Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳግመ- ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን።

ዳግመ- ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን። ``ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፤ ንናጽነት ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ ዳግመ -ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን`` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ንመበል ሳልሳይ ዓመት ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንዝቃናዕ ዳግመ-ርኽክብ፡  ዘብርህ፡ ዝሕብርን ዘረድእን

ዳግመ- ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን።

“ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፤ ንናጽነት ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ ዳግመ -ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን“ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ንመበል ሳልሳይ ዓመት ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንዝቃናዕ ዳግመ-ርኽክብ፡  ዘብርህ፡ ዝሕብርን ዘረድእን ድሕረ-ባይታን፡ ናይ ተሳታፍነት መጸዋዕታን።

“ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽ  ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ሒዙ ዝርከብን ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሓርበኛዊ ታሪኽን`ዩ። ስለዝኾነ፡ ከምዘይነበረ ክስረዝ ወይ ከም ሬሳ ኣብ ሓመድ  ንክበሊ ምግዳፉ፡  ናይ ኩሉ ሃገራዊ  ሕልና  ዘለዎ ዜጋ ኣይኮነን“ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዕዙዝ  ጸዋዒት፡ ብስም ዳግመ-ርኽክብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ንናጽነት ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ ምትእስሳር፡  ካብ 27-29 ሓምለ፡ 2012 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ደንቨር-ኮሎራዶ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ) ከም ዝተጋበአ ዝዝከር እዩ።

  • ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ንናይ ብዙሓት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ስነ-ኣእምራዊ፡ ስምዒታውን፡ ማሕበራውን ጥምረት ዓቂቡ ዝርከብ ናይ ታሪኽ ማህደር እዩ።
  • ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡  ኣብ ብረታዊ ዕጥቅን ካልእ ሃገራዊ መደባትን ተሰሊፎም፡  ናይ ሓባር ተዘክሮን ተመኩሮን ዘጥረዩ ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ዳግም ክራኽቡ፣ ተራኺቦም ሓድ ሕድ ናፍቖቶም ከርውዩ፡ ማሕበራዊ ርኽክባቶም ከደልድሉ፡ ካብ ነዊሕ እዋን  ኣትሒዙ ዝጸንሐ ሃረርታ`ዩ፣ መሰል እዩ ድማ።

ተበግሶ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ሓደ ዓመት ሓሳብን መደብን ኣይኮነን። ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ልብን ቀልብን ናይ ኩሎም ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተቓለሱ ኤርትራውያን ዝጸንሐ`ዩ። ስለምንታሲ፡ ንኣዝዩ ኣገዳሲ ሃገራዊ ታሪኽ፡ ከምዘይነበረ ኣብ ሓመድ ደቢኻዮ ምሕላፍ ንሃገራዊ ሓላፍነት ምዝንጋዕ`ዩ፣ ሓደገኛ`ውን`ዩ። ታሪኽ  ተ.ሓ.ኤ.ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ መስዋእቲ፡ መቝሰልትን ስንክልናን ዝዓቀበ፡ እሞ ካብ መሉእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መሉእ ቦታታት ኤርትራን ዝተፈጸመ ኢዩ። ሎሚ፡ ደቂ ትሕቲ 35 ዓመት ዘለዎም ኤርትራውያን ብግቡእ ዘይፈልጥዎ ታሪኽ ኢዩ። ስለዚ ታሪኽ ምስናድን ምዕቃብን ይጽናሓለይ ዘይብሃሎ ሓላፍነት`ዩ። ኣብ`ዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምስናድ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ልዑል ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሞት ተፈልዮሙና እዮም። ስለዝኾነ፡  ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ካብ`ቲ ዝግበኦ ኣዝዩ ደንጉዩ ዝጀመረ ስለዝኾነ ዝሓለፈ ክሳራ ይኣክል።

ጭቡጥ ሓቂታት፡

  1. ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጋደልና ኤርትራውያን፡ እተን ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍናየን ዕድመ፡ ምስቲ ሎሚ ወሲኽናዮ ዘለና ዕድመ ክወዳደራ ከለዋ ኣዝየን ውሑዳት ዓመታት እየን። ኣብ ቀጻሊ ህይወትና ግን እቲ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዘጥረናዮን ዝተገንዘብናዮን ብፖለቲካዊ ሰርጸት ይኹን፡ ፖለቲካ መንነት ኣዝየን ወሰንቲ ኮይነን ንረኽበን።  ኣብ 1983 ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሓወሱ ተጋደልቲ`ውን ከይተረፈ ክሳብ ሎሚ ብናይ ጀብሃዊ  መንነት`ዮም ዝግለጹ ዘለዉ።  ስለዝኾነ፡ ናብ ዘበልካ ኣብል፡ ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ፡  ንጹርን ነባርን ሕላገት ኮይኑ ዝቕጽል`ዩ።
  2. ንሕና ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበርና ተጋደልቲ፡ ተመኩሮታትና ዳግመ ክንዋሳኣሉን፡ ንመጻኢ ትውልዲ ከነውርሶን ግቡእናን መሰልናን ኢዩ።
  3. ንሕና ብህይወትና ተሪፍና ዘለና፡ ነቶም ኣብ ቃልሲ ኣብ ጎድንና እናተዋግኡን እናተቓለሱን ናይ ዝወደቑ ብጾትና ታሪኽ፡ ክነግርን ክንስንድን፡ ብውሕዱ ሕድሪ መስዋቶም ምፍጻም`ዩ።
  4. ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ሰፊሕን ክቡርን ስለዝኾነ፡  ታሪኽ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ክስነድን ክውረሰን ድማ ግቡእን ግድነትን`ዩ።
  5. ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ተቓለስቲ ዝነበርና፡  ዋላ ሎሚ ብግዝያዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ተፋላሊና ንሃሉ ድኣ`ምበር፡ እቲ ጀብሃዊ ፍቕርን ናፍቖትን ጌና ብሓዲሹ ኢዩ ዘሎ። እዚ ዘይሃስስን ወትሩ ሓዱሽን ዝኾነ ምትእስሳስርን ምዝማድን`ዚ፡ ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ጽልዋታት ክገብር  ዘኽእሎ መደብ ኣውጺእና  ንምትግባሩ  ምውሳእ፡  ኣብ ሓድነትን ምትእስሳርን ህዝቢ ኤርትራ እወንታዊ ኣበርክቶ ምግባር`ዩ። ስለዚ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ኣዝዩ ኣገዳሲ ሃገራዊ ቁምነገር ዘለዎን ታሪኻውን ርኽክብ`ዩ።
  6. ዳግመ-ርኽክብ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዳግም ሂወት ሰዂዕካ፡ ብቐጥታ ወይ ብተመሳሳሊ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ንምምስራት ኣይኮነን።

 

ዕማም ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ.

  1. ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብቓል፡ ብጽሑፍን፡ ብስእልን ምስናድ፣
  2.  ዳግም ንምርኻብን ንሕሉፍ ናይ ሓባር ተዘክሮታትና ምውህላልን፣
  3. ቅያ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡  ተደርብዩን ተረሲዑን ንከይተረፍ፣
  4.  ተመክሮና ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ምድህሳስን ናብ ሓቂ ዝቐረበ መኣዝን ናይ`ቲ ታሪኽ ምሓዝን፣
  5. ዳግመ-ርኽክብና፡ ብመንጽር ዝተፋለለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣተራጓጉማን ምግንጻል (ንምድህሳስ) እምበር ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መደምደምታ ንምብጻሕ ኣይኮነን፡
  6. ዳግመ-ርኽክብ፡ ከም ገዳይም ተጋደልቲ/veteran፡ ናይ ታሪኽና ድኹም ጎድኒታትን ሓያል ኣበርክቶን ምምዝጋብ።
  7. ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ናብ ወለዶታት መሊኡ ንክሰጋገር ምጽዓር። ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ሰፊሕ ተሳትፎን ናይ ኣዝዮም ብዙሓት ኣበርክቶን ንክረጋገጽ ምጽዓር።

ፈለማዊ ዳግመ-ርኽክብ

ርኽክብ ደነቨር፡ ካብ 27- 29 ሓምለ 2012 ተቓኒዑ።

  • ንተዘክሮታት ተሳተፍቲ ብልዑል መንፈስ ዘበራበረ፡  ናይ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ስእልታት ናይ ስዉኣትን ህልዋት ተጋደልቲ ተሳናዲኡ ኣብ ዓቢ ስክሪን ቀሪቡ።
  • (1) ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ (2) ሕብረተሰብኣዊ፡- ናብራ ዕብየት፡ ምጥፋእ ድንቁርና፡ ህዝባዊ ሕክምና (3)ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ቤት ትምህርቲ ካድራት፡ ህዝባዊ ስርዒት፡ ህዝባዊ ማሕበራት ዓይነ-ምስክራዊ ተዘክሮታትን ፍጻሜታትን ብቓል ተተሪኹ።

መኣዳዊ ዘተ

  1.  እንታይ ኢዩ ተ.ሓ.ኤ. ንክትወድቕ ዝገበረ ቀንዲ ጌጋታት?
  2. ስለንምታይ`ከ ንሕና  ካብ ውድቀትና ተማሂርና ብሓባር ክሰርሕን ክንቃለስን ዘይከኣልና? … ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብሸውዓተ ሰባት ፐናሊስትስ( panelists) ብመልክዕ መኣዳዊ-ዘተ ቀሪቡን ካብ ተሳተፍቲ ሕቶታትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ቀሪቡ።

ኣብ መደምደምታ፡

ንፈለማዊ ዳግመ-ርኽክብ ሓያልን ድኹምን ጎኑ መዚኑ። ካብ እዚ`ኸ ናበይ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ብዛዕባ ቀጻነትን ከመይነትን ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ዘትዩ ኣብ ውሳኔታት በጺሑ። ካልኣይ ርኽክብ ዳግመ-ርኽክብ ኣብ ኣትላንታ ኣብ ሓምለ 12-14 2013 ዳግም ክጋባእ ተሰማሚዑ።

ሓፈሻዊ ሚዛን

ፈለማዊ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ደንቨር ኮሎራዶ፡ ኣብ ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ. ዝተፋላለየ ሚዛናትን ተጋራጫዊ ዝመስል ተመኩሮታትን ነይሩዎም ዝባሃሉ ተቓለስቲ፡ ብምክብባር ኣብ ሓደ መድረኽ ዘትዮም።  ኣብ መንጎ ናይ ትማሊ ናይ ዕጥቂ ተቓለስቲ ብጻይነት፡ ዘይሃሰሰን፡ ከም ናይ ቀዳሙ ህያው ምዃኑን ኣረጋጊጹ።

 

 

ኣትላንታ፡ መበል ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ.  ሓምለ 12-14 2013

ኣብ ኣትላንታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ንመበል ካልኣይ ጊዜ፡ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ክቃናዕ ኢዩ። እዚ ርኽክብ`ዚ “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ንናጽነት ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ ዳግመ-ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን“  ዝብል ቴማ ዳግም ተጋቢኡ።

ቅርጽን መሰናድኦን መደብ ኣትላንታ 2013፡ ልክዕ ከም`ቲ ኣብ ደንቨር (2012) ኮይኑ እዩ ተሳላሲሉ። ብመጠን ተሳተፍትን ብዕምቆት ትሕዝቶን ግን ካብ ናይ ደንቨር ክብ ዝበለ ነይሩ።

ዳግመ ርኽክብ ኣትላንታ 2013 ብዕምቆት ካብ ዝዝተየሎም ጉዳያት፡

  1. መሰረታ ዊ ዕላማታት ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ.፡  ናይ ሓባር ተመኩሮ  ንምዝካርን ንምኽባርን ምዃኑ፣
  2. ኣገዳስነት ናይ ሓባር ተመኩሮታትናን ማሕበራውን ባህላውን ርብሓታት ንምዕቃብን ምምዕባልን፣
  3.  ነዚ ሽቶታት`ዚ ንምዕዋት፡ ንፍልልያት ዝለዓለ ክብረት ምሃብ ግድን ምዃኑ፣
  4. ኣድላይነት ክፉት ኣተሓሳስባ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ምትብባዕ፣
  5. ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣእምሮ ናይ`ቲ ንዕስራታት ዓመታት ካብ ባዕዲ ከተናግፎ ዝተቓለሰትሉ ህዝብን፡ ሓርበኛታት ተቓለስትን ህያው ኮይኑ ዝጸንሐ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ እዚ ታሪኽ `ዚ ብሓበን ክዝከርን ብግቡእ ተሰኒዱ ንትውልዲ ክመሓላለፍ ናይ ዳግመ-ርኽክብ ዝዓበየ ዕማም ምዃኑ፣
  6. ወተሃደራዊ ግጥሚያታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ብበራጊድ 97ን 44ን ዝተኻየደ ጅግናዊ ውግእ፡ ብዝርዝርን ስእሊ (መኣዳዊ ሑጻ) ቀሪቡ፣
  7. ምጥዋር ውጉኣት ሓርነት ሓላፍነታዊ ምዃኑ፣
  8. ካብ ስክፍታታት ንዝነቕሉ  ሕቶታት`ውን መሊሱ።

 

ዘትዩ ዝበጽሖም ሓበራዊ ስምምዓት፡

ዕላማታት ዳግመ-ርኽክብ ዝያዳ ክሰፍሕ፡ ንኡስ ወለዶ ክሳተፎ ዘኽእል መደባት ይጸናዕ፣  ምስናድ ታሪኽ ቀንድን መሰረታውን ዕላማ ይኹን፣ ናይ ዳግመ-ርኽክብ ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ከተማታት ይቑማ፣ ብኣህጉራዊ ደረጃ፡ ናይ መራኸቢ መርበብ ይሃሉ፣ ምጥዋር ውግኣት ሓርነት ሓላፍነት ምውሳድ፣ ብማዕረ ማዕረ ምስናድ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ክኸዱ ዝግበኦም መደባት ክህልዉ ይተሓሰቦ፡ ንዝብሉ ሓሳባት- ዕዘት፡ ርዝነትን፡ ኣኽብሮትን ብዝመልኣ  ዘትዩሉ ኣብ ናይ ሓባር ተረድኦታት በጺሑ።

ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ.፡ ኣበጊስዎ ንዘሎ ዕላማታትን ክትዓትን ንኽቕጽል፡ ኣብ ሳልሳይ ርኽክብ እንደገና ኣብ ከተማ ኣትላንታ ንኽራኸብ ተሰማሚዑ።

ምስጋናን፡

ተቐማጦ ከተማ ኣትላንታ፡ ነዚ ካልኣይ ዳግመ ርኽክብ ክዉን ንምግባር ዝፈጸምዎ ልዑል ምቅርራብን ልግስን ዝለዓለ ሞጎስ ቀሪብሎም። ሳልሳይ ርኽክብ፡ ኣብ ኣትላንታ ንኽድገም ዘቕረብዎ ተባዕን ሰናይን ሓሳብ`ውን፡ ንህርኩት ተወፋይነቶም ዘንጸባርቕን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ለበዋን መተሓሳሰብን፡

ኩሎም እቶም ክሳብ ሕጂ ዘይተሳተፍዎ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተቓለሱ  ኣሕዋት ኤርትራውያንን፡  ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክሳተፍዎን፡ ኩሉ ዝክኣል ኣበርክቶ ክገብሩን፡ ብኣኽብሮት ልባዊ ዕድመ ተገይሩሎም።

መደምደምታ፡

ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ናብ ወለዶታት መሊኡ መታን ክሰጋገር-  ክስራሕን ክሰላሰልን፡ ዝወዓሉን ዝተዓዘቡን ይኹኑ ብዛዕባ እዚ ታሪኽ እዚ ዝግደሱ ኩሎም ኣብ ምዕቃብን ምዝርጋሕን ዝተጸንዐን ዝተማልአን፡ ኣፋውን ዝተሓትመን ሰነዳዊ ታሪኽ  ኣብ ምስናድ፡ ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩ ኣማሕጺኑ።

ንመበል ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሰነ 27-29 2014 ኣብ ከተማ ኣትላንታ የራኽበና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Hagherawi March 18, 2014

    “ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ናብ ወለዶታት መሊኡ መታን ክሰጋገር- ክስራሕን ክሰላሰልን፡ ዝወዓሉን ዝተዓዘቡን ይኹኑ ብዛዕባ እዚ ታሪኽ እዚ ዝግደሱ ኩሎም ኣብ ምዕቃብን ምዝርጋሕን ዝተጸንዐን ዝተማልአን፡ ኣፋውን ዝተሓትመን ሰነዳዊ ታሪኽ ኣብ ምስናድ፡ ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩ ኣማሕጺኑ።”

    The generation that made history in both ELF and EPLF is aging and passing away without documenting
    the heroism and sacrifices of it’s generation for the sake our beloved Eritrea.
    Please make documenting history (only facts) your priority one, for the sake of the new generation.

  • t March 18, 2014

    U all the the same,we need civillians.

  • Lilay March 18, 2014

    Nothing new or no history just we know every thing. We have other problem to solve so we have to time to leason tales because we know the fact!!! Enough is enough and no more tales!!!

  • Lilay March 18, 2014

    Nothing new or no history just we know every thing. We have other problem to solve so we have NO time to litsen tales because we know the fact!!! Enough is enough and no more tales!!!

  • ahmed saleh March 18, 2014

    The misleading information and the distorted facts of our politics caused the country to fall at the hands of some
    calculated opportunists . To learn more
    in detail the truth precisely may bring
    broader knowledge . EPLF leadership
    political policy contributed negative influences of mistrust among our society and to uproot this destructive
    mentality require educational lessons
    to learn to identify the weaknesses.
    ELF and EPLF fronts represent .the history of Eritrea revolution and we honor their legacy but at the same time
    our people must know all the facts free
    from political interest ambitions .
    The call for compatriots with inside information to share their knowledge
    based in truth is important and we must welcome the invitation.

  • tesfu March 18, 2014

    we don’t need your killing and spoiling savage pollution to transfer to the next generation, we have enough virus that still contaminating sha’ebia and jebha ideas to our youth. Of course we respect (for both fronts) your contribution for that specific time, however, enough is enough. Your hidden agenda of one man or one party mechanism is still trying to dominating and it doesn’t really work. I wonder why EPLF pro-epockly announced that selfish denomination by saying “Eritrea can only host one front”. And now, you are trying to show or to say we are not dead while you all are burried.
    Good luck to eritrea. May God look to the innocent people. Unlike the selfish people of sha’ebia and jebha losers.

    • Zufana March 18, 2014

      tesfu,
      Very well said.’ And now, you are trying to show or to say we are not dead while you all are buried.’ How very true indeed. Well said brother/sister denden as well. There were a lot of bad Eritreans for sure but the vast majority has always been decent and good though they may have been misled, powerless or confused at various times in our history. So, let us reclaim faith in ourselves and let us resist all attempts to make us loath ourselves as a people. If we are to defeat the dictatorship, attitude change is an absolute must! Let us simply adapt “keep hope alive”. Otherwise, think of the Eritrean reputation and history as a daughter is raped in front of her father in Sinai!

    • Lilay March 19, 2014

      Good jobb Tesfu. Thank you.

  • denden March 18, 2014

    STOP THERE! Are you proud of the rape, the atrocity, and barbaric round up of the entire habesha farmers and pastoralists from the kebesa and forcing them to gedli. Remember the forced abductions of the kebesa children girls from their mothers’ lap, the newly wed girls and boys. Now you telling us you want to make more damage by transferring those immoral barbaric act against kebessa people as if it was good. Why do don’t you tell us how many kebessa habesha girls raped and made unholy relationship with men of different religions and cultures in ELF and EPLF. Listen you people, The Gedli experimental expedition was not against the Ethiopian occupation, that was a cover up. Gedli was established to eradicate the Kebsa culture, religion, custom, tradition. It seems that DIA has unfinished business hence he recruited Rashaida ,Budwins, Africans, europians to eradicate kebesa womb. EPLF and ELF are buried in the same grave long time ago but only the Chameleon DIA changed his name to HEGDEF continued to unleash his anger of self-hate. just like Hitler being of Jewish blood, he incinerated and massacred millions of Jewish simply because his mother was ostracised by Jewish community for marrying a Jewish man. So this DIA has inherited Hitler Syndrome. Leave us alone now so we can recover our tradition, our religion and culture. Sooner or later we will hunt down those responsible for the eradication of our society, tradition, and religion and we will put them in their rightful horrible history. ELF lead by muslims and EPLF lead by identity denial DIA, knew that Women are the gate keepers of our religion , customs, culture, traditions so they waged war against Habesha womb. They snatched and brainwashed young girls and boys and they gave them instructions to follow. The first rule was do not listen to your parents and abandon to respect your parents, women, elderly because we are all equal. So young girls and boys stoped bending to wash their parents hand so they can be blessed. Keshi and Zukunay started dancing and singing SKITISHIM NAY Socialism (TEWEDEB) instead of church MIHLELA. Telling our kids, our girls in sudan that we are not Habesha ,we are eritreans but only Ethiopia is habesha, So habesha people were so ashamed to call themselves habesha. Thanks God our people waked up now but too late.

    • ahmed saleh March 18, 2014

      If I am not wrong the message and its
      contents looks familiar but only with
      different pen name.

  • Hagherawi March 18, 2014

    “Gedli was established to eradicate the Kebsa culture, religion, custom, tradition.”

    denden

    “If I am not wrong the message and its
    contents looks familiar but only with
    different pen name.”

    ahmed saleh

    Brother Ahmed, you are right, he is at it again, the same guy who keeps changing names to insult Ghedli and Eritreans.
    He is suffering from acute identity crisis. No body can help him. There is no cure for it, other than of course, helping him
    to go back to his Agameland.

    • Gideon March 19, 2014

      Hagherawi or Hagereseb, ahmed saleh or a nomad. The truth hurts, doesn’t it? What a garbage history of ELF you want to pass to the poor young generation. Why don’t you lot drop dead and bury yourselves with your shit histories for once and for good.

  • Dr Smejana March 19, 2014

    It appears to me that there is still divided front between former ELFs and EPLFs in diaspora. Wedi-Afom loves this division. Why can’t the tow sides meet in diaspora and form one front without losing their historical identity. Remeber “E bluribus Unum” unity in diversity!

POST A COMMENT