Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቀይ ተማሃሩ ይብሉ ወለዲ

ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ብእትውንኖ ባህርያዊ ጸጋትታት ኣዝያ ሃብታም ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ወርቅን ኣልማዝን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ጥራሕ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ኣዝዩ ሰፊሕ ተሓሪሱ ክፈሪ ዝኽእል ድንግል መሬት’ውን ትውንን ኢያ። ብዙሓት ተንተንቲ ስነ-ቑጠባ ይኹኑ ዝተፈለለዩ

ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ብእትውንኖ ባህርያዊ ጸጋትታት ኣዝያ ሃብታም ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ወርቅን ኣልማዝን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ጥራሕ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ኣዝዩ ሰፊሕ ተሓሪሱ ክፈሪ ዝኽእል ድንግል መሬት’ውን ትውንን ኢያ። ብዙሓት ተንተንቲ ስነ-ቑጠባ ይኹኑ ዝተፈለለዩ ካልኦት ምሁራት ከኣ፡ ኣፍሪቃ እዚ ብኣጸዋውዓ ፕሮፈሰር ዓሊ ማዙሩይ “ናይ ሃብቲ ደሴት” ዘስምያ ጸጋታት እናወነነት፡ ኣህዛባ ኣብ’ቲ ዝኸፍአ ናይ ድኽነት ዓዘቕቲ ተሸሚሞምሉ ዘለዉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ መልሲ ክረኽቡሉ ከምዘይክኣሉ ኢዩ ዝፍለጥ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓይነት መነባብሮ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እተን ኣብ ትሕቲ ኹሉ ዝስርዓ 25 ሃገራት ብተደጋጋሚ ኣፍሪቃውያን ኮይነን ኢየን ዝርከባ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መሊሳ ናብ ዝኸፍአ ናይ ድኽነት ደረጃ ዝወረደት ክፍሊ ዓለም፡ ኣፍሪቃ ጥራሕ ኢያ። 4 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ንመዓልቲ ካብ ሓንቲ ዶላር ብዝውሕድ ወጻኢ ይናበሩ ከምዘለዎም’ውን ጸብጻባት የመልክቱ።
ከም ኣበሃህላ ፕሮፈሰር ዓሊ ማዙሩይ፡ ኣፍሪቃ ብባህርያዊ ጸጋታት ሃብታም ክንሳ ኣህዛባ ኣብ ድኽነት ክነብሩ ተፈሪዶምሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ብቑዕ ትምህርቲ ክረኽቡ ስለዘይክኣሉ ኢዩ። እቲ ፕሮፈሰር፡ “ትምህርቲ ንኹሉ ነገር ኢዩ ዝልውጦ። ኣብ’ዚ እዋን እቶም ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ቆልዑ ኣእምሮኦም ንሓሳባትን ዕድላትን ከምዝኽፈት ገይሩ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምፍጣር ዘዕጥቖም ብቑዕ ትምህርቲ ኣይረኽቡን ዘለዉ” ይብል።
ኣፍሪቃውያን ብቑዕ ትምህርቲ ዘይረኽቡሉ ዘለዉ ምኽንያት ግን እንታይ ኢዩ?
ዝዓበየ ጸገም ኣፍሪቃ ስልጣን ምስ ጨበጡ 30-40 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክውጥሑ ዝደልዩ፡ ልዕሊ ሕጊ ዝኸዱ፡ ንደቂ ዓዶም ኩሉ ዓይነታት መሰላት ነፊጎም ናብ ሓድሽ መግዛእቲ ዘእትዉዎም፡ ረብሓታቶም ቅድሚ ረብሓ ሓፋሽ ዝሰርዑ ውልቀ-ሰባት ኢዮም።
ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ’ዚ ጽቡቕ መርኣያ ኢዩ። እዚ ንሰብኣዊ ጸጋታት እታ ሃገር ብመንጽር ረብሓታቱ ጥራሕ ዝልክዖ፡ ንመንእሰያት ባዕሉ ኣብ ዘሳወሮ ኵናት ባድመ ጠቢሱ ልዕሊ 20 ሽሕ ህይወት ዘጥፈአ፡ ጠንቂ ምምዝባል ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ካልኦት ዜጋታት ዝኾነ፡ ንመንእሰያት ንልዕሊ 10 ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምስምስ ኣብ ጊላነት ቆሪኑ፡ ህይወቶም፡ ዕድመኦምን ዕድላቶምን ዘባኽን ዘሎ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ካልኦት ሃገሮም ለቒቖም ንስደት ክነፍጹ ዝገብር ዘሎ ስርዓት፡ ምስ ከም ትምህርቲ ዝበለ ጉዳይ ኣተኣሳሲርካ ክትዛረበሉ ዝግባእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ደጋጊሙ ዕላማኡ ምስ ዕንወት፡ ጥፍኣት፡ ክሳራን ብኽነትን ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝዛመድ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ።
ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ቅዋም ምትግባር ዝተሓሰመ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ክህሉ ዝነበሮ ናይ ሓታታይን መላሳይን ዝምድና ብወግዒ ስለዝነጸጎ፡ ተኣማንነቱ ጥራሕ ዘይኮነ ሕጋውነቱ’ውን ተጣሊዑሉ ኢዩ። ብግዝኣተ ሕጊ ክመሓደር ፍቓደኛ ኮይኑ ዘይምርካቡ ድማ፡ ህዝቢ ኣብኡ ንዝነበሮ ሕንኳኽ እምነት ፈጺሙ ክስርዝ ጥራሕ’ዩ ደፊኡዎ። እቲ ስርዓት በቲ ናይ ዓመጽ ጎደና ምኻድ ስለዝመረጸ፡ ንዜጋታት ኣብ ትሕቲ ዉጹእ ውልቀ ምልካዊ መግዛእቲ ብዘይዝኾነ መሰልን ነጻነትን ክነብሩ ብምፍራዱ፡ ኣንጻር’ቲ መላእ ሕብረተ ሰብ’ዩ ዓጢቑ ደው ኢሉ። ከም’ዚ ዝብለ ስርዓት ኤርትራውያን ቆልዑ ብቑዕ ትምህርቲ ክረኽቡ ዘኽእሎም ባይታ ከጣጥሑሎም ፖለቲካዊ ድሌት ክህሉዎ ዝኽእል ኣይኮነን።
ንግዚኡ ካብ ኤርትራ ኣላጊስና ብመሰረት ፒርሰን ዝተባህለ ትምህርታዊ ትካል፡ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዝበለጸ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣለወን ተባሂለን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት ንመልከት። እተን ካብ’ተን 40 ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ዘለዋ ሃገራት፡ ፊንላንድ ከምኡ’ውን ደቡብ ኮርያ ኢየን። ካብኣተን ስዒበን ዝመጽኣ ሆንግ ኮንግን ጃፓንን ክኾና እንከለዋ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ’ቲ ዝርዝር ኣብ መበል 17 ተርታ ኢያ ተሰሪዓ ዘላ።
ትምህርታዊ ኣማኻሪ ትካል ፒርሰን ሰር ማይክል ባርበር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ሃገራት ንመማህራን ኣብ ሕብረተ-ሰባተን ዝሓሸ ቦታ ክህልዎም ዝገብራ ምዃነን፡ ከምኡ’ውን ናይ ትምህርቲ ባህሊ ከምዘለወን ይጠቅስ። እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ህላወ ሓያል ስርዓተ-ትምህርቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣድላዩ ረቋሒ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ካብኡ ብዝበለጸ ግን ንምምሃር ሓጋዚ ባህሊ ዝያዳ ወሳኒ ምዃኑ የነጽር። ናብ’ተን ብሉጽ ስርዓተ-ትምህርቲ ከምዘለወን ዝተጠቕሳ ሃገራት ኤስያ ብምምልካት ድማ ኣብኣተን ትምህርቲ ልዑል ግምት ከምዝወሃቦን፡ ወለዲ ዓቢ ትጽቢት ከምዘለዎምን ይሕብር። ብተወሳኺ ፊንላንድን ደቡብ ኮርያን ኣብ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣገባባተን ዓቢ ፍልልያት እናሃለወን ዝሓየለ ስርዓተ-ትምህርቲ ዘለወን ተባሂለን ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓሉ ምኽንያት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰባተን ብዛዕባ ኣድላይነት ትምህርቲ ዘሎ እምነትን መሰረታዊ ስነ-ምግባራዊ ረብሓታቱን ምዃኑ የስምረሉ።

ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ትምህርቲ ዘይፈለጠ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ዝክኣል ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ብሓፈሽኡ እንክረአ፡ ካብ’ቶም ዝተማህሩ ንላዕሊ እቶም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ወለዲ’ዮም ንደቆም ክነፍዑ ጸቕጢ ከበርቱዑሎም ዝርኣዩ። ካብ’ቲ መላእ ሕብረተ-ሰብ እቶም ንደቆም ናብ ዝበለጸ ኣብያተ-ትምህርቲ ክልእኩ ዝኽእሉ ግን፡ ካብ’ቶም ርቡሓት’ውን እቶም ዝውሓዱ ኢዮም። ምኽንያቱ እተን ብሉጻት ዝብሃላ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣዝየን ዉሑዳት ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ነቶም ርቡሓት ዝቃጸጹዎም ሰበ-ስልጣን ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት’ውን ደቆም ኣብኣተን ኢዮም ከምህሩ ዝመርጹ።

እምብኣር ኣብ ኤርትራ ሕብረተ-ሰብ ጥቕሚ ትምህርቲ ፈሊጡ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዘይነበረሉ ከባቢታት ከኣ ሓድሽ ተሃኒጹ እናሃለወ ድኣ፡ ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ሃገርና ትምህርቲ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ኣሎ ዝብሃል? ትምህርቲ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምውዳቑ ኸ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብኸመይ ይጸልዎ?

ስርዓት ህግደፍ ብሓቂ ዘስደምም ዓይነት ገዛኢ ኢዩ። ሓደ እዋን ዜጋታት ብግዴታ ናይ ‘ካድር ትምህርቲ’ ክምሃሩ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ መስሓቢ ተባሂሉለይ ‘ኣበል ኣሎ’ እናበለ ዘረባ ምዝርጋሕ ለሚዱ ነይሩ። ካድረታቱ ከኣ ፕሮፓጋንዳኡ ክሰምዑ ቅንጣብ ተገዳስነት ንዘይብሎም ሰባት ኣኪቦም፡ ምሉእ መዓልቲ በይኖም ሃተፍ ክብሉ ውዒሎም ይኸዱ። እቲ ኣብኡ ዝተኣከበ ሰብ ካብ ዝተፈላለየ ኣሰልካዪ ስራሕ ተገላጊሉ፡ ንመዓልትታት ብዕሽነቶም ክስሕቕ ቀንዩ፡ ኣብ መወዳእታ ክንደይ ሚእቲ ዝኾና ኣቕራሽ ሒዙ ገዛኡ ይኸይድ። ብድሕሪኡ እንታይ ተማሂርካ ኢልካ ኣይትሕተቶ’ምበር፡ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብነት ዝርእዮ ኣይነበረን። ካብ’ዚ ኣብነት ህግደፍ ከመይ ዝበለ ውርደተኛ ስርዓት ምዃኑ ጥራሕ ኣይኮነን ምርኣይ ዝክኣል። እቲ ስርዓት ንሕብረተ-ሰብና’ውን ኣብ’ቲ ናይ ውርደት ኮረሻ ኣጓራቢቱዎ ኢዩ ተጓዒዙ።

ብቐንዱ ግን ዜጋታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ምንባር ናይ ዜግነት መሰሎም ስለዝመንዘዖም፡ ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ’ውን ኣፍረይቲ ንኽኾኑ ዘይኮነ ዝብላዕ ከይስእኑ ኢዮም። ስለ’ዚ ካብ ስራሕ ኣብኵሮም ቁሩብ ገንዘብ እንተረኺቦም ዝሓይሽ ፈጢሩሎም ኢዩ ዝብሃል።

እቲ ዝዓበየን ቀንድን ጸገም እምብኣር ስርዓት ህግደፍን፡ ንሱ ዝኽተሎ ንሽዑ ጥራሕ ዝሓስብ፡ ንዜጋታት ከም መሳርሒ ዝርእዮም ፖሊሲታቱን ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ክትምሃሮ ንዘየድልየካ ፕሮፓጋንዳ ኣገዲዱ ዝምህረካ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ሕሳብ ካሕሳ ዝኸፍለካ ስርዓት፡ ንመማህራን ብጥራዩ ከስርሖም ክትርኢ እንከለኻ ዘይገርም ኣይኮነን። ምምህርና ናይ ሕልና ስራሕ ኢዩ ክብሃል እንከሎ፡ ሓደ ሰብ ቅቡል ኣብ ዘይኮነ ኩነታት ሰብ ምዃኑ ክርስዕ ስለዘየኽእሎ ከኣ፡ እቲ ስርዓት ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ብውግእን ወረ ውግእን ጅሆ ሒዙ፡ ንመማህራን ብኣዝዩ ትሑት ወይ ብናይ ጁባ ገንዘብ ብኽልተ እብረ ክሰርሑ ብምግዳድ፡ ንተማሃሮ ንስለ ምምሃር ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመላለሱ ግዳያት ፖሊሲታቱ ገይሩዎም ይርከብ። ድርኺት ዝጎደሎ መምህር ድርኺት ዘለዎም ተማሃሮ ከፍሪ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ስለዝኾነ ወለዲ ‘ደቀይ ተማሃሩ’ ክብሉ እንከለዉ፡ እቶም ደቂ ግን ክምሃሩ ስለዘለዎም ኢዮም ዝምሃሩ። ተማሂሩ ኣበይ ዝበጽሐ ምስ ርኣዩ’ሞ ክምሃሩ ክብህጉ? ኣብ’ታ ሓጻር ዕድመኦም ሃብቲ ዘኻዕበተ ወይ ዝደረፈ’ምበር፡ ዝተማህረ ከም ሰብ ክቑጸር ኣይርኣዩን። ተማሂሮም ኣይተማሂሮም ኣብ ህይወቶም ከምጽኡዎ ዝኽእሉ ለውጢ ድሩት ምዃኑ ከባቢኦም ይምስክረሎም ኣሎ። ናይ ምግንዛብ ዓቕሞም ብተዛማዲ ትሑት እንተኾነ’ውን ነብሶም ዝነግሮም ነገራት ኣይስኣንን። በዚ ኮይኑ በቲ ገላዩ ናይ’ቲ ንዓበይቲ ኣሕዋቶም ዘእረገ ስርዓት ክኾኑ ምዃኖም ከ ከመይ ኢሎም ክዝንግዑዎ ይኽእሉ? ኣብ ገዛውቶም ኣብ ዕጹው ማዓጹ ክዝረብ ዝውዕል ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ምንባር ዘመንጨዎ፡ ናይ ምዝመዛ፡ ግፍዕን ጭኮናን መረረታት እናሰምዑ ስለዝዓብዩ’ሞ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምህላዎም ክፈልጡ ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ከም’ቲ ወለዶም ነቲ እምነቶም ዝዓመጸ ስርዓት ከይፈተዉ ዝምእዘዙዎ፡ ንሳቶም’ውን ከይፈተዉ ካብን ናብን ኣብያተ-ትምህርቶም ይመላለሱ። እቲ መመሊሱ ንታሕቲ ገጹ ዝወርድ መሕለፊ ነጥቢ ግን በዚ ኮይኑ በቲ ከየጨነቖም ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ኣብ ዘበነ-ህግደፍ ምትራፍ ከም ገበን እናተራእየ’ኳ፡ ኤርትራውያን ቆልዑ ንምትራፍ ካብ ምሕላፍ እናመርጹዎ ምእንቲ ከይሓልፉ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ኣማራጺታት የብሎምን።

ሓቂ’ዩ ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝንጸባረቕ ዘይምዕሩይነትን ወጃሃላይነትን ገይሩ፡ ብዛዕባ መርገጺ ገዛኢ ስርዓት ዘነጽረሉን ዘቖጥዖን የለን። ህዝብና ትምህርታዊ ትካላት ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዕምሪ ስልጣኑ ክልቅብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ሰብ ከመስርሓ ዝቖማ ፋብሪካታት ምዃነን ተረዲኡዎ ስለዘሎ፡ ነቲ ስርዓት ብጭካነኡ ልዕሊ ባዕዳዊ ገዛኢ ሰሪዑዎ ይርከብ።

ብመሰረቱ ትምህርቲ ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕሚ ከምዘለዎ ዝፈልጥ ይኹን’ምበር፡ ሓደ ህዝቢ ንታሪኹን ኩነታቱን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዳምነታቱ ኣለልዩ ሓባራዊ ራኢታቱ ክዉን ንምግባር ዘኽእሎ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝሃንጸሉ ወሳኒ መድረኽ’ውን ኢዩ። ውሕስነት ደሞክራስን ነጻ ሕብረተ-ሰብን ዝኾኑ ንቑሓት ዜጋታት ንምፍራይ ይኹን፡ ድልዱል ሓድነት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ክትሃንጽ’ውን ወሳኒ ተራ ከምዝጻወት ይፍለጥ። ኣብ ሃገርና ናብ’ዚ ንኽንበጽሕ ሓደ ብቕድመ-ኩነት ደረጃ ክምለስ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ። ቅዋማዊ ብግዝኣተ ሕጊ ዝምራሕ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝመለለይኡ ስርዓት ምትካል። ምኽንያቱ ሽዑ ጥራሕ ኢዩ ረብሓ ሓፋሽ ህዝብን ሃገርን ዘይምሕላው ከም ገበን ተወሲዱ ከሕትተካን ክትምልሰሉ ከገድደካን ዝኽእል።

ኦሮራ ብሩኽ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • salma a February 8, 2013

    ertrawit,
    the government of eritrea has never achieved anything on its own. on areas it collaborated with international ngos like UNICEF however it has done somethings. but ask yourself what the government does with money loaned by World Bank. its officials buy cars, houses and everything they like. that is absurd. the government is destroying our social fabric and all it is leaving behind for future generations is money they will have to pay back b/s it mismanaging everything now.

  • halewa February 8, 2013

    Human Rights Watch (HRW) is a political organization manipulating human rights agendas to further Western and US hegemony globally. The international community is yet to wake up to the reach, penetration, funding, ability and, all the activities HRW conducts globally.

    HRW is funded by sources that pursue global US and Western agendas. The leadership, based in the US, runs offices around the world and has affiliation to think tank groups and lobbying services in key strategic areas to further Western hegemony.

    In the US, HRW’s leaders are individuals that bounce in-and-out of government circles, intelligence agencies, diplomatic missions etc… HRW funds mainstream media organizations and individuals, radio stations, print, NGO’s and major think-tank groups with connections to US government circles.

    To connect the dots between US political circles, the White House spanning many presidents including President Barack Obama to HRW, we can look at the leadership and funding sources. In 2011, George Soros donated over $100 Million to HRW. Soros also contributed over $100 million in the 2012 election for campaign purposes. Soros runs and funds The Open Society Foundation and the Human Rights Watch largely.

    The Council on Foreign Relations is one of THE most powerful organizations in the US. Many consider CFR to be the preeminent mind and power of the US. According to sources, the primary foreign policy directives and directions of the US emanates from CFR. Moreover, this is where everything colludes; HRW’s, CFR’s and The Open Society Foundation’s goals are essentially the same; global domination. According to the mission statement of The Open Society Foundation:

  • rora eskindir February 8, 2013

    some new visitors are trying to use Assenna forum to communicate with the Eritrean people. ertrawi, asgedom and halewa are welcome to Assenna (the people’s forum) but they better remember that they need to learn how to communicate. they need to start questioning eseyas’s propaganda which does not make sense at all. i am sure that will enable them to see what is wrong with eseyas’s system. i know some of them already know what is wrong. however thinking it is too late to join the people they prefer going down the slippery slope along side eseyas. i assure them we need them and we want them to think again in order to join us the Eritrean people on our march in destroying pfdj and building a democratic nation. establishing a democratic Eritrea is the only way we Eritreans would have a life worth our while as citizens and as a bi product we would make positive contributions in eradicating ignorance and poverty. eseyas is currently exploiting our resources and oppressing our people. Eritreans are leaving home for exile because of eseyas. and they are suffering everywhere. so let’s please put an end to eseyas’s dictatorship. semaetatna bgbri yzekeru

POST A COMMENT