Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ህይስተን ይስስን ኣሎ

መስራቲን ሓላፊን ኣሰና ፋውንዴሽን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ትማሊ ኣብ ህይስተን ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ብሓይሊ ዕማም ህይስተን ዝተዳለወ ኣኼባ፡ ኣማኑኤል ናይ’ቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንምምስራት ከምኡ’ውን መራኸቢ ብዙሓን ንምሕያል ምዃኑ

መስራቲን ሓላፊን ኣሰና ፋውንዴሽን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ትማሊ ኣብ ህይስተን ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብ’ቲ ብሓይሊ ዕማም ህይስተን ዝተዳለወ ኣኼባ፡ ኣማኑኤል ናይ’ቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንምምስራት ከምኡ’ውን መራኸቢ ብዙሓን ንምሕያል ምዃኑ ገሊጹ።” ህዝባዊ ሓይሊን፡ ሓይሊ ሜድያን ተደሚሩ፡ ለውጢ የረጋግጽ። ውሕስነት ለውጢ ይሕሉ’ዩ” ኢሉ።

ቀንዲ ባህጊ፡ ናይ’ቲ ብሓፋሽ ዝውነን ብመሰረታት ዝድፋእ ህዝባዊ ሓይሊ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣማኑኤል፡ ተሳተፍቱ ንስልጣን ዘይወዳደሩ፡ እቲ ሓላፍነት ካብ ሰረት ናብ ላዕሊ ከምኡ’ውን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝሓቁፍ ብሙዃኑ ፍሉያት ባህርያት ከምዘለውዎ ኣረዱኡ።

ንሱ፡ ንድኽመታት ናይ ከም’ዚ ዓይነት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ኸኣ፡ ዘይስጡምን ዘይጽኑዕን መሪሕነት፡ ሓጺር ፍታሕ ዝጽበ፡ ንጭውያ ዝተቓልዐ ምዃኑ ኣብሪሁ። ካብ ድኻሙን ብልጭኡን ተማሂርካ ግና፡ ሓደ ሚዛኑ ዝሓለወ ምንቅስቓስ ምፍጣር ይከኣል እዩ ይብል ኣማኑኤል። “ ስምረት ምርግጋጽ፡ ጽፉፍ ኣወዳድባ (ትካላዊ ኣሰራርሓ)፡  ደሞርክራስያዊ ለውጢ (ግሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ናይ ሓላፍነት ምምቕራሕ) ምድልዳል ማሕበራዊ ዝምድናን ኣድለይቲ እዮም” ኢሉ።

Houston_4ንሱ ኣብ ወጻኢ ኰይንካ ክዕመሙ ዝኽእሉ ንጥፈታት’ውን ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ እዩ። ነቲ ስርዓት ብዲፕሎማስያዊ ምንጻል፡ ብመርኸቢ ብዙሓን ድምጺ ህዝቢ ከምዝቃላሕ ምግባር፡ ሰለማዊ ሰልፍታት ብምክያድ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከምዝበራበር ምግባር፡ ከም ኡ’ውን ነቲ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝካይድ ምንቅስቓሳት ብቑጠባ ምብርካት ክብል ኣረዲኡ።

ኣማኑኤል፡ ናይ ኤርትራ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራት ንኸም’ዚ ዓይነት ምንቅስቓ፡ ከም ኣካለን ጌረን ክርእየኦ ይግብአን። ምኽናይቱ፡ ብመጀመርታ ሕጊ ክህሉ ኣለዎ ይብል። “ደሞርክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ብቐዳምነት ኣብ’ታ ሃገር ሕጊ ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ሰልፊ ክትምስርት ሕጊ ክትምስርት ኣሎካ” ኢሉ ኣማኑኤል። ምስ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራት ምትፍናን ከምጽእ ስለዝኽእል ግን፡ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ከይጠቐሶ ኣይሓለፈን።

ንተራ ኣሰና፡ ከም መራኸቢ ብዙሓ ኣመልኪቱ ኸኣ፡ ኣሰና፡ ብግብሪ፡ ምስ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናይ ሓባር ረቓሒ ኣለዋ ይብል። “ኣሰና፡ ድምጺ ዕቡሳት ወይ ህዝቢ ተቃልሕ፡ ስምረት ኤርትራ ንምሕያል ትዓዪ፡ ኣብ ኤርትራ ነጻ ማዕከን ሓበሬታን ግሉጽነትን ከምኡ’ውን መሰረታዊ ለውጢ ንኽመጽእ ንሕጊን ፍትሒን ክህሉ ብመትከል ትኣምን” ክብል ኣረዲኡ። ኣሰና፡ ካብ ህዝቢ ትጽበዮ ክጠቅስ ከሎ ኸኣ፡ ቀጻሊ ዜናዊ ሓበሬታ፡ ምኽሪን ስሩዕን ቀጻልነትን ዘለዎ ገንዘባዊ ደገፍ ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ካብ ሳን-ኣንቶንዮን ዳላስን ዝመጹ ደለይቲ ፍትሒ ዝተሳተፍዎ ክዀኑ ከለዉ፡ በቲ ኣጋጣሚ፡ ኣማኑኤል ከም ጋዜጠኛን ንጡፍ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ብምንኣድ ንኸተባብዕዎ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪተሙሉ። ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንኣማኑኤል፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታታ ዝኣክል ብጽሞና ዝተኸታተልሉ፡ ብስነ ስርዓት ርእይትኦምን ሕቶታቶምን ዘቕረብሉ ምርድዳእ ዝሰፈኖ ኣኼባ እዩ ነይሩ።

ኣብ ህይስተን ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ ንጥፈታቶም ካብ ዘሰላስሉ ሓያሎ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ካብ ጥሪ 2013 ንድሓር ግና፡ ሓደ ንኹሎም ማሕበራትን ውድባትን ዝጥርንፍ ሓይሊ ዕማም መስሪቶም፡ ዝተፈላለየ ኣኼባታትን ሰለማዊ ሰልፍታትን የካይዱ ኣለዉ። ከም ኣብነት፡ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ላምፓዱሳ ንዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ህዝቢ ኣኪቦም ከም ዘልቅስን ኣብ ነንሕድሕዱ ከም ዝጸናናዕን ጌሮም። ኣፍልጦ ህዝቢን ምልዕዓልን ሓፍ ንምባል፡ ኣብ ዝተፈላልያ ኣብያተ ቤተክርስትያናት ወረቓቕትን ብሮሽራትን ዘርጊሖም። በዚ ናይ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ዕላማ መሰረት ዝገበረ ኸኣ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ሓደ ህዝባዊ ኣኼባ ከካይዱን ዳግም ክወዳደቡን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

Houston_3እዚ ከም’ዚ እንከሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት፡ ናይ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኮሙኒቲ ኣብ ህይስተን፡ ንዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ዓዲሞም፡ ከባቢ 3 ሚእቲ ኤርትራውያን ዝተረኽብሉ ዓቢ ናይ ሓድነት ለይታዊ ትልሂ ከምዘካየዱ ዝዝከር እዩ።

ኣማኑኤል፡ ብ 8 መጋቢት ኣብ ደንቭር ዝጀመሮ ኣኼባ፡ ኣብ ኢንድያናፖሊስ፡ ቦስቶን፡ ቺጋጐ፡ ቶሮንቶን ህይስተን ህዝባዊ ኣኼባታት ዛዚሙ፡ ጽባሕ ሰኑይ 31 መጋቢት ናብ ሎንደን ዓዱ እንግሊዝ ክምለስ እዩ።

ቴድሮስ

03/30/2014።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Eritreawit March 30, 2014

    Greate job Huston and Amanuel where are the ladies? Not even one!

  • Petros March 30, 2014

    Eritrawit,
    Great point. This was raised in the meeting. You will see progress next meeting. It is a matter of gathering all in one Daero. They are fighting their fair share in other part of the struggle within the community.

  • abrham March 30, 2014

    it is better to ask where the muslimus are rather the ladies

    • Petros March 31, 2014

      Abraham,
      Are you a donkey or imbecile? So you can look at an Eritrean picture and tell if he is Muslim or Christian .
      It will be low to answer this type question but to just to disappoint your desire, hearing from some names during Q&A, yes there were. But most of all one of our iconic leader in the struggle Ahmed Nasser was honored and remembered , Abona Ibrahim Sultan were in our inference on how one defines a nation.

    • Million March 31, 2014

      Abraham,
      Shame on you and your silly & naive Comment. I don’t know what to say.
      Don’t point your fingure with bad intension.
      Do what you can do on your part and encourage others to do what you think is worth in shortening Eritrea’s suffering instead of contributing to it by attacking or black mailing any segment of the community. WEDI ALI HIJAY MUSLIM IYU. DONKORO WAHID.

      • ahmed saleh March 31, 2014

        The funny part he said on his another posting that he was an ex-EPLF who fought for 25 years . To
        hear such language is a disgrace for
        those who fought with him.

        • million April 1, 2014

          I am sure he didnt ask a similar question in the other way round When AHMED ALI HIJAY took the responsbility during FORTO 2013. Such narrow minds help the dictator stay his chest and neck up and front.
          Issayas’s holding grip of power is not because of his supporters but because of Abraham and the likes of Abraham.
          Wake up Brother.

  • ahmed saleh March 30, 2014

    abraham
    This is the second time you mentioned religious remarks .
    Be brave to say openly unless you have an agenda.

  • Tezareb March 31, 2014

    Do you know that Eritrea and Ethiopia abstained from United Nations General Assembly Resolution titled: Territorial integrity of Ukraine, Resolution 68/262, sponsored by forty seven governments led by the United States of America?
    Here is the list of the African nations that abstained: Algeria, Botswana, Egypt, Eritrea, Ethiopia, Kenya, Lesotho, Mali, Mauritania, Mauritius, Mozambique, Rwanda, Senegal, South Africa, South Sudan, Swaziland, Uganda, United Republic of Tanzania, and Zambia.

    The Arab Republic of Sudan voted: NO. They “love” USA; I mean hate.

  • m March 31, 2014

    i think Amanuel you do a good job but we need more like you

POST A COMMENT