂ ከበሳ ክድርዕም ዝወጣወጥ ዘሎ ተመናይ ኢቲዮጲያዊ መንነትን ንሱ ዝምድረ ሉ ባይታ ዝፈጠሩን ምስኡ ደው ዝበሉን ሓይልታት በዓልመን ኢዮም?” ዝብል ሕቶ። ርግጽ ከምቲ “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’  ዝበሃል ኢቲዮጲያውነት ምምናይ ንነውርነቱ ገዲፍና ሓጢያት ኣይኮነን’ሞ ከምቲ “ኣበይ ክረኽቦ” ዝበሎ ከምገለ ዝረኽቦ አንተኾይ ኑ መሬት ንዋናታታ ግዲፉ እንተዝብገስ ዶብ መዓስ ርሒቕዎ! እንተድኣ እቲ ዘይመስለኒ ዘሎ ተገይሩ ክሳብ ኖርወይ ተኣትዩ ኮይኑ ግና ኣብ ዓምዲ ናይቶም መዛግብና ዘዘቕበብዎ እልፊ ደቂ ጣባታት ምስኩዑ እንታይ ከየጸግም። ነዊሕ ድማ ኣይኮነን ኩሉ ዝቕላዓ ሉ ጥራይ ናብታ ሂወት ጀነራልና ዝበልዐት ካልኣይቲ ስርሒት ነብል።

መኮነን ጉብጣን ኣብ ኣሶሳ ተሰዊኡዶ ተቐቲሉ?

ጉብጣን ብናይ ገዛእ ብጾትና ነታጒ ተቐቲሉ ከምተሰውአ ገሊጽካ። እዛ ገርሂ ዛንታ ሽዑ ምስተሰምዐት ምሒር ኣቀናጢዋትና ነይራ። ድሕሪ ናጽነት’ሞ ድማ ኣብ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዝያዳ ከምተጋህደት እዝከረኒ። መቸን ነዛ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዘይኣምና ኣሎ ። ግናስ መዓስከር ደንደን ምንባርካ ከምዝጠቐስካ ሓቀይ እንተኾይነ ካብ ባር ኩባኩባናን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብቲ ፊት እንዳ ማ ህሌትን ከባቢኣን (ንወዲ ኮለኔል ተወጊንሉ ዘሎ ቪላ) ኪድ ክሳብ ባር ዕንባባን ኢዩ ዝነበረ ዞባ ምዕጎ ድሙድሙ’ሞ ኣሸበሸብ ድማ ተራኺብና ንነብር ኢና። እሞ ንግዚኡ ዝውንዘፍ እንተዘይኮይኑ ንምዕጎ ድሙድሙ ዝተሰወራ ከምዘይነበረ ነገር ሞኬ ኣብነት’ዩ።

ዝኾነ ገበናዊ ስራሓት ዋላ’ኳ ቃል-እምነት ኣይረኸቦ ብሞዛይክ እኽብካብ ንኣሽቱ ፍጻመታቱ’ዩ ዝንደን ዝጭበጥን። ከምኡ’ውን ወተ ሃደራዊ ፍጻመታት። ብዛዕባ መስዋእቲ ጀነራል መኮነን ጉብጣን ካብ ዘከርካስ ንሕናውን ናብ ተኽእሎታት ኣሰዋውኣኡ ዘይንሕንበበ ሉ ምኽንያት ኣይነበረናን። ጉብጣን መን ኢዩ? እንታይ ዝኣመሰለ ወታደራዊ ፍልጠትን ናይ ምፍጻም ብቕዓትንክ ነይርዎ? ንዝፈልጥ ዘበለ፡ ብፍላይ ድማ ከምቲ ንስኻ’ውን ንሱ ኣብቲ ቅድም ምድረ-ጋላ ዝበሃል ዝነበረ ሓምላይ መሬት ንክልተ ዓመት ከምዝዓንደረሉ ከምዝገለጽካዮ፡ እንተኾነ እቲ ክንድኡ ተፈታውነት ዝነበሮ ወተሃደር ብ”ተሰዊኡ” ትብል ጻልጣ ወረ ክንኣዝም ስለዘይተዋሕጠልና፡  ናብ ተወሳኺ ሕቶታት ከነምርሕ ግድን ኮይንና ከምዚ ክንብል ከኣ በርበርናዮ፦

“ጉብጣብ ቦታ ዘጽንዐ ውጹእ ወተሃደር ኢዩ። ግናስ ብከመይ ሽዑ ንዝተማረኸት መኪና ክመርሕ ደልዩ? ከመይከ ኣብቲ ቦታ ዋና መሬት ጸላኢ ከምዝነበረ እናፈለጠ ንብሕቱ ተጓዒዙ? ብቀንዱ እቲ ብብጾትና ዝተዘርአ ነታጒ ከምዘሎ እናፈለጠ ብከመይ ኣትይዎ?

ነገራቱ ምጥዕዓም ምስ ኣበየ ድማ ናብቲ ካልእ ምናልባሻት ኣተና። “ምናልባትዶኾን ኣብታ መኪና ፈንጂ ጽዒኖም ኣፋንየሞ? ምናል ባሽዶኾን ኣድብዮም ጸኒሖም ምስ መኪናኡ ገሲሞም ኣመሳሲሎሞ? ዶስ ከምቲ ኣበሃህላኦም ጉብጣን ነብሰ-ቅትለት’ዩ ፈጺሙ?”

ኣይትትዓቡ፡ እንተ ንሕና ብበረኻና’ውን በቲ ከዋድር ህግደፍ ዝፍንውዎ ዜናታት 03 ብምዕፍታውና ተቐበልቱ ኣይነበርናን። “ኢሳይ ያስ መን ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ንምቕልዑ ነዊሕ ዝወሰደልና ምስጢር ኢዩ። እቲ ኣውራ ምስጢሩ ከይቕላዕ ዘናውሖ ድማ ኣማስያናስ ዓሰብቱ ብዝገብርዎ ድርዒ ምዃኑ ካብቲ ደም ዝነብዐ ተመኩሮና ፈሊጥናዩ እብለኩም። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ታ ገርሂ ዓለምና ዓስኪርናሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ወዮ ተኸዳኒ ቆርበት በጊዕ ተኹላ ንዓና ንበጋይዕ ከደናግረናስ ብቀንዱ’ቲ ገርሂ ባህ ርናን ፍቐሪ ሃገርናን’ዩ ሓጊዝዎ። ስለዚ ነቶም ንሓዋሩ ነዛ ሃገር ሃገር ዘስምዩዋ ቀንዲ ውሉዳታ ክቑርምም ገለ ካብቲ ቀንድን ብዞባ ደረጃ ዝተዋህቦ ሕቡእ ተልእኾኡ ከምዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ፈሊጥናዮ። ንስኻ’ውን ንኣብነቱ ኣብቲ ዝሃብካዮ ቁንጣሮ ሓበሬታ ካብ ቲ ሃይቒ ተመኩሮኻ፡ ድሮ ነቲ ብፖለቲካዊ ብልጸት ብዝተጎልበበ ብርሰትና ከምጸሓይ ቀትሪ ኮሊዕካዮ ኣለኻ።

ክቡር ብጻይ፡ ብወገነይ ከምቲ ካልእ ዜጋ ክሳብ ሎሚ ፖለቲካ ዝበሃል ተዛሪበ ከምዘይፈልጥ ከዕልለካ ኣይሓንከሉን። ሰብና ፖለቲ ካ ክዛረብ እንተጀሚሩ ግዳ ከቢድ ጉዳይ ኣሎ። ንኣብነት ከምቲ ናትካ ስለምንታያት “ስለምንታይ ኢዮም’ዞም እሙናት መራሕትና መገዶም ቀይሮም” ዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሰን። ንበል ጀነራል መስፍን ሓጎስ ኣብ ልቢ ኩሉ ዜጋ ከምዘይሰፈረ ንምንታይ ጎቦጎቦ ኢሉ? ንምንታይከ ከምቲ ዝብልዎ ክሳብ ኣብ ምርጫ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ክንሱ ክሃድም መሪጹ? ብኡ ዝነቐለ ዛዕባ ናብ ብቀደሙ’ውን ከም ጸረ ኢሳይያስ እናመሰለ ንኢሳይያስ ዘገልገለ ሰነፍ ጀነራል ተጸብጺቡ። ከምኡ ድማ ነቶም ገና ዝኣምንዎ ደቂ ገር ሂ ልባ ካብ ወጻኢ እናደወለ ብውሽጢ ክነዓዓቡ እናመዓደ ተመሊሱ ከምዘእስሮም ኢዩ ዝውረ ዘሎ። ምስ መድረኻውያን ኮይኑ ፍ ኒሕኒ ክብልከ ሓቁ ዲዩ ኢሳይያስ ተኸሲኡ ስለዝሰምዐ? እምበርከ ንመን ክልክምን ንሓዋሩኸ መን ይእመኖን? ኩሉ እንድዒ!!!

እቲ ካብቲ ዘብለጭልጭ ከዋኽብቱ ንላዕሊ እታ ኣብ ኢዱ ዘይትርአ ቅዱስ-መጽሓፉ ከምዘፍቅር ዝውረየሉ ጀነራል ስብሓትከ ዓለ ም ዝገበረትና ከምንግበር ክምዕድ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽቡዎ? ዶስ ድሕሪ ዛሬባ ናይ 73 ለዚቡ? ዓለምድኣ ብቀደማ መዓስ  ናህና? እምበርከ ግደፍ ንሕና ፍጡራት ዓለምሲ፡ ፈጣሪና’ውን’ኮ ኩሉ ክገብር እናኸኣለ ንዝሃበና መሰል ምርጫ ከይጥሕስ፡ ከይጻባ እን ከይመልኽን ክብል፡ ናብራ ምስዝኸፍኣና ክንጠርዕ ኢዩ ዝሓበረና። “ሕተቱ፡ ማዕጾ ኳሕኩሑ ዝደለኹሞ ክትረኽቡ” ዶ ኣይትብ ልን ኢያ’ታ ጀነራል ስብሓት ዘፍቅራ ቅዱስ መጽሓፍ ወይስ ካልእ ምስጢር ሃልይዎ?

ገደደ ናይዞም መንእሰያትና! ሃገርና ኣብ ቁሸት ጽዩናት (ሕዩራት) ተዘሪዓን ብሰርቢ ማይኖህ ክንጭንጓዕን ተወጢኑ ኣብ ዘሎ እዋን  ሃገሩ ንከናግፍ መርከብ ዝሰርሕ ወይ ዝተሰርሐት ዝመርሕ ገለ’ኳ ከምተሳእነ ብዝመስል ንርእሱ ከም ሓደ ዑቕበኛ ኣብ ውሻጠ ዓቀ ብቱ ተዋሒጡ ሰማየ-ሰማያት ክቛምት ተጸባይ ናይታ ከም ምልክት ሰላም ኣብ ኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀርቂራ ንትመጾ ጻዕዳ ርግቢት መሲሉ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽብዎ? ንብቐንዱ’ምበር ወያ እንተ ተርድእ ወይ ተበስር ርግቢትከ ከይኳሕኩሐ ትመጾዶ?

ማይ ምዕሟኽ ይብሉካ ከምዚ ኢዩ። ማይ ዝዓሞኸ እናተቐትለ ብሰላማዊ ኣገባብ ኢዩ ያኢ መሰሉ ዝሓትት!

ሰላም ይፍጠረላ ክብርቲ ሃገርና፡ የቐንየለይ ድማ ክቡር ሓወይ!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Aman March 19, 2016

    ክቡር ጎደፋ፡
    ከምቲ ዝበልካዮ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ጌና ኣይተተንከፈን ኣሎ።
    በዚ በብግዚኡን ብዝተኣቖራረጸን ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝቐርብ ዘሎ ምስክርነት ግን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓልፈ ነዊሕን ጽልግልግ መዋእል ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ደቂ መሬት ብዙሕ ውዲት ከምዝተፈጸመ’ዩ ዘርእየካ። እዚ ከምዚ ዘአመሰለ ውዲት’ዩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ግሩህ ሃገራዊ ዕማምና ኣትዩ ዘሳቕየና ዘሎ።
    ገለ ክፋልና ነዚ ውዲት ክፍንጥሱ ይጸገሙ ኣለዉ። ሃገርና ካብ ቀራና መንገዲ ሓሊፋ መንገዲ ጥፍአት ትጋዓዝ ኣላ። እቲ ዘሕዝን ነዚ ኣካይዳ’ዚ “መንገዲ ልምዓት” ኢሎም ዝምድሩ ዘጋታት ኣብ መንጎና ምህላዎም እዩ። ስጊንጢር እዩ። ብኸመይ ከምትገልጾ”ውን ሕርብት’ዩ ዝብለካ።

  • Moki March 19, 2016

    Dear Godefa

    Thank you for exposing the crimes of Iseyas and his clique, committed in the good name of Ghedli.
    That said, please improve your style of writing by making it simple to understand, because that is the ultimate aim. Make it as short as possible, because many readers have no time to read long articles.
    Take one issue at a time, framed in time and as well as location, whenever possible. Present your case based on facts you know, and let the readers judge and reach their own conclusion.

  • Bereket Gebreslassie March 19, 2016

    Great idea,…commentations
    Dear writer, It was a sudden for me to open the written script
    written by tigrigna, and when I come to give comments on the issue, it lacks point to hold ,which is the right or can happen to be informative, or else to say that, what message has been transpassed from the written script, of course it is todays story uttering about the tyrant Isayas issue, so many have passed due to improper handlling or arrested, died, refugeed or other else, I fill to myself pity, and remain neutral on the issue to judje about Eritrea, definition less country, when I say, I can mean it due to that, of improper leaders, dont mind of their people, and the people dont judje upon positive attitudes, and at the end of the day fear that this country will miss its final solution, might remain good for nothing,To tell more, I can say that, why is the exact issue of this man, not tell officially, he looks coumoflaged or masked to do bad things behind always, second does essayas really misses solution, for all this problems unless he has a mission to destroy purposely, why is he degrading educated people, clergies, and reach people,disresspecting Is he true Eritrean, if not whatever Ethiopean, why he puts things in a very hardway, and doesnt feel it any ,when it happen,the other thing is, why are eritreans in any corner try to be humble and communicative rather they sum up tribes or sects,and always proud and know nothing, isnt jesus come to israel to break their narrow mindedness of generations of israel and create new appostles, instead of telling every time zerie yakob, neged aserteklte and born by spirit, why eritreans come to a common point and give up to tell unfactfull things, we are like this ,we are like, I think it looks we have forgotten the land is Gods land,what ever ethiopia or eritrea, But I want to conclude at last ,if we eritreans didnt come to a common point and tangible, we shall be lost and lets not forget that at last ,it will be a country of others, and infact doesnt matter,

  • Henok March 19, 2016

    with all do respect mr godefay a well respected who is one of this sites main contributors i was looking more into the history of Gubtan less subliminate hate feeled opinion. well wot do i know may be this time i missunderstood the point but always biggest fan!!

  • sadgedli March 20, 2016

    Dear Yemane,
    on your comment “Yemane on March 17, 2016 at 4:49 pm” you said said:

    መኮነን ጉብጣን ጅግና ተጋዳይ ምቁሉል ነይሩ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ከለና ኣብ ኩር ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ገድሊ ተራኺና ኣቲ ኩነታት ሕማቕ ኣንተነበረ ከምቲ ዝደለ ከነዕልል ዕድል ኣይረኸብናን። ደቂ ገዛዉቲ ነርና …”

    Ever since I read that breathtaking “Qeya 18 deqayeq” book, I always wonder whether that GubeTan “Mekonnen Tekle” is the one I met in meraguz, seraye in Jan/Feb 1977. I was a young kid who happened to be there and a certain Mekonnen Tekle and his mom & siblings fled Asmara and were at that village. Mekonnen was simply a very outgoing, typical urban gobez but totally was loved by the village folks, young & old. and few months later after my arrival he simply was gone and his little brpother Abrham Tekle told me “Gedli keydu”

    And I have kept wondering for years -painfully- eversince I read that book when it came out. could it be him was always my inquisition. I loved him like a big brother as he was so cool to me & calling me with a big smile ‘anti gnay amharay kab Addis entay ketgebri metski” …
    is he from Asmara? did he have a brother who was run over by a train & lost his leg and had one sister. so tragic what this Gedli did to so many.

    Godefa – thank you as usual.

    thank you!

    • Daniel Tewelde March 25, 2016

      I used to know Mokonnen Tekle from 1970-73 at the so called Haileslase secondary school Asmara .We were classmates for four years and then he joine EPLF and me ELF.Then We met again on Dec 1977 at Areza when he was battollon 22 while crossing from west to north Eritrea.a

  • Denden March 22, 2016

    It is difficult to follow and make sense of this article. Very attractive heading (title) but the writing style needs improvement. I am still hungry to know more of Gen. Mekonen GuPtan. His Ghedli time friends shoulder the responsibility of sharing what they know to the present and future generation of Eritrea. Thank You!

  • EPLF March 22, 2016

    SAD, this story tells that a number of innocent freedom fighters had been slaughtered by the beast (dictator) for no reason. AAAKKK!

  • Truthhurts March 22, 2016

    although Tesfankiel georgo exposed it & not many Eritreans were alarmed as the below quote, it heeded the info, One thing is for sure… the eplf top shots & creators absolutely, affirmatively studied the way Gustapo, KGB, CIA functioned back in the 40s, 50s, 60s, and replicated it so well. everything what EPLF/PFDJ top echelons & its executors, its abetters, its excusers… have been doing to Eritrea was actually done in Europe during WWI/II & in the US against Blacks. so whoever of the EPLF leaders were trained by “CIA, KGB, Baath…” , they absolutely learned it & learned it to the cruelest perfection. Many Eritreans still think PFDJ created all these evil things. such as prison/er is known by number. EPLF leaders sucked all evil things & spat PFDJ which it successfully took it to another level of gruesome b/c of what is said below… so every Eritrean must ask oneself & be as honest as this good man commentator AHMED SALEH. One commentator said it beautifully in Tigrigna. could be the mindset of all eritreans, the rationalization of this & that killings at meida (until it became too late) that got Eritrea at what it now is. sad in deed!


    First they came for the Socialists, and I did not speak out—
    Because I was not a Socialist.

    Then they came for the Trade Unionists, and I did not speak out—
    Because I was not a Trade Unionist.

    Then they came for the Jews, and I did not speak out—
    Because I was not a Jew.

    Then they came for me—and there was no one left to speak for me.

POST A COMMENT