Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዱልዱል ሰረት ቃልሲ ብሓልዮት

ከም ደለይቲ ጽቡቕን ሰናይን ፣ ዘለናዮ ኩነታት ቃልስናን  ኣከያይዳና ብምስትውዓል ብናተይ ኣተሓሳስባ አቲ ሓቀኛ ሰረት ቃልስና ኣይጀመርናዮን ኣለና በሃሊየ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣነ ነጻ ኮይነ ንካልኦት ሙኹናን ዘይኮነንስ ኣካል ናቱ ሙኻነይ ከትምብሃልኩም እደሊ። ኣብ ከውሒ ዝተሰረተ ገዛ ንምህናጽ

ከም ደለይቲ ጽቡቕን ሰናይን ፣ ዘለናዮ ኩነታት ቃልስናን  ኣከያይዳና ብምስትውዓል ብናተይ ኣተሓሳስባ አቲ ሓቀኛ ሰረት ቃልስና ኣይጀመርናዮን ኣለና በሃሊየ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣነ ነጻ ኮይነ ንካልኦት ሙኹናን ዘይኮነንስ ኣካል ናቱ ሙኻነይ ከትምብሃልኩም እደሊ።

ኣብ ከውሒ ዝተሰረተ ገዛ ንምህናጽ መሰረታዊ ለውጢ ከድለያና እዩ፣ ንሱ ንምግባር ከኣ ኣነ ኣካል ናቱ እየ ኢልኻ ንገዛእ ርእስኻ ምድላው እዩ ።

ከመይሲ ምስትውዓል፣ ልቦና ዝመልኦ ኣከያይዳን ኣተሓሳስባን አንተ ዝህልወና፣ ንሕና ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓሸውየ ኣይምኣተናን ኔርና ።

ዝሓልፈ ዓመታት ውሑድ ኣይኮነን ምስኡ ግን ኣበይን ከመይን ኣለና ኢልና ንገዝእ ርእስና ንሕተት። ዝሓለፉ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ቃልሲ ከመይን ኣበይን ኣለና፣

ከም ደቂ ኣምላኽን ፈርሃ አግዚኣብሄር ን ግን ኣብነት ንሙኻን፣ላዛ፣ኣኽብሮትን ትሕትናን  ንደቂ ሰባት ወላ ውን ጸላኢኻ ዳግማይ ከም ዘሕስብ ዘግብር ቃላት ተጠቂምና፣ ነሕልፎ መልኽቲ ከመይ ምማዓረገ። ርእስና ኣትሕት ኣቢልና ንመላለስ’ሞ ኣምላኽ ከኣ ኣልዕል ከብለናን ክሕግዘናን እዩ። እምነ መሰረት ዝተኸለ ንመጻኢ ዝሓስብ፣ ንስለኡ ዘይኮነስ ንስለ ካልኦት የሕዋቱን ኣሓቱን  ደው ዝብል; መራሒ  ውሉደ ኤርትረያ ንምርካብ ሓያል ላዕልን ታሕትን ክንብል ናይ ግድን አዩ። እዛ መሬት ናይ ተስፋ መሬት እያ፣ ደቂ ተስፋ ዝኾኑ ሃገራውያን የሕዋትን ኣሓትን ከምዘልዉና ከኣ ኣይንጠራጠር ።

ሓቢርና ዝተከልናዮን ፣ታተ ዘበልናዮን፣ ብዓቢኡ ከኣ ተስፋ ሂብና ተስፋ ክንረክብ፣ ፍናን ህዝብና ኣብ ንቡር ንምምላስ፣ ዝኣተናዮን ዝጀመርናዮን መብጽዓ ደኣ ናበይ ኣበለ፣ መን ከ ወሰዶ፣ መንዩ ከ ተሓታቲ፣

መልሲ ንምሃብ ግን መጀመርታ ንገዛእ ርእስና ንሕተት ከመይስ ኣብ ርእስኻ ዘሎ በሰር ዘይረኣኻስ ኣ ብ ሓውካ /ሓፍትኻ ምርኣይ ሕጂ ውን ናብ ጌጋ መንገዲ ክመርሓና እዩ

ኣካል ናይ ለውጢ ክኸውን ኩለንታንይ ተዳልየ ዶ፣ ዝብል ለዋህ ሕቶ ንምምላስ ንገዛእ ርእስና ምሕታት።

ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ የሕዋትን ኣሓትን  ኮይነ፣ ኣነነት ዝብል ድሑር ሓሳብ ገዲፈ፣ ሓወርያዊ ስራሕ ክሰርሕ ሃቂነ ዶ፣

ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ትሕቲ’ቲ ጨቓንን፣ ዘይሓላፍነታውን መራሒ ዝወገኑ፣ ናብ መንገድ ሓቂ ክመጹ ዝከኣለኒ ፈቲነ ዶ

እቶም ናብራ ስደት ሀ ንኽብሉ ናብ ከባቢና ዝኣተዉ የሕዋትን ኣሓትን ናይ ተስፋ ሰብ ብሙኻን ከተባብዕን ዝከኣለኒ ንምግባርን ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ሓሲበ ዶ ይፈልጥ፣ ንሱ ምስንገብር ፣ንሳቶም ውን ሓላፍነት እቲ ዝሓለፉዎን ኣብ ከምኦም ዝኣመሰሉ ውሉደ ኤርትረኣያ ክሳብ ሕጂ መዓልቦ ዘይረኸበ ሸግር ንምፍታሕ ምትብባዕ እዩ። ኣካል’ቲ ደላዪ ጽቡቅ ህዝቢ ካብ ሙኻን ከኣ ድሕር ኣይክብሉን እዮም።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገለ ዓበይቲ ተቃለስቲ የሕዋትናን ኣሓትናን ለዋህ ለበዋ ክህብ ከለኹ  ወይ ፖለትካዊ ኩን ወይ ናይ ታሪኽ ሰብ ኮንካ ኣቦ ታሪክ ኩኑና ይብል ብጌጋ ከምዘይርዱኡኒ  ከኣ ተስፋ እገብር። ከመይ’ሲ  እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ወይውን ብህልኽ ኣብ ታኬላ(ዓዘቕቲ) ንሽመም ከይንኸውን ነስተውዕል። እቶም ንኡሳን ውሉደ ኤርትራ’ኸ ቲ ጽቡቅ መርኣያ ኣቦታትና ኣዴታትናን ከስብና ዶ  ወይስ ንሕና ውን ካብተን ከለ ጌጋታት ንላዕሊ ታኼላ ንፈጥር ኣለና፣ ኣስተውዒልና ንሰጉም ዳግማይ ከይንዕንቀፍ።

ኣብ ፈቅዶ በረኻን ባሕርን ኣደዳ ሞትን ስቅያትን ዝኾነ ህዝብና ሓልዮት እንተለና፣ ነቲ ሸለል ክንብሎ ዘለና ነገራት አንዳሓለፍና ምስ ከማና ዓላማ ዘለዎ ሰብ ወይ ጉጅለ ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ከ ምስ መንታይ ይቁጸር፣

ኣንዊሕና ንሕሰብ እሞ፣ ቲ ቅድም ዝኸውን ቅድም ንስርዓዮ፣ ኣብ ጓል መንገዲ ኮለል ኣይንበል፣ ንሰለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንብል ደጊመ ሓወርያትን ነብያትን፣ ንኹን’የ ክብል ዝደሊ

ብሰንኪ ዚ እከይን ሕጊ ኣልቦን ዝኾነ መራሒ ዘርሞ ዘርሞ ካብ ንኸውን ውሑድ ኣይገበርናን ። ናይ’ዚ ንኡስ ወልዶ ግዜ ንኸንቱ ከምዝባኸነን ዝጋነን ኣይኮነን። እሞ ከ ደኣ ሓላፍነት ንምውስድ ዝገበርናዮም ኣንታይ እዮም፣

ህዝብናን ሃገርናን ባኺና (ባዲማ) ንውሉዳ ገዲፋ ደቂ ጓና ትፈትወሉ (ተጽልለሉ) ግዜ ኮይኑ። ኣበይ ኣሎ’ቲ ፍረ መስዋእቲ የሕዋትናን ኣሓትናን ፣ ኣበይ  ኣለዉ ብኽብሪ ንኽዓብዩ ሃንቀውታ ዝገበርናሎም ደቂ ስዉኣት፣ ን ዳግማይ ክስውኡ ዝገበረ ህግደፍ እንታይ ኢና ክንጽበ፣

ሃየ ሎሚ እምበር ንጽባሕ ዝበሃሎ ኩነት ኣይኮናን ዘለና። ንስለ’ቲ ህዝብን መጻኢ ዕድል’ቲ ዕሸል ዉሉደ ኤርትራ ክንብል ቅድመ ኩነት ዝስራዕ ንስራዕ ኣብ ኮለል ግዜና ኣይነጥፍእ ።

ኦ ሰራዊት ኤርትራ ንስኻ ውን ከምሰብካ ዝተበደልካን ሕማቅ ዝረኣካን ዝረከበካን ኢኻ እሞ ኣብ ጎድኒ ህዝብኻን ሃገርካን ኩን።

ኣቱም ተቃወምቲ እና ንብል ግን ኣብ ነንሕድሕድና ኣነ ዶ ንስኻ ክንብል ሓንቲ ስጉሚ ንኸይንከይድ ዝገበርና ሎሚ ዳግማይ ንሕሰብ።

ብ ስደተይና  መልክዕ  ዝኣተና ናብ ካልኦት ሃገራት። ዝሓለፍናዮም ኣይንረስዕ ንሕና ዝረኸብናዮም ዕድል ዝሰኣኑ የሕዋትካን ኣሓትካን ዘክር። ኣብ ባሕሪ ዝተረፉ፣ ኣብ ሲናይ እንዳ ረኢኻ ሬሳ ዝተጓሕፈ ዘክር፣ ሬሳ ደቀን፣ ህላዌ ውላደን ክፈልጣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፈቀዶ ገዛ ዝሓታ ዘለዋ ዘክር።

ሓላፍነት ኣለና፣ መሳርሒ ሰላም ክንከውን።

ደለይቲ ፍትሒ የሕዋትናን ኣሓትናን ኣውያት ቲ የዋህ ህዝቢ ንዓለም ከስምዑ ስቃይን መከራን ህዝቦም ከሕጽሩ ናብ ጎደናታት ዲሲ እንክዳለዉ ። እቶም ብዘይካ ነዓይ ይትዓመኒ እምበር ናይ ካልእ እንታይ ግደይ ዝኣመሎም ኣንዊሖም ዘይርእዩ ፣እንትርፎ ናይ ረብሓ ሰባት ከኣ ኣብ ግዜ ሞትን ሕየትን ዉሉደ ኤርትረያ ዘመነ ግርምቢጥ ማዕ ነዓቐብ ከም ዝበሃል  ከም ዝረኣናዮ፣ ወኻዕታን ሳዕስዒትን ተራእይዎም፣ ኣብ ጎደናታት ዲሲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ርኢናዮም  ኢና ። እሞ ከኣደኣ ንሕና እቶም ደለይት ፍትሕን ርትዕን ኣለና ዶ ፣

ዘመነ ኣካሒዳ ኮይኑ ዘበኑ። ኣነ ኣብ ነፍስ ወከፍ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ኤርትርራዊ ዘለኒ እምነት ምሉአ ዘይይጉድል እዩ። ሃየ ሕጂ አዩ ቲ ግዜ፣ ኣለና ንብለሉ፣ እሞ ከኣ እቲ ብፍላጥ ይኹን ብዝይፍላጥ፣ ኣብ ጎድኒ ቀታልን፣ ሓራድን ደው ዝበለ ኤርትራዊ ኣይፋልካን ንበሎ’ሞ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣካል ደልይቲ ፍትሒ ክኾኑ ዘይሕለል ጻዕሪ ንግበር።

ቃልስና ተግባርዊ ንምግባርን ድልውነትካ ንምርግጋጽን ሃየ ሕጂ ዩ ት ግዜ ንትጽባሕ ዝበሃሎ ውን ኣይኮነን ።

መልእኽቲ ሰላም ይሕለፍ ፣ ኣስላማይ ክርስታናይ ሕጂ ሓድነትካ ኣትሪርካ ንመስለካ ን ንመሰል ህዝብኻን ሃገርካን ደው በል ።

እዚ ሕጂ ጸልማት ዝመስል ክኽንጠጥ እንተ ኾይኑ ሓላፍነትካዩ ምስ ህዝብኻ ኣብ ቅደሚ ቲ እንዳ ፈለጠ ከም ዘፈለጠ ኣትሪርካ ተቃውሞካን መርገጺካን

ከተስምዕ ።

ኣቱም ሃገር ሕማቅ ኣላ ትብሉ’ሞ ግን ካብ ገዛኹም ወጺእኩም ዘይትፈልጡ፣ ሎሚ’ዩ ቲ ግዜ መሰኻኽር ሓቂ ትኮንሉ። ንሕልናኹም ዳግማይ ሕተቱዋ ።

ኣለና ንበል። ከመይሲ ኣውያት ህዝብና ንሕንቲ ካልኢት ውን ደው ኣይብለን ዘሎ።

ሰናይ ዝምነየልኩም ሓውኹም

ተስፋገጊስ ገብረስላሴ (ጆርጅ)

አሜሪካ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ida July 9, 2013

    How can people unite when people are singing Ethiopia in this website all the time? Our mother is Eritrea. Sing Eritrea all the time and the children will come running. It is a mother that holds the family together.

    • Said July 9, 2013

      Player.don’t play to much .Eritrea it’s not for sale .get over it gigolo.

Post a Reply to Said Cancel Reply