Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደገፍ ነቲ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ህዝቢ መሰል ሕቶ ።

ንሕና ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብተባዕ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተባርዐ ህዝባዊ ናዕቢ እናደገፍና ፥ ነቦና ሓጅ ሙሳን ነቶም ኣውሃሃድቲ ህዝባዊ ሰልፍን፡ ንዝገበርዎ ናይ መሰል ሕቶ ብትብዓት ፥ ኣድናቖትናን ደገፍናን 

ንሕና ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብተባዕ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተባርዐ ህዝባዊ ናዕቢ እናደገፍና ፥ ነቦና ሓጅ ሙሳን ነቶም ኣውሃሃድቲ ህዝባዊ ሰልፍን፡ ንዝገበርዎ ናይ መሰል ሕቶ ብትብዓት ፥ ኣድናቖትናን ደገፍናን  ንገልጽ።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ መሰል ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢ፥ ከም ኣመሉ መእዝኑ ንከስሕቶ ኰነ ኢሉ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ርዱእ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ምንቅስቓስ ናይ ፎርቶ ክገብሮ ዝፈተነ ፡ ሕጂ’ውን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ፡ ሃይማኖታዊ ጸጊዕ ከምዘለዎ ገሩ  ከቕርቦ ይህቅን ኣሎ።

መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ፣ ናይ ጥፍእት መሃንድስ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ፣ ህዝቢ ንመሰሉ ምስዝሓትት ፣ ዝተፈላልለየ ሽም እንዳሃበ ፣ ሓንሳብ ኣውራጃውያን ፣ ሓንሳብ ሃይማኖታውያን እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራ ብምእሳርን ፣ ብምፍርራሕን ፣  ጸቒጡ ረጊጽዎ ይርከብ ኣሎ።

ሕጂ ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቒሑሉ ኢዩ ። ይኹን እምበር ገለ ማሕዮታት፥ ገና ኣብ ውልቃዊ ጠቕሚ አእምሮኦም ዝደስከለ ክሳብ ሕጂ ከአ ሐንጎሎም ዘይተበራበረ ፣ ዜጋታት ከምዘለዉና  ክንዝንግዕ አይግብአናን።

እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ፥ ህዝባዊ  ተቓውሞ እዩ። ንዘልኣለም ተጨቊኑን ተረጊጹን ዝነብር ህዝቢ የለን። መዓልቱ ምስ ኣኸለ ፡ እቲ ጨቛኒ ስርዓት’ውን ከም ቀደሙ ክገዝእን ክጭፍልቕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ፥ ህዝቢ ይኣክል ብምባል ህዝባዊ ናዕቢ ከምዘልዕል ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ ሓቂ እዩ። እዚ ኸኣ እዩ እዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዝተጀመረ  ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ካልኦት ዞባታት’ውን ክልሕም ዝኽእል። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ ፡ብሄራዊ ወይ’ውን ቀቢላዊ ( ኣውራጃዊ ) ኣይኰነን ። ጭቆና ዝወለዶ ህዝባዊ ዓመጽ እዩ። እቲ ሕቶ መሰል ፡ ሕቶ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ፡ ንሃገራዊ ነጻነትይ ክብል ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ  ተላዒሉ ሰፍ ዘይብል ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነቱ ዝጨበጠ ፥ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ሰብኣዊ መሰሉን ሃገራዊ ሓርነቱን ከውሕስ ኣለዎ። ሰብእዊ መሰላትና ከነውሕስ ፥ ሃገራዊ ሓርነትና ክንጓናጸፍ እንታይ ክንገብር ኣሎና ?

  • ተበታቲንካን ፡ ተጐጃጂልካን ዝግበር ቃልሲ ኣየዕውትን እዩ ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ዝዀነ ኣፈላላይ ፥ ሓቢሩ ንመሰሉ ክቃለስ ኣለዎ ። ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ዝቕመጠሉ ከተማ ክጥርነፍ (ክውደብ) ኣለዎ።

በዚአጋጣሚ ክንብሎ እንደሊ ሐይልታ ምክልኻል ኤርትራ፣ መሰረታዊ ዕላማኡ መባእታዊ መሰል ህዝብን ክብርታቱን ንምሕላው ስለዝዀነ አብ ጐኒ ህዝቢ ተሰሊፎኩም  ሞትን ስደትን ህዝብና ሐንሳብን ንሐዋሩን ንኸብቅዕ ፥  ምስ  ህዝቢ ተሰሊፍኩም  ሃገርን ህዝብን ንከተድሕኑ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም እዩ ። ሓይልታት ምክልኻል ፥ ነቲ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ስርሐይ ኢሉ  ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን  ናይ ጥፍእት ስርዓት መሳርሒ ንኸይከውን ነማሕጽን ።

ሰብእዊ መሰላትናን ሃገራዊ ሓርነትናን ንምውሓስ ብጽንዓን ሓድነትን ንቃለስ !!

ምልኪ ይፍረስ ፥ ሕጊ ይንገስ  !!!

ዓወት  ንህዝቢ ኤርትራ  !!!!

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Ruta November 6, 2017

    Ezi ab mulue alem zkayed zelo nay degef selamawi selfie azyu znead ekua entekone, abti chrhotat reyto aleni, Abona hagi Musa n n Patriarchn kab tom golihom zreayu esurat ekua entekonu kndey ashmatom zeytkes mesakin christiann aslamn were gelioms n lieli 20 ametat zteasru alewuna emo eti chrotat bztekaele meten nkulom zshfn ykun. Kalie down down tray zeykone hadesti chrhotat b Tigrignan Arebn nwesik. Wesana bzuh eyu bgubu ngleso b natna kunka.

    Yekenyeley, Awet n hzbi Eritrea

POST A COMMENT