Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቀን ምንባይ ስኢነን ብዓቕሊ ጽበት ናብ ኢትዮጵያ ክሰግራ ኸለዋ ኣብ ዶባት ዝተሓዛ ዘለዋ ኤርትራውያን ኣዴታት፣ ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካብቶም ናባዪ ዘይብሎም ህጻናት ደቀን ተፈልዮም፣ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጉኑወን፣ 70 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍላ የገድዱወን ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሰብኡተን ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ብምጽማዶም ደቀን ምንባይ ስኢነን ብዓቕሊ ጽበት ናብ ኢትዮጵያ ክሰግራ ኸለዋ ኣብ ዶባት ዝተሓዛ ዘለዋ ኤርትራውያን ኣዴታት፣ ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካብቶም ናባዪ ዘይብሎም ህጻናት ደቀን እናፈለዩ፣ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣብያተ

ሰብኡተን ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ብምጽማዶም ደቀን ምንባይ ስኢነን ብዓቕሊ ጽበት ናብ ኢትዮጵያ ክሰግራ ኸለዋ ኣብ ዶባት ዝተሓዛ ዘለዋ ኤርትራውያን ኣዴታት፣ ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካብቶም ናባዪ ዘይብሎም ህጻናት ደቀን እናፈለዩ፣ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጉኑወን፣ 70 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍላ የገድዱወን ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ስርዓት ካብ ቤትማእሰርቲ ክወጽኣ እንተኾይነን 70 ናቕፋ ክኸፍላ፣ ምስኡ ‘ውን ሊብሬቶ ዘለዎ ዋሕስ ከምጽኣ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ደቀን ተፈልየን ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ቤትማእሰሰርቲ ክዳጎና ምዃነን ብምሕባር ኣብ ዝኸፍአ ጭንቀት ሸሚሙወን ኣሎ።

ብቐንዱ ናብ ስደት ዘምርሐን ዘሎ ኩነታት እቲ ምልካዊ ስርዓት ካብ ሰብኡተን ፈልዩ ዝፈጠሮ ቅልውላው ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ድማ መሊሱ ካብ ደቀን ፈልዩ ነቲ ቅልውላው መሊሱ የብእሶ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብምግላጽ፣ እቲ ስርዓት ስድራቤታት ናይ ምብትታን ዕላማ ውራየይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ ከምዘሎ ብምረት ኣገንዚቦም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም  እቶም ምንጭታት እቲ ቅድም ተኣታትዩ ዝነበረ ሕጂ ድማ ዝኸርር ዘሎ ጨካን ኣተሓሕዛ ውጹዓት ኤርትራውያን ኣዴታት፣ ምስቲ ኢሳይያስ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ህልኽ ተበጊሱ ዝወስዶ ናይ ጭንቀት ፖሊሲታት ምትእስሳር ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ንሳቶም ከምዝሓበሩዎ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ “ንኤርትራ ብዝምልከት ሓድሽ ፖሊሲ ኣዋዲድና ኣለና” ምባሎም፣ ኢሳይያስ፣ ዓሰብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝቐርቦ እንተኾነ ብሕጊ ይወሃበና እንተዘይኮነ ድማ ብሓይሊ ክንቆጻጸሮ ኢና ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተበገሰ ምዃኑ ገምጋሙ ብምዝራብ፣ ነቲ ኩነታት ብኻልእ መንገዲ ክገጥሞ ምትእምማን ዘይብሉ ኢሳይያስ፣ ካብ ጭንቀት ተበጊሱ፣ ዝኾነ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ሰብ ቅተሉዎ ኳ እንተበለ መብዛሕትኡ ኣዛዚ ሰራዊት መምርሒኡ ስለዘይተተግበሮ ትእዛዙ በርዒኑ ተሪፉ።

እቲ ትማሊ ትማሊ ንስድራቤት ዝግበረሎም ዝነበረ መቕጻዕቲ 50 ሽሕ ናቕፋ፣ ምስጦፋ ድሕር ምእሳሩ፣ “ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ምስጦፋ ብኢደወነኑ ዘተኣታተዎ እምበር፣ ፖሊሲ መንግስቲ ኣይኮነን” ኢሉ ጻድቕ መሲሉ ህዝቢ ከደናግር ዝፈተነ ኢሳይያስ፣ “ክሃድም ዝተረኽበ 70 ሽሕ ይኽፈል ወይ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሙት” ክብል ይስማዕ ከምዘሎ ‘ውን ኣረዲኦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde June 16, 2017

    Shredding and dismantling our family unit is the hallmark of the tyrant since he slithered his way among us and today he his charging us the currency he designed and printed himself to do it – 70 thousand nacfa .I wonder how he came up with that figure.Who is the EDF defending,if they can’t defend their mothers?

  • Acolom June 16, 2017

    What is happening to us Eritreans? where are we heading? is this what the so called Tegadelti dreamed for?

    I wanted you to wake up,
    Please my people…Open your eyes.
    Tell me this is a nightmare,
    And not our goodbyes.

    Acolom!

POST A COMMENT