Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቀይ ተንስኡ’ባ!?

ዘዝወለድኩዎም እናተመንጠልኩ ኣብ ስቓይ ክነብር ወትሩ እናነባዕኩ ክሳዕ መዓስ ሓዘን እፎይ እንከይበልኩ? ይኣኽለኒ ሎምስ ሓዘነይ ደብሱ ደቀይ ተንስኡ'ባ ፍትሒ ከተንግሱ!  ኢላ ጀሚራ ኣላ'ወ ኣስመራና ቁጠዐኣ ክትገልጽ። ክሳዕ ሕጂ ደቃ'ዮም ይዛረቡላ ኔሮም፡ ሎሚ ግን ባዕላ'ያ ትደጒዕ ዘላ!   ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ዘዝወለድኩዎም እናተመንጠልኩ
ኣብ ስቓይ ክነብር ወትሩ እናነባዕኩ
ክሳዕ መዓስ ሓዘን እፎይ እንከይበልኩ?
ይኣኽለኒ ሎምስ ሓዘነይ ደብሱ
ደቀይ ተንስኡ’ባ ፍትሒ ከተንግሱ!  ኢላ ጀሚራ ኣላ’ወ ኣስመራና ቁጠዐኣ ክትገልጽ። ክሳዕ ሕጂ ደቃ’ዮም ይዛረቡላ ኔሮም፡ ሎሚ ግን ባዕላ’ያ ትደጒዕ ዘላ!
 
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል፥
 
ኣስመራና ጻዕዳ ካብ ዚገደደ ሕሰም ናብ ዚበኣሰ መከራ ምጒዓዝ ኣየዕረፈትን ዘላ። እንሆ ሎሚውን ካብቲ ልኡም ኣብ ጽንብላት ከይተረፈ፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ብሃንደበት ዚወድቕ ኣማሓዳሪኣ ዝነበረ ኣቶ ካሕሳይ ገብሪህይወት ተመንዚዓ፡ ናብቲ ብቋንቋውን ምስ ህዝቢ ኣስመራ ክረዳዳእ ዘይክእል ታንከኛ፡ ሜ/ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ተረኪባ ኣላ። እግረኛ ህግደፍ ዘየድመዐ ታንከኛ ህግደፍ እንታይ ከም ዘድምዕ ከኣ ዘገም ኢልካ ዚረአ ጉዳይ እዩ። በቲ ኮይኑ በቲ ግን ከምቲ፡ “ዘበን ከም ንጉሱ፡ ዓውዲ ከም ንፋሱ!” ዚብሃል፡ ኣስመራናውን እቲ ብቕልጽሙ ነጊሱ፡ ኣብ ሕምብርታ ዚነብር ዘሎ ርኹስ መንፈስ ከይተኣልየላ፡ ዘበና መጺኡ፡ መስተርሆ ረኺባ ማለት ዘይሕሰብ’ዩ!
 
ብቐንዱ ናይዚ ነሕልፎ ዘለና ሰኣን ቁርዑይ ምሕደራን ፖሊስን ዝመጸ ሕሰም ተሓተትቲ ከኣ፡ እግረኛ ካሕሳይ ገ/ሂወትን ታንከኛ ዑስማን ኣውልያይን ወይውን ብዓል ወ/ሮ ኣስካሉን ኣምናን ዘይኮናስ ባዕሉ እቲ እንኮ፡ ሓጋጊ ኣካል፣ ፈራዲ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካል ዚኾነ፡ ስድቢ (ቅዋም) ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ይኹን’ምበር ከምቲ ምስላ ወለድና ዚብሎ፥ “ዓገብ ዘይብል ንጎይታኡ፡ መከራ ይረክብ ምሳኡ!” ስለ ዚኾነ፡ እዞም ሕጂ ንመላኺ ዓገብ ከይበሉ፡ ዘዝኣዘዞም ክፍኣት ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰባትውን ጽባሕ ንግሆ ምስኡ ሓቢሮም ክሕተቱ ሙዃኖም ብኣግኡ ክግንዘቡ ይግባእ! እዚ ኣዒንቱ ዘፍጠጠ ግህሰት መሰል ሰብ’ዚ መመኽነይታ የብሉን! እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ ንዝበደልካዮ ህዝቢ ትክሕሰሉ ግዜ፡ ሎሚ እምበር ጽባሕ ከምዘይኮነ ንምእማት፡ ኣቐዲምና ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኔርና ኢና፥
 
ኣቱም *ጒልሓይ ህዝቢ ልኡኻት ደማሒ                    *ተላባዕን ቀዛፍን ሕማም ከብቲ
ወርቃዊ ዕድልኩም ናይ ሰለስተ ወርሒ
ከይትጥቀሙሉ ገበን መናስሒ
ነግ ፈረግ ክትብሉ ብጥቕሚ ብፍርሒ
ግዜ ይሓልፍ ኣሎ ትመርጹሉ ፍትሒ!
 
እዚ *ፋህም ህዝቢ ለዋህ ሓዳግ ልቡ          *ለባም፡ መስተውዓሊ
ህግደፍ ገበናትኩም እንከሎ ዘቕቢቡ
ይቕረ ካብ በለልኩም ንርሑቕ ሓሲቡ
ካብ ደም ናይ መላኺ ኣእዳውኩም ሕጸቡ
ጣዕሳ ዋጋ የብሉን መሬት ተዓሪቡ
ግዜኹም ከይሞተ ሎሚ ኣፈርክቡ! ብምባል፡ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም ንኽክሕሱዎ፡ ተሓቲቶምን ዕድል ተዋሂቡዎምን ኔሩ’ዩ! ክሳዕ ሕጂ ዝተጠቐሙሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም!
 
“ኣብ ዓደቦኻ ኣይትከተር፡ ኣብ እንዳ እኖኻ ጾምካ ኣይትሕደር!” ከም ዚብሃል፡ ኤርትራውያን፡ ንኽትራንን ጥሜትን ማለት፡ ዘለማ (ጭቆና) ገዛእቲ ባዕዳውያን ንምጥፋእ ኢልና ከምዘይቆሰልናን ከምዘይተሰዋእናን ሎሚውን ድሕሪ’ዚ ኹሉ እልበት፡ ኣብ ገዛእ መሬትና፡ ብመንቀሳቐሲ ወረቐት ንጓዓዝ፡ ኣብ ቅርዓትና ንኽተርን ብኣፍጾምና ንሓድርን ኣለና! ሓሙሽተ ሚልዮን ዘይንኣክል ህዝብስ እዚ ኩሉ ሃብቲ ምድርን ባሕርን  ሒዝና ክንጠሚ ሃየንታ’ዩ! መንግስቲ እንተ ዝህልወናስ’ምበር ካብቲ ብድንግሉ ዘሎ ባሕርና፡ ሓንቲ መርከብ ዓሳ ገፊፍና፡ ናብ ከናዳ ወይ ጃፓን ብምልኣኽ፡ ኣምሳያኡ ከኣ ሓንቲ መርከብ ምልእቲ ፊኖ ሒዝና ብምምላስ፡ ቀለብ ዓመትና ምኸተትና ኔርና! ምስ መን ኴንካ’ሞ!  “ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር!” ከም ዚብሃል፡ ምስ ህግደፍ ዓምቢ (ብደዉ ነቒጹ ዝበኽበዀ ቆልቋል) ተጸጊዕና ምስ ሃብትና ብጥሜት ክንነብዕ ንነብር ኣለና! ከምቲ “ክሰርሓ ዝወዓላ ጾመን ሓደራ፡ እስክሉ ስራሕክን ዝበላ ግን ተደረራ! ” ዚብሃል ከኣ ብዙሓት ዝደኸሙሉ ስራሕ፡ ውሑዳት መመረቕታ እናበሉ ልዕሊ መስርሒኡ እኽለ ማይ እናፍሰሱ፡ ጓይላ ተተኺሎም ክዕንድሩሉ ንርኢ ኣለና።
 
ክገርመኩም! ነዛ ልዕል ኢልኩም ዝነበብኩማ ሕጥበ ጽሑፍ እናወረቕኩ ከለኹሲ፡ እታ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢላ ተለቪዢን ህግደፍ ትከታተል ዝነበረት ወላዲተይ ብሃንደበት፡ ‘ተስፊት ወደይ፡ ንዓ በል ቲፋኖስሲ ረኣዮ፡ ሕጂውን ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ሃኒጹ የመርቕ ኣሎ። መን’ሞ ክመሃረሉ’ዩ መንእሰያት’ዛ ሃገር ብስደት ተተጓሕጒሖም እናጠፍኡ! ሓቂ እንተ ዚህሉዎ ግዳ ቅድም ነቲ ብስእነት መንበሪ ገዛ ዝንከላበት ዘሎ ድኻ መጽለሊ ዘይገብረሉ! ወይ ዘየፍቅደሉ!” ኢላ እናኣጉረምረመት ምስ ኣድሃየትኒ፡ ካብቲ ኮምፕዩተረይ ዝነበረቶ ክፍሊ፡ ናብቲ ኣደይ ዝነበረቶ ክፍሊ እናጎየኹ ከይደ፡ ነቲ ትከታተሎ ዝነበረት ዜና ተዓዘብኩዎ’ሞ፡ ብርግጽ ልኡኽ ጉጅለ ቻይና ምስ ጽቁንቁን (ምጹጹላይ) ምልኪ፡ ኣቶ ስብሓት ኤፍሬም ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ ብሓባር ኮይኖም፡ እምነ መሰረት ከንብሩ ረኣኹዎም።
 
‘እዋእ! ኣቲ ኣደይ፡ እዚ ደኣ ዘይትሃንጸ! ኣይ ንኪህነጽ’ንድዮም እምነ መሰረት ዘንብሩሉ ዘለዉ’ ምስ በልኩዋ ኸኣ ኣደይ ስንብድ ኢላ፥ ‘እዋይ! እንታይ ኢኻ ትብል ኣንታ!? ወይለይ! እቲ፡ ወትሩ ዋላ ሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ሰሪሖም ‘ንመመረቕታ’ እናበሉ ክንዲ ፍርቂ መስሪሒኡ ገንዘብ፡ ንጓይላ ዘጥፍኡሉ ዝነበሩ ሳዕስዒትሲ ናብ ቅድመ ህንጻ ቀይሮሞ!? እዋይ ጋዶ! ሎምስ ከኣ ህንጻ ቅድሚ ምህናጹ ሕሩድ ኣውዲቖም ፌስታ ክገብሩሉ ጀሚሮም!? ወይለከ ጉድ ረኺብና! ኣንታ እዚ ፈስቲቫል ወዲ ፈስቲቫል ዚብሃል ናይ ዕንደራ ጽንብላቶምዶ ተወዲኡዎም እዩ!?’ ብምባል ተገሪማ ምስ ሓተትኒ፡ ‘እዋእ! ንሱ ደኣ ይውዳእድዩ! እቲ ብጻዕቒ ስራሕ ዝዋጠር፡ ሃገራዊ ሽማግለ በዓላት፡ ንዓመት ምሉእ እንድዩ መደባትን ባጀትን ዝሰርዕ!’ ብምባል፡ እናሰሓቕኩ ናብ ኮምፑዩተረይ ተመሊሰ እብለኩም። ጉጅለ ጓይላ፡ እንተ ቀንዮምስ፡ ጽንሕ ኢሎምውን ገለ ተኣምር ከሪኡና’ዮም! ነዊሕ ዝቕንዩ ደኣ ይመስሉ የለውን’ምበር!                            
 
ወይለይ! ረሲዐልኩም’ባ ነዛ ጽሕፍቲ ንኽውርቕ ዝደረኸኒ ዋና ምኽንያት ዘይሓበርኩኹም፥ ኣስመራና ጻዕዳ ሎሚ፡ ብድምጽን ትክን ጀኔረተራት፣ ብስርቅን ዓመጽን፣ ብኣመንዝራነትን ኮንትሮባንዳን፣ ብልመናን ግፋን፣ ወዘተ. ተሓሚሳ፡ እዋን ጽልግልግ ተሕልፍ ከም ዘላ፡ ሓንቲ ኣብዚ ሳልስቲ ካብኡ ዝመጸት ሓብትና ናይ ዓይኒ ምስክርነታ ምስ ሃበትኒ’የ ነዛ ጽሕፍቲ ኣዳሊየያ። ‘ብጸላም ኣብቲ ከም ገጻብ ኣድጊ በልዝዩ (ፈጫዕጫዕ ዝበለ ቁስሊ) ዘሎ መገዲ ኣጋር ጎደናታት ኣስመራ፡ ተዓንቂፎም ዝስበሩ ሽማግለታትን ቈልዓ ሰበይትን፣ እቲ ኣብ ጽርግያ ዝርከብ ፋኛቱራውን ‘ተዓቢሱ’ ኢሎም መኽደኒኡ ስለ ዝደርበዩዎ፡ ብጸላም ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ዝጉዳእ ሰብን ዝሰበራ ተሽከርከርትን ኣደኡ ትቑጸሮ!
 
ብማርሻበዲ እናኸድካ ከለኻ፡ ካብቲ ኣብ ጎድንኻ ዘሎ መንደቕ ገዛውቲ፡ ብእርጋን ተተቐሊጡ ብሃንደበት ናብ መሬት ዛዕ ዚብል ሑጻን ስሚንቶንውን ይሰውረና’ዩ ዘብል! ብሑቚ ተሰኪምካ ኤለትሪክ መጺኣቶ ኣላ ናብ ዝበሉኻ ገዛውቲ ዘብዘብ ምባልውን ዳርጋ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።’ ምስ በለትኒ፡ “ስምናን ክንዲ ላዕላይ ሰማይ፡ ንሕናን ወረድቲ ማይ!” ንዚብሃል ምስላ ወለድና ዘኪረ፡ ኣስመራና ኣብዚ ሎሚ ግዜ፡ ሳላ ህግደፋውያን ነዚ ምስላ’ዚ ብግብሪ ለቢሳቶ ከም ዘላ ኣርዲኣትኒ! ዓሰርተሳዕ ተራእያ ኣስመራ ጻዕዳ። እዚ ደማሒ ፍጹም ኣዕኒዩዋ! እንቋዕ ገንታ (ዝዓበየ) ኩሎም ድምጻውያን ሃገርና ዚኾኑ ሕቡን ኤርትራዊ፡ በሃር ድምጻዊ ኣተወብርሃን ሰጊድ ሎሚ ኣይርእዩዋ! ኢለ ድማ ብልበይ ነዛ እትስዕብ ደርፎም ዘኪረ ዝን በልኩ።
 
ኣስመራየ ኣስመራ ኣስመራየ ኣሰመራ
በላሕ እያ ከም ካራ! ዘይትፈቱ መከራ!
ኣስመራየ ኣስመራ ኣስመራ ወለባ
ኣስመራየ ዓደይ ናይ ህዝባ ዕምባባ!
 
ኣስመራ ወለላ ናይ ወይኒ ዘለላ
ኩለን ተኣኪበን ክንዳኺ ዘይኣኽላ
ኣስመራየ ዓደይ ባዕለይ ክሞተላ!
 
ወይለይ ጎደናኺ ወይለይ ከተማኺ
ኣስመራየ ዓደይ መን ኣሎ ከማኺ!?
 
ኣስመራ ጽብቕቲ፡ ናይ ህዝባ መብራህቲ
ኣስመራ ጽብቕቲ፡ ናይ ህዝባ መብራህቲ!
 
መዓር ዝፈሰኪ ጸባ ዝፈሰኪ
ደቅኺ ከይጸገቡ ጓና ዝጸግበኪ
ሕደጊ ሕደጊ መምይዮም ደቅኺ!
 
ሎሚ ኸኣ፥
ቪላ ኔራትኒ ቪላ ናይ ስድራየ
ሰበ ስልጣን ምልኪ ወሲዶሙለየ
ቤትውን ኔራትኒ መዕረፊት ጎድነየ
ህግደፍ ብመድማዲት ኣፍሪሶሙለየ! እናበሉ ብምረት መልቀሱላ ኔሮም።
 
እቲ ብኣፍላጢስ (ብቕጥራን) ዝተለበጠ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዘሎ ጎደናታትውን ካብቲ ኣፍላጢስ ዘይተለበጠ ናይ ሓመድ ጎደናታት፡ ብውሕጅ ብዝመጸ ደለል (ድበት) ይድበ’ሞ ከም ቀደም ጸራጊ ስለ ዘይብሉ ከኣ ምስ ነቐጸ፡ ሓመዱ ብደሮና ዓይኒ ክንደይ ሰባት’ሞ ዘይደፈነ! በቲ ኣብ ኩሉ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ ዘሎ፡ ንሪጋ  ኣውቶቡስ፣ ንሪጋ ላምባ፣ ንሪጋ ባኒ፣ ንሪጋ ጋዝ፣ ንሪጋ ማይ፣ ንሪጋ ስጋ፣ ንሪጋ ጸባ፣ ንሪጋ ሕክምና፣ ንሪጋ ኩፖን ኣብ ምምሕዳር፣ ንሪጋ… ኣብ ኩሉ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ፣ ወዘተ. ተባሂሉ ዝተቐመጠ ኣእማን፣ ብላይ ታኒካን ክሻ ወዲ ክሻን ረጊጹ ዘይተዓንቀፈኸ መን ኣሎ!?  ከምቲ “ነዊሕ ገረብ እንዳማቱ የጽልል፡ ዓሻ ሰብ ዘመዱ የቃልል!” ዚብሃል ከኣ እዚ ደማሒ’ዚ ንከም ብዓል ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ግብረ ሽበራውያን ክሕግዝን ክጣበቕን ንህዝቡ ግን መጻወቲ ራይሻይዳን በደዊንን ጌሩዎ ኣሎ። ነዝን ወዲ ከምዝን ዝኣመሰለ ሕሰመ መከራ ነብሳን ህዝባን ንኽትገልጽ ድማ’ያ ኣስመራና ጻዕዳ ባዕላ፡ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢላ፡ “ካብ ርጉም በቕሊ፡ ምሩቕ ኣድጊ ይሕሸኒ!” ትብል ዘላ።
 
ኣታ ካባኻሲ ጓኖት ምሓሹኒ
ባዕዳውያን ከለዉ ዘብጽሑኒ
ብዙርያን ብጥልፍን ኣወቂቦሙኒ
ብመዓርን ጠስሚን እናመገቡኒ
ብሳምናን ብኦሞን እናሓጸቡኒ
ከምዛ ብሌን ዓይኖም እናሓለዉኒ
ክሳዕ ግዜ ሞቶም ኣሐጺኖሙኒ!
 
ንስኻ ግን *ደማሒ ኣምጺእካለይ ዕዳ              *መላኺ
ገጸይ ደዊንካዮ ወሪሱኒ ማዳ
ክልተሳዕ ተራእየ ኣነ ኣስመራ ጻዕዳ
ጓኖት እትሓቁፍ ሰጒጓ ውላዳ
‘መኻን’ ኮይኑ ስመይ ዘርኣ ኣብ ምድረ በዳ!
 
እንታይ ኮን’ዩ በደለይ ወረ እንታይ እየኸ ጌረ?
ኣብ ጸላም ዝነብር ኣዒንተይ ነቚረ
ብድምጺ ጀነረይተራት ኣእዛነይ ደንቊረ
ብጓህን ሓዘንን መዓንጣይ ሓሪረ
ኣስመራኹም ሞትኩ ሎምስ ተቐቢረ!
 
*ዲማ ህንጻታተይ ኩሉ ተደዊኑ                       *ጥንታዊ፡ ገዲም
ተተቐላሊጡ ጀሚሩ ክዓኑ
ብህግደፍ ሓሚመ ኣካለይ ማሲኑ
ወላዲትኩም’ንዴ ክንደይ ትጭክኑ
ዓገብ ዚብል *ሃጥር ሓደ ተሳኢኑ                        *ጅግና
እቲ ክቡር ስመይ መስሓቕ *ሃዛም ኮይኑ!             *ሸራፍ ስኒ
 
ኣነ ኣስመራ እንዴ’ታ ሓበን ናይ ኩሉኹም
ዕንወተይ ክርእያ ብሌን ኣዒንትኹም
*ብመቓርዕ ሕሰም ክግረፍ ኣደኹም                                             *ብሓለንጊ
ኣውያተይ ከይትሰምዑ ኣእዛንኩም ዓጺኹም
ከመይ’ሉ ጨኪኑ እቲ ለዋህ ልብኹም!?
 
ኣደታት ንልመና ግዳም እናወጻ
መሬት ኣጸልሚትካ ጐራዙት ክዕመጻ
ኣባጽሕ ክግፈፉ *ብግብቲ ብቓጻ                         *ብሃንደበት
ራህዋን ቅሳነትን ምምጻእ ካብ ኣቕበጻ
ካብ *ዘለማ ምልኪ ዘይሓልፍ ረገጻ                         *ጭቆና፡ መርገጽቲ
ደቀይ ተንስኡ’ባ ኣውጽኡኒ ናጻ!?
 
መልእኽቲ ኣስመራ ናብ ህዝቢ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 25-09-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • wedi fre September 25, 2014

    Great Great Great article and Poem!!!!
    Great as always!!!
    HTEERR IZI HAWEIIIII!!!!!

  • ERITRAWIT September 25, 2014

    Mesinas hawna,
    Kab fetaweyey da haleweney enber kab selayey baley alekewo yblew nerom abotatna. Hezbey Eritrea kab dege znebere see tawetew ab weshetey ztetensese nay 50 amet hatela b kemey yesarwo? wela hade zkesebe selezeyelo HADNETNA tray eu zewetena.

  • Almaz Gual Asmera September 25, 2014

    ይበል ዘብል ንታሪኽ ዝተርፍ፥ ንዝደቀሰን ተበላጽን ሕልና ዝኩሕኩሕ፥ ንዝተጠልመን ዘይኢዱ ረኺቡ ዘሎ ሕዝቢ ዝድብስ፥ ንብዓል “ንብላዕ ስርናይ ክሳብ ሰማይ” ድቃስ ዝኸልእ፥ ነቶም ኢዶም ብገበንን ደምን ዝጨቐወ ዘባህርር ርትዓውን ረዚንን ጽሑፍ እዩ። እቲ በብእዋኑ ዝነቅሕን ፍኒሕኒሕ ዝብል ዘሎን ሕዝባዊ ማዕበል ሰዓታን መዓልታን ድኣ ፈጣሪ’ዩ ዝፈልጣ ዓምበር መዛዘሚ ናይዚ ኹሉ ግፍዒ ቀሪቡ እዩ። ብዘይካ ምሽርጣጥ ክርቢት (ኲናት ምውላዕ) ካልእ ሞያ ዘይብሉ ጭፍራ መርገም ከኣ ገበኑ ከቢድዎ ንመቓብር ይጠንን እዩ ዘሎ፤ ዓለምን ጎረባብትናን ብዛዕባ ንሃገር ዝልውጥ ፕሮጀክት ይዛተዩ ብዓል ከንቶ ኸኣ ጓይላ ጥራይ ዝፋብሪካኣ ደኒሶማ ሃገር፤ እንተቐንዮም ነበር ክንብሃል ኢና: ሕዝብና ኣኸለ ክብልን ሓርነቱ ከረጋግጽ እዋኑ ሕጂ እዩ። ውድባት ከኣ ሸንኮለል ገዲፎም ትርግታ ልቢ ሕዝቦም ኪሰምዑ እንተዘይኮይኑ ድማ ታሪኽ ኮይኖም ኪተርፉ ምዃኖም ኪፈልጡ ይግባእ። በርትዕ መሲናስ ወዲ ሕዝቢ። ሕዝቢ ዝሰምዖ ቛንቛዩ ጽሑፍካ ሕዝብኻውን አሆይ ኪብለካ እዩ።

    • ኣባሻውል September 26, 2014

      ብዘይ ሕቶን ርኢቶን
      ዓባይ ትኹን ንእሽቶ

      ጉዳይ ሃገር ጉዳይ ሃገር ቀዳማይ ነገር
      ቅድሚ ኹሉ ቅድሚ ኹሉ ሃገር ትሃሉ

      https://www.youtube.com/watch?v=vegtL1rewQ0

      እዚኣ መልስኹም ነዞም ሸየጥቲ ሃገር ጠራሮ

      • Almaz Gual Asmera September 26, 2014

        ኣባሻውል (ሓቀኛ ውዲ ኣባሻውል ከምዚ ትብሎ ዘሎኻ ኣይብልን እዩ)
        እዛ ጭርሖኻስ ናይ መንጌዶ መሲላ ሓቀይ ኢትዮጵያ ትቕደም ወዮ ንሱ መንጌ ይቕደም እዩ ዝብል ኔሩ። ዓዋናት ከኣ ጨርሖ ጓውና ኪደግሙ ካብ ሰብ ናብ ጓዋኑ ተቐይሮም። ሃገሩ ዘኽብር መራሒ ድኣ መኣስ ምስ ሕዝቡ ኪናት ይገጥም ኮይኑ። ሕዝቢ እኮዩ እዩ ሃገር።

        • ኣዝማሪኖ September 26, 2014

          ኣልማዝ ጓል መቐለ’ዶ ዋላስ ኣልማዝ ጓል ኣስመራ? ትግርኛኺ መቐልኛ ኮይናትኒ ኣይተረዳእኩኽን። የግዳስ ኣዲኣ ገዲፋ ሓትነኣ ትናፍቕ እንድዩ ኣክንዲ ወያነ ትብልስ መንግስቱ’ዶ በልኪ? ርዱእ እዩ ወያኒት ምዃንኪ። እምበር ናይ መንጌ እናሸንፋለን’ሲ ርዒምናዮ ኔርና ናትኪ ናይ ወያኒት ደኣ ደጊሱና እምበር። ደሓር ከኣ ኣባሻውል እዩ ፤ ወዲ ኣባሻውል ኣይኮነን። ጓል ኣስመራ እንተትኾኒ ፍልልዩ ምፈለጥክዮ።

          • Almaz Gual Asmera September 26, 2014

            ኣባሻውል…ነያኻ ዝተንክፈ ዘበለ ኩሉ ወያነ እዩ በቃ፤ እዞም ወያነ ከመይ ኢሎም ድዮም ሰለሎ የእትዮምልኩም።

  • Zeray September 25, 2014

    Wey goood!! Shabia Badime kiblu hager badima.

    Shabi hagerna Singapore kingebra ena indabelu Sing-a-poor geyroma.

    TRANSLATION:

    It is amazing how Shabia- Eritrean government is stuck on the Badime issue while Eritrea is becoming desolate country. One of their famous quotes was “we will make Eritrea like Singapore” and now they use musicians to beg for money- I call that Sing-a-Poor.

  • Bereket September 26, 2014

    ሓው መሲናስ ናይበሓቂ ሃብታም ዝኾነ ጽሑፍ ኢዩ። እቲ ትጥቀመሉ ቋንቋ ካብቲ ኣዚዩ ዝስሕበኒ ኢዩ። ስለዚ ጽሑፋትካ ኩሉ ግዜ ብህርፋን ኢየ ዝጽበዮም፡ ከመይ ብዘይካቲ መልእኽቲ ናይቲ ጽሑፍ መምሃሪ ቋንቋ ትግርኛ እውን ስለዝኾኑ። ስለ’ቲ ዘይሕለል ጻዕርኻ ምስጋና ይግበኣካ። በርትዕ ከጽሎ።

  • m September 26, 2014

    my beauty Asmara she crying she want to be free,but nobody want help her,only poam,and talk lelelelele help nothing she want a hero man like Wadi Ali forto

  • Mesinas September 27, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፡ መተባባዕትን ነቐፍትን ንኹልኹም ስለ’ቲ ግዜኹም ኣጥፊእኩም፡ ንጽሑፈይ ኣንቢብኩም፡ ርእይቶኹም ንምልጋስ ዘጥፋእኩሞ ግዜ ብሓባር ብልቢ ከመስግነኩም እፈቱ። ብፍላይ ድማ ነቲ ዕላማይ ማንታ ሙዃኑ ተገንዚቡ፡ ነቶም ቀጻሊ ዝጥቀመሎም ዘይዝውቱራት ቃላት ትግርኛ፡ ብህርፋን ከም ዝጽበዮም ዝገለጸ ክቡር ሓው በረኸት ደጊመ ከመስግኖ እፈቱ። ንሱውን ዝፈለጦ ንኻልኦት ከፍልጥ በዚ ኣጋጣሚ እናተማሕጸንኩ፡ ካልኦትውን ከም ክብርቲ ሓብትና ኣልማዝ ጓል ኣስመራ ኣብ ቋንቋኹም ክብርን ፍቕርን ሃልዩኩም፡ ብእኡ ንኽትጽሕፉ እምሕጸን። ምኽንያት፡ ቋንቋ ብተጠቃምነት ስለ ዝዓብን ዝምዕብልን! ሓደራ ቋንቋና ንጠቀም እብል። ኣብ መወዳእታ ነቲ “ኣባሻውል” ብዝብል ስም ርእይቶ በሃር ድምንጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ዝደገመ ሓው፡ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ክጋብዞ ፍቐዱለይ? ነታ ኣቐዲማ ዝግባእ ናይ ኣዝማሪኖ መልሲ ዝሃበቶ ሓብትና ኣልማዝ ጓል ኣስመራውን ከየመስገንኩዋ ክሓልፍ ኣይደልን። ምኽንያቱ፡ ኣባሻውል ኣብ ግዜና ከምዚ ሎሚ መቓብር ከይመሰለት ከላ ናይ ብሓቂ ኣባሻውል’ያ ነይራ። ኣብ ኣባሻውል ፓፓጋሎ ከምዘይተወልደ 100 ብ 100 ስለ ዘረጋግጽ ከኣ እዚ ብስም ኣባሻውል ኣትዩ ዘሎ ወዲ ኣባሻውል ከምዘይኮነ ርግጸኛ’የ። ንጸላም ብርሃን ስለ ዝበሉዎ እወ ብርሃን’ዩ ዚብል ፋራ ወዲ ኣባሻውል ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን’የ። ብዝኾነ እዛ በሃር ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ክሓፍረላ ዝግብኦን ጽባሕ መሬት ምስ ወግሐ ተሕትቶን ደርፊ ክጋብዘና ምፍታኑ ክሓፍር ምተገብኦ! ንመገዱ ደጊሙ ክሓስበሉን ኣስመራ ቀደምን ሎምን ንዝፈልጡዋ ሓቲቱ ንኽፈልጥን ድማ እላበዎ። እዛ ኣትስዕብ ናዕታ ድማ ናይ ቀዳመ ሰንበቱ ክጋብዞ እፈቱ።

    ብዘይሕቶ ርእይቶ!
    (ብበረኸት መንግስትኣብ)

    ብዘይ ሕቶ ርእይቶ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ
    ንኹሉ ክንፍጽም መላኺ ዚሓቶ
    ሃገርና ክትመራሕ ብዘይ ቅዋም ባይቶ
    ንዘይሓልፍ *እልበት ህዝቢ ክምክቶ *ሓሳረ መከራ
    ብመሬትን ባሕርን ክጠፍእ ንጽንቶ
    ህዝብና ኣባሪሩ ሃገርና ኪብሕቶ
    ናይዚ ግዕዙይ ስርዓት ኴንካ *ኣበካቶ! *ጠበቓ (ብጥልያን)

    ህዝቢ እናተረግጸ ወትሩ ተሰቂቑ
    ሃንቀው እናበለ ሓርነት ናፊቑ
    ንቡር ሓሪሙዎ ከይነብር ማምዩቑ
    ህግደፍ ከሳቕዮ ብሓይሊ ጨፍሊቑ
    ስሙ እናወደስኩም መላኺ ሓንቂቑ!

    ውጹዕ ኣቤት ኪብል ስኢኑ ሰማዒ
    ድምጹ ከይተቃልሕ ብሙዃን *ደጓዒ *መእወዪ
    ባይቶኡ ፈሪሱ ናይ ወለዱ ወግዒ
    ክንዲ ዓገብ ትብል ገደብ ኣልቦ ግፍዒ
    ጠበቓዶ ኴንካ ናይ መላኺ ጸግዒ
    ሽግር ናይዚ ህዝቢ ወሲኽካሉ ድርዒ!

    ኣብቲ ሰማንያታት ኣብ ቃልሲ ከለና
    ረሲዕካዮ ዲኻ ከምዚ ኪትብለና!?
    “እንተወደቕና ክንትንስእ ኢና
    ወላዲት ሃገር ኣለና ጌና!

    ሰራዊት ሓርነት ኣይሃደመን
    ተሰኒፉ፡ ብረቱ ኣይሰለመን
    ንህዝቢ ኤርትራ ኣይጠለመን
    ግዜ’ዩ ኮይኑዎ ከዳዕ ዘመን!

    ብዓልመን’ዮም ዚጠለሙ ኪዳን
    ጽላለዶ ኮይኑ ፍጹም ዕብዳን
    ሰራዊትና ክጥቕለል ከም ክዳን
    ኣንሳሕብ ኢለሞ ክሳብ ሱዳን!

    መሬት ሰራየ እስከ ተዛረብ
    ሓቂ ከይቅበር ታሪኽ ከይጉልበብ
    ከመይ ነበረ ውግእ ናይ መረብ
    ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ክንደራረብ
    እምኒ መስኪሩ እንተላይ ገረብ!

    እንተወደቕና ክንትንስእ ኢና
    ወላዲት ሃገር ኣለና ጌና!”
    ረሲዕካዮ ዲኻ ከምዚ ኪትብለና?

    ታሪኽ ተረሳዒ ሕድርኻ ረሲዕካ
    ነዚድዩ በረኸት ወዲቕካ ተንሲእካ
    ህዝቢ እናተገፍዐ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ
    መላኺ ኪትውድስ ብዶብ ኣመኽኒኻ
    ስምካ ተኸቢሩ ክነብር ድሕሬኻ
    ብትብዓት ተሰለፍ ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ
    ናብ መላኺ ይቕናዕ ኣጽዋር ናይ ሞያኻ!

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

POST A COMMENT