Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዲሞክራሲን ጻዕዳ ጣፍን ኣብ ከመይ ይፈርዩ?

ዲሞክራሲን ጻዕዳ ጣፍን እንታይ ኣራኸቦም ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ክመጽእ ስለ ዝኾነ ንኽገልጽ ኣንበብቲ ብጽሞና ንኽትካታተሉ ብትሕትና ይሓትት። ብመጀመርያ፡ ጻዕዳ ጣፍ ኣብ ከመይ ዝኣመሰል መርየት ይበቁል? እቲ ዝበለጸ እኳድኣ፡ ኣብ ጎልጎልዋልኻ ኽኸውን ከሎ እዩ። ዋልኻ ኮይኑውን ኣብ ኩርቢት

ዲሞክራሲን ጻዕዳ ጣፍን እንታይ ኣራኸቦም ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ክመጽእ ስለ ዝኾነ ንኽገልጽ ኣንበብቲ ብጽሞና ንኽትካታተሉ ብትሕትና ይሓትት።
ብመጀመርያ፡ ጻዕዳ ጣፍ ኣብ ከመይ ዝኣመሰል መርየት ይበቁል? እቲ ዝበለጸ እኳድኣ፡ ኣብ ጎልጎልዋልኻ ኽኸውን ከሎ እዩ። ዋልኻ ኮይኑውን ኣብ ኩርቢት ወይ ኣብ ኑኡስ ጎበታት ክበቁል ይኽእልዩ እንተኾነ ከምቲ ናይ ጎልጎል ዋልኻ ፍርያት ኣይህብን።
ጣፍ ክትዘርእ ምቅርራብ የድሊ፡ እቲ ዝተመደበ ግራት ኣፍራዪ ኽኸውን ምእንቲ ዝሓለፈ ክረምቲ ዓተር፡ ሰበረ፡ ብርስን፡ ኣባዓኼ ዝኣመሰሉ ጥረምረ ኣፍርዩ ክኸውን እንከሎ፡ ተደኹዑ ከሪሙ ይብሃል። ብድሕሪዚ ድማ ነቲ ግራት ቅድሚ ምዝራእካ ክልተ ግዜ ሃሪስካዮ ትጽንሕ። ቀዳማይ ከም ጽጊ ወይ ገርፊ ይብሃል። ካልኣይ ድማ ረውሒ ይብሃል። እቲ ሳልሳይ እትዘርኣሉ መዓልቲ ድማ ምውህላል ተባሂሉ ይስመ።
ኣብ ግዜ ዘርኢ ወይ ዋህላል እንታይ ትገብር ከም ሓረስታይ ጣፍ ልቢ ኢልና ንተዓዘብ። ሓረስታይ ኣብ ዝሓርሰሉ መዓልቲ መሓሳይ የድሊ። ማሓሲት ወይ መሓሳይ ዘይብሉ ጣፍ ኣይዝራእን። ኣብ ዘይተማሕሰ ዝዘርኤ ጣፍ ዋላውን እንተበቖለ ኣብ ዕብየት ይዕንቀፍን፡ ይውጠርን፡ ዓቕሉ ይጸቦ፡ ከምኡ ድማ ጻሕያይ ይበዝሖ፡ ይብርትዓካ። ዝግባእ ፍረ ከየፍረየ ይተርፍ።
ተወሳኺ ገለገለ ግራውቲ ቆጥቛጥ ብጽፊት እንተዘይ ተቖጥቑጡ ንዕብየት ጣፍ የዔንቅፍ እዩ። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና፡ ጣፍ ብዙሕ ጻዕርን፡ ድኻምን፡ ትዕግስትን፡ ምክንኻንን፡ ከምኡድማ፡ ከብቲ፡ ኣድገ በቕሊ፡ ወይ ጤለ በጊዕ ንኸበልዕኦ ምሕጻሩ ግድነት እዪ። እዚ ምስ ተማልኤ በቑሉ ምስ ሸወተ፡ ኣብ ዝነቐጸሉ ንዓጺድ ይበቅዕ፡ ምስተዓጽደ ቀጺሉ፡ ምጉብላው፡ ኣብ ሓደ ኣኪብካ ድማ ቁሚጦ ትገብሮ። ካብ ቁሚጦ ድማ ዓውዲ ጸሪግካ፡ ዓውዲ ሜኼዳ ጌርካ ካብ ልዕሊ ዕስራን (24) ንላዕሊ ዝወስድ ብዘይ ዕረፍቲ ኣኺድካ፡ እኽልን ሓሰርን ፈላሊኻ፡ እት እኽሊ ኽትሓፍሶ ከላኻ ድማ፡ ጽሞና ጌርካ፡ ዋዕዋዕ እናበልካ ዘይኮነስ ጸሊኻ ኢኻ ምሕፋስ ትጅመር። እዚ ዓቢ ኽብሪ ዝዋሃቦ ዘሎ ድማ፡ ኣብ ገዛ ኣትዩ በርከት ንኽህልዎን፡ ንኽትበልዖ ጥዕናን ሓይልን ክህብ፡ሰላምን፡ ፍቕርን ንስድራቤት፡ ሓጎስ ጸጋን ንኸምጽእ፡ ኢልካ ጥንቃቔ ዝመልኦ ኣገባቡ ዝሓለወ ስነ ስርዓት እዩ።
ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ ኣብ ዝተመርጸ ቆፎ ይሰፍር። በብግዜኡ እናለካዕካ  ኣጥሒንካ ኣብ ሕሩጭ ቐይርካ፡ ብወሓልታትን ወዘራዝርን ተለዊሱ፡ ተሰንኪቱ፡ ኣብ መኣዲ ምስ ቀረበ፡ ላዛን ጣዕምን ዘለዎ መኣዲ ኮይኑ “ኣየ ሰበይቲ ኣብዚ እነሄካ ጻዕዳጣፍ ማለት ኢልካ ንስበይቲ ገዛ ትምጎስሞ!!! ትቕብል ኣቢላ ናይ ዝሰንከትካኮ! ኣይኮነን! ናይ ዝሓርስካ እዩ!! ኢላ እቲ ምስጋና ንብዓል ቤት ተቕርብ”። “ኢለ ጻዕዳ ጣፍ” ብቐሊሉ ዘይርከብ ጥዑም መግቢ ዝጸዓረን ዝተሸመን እዩ ዝበልዖ። መግቢ መኳንንቲ ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ።
ዲሞክራሲ ስራሕ ባይቶ እዩ፡
ከመይ ኢሉ ምስ ሓረስታይ ኣራኸቦ? ዝብል ሕቶ እንተ ስዓበ መልሱ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን። ዲሞክራሲ ኣበይ በቑሉ ከምዝዓቢ ንመልከት። ዲሞክራሲ ከምቲ ሓረስታይ ጣፍ! ኣብ ጥጡሕ መርየት ዋልኻ ደጋጊሙ ዝሓርሶን፡ ዝጽህዮን፡ እናገለፈ ንድሒሩ ዝወጽእ ቖጥቛጥ እንቖጥቖጠ፡ ሓደ፡ ብሓደ ጻህያይውን፡ ከይተፈልጠ ተጸቒጡ ጣፍ መሲሉ ዝዓቢ ስለ ዝርከብ፡ እናዞረ ይከናኸኖን ይምልምሎን እዩ። ጻዕዳ ጣፍ ገና ኣብ ጝራቱ ከሎ ኢኻ ክትበልዕ ትጅምር፡ ከምይሲ፡ ጻዕዳ ጣፍ ገና እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ንዋናኡ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓልፍ መንገዲውን ብምርኣይ ዓይኑ እና ተሓጎስ ይሓልፍ። ሰናይ ዘበን ኣዝመራ ኣብዚ እኒሄኻ፡ “ኣየ ግራት ጻህያይ የብላ ጸላኢ ዘይብላ እኽሊ ኣብ ዓውዲ ድማ ሓመድ እንተይዘይ ወሲኹላ፡ ወረጃ ሰበይቲ እንተረኺቡ ኣየ እኽሊ” እናበለ ተዓዛቢ እናነኣደ ይሓልፍ።
  ደላይ ዲሞክራሲ ድማ፡ ኣብ ድንቑርናን ጽበትን፡ ጽልእን ቕርሕንትን፡ ምፍላልይን፡ ምብትታን፡ ወይ ኣብ ስስዕትን፡ ዓመጽን፡ ሸፈጥን፡ ምትላልን፡ ዲሞክራሲ ስለ ዘይበቁልን፡ ስለ ዘይጥጥዕን፡ ደጋጊሙ ንህዝቡ ከስተምህር፡ ከንቕሕ፡ ከኽብርን፡ ክጎሳጉስን፡ ክንከባኸብን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ግልጽነትን፡ ኣብ ማዕርነትን ድኣምበር፡ ኣብ ኣጽልኢ፡ ኣብ ቂምታ፡ ኣብ ቅንኢ ስለ ዘይበቁል፡ ትኩርነትን ዕጉስነትን፡ ንኹሉ ክኸውን ሓቛፍን ግዴታኡ እዩ። ኣግባብ ማሕረስን፡ ኣግባብ ዲሞክራስን፡ እቲ ኣሰራርሓን ጻዕርን ተመሳሳሊ እዩ። “ዝዘራእካዮ ትሓፍስ” ከምዝባሃል ኩሉ ዘርኢ ስለ ዝኾነ።
ከመይሲ፡ ጣፍ ባዕሉ ኣይበቖለን ክምኡ ድማ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ኣኽብሮት ንዜጋታት፡ ዝተመርኮሰን፡ ብሕጊ ስርዓትን ዝተሓለወ ምስ ዝኸውን እዩ። ንዜጋ ብዘይ ኣፋላልይ፡ ሃብተመ ደኸየ፡ ተማህረ ደንቆረ፡ ዓበር ቀጠነ፡ ረጎደ ሰብሔ፡ ሓመመ ሰንከለ፡ ዝተፈላልየ እምነትን፡ ኣተዓባብያ ቦታን ቆላን ደጋን፡ እንዳን፡ ወረዳን፡ ኣውራጃን፡ ወይነደጋን ምድረበዳን፡ ይቕያሕ ይጸልም ወስ ከደራይ፡ ጸግሩ ይትረር ወስ ይለስልስ፡ ይቖነን ወስ ይላጸ፡ ኣፍንጨኡ ነውሔ ወስ ሓጸር ከይበልካ፡ ኣመላኽታ ማዕረ ንዜጋታት ክትርኢ፡ ብጾታ ከይፈላለኻ፡ ከምቲ ጣፍ ኣብ ጎልጎል ዋልኻ ብዝያዳ ዘፍሪ!!! ከሙ ድማ ዲምክራሲ ኣብ ንጹህ ልብን ቅንዕናን ማዕርነት ዜጋታት፡ ኣብ ማዕርነት፡ ፍርሕን ሽቑረራን ኣወጊድካ፡ ጽበት ዘይብሉ ስርዓተ ሕጊ ዝተመርኮሰ፡ ቅዋም ሃገር ሓንጺጽካ እዩ ይጥጥዕን ዝፈርን።
እዚ ንኽትገብር ብዙሕ ሓሲብካ፡ ተላዚንካን፡ ጽዕርካ፡ ደኺምካ፡ ትዛረቦን ትሰርሖን ማዕርማዕረ ዝኸይድ ክኸውን ምእንቲ ጻዕሪ ይሓትት፡ ትዕግሲት፡ ክእለት ይሓትት። ዲሞክራሲ ከም ጣፍ ኣብ ዝኾነ ኣይበቁላን እዩ። ቅዋም ከተቕውም ንዝምልከቶም ዜጋታት ብዘይ ኣድልዎ፡ ብብሄር፡ ብሃይማኖት፡ ብዓልየት፡ ብቐቢላ፡ ብእንዳን፡ ወረዳን፡ ኣውራጃን፡ ዝተፈላለይ ሕግን ልምድን እምነትን፡  ቛንቋን ዘለዎን፡ ዝነበሩን፡ ህዝቢ ብጥናቃቐ፡ ሃዲእካ፡ ተላዚብካ፡ እንታይ እዩ እቲ ንኹላትና ብሰላም ብፍቕርን ብሓጎስን ብደስታን ከንብረና ዝኽእል ሕጊ ክንሕግግ ንመኻኸር፡ ንላዘብ፡ ንመዓዓድ፡ ዝፈልጡ ፍልጠቶ ንሕዝቦም የቕርቡልና፡ ባይቶና ክባርኽ ከምቲ ሓረስታይ ጣፍ ኣብ ዓውዱ ኽሓፍስ እንከሎ ብጸሎት ጀሚሩ እኽሉ ዝሓፍስ፡ ጸሎት ጌርካ ኽትጅምር፡ ጥዑም ኣምክረና፡ ጥዑም ኣሕስበና፡ ቅንዕና ኣውርደልና፡ ልብና ኣንፅሃዮ፡ ፍቅርን ሰላም ምርድዳእን ዝዓሰሎ ጉባኤ ኣጀሚርካ ኣወዳኣና። ኢልካ ክጅመር ዘለዎ እዩ ኽከውን ዘለዎ።
ከምቲ ሓረስታይ፡ ጣፍ ቅድሚ ምዝራኡ መሓሳይ ዘድልዮ፡ ዲምክራሲ ድማ ምሕሽ የድልዮ እዩ። ንሱ ድማ ማዕርነት ዘይሕሉ ዘላፋ ቓላት፡ ጸለመ፡ ዘይቕንዕና፡ ተንኮላት፡ ስርቅን ቀንጠብጠብን፡ ምጉብዕባዕን፡ ድፍረትን፡ ሸፈጥን ምድንጋርን፡ ብዘይ ኣግባብ
ሻራኻ ንኽዕወት ምእንቲ ሓሶት ሓቂ ኣምሲልካ ምዝርጋሕ፡ ኣቛናጻቢን ዓማጽን፡
ባህርያት መሰል ዉሑዳትን ተቓወምቲን፡ ወይ መዋዳድርቲ ከም ተጻባእትን ጌርካ ስም ንጹሃት ዜጋ ስም ምጥፋእ፡ ከም ከሓድቲ ጊርካ ንኻልእ ዜጋ ከምዘይ እመን ጌርካ ዘልፋነት ዝኣመሰሉ፡ ቖጥቛጥ ዘይቅኑዕነትን፡ ናይ ሕብረተስብን፡ ናይ ዲሞክራሲ ስለ ዝኾኑ ክጸሃዩን ክግለፉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተ ተኻኢሉ ካብ ሱሮም ተማሕዮም ክጠፍኡ ምእንቲ መቖጥቖጢ ዝኸውን ስርዓት ሕግን መቖጻጸን ዝኸውን ነጻ ዝኾና ድርጂታት ምቕራብ እዩ።
መቖጥቕዕጢ ስርዓት ከምዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይካኣል፡ ነጻ ፕረስ፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብዉልቀ ወይ ብጉጅለ ወይ ብሰልፍታት፡ ማሕበርት፡ መጽናዕቲ ድርጂታት፡ መርሓ ምምሕዳር ወይ መርሓ ፖሊሲ ኣጽናዕቲ፡ ኣብ ጽሑፍ፡ ኣብ ዘረባ፡ ቀጻሊ ክትዓትን መጎአተን፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ኡውን ሱቕ ናይ ምባል ሙልእ መሰል ብሕጊ ዝተሓለ ክኸውን ኣለዎ።  መራኸቢ ብዙሓን ግዜኡ ዘፍቀዶ ክምዕብል ናይ ግድን ኣለዎ።
ደቂ ሰብ ሱሱዕ ባህራይቶም ሸፊኖም ስለ ዝንቀሳቐሱን፡ ስስዕነቶም ከርውዩ ድማ ክምሕሉን ክጥሕሉን ስለ ዝረኣዩ፡ ከምቲ ሓረታይ ጣፍ ሓርኢ እኽሊ፡ ጻህያይን፡ ቖጥቛጥን፡ ወይ ንጣፍ ዝመስሉ ዋዝዋዞ ደጋጊሙ ዝጽህዮም፡ ብልሹዋት ዝኾኑ ኣባላት ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ኣድናጊሮም ብስም ህዝቢ ተመሪጾም ስል ዝኣትዉ ብዙሕ ጥንቃቔ የድሊ። ጣፍ ኣብ ግራትን ዓውድን ዝተገብረሉ ጻዕሪ ምስ ተሓልፈ፡ ወሓለ ሰበይቲ የድልዮ ምኽንያቱ ጥዑም እንጀራን ጥዑም ጸብሕን ኣብ ገዛ ስለ ዝኾነ ዝስራሕ፡ ክእለትን መንፋዓት የድሊ። ጥዕም መግቢ ድማ ጥዕና ይህበካሞ! ዕድመን ጥዕናን ይውስኸልካ።
ዲሞክራሲ ድማ ህንጻ ሕጊ ወይ ቅዋም ምስ ገበርካ፡ ምርጫ ኣብ እተካይደሉ፡ ለባማትን፡ ኪኢላትን፡ ወሓለታትን፡ ፈላጣትን፡ ቃሎም ዝድገም፡ ሓላፍነት ዝስምዖ፡
ኣንዊሖም ዝሓስቡ ትሕትናን ትዕግስትን ዘለዎም፡ ብሓላፍነት ዝሕተቱ፡ ካብ ቆልመጽመጽ ዝደሓኑ ምስ ዝኾኑ፡ ብቕጥፈትን ስርቅን ሓሶትን ዘይክሰሱ፡ ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋት ከተናድን፡ ክተድልን፡ ክትረክብን ዓቢ ጸጋ ሃገር እዩ።
“ኣይ ካብ ባይታን ካብ ባይቶ” ዝብሃል ኣባላት ባይቶ ዝፍጽምዎን ዝገብርዎን ኣብ ጥዕና ሃገር ዓቢ ግደ ስለ ዝኾነ እዩ።
“ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽልከ ኣብ ዓውዱ” ዝብሃል ምስላ ጣፍ ከምይ ኢሉ ተዘሪኡን በቑሉን፡ ዓብዩን፡ ተዓጺዱን፡ ኣብ ዓውዲ ዝተገረሉ ክብርን ስነስርዓት ርኢና።
ዲሞክራሲ ኣብ ሕብረተሰብን፡ ኣብ ጥዑይ ኣእምሮን፡ ልብን፡ ከመይ ተዘሪኡ ይበቁልን፡ ይዓብን፡ ኣብ ኣእምሮ ዝበቑል ጻህያይ ከመይ ጌርካ ይማሖን ይቑጥቖጥን፡ ድንቑርና ምጥፋእ፡ብትምህርትን፡ ጽሑፍ ነጻነትን፡ መርኸቢ ብዙሓን መቖጻጸር ሕግን ስርዓት ጌርካ “ኩሉ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዕረ እዩ” ዝብለ ኣብ ኩሉ ዜጋ በቑሉ ክፈሪን፡ ክትግበርን ከሎ ብግብሪ፡ ክኽእል ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ።
ክቡራት ደቂ ናይ ሃገር ሓለይቲን፡ መራሕትን፡ መምህራንን፡ ጋዜጠኛታትን፡ ግዱሳትን፡ ናይ ፖሊቲካ ተዋሳእትን፡ ተመራመርትን፡ ኣምዛዘንት፡ ተንተንትን፡ ገለጽትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኣንበብትን፡ ዓበይትን፡ ሽማግለታትን፡ ደቅንስቶዮን ወዘራዝርን፡ ሰብ ሞያታትን፡ ተመሃሮን፡ ሰራሕተኛታትን፡ ሸቃሎን፡ ኣብ ሃገራውን፡ ማሕበርዊ፡ ናብራን፡ ዝትንክፍ ጉዳይ ኣማዕዲኻ ክርኤ ኣይግባእን ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ።
ከምይሲ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ዉሑዳት ተበለጽቲ ልብኻ ወሲዶም ኣታሊሎም መንነትካ እንታይነትካ፡ ነቒሎም ክሳብ ትበርስ ዝገብሩዎ ዘለው ንህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተሰወር ኣይመስለን እሞ፡ ከምቲ ሓረስታይ ንጣፍ ደኺሙ ማይ ተወቒዑ፡ ጭቃ ጨፈቕፈ እናበለ፡ ጣፍ ዘሪኡን ኣብቁሉን፡ ወይ ኣዋህሊሉን፡ ኣብ መኣዲ ጻዕዳ ጣፍ ክበልዕ እንከሎ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዝማሳገን፡ ኣየ ሰበይቲ ኣብዚ እኔኻ ውሕልና!!!!! ኽብል እንከሎ ሰበይቲ ድማ ተቐቢላ ኣብዚ እባ እኒሄው ጻዕዳጣፍ ዝሓረሱ!!!!! ዝበሃሃሉ።
ህዝቢ ሰላም ራህዋን ቅሳነትን ክረክብ ጎልጎል ሜዳ፡ ዝኾነ ዓንዲ ሕጊ ንኩሉ ዜጋ ዘኽብርን ዝሕሉን ሕግታት ጽሒፍካን ኮስኪስካ ከተንብሮ ከለኻ ጥራሕ እዩ።
ህዝቢ ዝስስንን ዝዓብን፡ ዝመሳገንን። ብሰላም ሓዲሩ ዕለታዊ መነባብሮኡ ከተሰከፈን ከይተሸቑረረን ኣብ ሃገሩ ክነብር እንከሎ፡ ኣብ ጥዕይ ኣእምሮኡ፡ ንዕብየትን ሰላም ፍቕርን፡ ፍልጠትን ስነ ጥበብን፡ የስተማቕሮን፡ ይሃርፎንሞ!! ወዲ ሰብ ኣብ ሃገሩ ክቡር ምኻኑ ፈሊጡ፡ ንሃገሩ፡ የኽብራን ይሕልዋን የዕብያን። ነዛ ንነብሱ ዝነብረላ ከምቲ ጽቡቕ ብቑሊ ጣፍ ርእዩ ሓላፍ መንገዲ ዘመስግኖ፡ ሓደ ሃገር ድማ ብተዓዘብቲ ስልጡን ምዕቡልን ህዝቢ እኮዩ ተባሂሉ ይነኣድን ይኽበርን።
ሕሉፍነት ዝስምዕም ዜጋትት ምሽሮ ህዝቢ ሃገርን ምኻኖም ኽፈልጡ ይግባእ።  
ሕሉፍ ዜጋ ምሽሮ ከም ምዃኑ መጠን ሃገርና ደኽያን፡ ደንቑራን ትርክርብ ኣልሞ ንሕሉፍነት ምቅላስ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ግድን እዩ። ሃገርና ካብ ድንቁርናን፡ ድኽነትን፡ ብልሽውናን፡ ጽልእን፡ ቂምታን፡ ፍርሕን፡ ብርሰትን ኽትድሕን ናይ ኩሉ ዜጋ ክቃለሶ ሓላፍነቱ ምኻኑ ክዝከር ይግባእ።
እለስ ያኢ ንቐሊሉ ክግነ ከም ዝተባህለ ዲሞክራሲውን ብቐልሊሉ ኣይርከብን እዩሞ!!ጻዕሪ ናይ ኩሉ ዜጋዩ።
 ንዝቐርብ ሕቶን ርእይቶን ወቐሳን ሓላፍነት ደርሲ እዩ።
 
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
21 ግንቦት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • fetsum abraham May 21, 2013

    Brother Haile: Very good contribution and thank you very much

  • NEW HOPE ERITREA May 21, 2013

    ባባ ኢሳያስ ጣፍ ከብዲ የሕምም´ዩ ስለ ዝበለናስ ምብላዕ ካብ ንገድፎ እዋን ኮይኑ እዩ።ድሓር ክኣ ድንሽ ከ ካብ ጣፍ ሓሚቑ ድዩ ሓሻካ።

  • osman May 21, 2013

    Brother Haile thank you for a excellent article this is a good advice to those try to divided us keep up a good job. Thank you agian

  • Mesfin Bahlibi May 21, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ሃይለ ገብረትንሳኤ። ዝኸበረ ሰላምታይ እናኣቕረብኩ ፣ ዲሞክራሲን
    ጻዕዳ ጣፍን ዛሚድካ ዘቕረብካዮ ትንተና ዝንኣድ እዪ ። ዲሞክራሲ ብዝምልከት
    ዘቕረብካዮ ትንተና ይበል እየ ዝብሎ ። ኣብታ ናይ ዋህላል ጣፍ ቍሩብ ክሕግዘካ ።
    ጽግኢ ምስ ዋህላል ጣፍ ኣይትራኸብን ያ ። ጽግኢ ሓዲሩ ዝኸረመ ወይውን ዝጸንሐ ግራት ንዝመጽእ ዓመት ክዝራእ ምእንቲ ክሕረስ እንከሎ እዩ ዘስምዕ ። ካልኣይቲ
    ነጥቢ ክኣ መኼዳ ጣፍ ኣብ ዝዀነ ጠለቃ ዓዉዲ ዘይኰነስ ኣብ ብዒባ ዝተለቕለቐ
    ዓዉዲ እዩ ዝፍጸም ።
    እዚ ወድሓንካ
    ሓዉኻ መስፍን ባህልቢ ።

    • Haile G. Tensae May 22, 2013

      ኣቶ መስፍን ባህልቢ
      ኣቀዲመ ሰላምታይ ይብጻሕካ፡ ቀጺለ ንዝገብርካለይ መኤረምታ ተቐቢለዮ።
      ሓውካ
      ሃይለ ገብረትንሳኤ
      ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

  • ክቡር ሓው ሃይለ፡ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዘቕረብካዮ ተምስሎ (analogy) ዝነኣድ ኢዩ። ደሞራሲዊ ስርዓትን ባህልን ንምህናጽ እተካይዶ ጻዕሪ ምስቲ ጻዕዳ ጣፍ ንምፍራይ እተካይዶ ጻዕሪ ብምምስሳል፡ ኣዚዩ ልዑል ጥንቃቕን ዕቱብ ትክርናን ከም ዝሓትት ብቐሊሉ ብኽንርድኦ እንኽእል ኣገባብ ኣረዲእካና። ህዝብና ብዛዕባ ናይ ደሞክራሲ ኣምር ዘሎዎ ርድኢት ክዓሙቕን ክሰፍሕን፡ ብቐሊሉ ብኽርድኦ ዝኽእል ቋንቋን ኣፍልጦን ከነብርሃሉ ናይ ኩልና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ዕላማን ዕማምን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ደሞራሲዊ ስርዓት ንምቛም ነሰላስሎ ዘሎና ቅዱስ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ዓወት ክበጽሕን ኣዕጋቢ ውጽኢት ክርከቦን ዝኽእል፡ ህዝብና ኣብ ደሞክራሲ ዘለዎ ኣረኣእያን ፍልጠትን ክብ ምስ ዝብልን ምስ ዝዓብን ጥራይ ኢዩ።

POST A COMMENT